36 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ በለ፦
2 “ምእንቲ ኣምላኽ ገና ዘረባ ኣሎኒ እሞ፡
ክገልጽ ከለኹ ቝሩብ ተዓገሰኒ።
3 ብዛዕባ እቲ ዝፈልጦ ብሰፊሑ ኽዛረብ እየ፣
ገባርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኽነግር እየ።+
4 ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፣
እቲ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ+ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኻ ኣሎ።
5 እወ፡ ኣምላኽ ሓያል እዩ፡+ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፣
ብሓይሊ ኣእምሮኡ ዓብዪ እዩ፣
6 ህይወት እኩይ ኣየድሕንን እዩ፣+
ንውጹዕ ግና ፍትሒ ይህቦ።+
7 ኣዒንቱ ኻብ ጻድቕ ኣየልዕልን፣+
ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም እሞ፡+ ንዘለኣለም ልዕል ይብሉ።
8 ግናኸ፡ ብመቝሕ እንተ ተኣሲሮም፡
ብኣግማድ ጸበባ ድማ እንተ ተታሒዞም፡
9 ንሱ ንተግባሮም፡
ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ኣበሳኦም ይገልጸሎም።
10 ኣእዛኖም ንመአረምታ ይኸፍት፣
ካብ ክፉእ ግብሪ ኺምለሱ ኸኣ ይነግሮም።+
11 እንተ ተኣዚዞምዎን እንተ ሰሚዖምዎን፡
መዓልትታቶም ብብልጽግና፡
ዓመታቶም እውን ብደስታ እናነበሩ ይፍጽሙ።+
12 እንተ ዘይተኣዚዞም ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡+
ብዘይ ፍልጠት እውን ኪሞቱ እዮም።
13 እቶም ብልቦም ኣምላኽ ዘይብሎም ቂም ይሕዙ።
ምስ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
14 ገና ብንእስነቶም ይሞቱ፣+
ህይወቶም ኣብ መንጎ ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ የሕልፉ።+
15 ኣምላኽ ግና ንውጹዓት ብግዜ ጸበባኦም የናግፎም፣
ምስ ተጨቈኑ፡ ኣእዛኖም ይኸፍት።
16 ካብ ኣፍ ጭንቂ፡+
ናብቲ ኻብ ቀይዲ ናጻ ዝዀነ ገፊሕ ቦታ ይስሕበካ፣+
ኣብ መኣድኻ ኸኣ ንምጽንናዕ ዚኸውን ስቡሕ ምግቢ የቕርበልካ።+
17 ፍርዲ ምስ ተዋህበን ፍትሒ ምስ ተደገፈን፡
ሽዑ፡ በቲ ኣብ እኩይ ዚወርድ ፍርዲ ኽትዓግብ ኢኻ።+
18 ግናኸ፡ ነድሪ ናብ ክፍኣት ከይመርሓካ ተጠንቀቕ፣+
ብዙሕ ጉቦ ኸኣ ኬስሕተካ ኣይትሕደግ።
19 ኣውያትካ ወይ ዜትዕብ ጻዕርኻዶ
ኻብ ጭንቂ ኺሕልወካ ይኽእል እዩ፧+
20 ነታ ሰባት ካብ ቦታኦም ዚጠፍኡላ
ለይቲ ኣይትናፍቃ።
21 ካብ ጸበባስ ክፉእ ተግባር ሓሪኻ
ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ።+
22 እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፣
ከምኡ ዝበለ መምህር መን እዩ፧
23 መገዱ ዝሓበሮ መን እዩ፧+
‘ጌጋ ኢኻ ጌርካ’ ዚብሎኸ መን እዩ፧+
24 ነቲ ሰባት ዝዘመሩሉ ተግባሩ+
ኸተዕብዮ ዘክር።+
25 ኵሎም ሰባት ርእዮምዎ፣
መዋቲ ሰብ ግና ካብ ርሑቕ ይጥምት።
26 እወ፡ ኣምላኽ ካብቲ ኽንፈልጦ እንኽእል ንላዕሊ ይዓቢ፣+
ቍጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ምግንዛቡ ዘይከኣል እዩ።+
27 ነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕብ፣+
ካብ ግመኡ ድማ ዝናም ይሰርብ።
28 ሽዑ፡ ንደበናታት የፍስሶ፣+
ኣብ ልዕሊ ሰብ እውን የንጠብጥቦ።
29 ንቐጸላ ደበናታት፡
ካብ ድንኳኑ ንዚወጽእ ነጕዲ ኺርድኦ ዚኽእል ኣሎዶ፧+
30 ንበርቁ ኣብ ልዕሊኡ ኸመይ ከም ዚዝርግሖ ርአ፣+
ንመዓሙቝ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።
31 በዚ ኸምዚ ንህዝብታት ይዕንግሎም፣
ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ ድማ ይህቦም።+
32 ብኣእዳዉ ንበርቂ ይሽፍኖ፣
ናብ ዕላማኡ ኸኣ ይመርሖ።+
33 ነጕዱ ብዛዕባኡ ይነግር፣
ማል እኳ መን ይመጽእ ከም ዘሎ ይነግራ።