ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 48
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ያእቆብ ንኽልቲኦም ደቂ ዮሴፍ መረቖም (1-12)

      • ኤፍሬም ዝዓበየ ምርቓ ረኸበ (13-22)

ዘፍጥረት 48:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:50፣ እያ 14:4

ዘፍጥረት 48:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:13, 19፣ ሆሴ 12:4

ዘፍጥረት 48:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:10, 11
  • +ዘፍ 28:13, 14

ዘፍጥረት 48:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 14:4፣ 1ዜና 5:1
  • +ዘፍ 35:23

ዘፍጥረት 48:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:29፣ 16:5

ዘፍጥረት 48:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 5:2
  • +ዘፍ 35:19
  • +1ሳሙ 17:12፣ ማቴ 2:6

ዘፍጥረት 48:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:50
  • +እብ 11:21

ዘፍጥረት 48:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:34, 35፣ 42:36፣ 46:30

ዘፍጥረት 48:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:52
  • +ዘፍ 41:51

ዘፍጥረት 48:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:51፣ 46:20

ዘፍጥረት 48:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 5:2
  • +ዘፍ 17:1፣ 24:40
  • +ዘፍ 28:13፣ መዝ 23:1

ዘፍጥረት 48:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተበጀወኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:15፣ 31:11፣ መዝ 34:7
  • +ዘፍ 32:26
  • +ዘጸ 1:7፣ ዘሁ 26:34, 37

ዘፍጥረት 48:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:51

ዘፍጥረት 48:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 2:18-21
  • +ዘሁ 1:32, 33

ዘፍጥረት 48:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:21

ዘፍጥረት 48:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 50:24
  • +ዘፍ 15:14፣ 26:3፣ ዘዳ 31:8

ዘፍጥረት 48:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓደ ጎቦ እታ ምድሪ።” ቃ.ቃ.፡ “መንኵብ።”

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 48:1ዘፍ 41:50፣ እያ 14:4
ዘፍ. 48:3ዘፍ 28:13, 19፣ ሆሴ 12:4
ዘፍ. 48:4ዘፍ 35:10, 11
ዘፍ. 48:4ዘፍ 28:13, 14
ዘፍ. 48:5እያ 14:4፣ 1ዜና 5:1
ዘፍ. 48:5ዘፍ 35:23
ዘፍ. 48:6እያ 13:29፣ 16:5
ዘፍ. 48:7ሚክ 5:2
ዘፍ. 48:7ዘፍ 35:19
ዘፍ. 48:71ሳሙ 17:12፣ ማቴ 2:6
ዘፍ. 48:9ዘፍ 41:50
ዘፍ. 48:9እብ 11:21
ዘፍ. 48:11ዘፍ 37:34, 35፣ 42:36፣ 46:30
ዘፍ. 48:13ዘፍ 41:52
ዘፍ. 48:13ዘፍ 41:51
ዘፍ. 48:14ዘፍ 41:51፣ 46:20
ዘፍ. 48:151ዜና 5:2
ዘፍ. 48:15ዘፍ 17:1፣ 24:40
ዘፍ. 48:15ዘፍ 28:13፣ መዝ 23:1
ዘፍ. 48:16ዘፍ 28:15፣ 31:11፣ መዝ 34:7
ዘፍ. 48:16ዘፍ 32:26
ዘፍ. 48:16ዘጸ 1:7፣ ዘሁ 26:34, 37
ዘፍ. 48:18ዘፍ 41:51
ዘፍ. 48:19ዘሁ 2:18-21
ዘፍ. 48:19ዘሁ 1:32, 33
ዘፍ. 48:20እብ 11:21
ዘፍ. 48:21ዘፍ 50:24
ዘፍ. 48:21ዘፍ 15:14፣ 26:3፣ ዘዳ 31:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 48:1-22

ዘፍጥረት

48 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ ኣቦኻ ይደክም ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። ንሱ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ንኤፍሬምን፡ ምስኡ ወሰዶም።+ 2 ንያእቆብ ድማ፡ “እንሆ ወድኻ ዮሴፍ ናባኻ መጺኡ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። እስራኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። 3 ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ ከምዚ በሎ፦

“እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ሉዝ ኣብ ምድሪ ከነኣን ተራእየኒ፡ ባረኸኒ ኸኣ።+ 4 ‘እንሆ፡ ከፍርየካን ከብዝሓካን ጭፍራ ህዝብታት ክገብረካን እየ፡+ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህቦ እየ’ በለኒ።+ 5 ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ቕድሚ ምምጻአይ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም።+ ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ኪዀኑ እዮም።+ 6 ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉዳት ግና ናትካ ኪዀኑ እዮም። ኣብ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ኪስመዩ እዮም።+ 7 ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ክመጽእ ከለኹ፡ ናብ ኤፍራታ ንምብጻሕ ገለ ርሕቀት ምስ ተረፈኒ፡+ ራሄል ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ጥቓይ ሞተት።+ ኣብ መገዲ ኤፍራታ፡ ንሳ ቤት-ልሄም፡+ ከኣ ቀበርክዋ።”

8 እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ረኣዮም እሞ፡ “እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። 9 ዮሴፍ ከኣ ንኣቦኡ፡ “እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክምርቖምሲ፡ በጃኻ ናባይ ኣምጽኣዮም” በሎ።+ 10 ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርጋን እተላዕለ ደኺመን ነበራ እሞ፡ ኪርኢ ኣይከኣለን። ዮሴፍ ድማ ናብኡ ኣቕረቦም፣ ንሱ ኸኣ ሰዓሞምን ሓቘፎምን። 11 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ “ገጽካ ኽርኢ ኣይሓሰብኩን ነይረ፣+ እንሆ ግና፡ ኣምላኽ ዘርእኻ እውን ኣርእዩኒ” በሎ። 12 ሽዑ፡ ዮሴፍ ካብ ኣብራኽ እስራኤል ኣልገሶም እሞ፡ ብገጹ ተደፊኡ ናብ ምድሪ ሰገደ።

13 ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ወሲዱ፡ ንኤፍሬም+ ብየማኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ+ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። 14 እስራኤል ግና የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነኣሰ ኤፍሬም፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። ምናሴ በዅሪ ብምንባሩ፡+ ኰነ ኢሉ ኣእዳዉ በዚ ኸምዚ ኣንበረ። 15 ሽዑ፡ ንዮሴፍ ከምዚ ኢሉ መረቖ፦+

“እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ እተመላለሱ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+

እቲ ኣብ ኵሉ ህይወተይ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝጓሰየኒ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+

16 እቲ ኻብ ኵሉ መዓት ዘድሓነኒ* መልኣኽ፡+ ነዞም ኣወዳት እዚኦም ይባርኮም።+

ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጸዋዕ፡

ኣብ ምድሪ ብዙሓት ኪዀኑ ድማ ይሰስኑ።”+

17 ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ፡ በዚ ጐሃየ እሞ፡ ኢድ ኣቦኡ ሒዙ ኻብ ርእሲ ኤፍሬም ናብ ርእሲ ምናሴ ኼሕልፋ ፈተነ። 18 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡ፡ “ኣቦየ፡ እቲ በዅሪ እዚ እዩ እሞ፡+ ከምኡ ኣይኰነን። የማነይቲ ኢድካ ኣብ ርእሱ ኣንብር” በሎ። 19 ኣቦኡ ግና ኣብዩ፡ “እፈልጥ ወደየ፡ እፈልጥ። ንሱ እውን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ንሱ እውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ንእሽቶ ሓዉ ኻብኡ ኺዓቢ እዩ፡+ ዘርኡ እውን ማዕረ ኣህዛብ ኪኸውን እዩ”+ በለ። 20 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፦+

“‘ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’

ኢሎም እስራኤላውያን ብኣኻ ይመርቑ።”

በዚ ኸምዚ፡ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።

21 ሽዑ፡ እስራኤል ንዮሴፍ፡ “እንሆ፡ እመውት ኣለኹ፣+ ኣምላኽ ግና ብርግጽ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ፡ ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ኪመልሰኩም እዩ።+ 22 ኣነ ኸኣ ካብታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሰይፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ምድሪ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፋል* ሂበካ ኣለኹ” በሎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ