ዘካርያስ
13 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንቤት ዳዊትን ንነበርቲ የሩሳሌምን፡ ንምንጻህ ሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዒላ ኽትክፈተሎም እያ።+
2 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “ስማት ጣኦታት ካብታ ምድሪ ኽድምስስ እየ፡+ ደጊም እውን ኣይኪዝከሩን እዮም፣ ካብታ ምድሪ ድማ ነብያትን+ መንፈስ ርኽሰትን ከወግድ እየ። 3 ሓደ ሰብ መሊሱ እንተ ተነብዩ ኸኣ፡ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ‘ብስም የሆዋ ሓሶት ስለ እተዛረብካ፡ ብህይወት ኣይክትነብርን ኢኻ’ ኺብልዎ እዮም። እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ ብሰሪ ምንባዩ ኺወግእዎ እዮም።+
4 “በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቶም ነብያት ነፍሲ ወከፎም ኪንበዩ ኸለዉ ብራእዮም ኪሓፍሩ እዮም፣ ኬታልሉ ኢሎም ከኣ ጸጓር ባርኖስ ኣይኪለብሱን እዮም።+ 5 ነፍሲ ወከፍ ድማ፡ ‘ነብዪ ኣይኰንኩን። ንእሽቶ ኸለኹ ሰብ ስለ ዝዓደገኒ፡ መሬት ዚሓርስ ሰብ ደኣ እየ’ ኺብል እዩ። 6 ‘እዚ ኣብ መንጎ መንኵባትካ* ዘሎ ኣቝሳል እንታይ እዩ፧’ ተባሂሉ እንተ ተሓቲቱ ኸኣ፡ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ኣቝሳል እዩ’ ኢሉ ኺምልስ እዩ።
ስመይ ኪጽውዑ እዮም፣
ኣነ እውን ክምልሰሎም እየ።
ኣነ፡ ‘ህዝበይ እዮም’ ክብል እየ፣+
ንሳቶም ከኣ፡ ‘የሆዋ ኣምላኽና እዩ’ ኺብሉ እዮም።”