ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 24
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ነታ ምድሪ ጥራያ ይገብራ (1-23)

        • የሆዋ ኣብ ጽዮን ነጊሱ (23)

ኢሳይያስ 24:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “የሆዋ ንምድሪ።”

  • *

    ወይ፡ “ገጻ ይጕምጽጾን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:5፣ ኤር 4:6፣ ህዝ 6:6
  • +2ነገ 21:13
  • +ዘዳ 28:63, 64፣ ነህ 1:8፣ ኤር 9:16

ኢሳይያስ 24:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 7:12, 13

ኢሳይያስ 24:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:31፣ ዘዳ 29:28

ኢሳይያስ 24:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትደርቕን” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:28፣ ድጕ 1:4

ኢሳይያስ 24:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ናይ ጥንቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:13፣ ዳን 9:5
  • +ሚክ 3:11
  • +ዘጸ 19:3, 5፣ 24:7፣ ኤር 31:32፣ 34:18-20
  • +ዘሌ 18:24፣ ዘሁ 35:33, 34፣ 2ዜና 33:9፣ ኤር 3:1፣ 23:10, 11፣ ድጕ 4:13

ኢሳይያስ 24:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:15, 16
  • +ዘዳ 4:27፣ 28:15, 62

ኢሳይያስ 24:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይደርቕ፣ ይነጽፍ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 8:13፣ ዮኤ 1:10
  • +ኢሳ 32:12

ኢሳይያስ 24:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 7:34

ኢሳይያስ 24:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:8-10

ኢሳይያስ 24:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 5:15

ኢሳይያስ 24:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 32:14፣ ኤር 9:11፣ ድጕ 1:4፣ 2:8, 9

ኢሳይያስ 24:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 24:20
  • +ኤር 6:9፣ ህዝ 6:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 24:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምዕራብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:9፣ ኤር 31:12፣ 33:10, 11

ኢሳይያስ 24:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ምብራቕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 43:5
  • +ኢሳ 11:11፣ 60:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 24:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጽባቐ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 15:11፣ እዝ 9:15፣ መዝ 145:7፣ ራእ 15:3
  • +ኤር 9:2, 3

ኢሳይያስ 24:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 8:3፣ ህዝ 14:21

ኢሳይያስ 24:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 48:44

ኢሳይያስ 24:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:24

ኢሳይያስ 24:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:16፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 14:20

ኢሳይያስ 24:21

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 24:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:13፣ ኢሳ 12:6፣ ዮኤ 3:17፣ ሚክ 4:7፣ ዘካ 2:10
  • +መዝ 97:1፣ ራእ 11:17
  • +1ነገ 8:11
  • +ራእ 21:23

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 24:1ኢሳ 5:5፣ ኤር 4:6፣ ህዝ 6:6
ኢሳ. 24:12ነገ 21:13
ኢሳ. 24:1ዘዳ 28:63, 64፣ ነህ 1:8፣ ኤር 9:16
ኢሳ. 24:2ህዝ 7:12, 13
ኢሳ. 24:3ዘሌ 26:31፣ ዘዳ 29:28
ኢሳ. 24:4ኤር 4:28፣ ድጕ 1:4
ኢሳ. 24:52ነገ 22:13፣ ዳን 9:5
ኢሳ. 24:5ሚክ 3:11
ኢሳ. 24:5ዘጸ 19:3, 5፣ 24:7፣ ኤር 31:32፣ 34:18-20
ኢሳ. 24:5ዘሌ 18:24፣ ዘሁ 35:33, 34፣ 2ዜና 33:9፣ ኤር 3:1፣ 23:10, 11፣ ድጕ 4:13
ኢሳ. 24:6ዘሌ 26:15, 16
ኢሳ. 24:6ዘዳ 4:27፣ 28:15, 62
ኢሳ. 24:7ኤር 8:13፣ ዮኤ 1:10
ኢሳ. 24:7ኢሳ 32:12
ኢሳ. 24:8ኤር 7:34
ኢሳ. 24:102ነገ 25:8-10
ኢሳ. 24:11ድጕ 5:15
ኢሳ. 24:12ኢሳ 32:14፣ ኤር 9:11፣ ድጕ 1:4፣ 2:8, 9
ኢሳ. 24:13ዘዳ 24:20
ኢሳ. 24:13ኤር 6:9፣ ህዝ 6:8
ኢሳ. 24:14ኢሳ 40:9፣ ኤር 31:12፣ 33:10, 11
ኢሳ. 24:15ኢሳ 43:5
ኢሳ. 24:15ኢሳ 11:11፣ 60:9
ኢሳ. 24:16ዘጸ 15:11፣ እዝ 9:15፣ መዝ 145:7፣ ራእ 15:3
ኢሳ. 24:16ኤር 9:2, 3
ኢሳ. 24:17ኤር 8:3፣ ህዝ 14:21
ኢሳ. 24:18ኤር 48:44
ኢሳ. 24:19ኤር 4:24
ኢሳ. 24:202ነገ 21:16፣ 2ዜና 36:15, 16፣ ኤር 14:20
ኢሳ. 24:23መዝ 132:13፣ ኢሳ 12:6፣ ዮኤ 3:17፣ ሚክ 4:7፣ ዘካ 2:10
ኢሳ. 24:23መዝ 97:1፣ ራእ 11:17
ኢሳ. 24:231ነገ 8:11
ኢሳ. 24:23ራእ 21:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 24:1-23

ኢሳይያስ

24 እንሆ፡ የሆዋ ነታ ምድሪ* ጥራያ ይገብራን የባድማን ኣሎ።+

ይግልብጣን*+ ንነበርታ ፋሕ የብሎምን ኣሎ።+

 2 ንዅሉ ሕደ ኪኸውን እዩ፦

ንህዝቢ ዀነ ንኻህን፡

ንጊልያ ዀነ ንጐይታኡ፡

ንገረድ ኰነ ንእመቤታ፡

ንዓዳጊ ዀነ ንሸያጢ፡

ንኣለቃሒ ዀነ ንተለቃሒ፡

ንኣዋዲ ዀነ ንተኣዋዲ ሕደ ኪኸውን እዩ።+

 3 እታ ምድሪ ጠሪሳ ጥራያ ኽትከውን እያ፣

የሆዋ እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡

ጠሪሳ ኽትዝመት እያ።+

 4 እታ ምድሪ ትሓዝንን*+ ትማስንን ኣላ።

እታ ፍርያም ምድሪ ትነቅጽን ትጽምሉን ኣላ።

ምርኡያት ህዝቢ እታ ምድሪ ይነቕጹ ኣለዉ።

 5 ሕግታት ዕሽሽ ኢሎም፡+

ስርዓታት ለዊጦም፡+

ነቲ ነባሪ* ኺዳን ከኣ ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡+

እታ ምድሪ ብነበርታ ተበኪላ ኣላ።+

 6 ስለዚ፡ መርገም ነታ ምድሪ ውሒጥዋ ኣሎ፣+

እቶም ነበርታ ድማ በደልቲ እዮም።

ስለዚ፡ ነበርቲ እታ ምድሪ ነክዮም፡

ኣዝዮም ሒደት ሰባት ከኣ ተሪፎም ኣለዉ።+

 7 ጕዕሽ ወይኒ ይሓዝን፡* ተኽሊ ወይኒ ይነቅጽ ኣሎ፣+

ኵሎም እቶም ሕጉስ ዝልቦም ድማ እህህ ይብሉ ኣለዉ።+

 8 ሓጐስ ከበሮ ኣቋሪጹ፡

ጫውጫውታ ፈንጠዝቲ ተወዲኡ፡

ዜሐጕስ ደሃይ መሰንቆ* ኣቋሪጹ ኣሎ።+

 9 ብዘይ ደርፊ፡ ወይኒ ይሰትዩ፡

ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ንዚሰትይዎ ይመርሮም።

10 እታ እተጠንጠነት ከተማ ፈሪሳ፣+

ሓደ እኳ ኸይኣቱስ፡ ኵሉ ቤት ተዓጽዩ እዩ።

11 ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ጐደናታት ይጭድሩ ኣለዉ።

ኵሉ ታሕጓስ ጠፊኡ ኣሎ፣

ሓጐስ እታ ምድሪ ርሒቑ ኣሎ።+

12 እታ ኸተማ ዓንያ ተሪፋ፣

እቲ ኣፍ ደገ ተሰባቢሩስ ኵምራ ዑናታት ኰይኑ ኣሎ።+

13 ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታትሲ፡

ከምቲ ኦም ኣውልዕ ምስ ተወቕዐ፡+

ከምቲ ምእካብ ፍረ ወይኒ ምስ ተወድአ ዚህሉ ቐሪም ኪኸውን እዩ።+

14 ድምጾም ኬልዕሉ፡

እልል እውን ኪብሉ እዮም።

ካብ ባሕሪ* ብዛዕባ ግርማ የሆዋ ኺእውጁ እዮም።+

15 ስለዚ፡ ንየሆዋ ኣብ ዞባ ብርሃን* ኬኽብርዎ እዮም፣+

ኣብ ደሴታት ባሕሪ ንስም የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኬኽብርዎ እዮም።+

16 “ክብሪ* ነቲ ጻድቕ!”+

ዚብል መዝሙራት ካብ ወሰናት ምድሪ ንሰምዕ ኣለና።

ኣነ ግና፡ “ማህሚነ፡ ማህሚነ!

ወይለይ! እቶም ጠለምቲ ይጠልሙ ኣለዉ፣

እቶም ጠለምቲ ብጥልመት ይጠልሙ ኣለዉ” እብል ኣለኹ።+

17 ኣታ ነባሪ እታ ምድሪ፡ ሽበራን ጐዳጕድን መጻወድያታትን ይጽበየካ ኣሎ።+

18 ካብ ደሃይ ሽበራ ዚሃድም፡ ናብ ጕድጓድ ኪወድቕ፡

ካብ ጕድጓድ ዚወጽእ ድማ፡ ብመጻወድያ ኺትሓዝ እዩ።+

ከመይሲ፡ መሳዅቲ ላዕሊ ኪኽፈት፡

መሰረታት እታ ምድሪ እውን ኬንቀጥቅጥ እዩ።

19 እታ ምድሪ ተገማሚዓ፡

እታ ምድሪ ተናዊጻ፡

እታ ምድሪ ኣመና ፈጥፈጥ ትብል ኣላ።+

20 እታ ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡

ከም ጎጆ ብንፋስ ድማ ሰሰው ትብል ኣላ።

ኣበሳኣ ኸቢድዋ ኣሎ፣+

ክትወድቕ፡ መሊሳ እውን ኣይክትትንስእን እያ።

21 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ቘላሕታኡ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ላዕሊ ሰራዊት ኪገብር፡

ኣብ ምድሪ ናብ ዘለዉ ነገስታት ምድሪ እውን ኪገብር እዩ።

22 ከምቲ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ዚእከቡ፡

ብሓባር ኪእከቡ፡

ኣብ ቤት ማሕቡስ ከኣ ኪዕጸዉ እዮም፣

ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ቈላሕታ ኺግበረሎም እዩ።

23 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን+ ኣብ የሩሳሌምን ነጊሱ፡+

ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝቡ* ድማ ከቢሩ እዩ እሞ፡+

ምልእቲ ወርሒ ኽትሓፍር፡

እትበርህ ጸሓይ ድማ ክትሓንኽ እያ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ