71 ኦ የሆዋ፡ ኣባኻ ተማዕቊበ ኣለኹ።
ከቶ ኣይተሕፍረኒ።+
2 ብጽድቅኻ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።
እዝንኻ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ።+
3 ወትሩ ኽኣትዎ ዝኽእል
ዕርዲ ኸውሒ ኹነኒ።
ከውሐይን ዕርደይንሲ ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ንምድሓነይ ኣዝዝ።+
4 ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ኢድ እኩይ፡
ካብ ቍጽጽር ዓማጽን ጨቋንን ኣናግፈኒ።+
5 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ተስፋይሲ ንስኻ ኢኻ፣
ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ብኣኻ እእመን እየ።+
6 ካብ ከርሲ ኣትሒዘ ኣባኻ እምርኰስ እየ፣
ካብ ማሕጸን ኣደይ ዝፈለኻኒ ንስኻ ኢኻ።+
ወትሩ እውድሰካ እየ።
7 ንብዙሓት ከም ተኣምር ኰይነዮም፣
ንስኻ ግና ጽኑዕ መዕቈብየይ ኢኻ።
8 ኣፈይ ብውዳሰኻ መሊኡ ኣሎ፣+
ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ግርማኻ እነግር እየ።
9 ብግዜ እርጋነይ ኣይትደርብየኒ፣+
ሓይለይ ምስ ጠለመኒ ኸኣ ኣይትሕደገኒ።+
10 ጸላእተይ ኣንጻረይ ይዛረቡ፣
እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ድማ ተንኰል ይፍሕሱ።+
11 “ኣምላኽ ሓዲግዎ።
ዜድሕኖ ኸኣ የብሉን እሞ፡ ጐይኹም ሓዝዎ” ይብሉ።+
12 ኦ ኣምላኽ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።
ኦ ኣምላኸይ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+
13 እቶም ዚጻረሩኒ
ይሕፈሩን ይጥፍኡን።+
እቶም መዓተይ ዚደልዩ
ብነውርን ብውርደትን ይጐልበቡ።+
14 ኣነ ግና፡ ወትሩ ኽጽበ እየ፣
ንውዳሰኻ እውን ክውስኸሉ እየ።
15 ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኽርድኦ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡+
ኣፈይ ጽድቅኻ፡
ምሉእ መዓልቲ ድማ ግብርታት ድሕነትካ ኺነግር እዩ።+
16 ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡
መጺአ ብዛዕባ ግብርታት ሓይልኻ ኽነግር፡
ብዛዕባ ጽድቅኻ፡ ብዛዕባ ናትካ ጥራይ ክጠቅስ እየ።
17 ኦ ኣምላኽ፡ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዝካ ምሂርካኒ፣+
ክሳዕ ሕጂ እውን ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታትካ እነግር ኣለኹ።+
18 ኦ ኣምላኽ፡ ምስ ኣረግኩን ምስ ሸየብኩን እውን ኣይትሕደገኒ።+
ብዛዕባ ስልጣንካ ንዚቕጽል ወለዶ፡
ብዛዕባ ሓይልኻ ንዅሎም እቶም ዚመጹ ኽነግሮም እየ።+
19 ኦ ኣምላኽ፡ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣+
ዓበይቲ ነገራት ጌርካ ኢኻ፣
ኦ ኣምላኽ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧+
20 ብዙሕ ጭንቅን መዓትን እኳ እንተ ኣርአኻኒ፡+
መሊስካ ኣሐድሰኒ፣
ካብ መዓሙቝ ምድሪ ኣውጽኣኒ።+
21 ንዕቤተይ ወስኸሉ፣
ክበበንን ኣጸናንዓንን።
22 ሽዑ፡ ኦ ኣምላኸይ፡ ስለቲ ተኣማንነትካ፡+
ብበገና ኽውድሰካ እየ።
ኦ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡
ብመሰንቆ ውዳሰ ኽዝምረልካ እየ።
23 ንህይወተይ ኣድሒንካያ ኢኻ እሞ፡+
ውዳሰ ኽዝምረልካ ኸለኹ፡ ከናፍረይ እልል ኪብላ እየን።+
24 እቶም ጥፍኣተይ ዚደልዩ ኺሓፍሩን ኪንውሩን እዮም እሞ፡+
ልሳነይ ብዛዕባ ጽድቅኻ ምሉእ መዓልቲ ኽትዛረብ እያ።+