ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 34
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ዚፈድዮ ሕነ (1-4)

      • ኤዶም ክትባድም እያ (5-17)

ኢሳይያስ 34:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:15፣ ዮኤ 3:12፣ ጸፎ 3:8፣ ዘካ 14:3
  • +ኢሳ 30:27፣ ናሆ 1:2
  • +ራእ 19:11, 15

ኢሳይያስ 34:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪውሕዝ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 25:33
  • +ህዝ 39:4

ኢሳይያስ 34:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 110-111

ኢሳይያስ 34:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:41
  • +መዝ 137:7፣ ኤር 49:7, 22

ኢሳይያስ 34:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 3:16
  • +ኢሳ 63:1-3፣ ኦብ 8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/1996፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 34:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:41፣ መዝ 94:1
  • +ኢሳ 35:4

ኢሳይያስ 34:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ብዛዕባ ቦጽራ፡ ርእሰ ኸተማ ኤዶም ዜመልክት ዘሎ ኪኸውን ኣለዎ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 210

ኢሳይያስ 34:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 1:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ራእይ፡ ገጽ 210

ኢሳይያስ 34:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣድማስ፣ ቢምቦ።” ቃ.ቃ.፡ “ኣእማን።”

ኢሳይያስ 34:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጋውሕታታትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 1:3

ኢሳይያስ 34:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድቤላ ዚመስል ጋኔን ከኣ ንብጻዩ ኺጽውዕ እዩ” ኪኸውን ይኽእል።

ኢሳይያስ 34:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብገመድ መለክዒ ዝመቐሎም።”

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 34:2ኤር 25:15፣ ዮኤ 3:12፣ ጸፎ 3:8፣ ዘካ 14:3
ኢሳ. 34:2ኢሳ 30:27፣ ናሆ 1:2
ኢሳ. 34:2ራእ 19:11, 15
ኢሳ. 34:3ኤር 25:33
ኢሳ. 34:3ህዝ 39:4
ኢሳ. 34:5ዘዳ 32:41
ኢሳ. 34:5መዝ 137:7፣ ኤር 49:7, 22
ኢሳ. 34:6ዘሌ 3:16
ኢሳ. 34:6ኢሳ 63:1-3፣ ኦብ 8, 9
ኢሳ. 34:8ዘዳ 32:41፣ መዝ 94:1
ኢሳ. 34:8ኢሳ 35:4
ኢሳ. 34:10ሚል 1:4
ኢሳ. 34:13ሚል 1:3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 34:1-17

ኢሳይያስ

34 ኣቱም ኣህዛብ፡ ቅረቡ፣

ኣቱም ህዝብታት፡ ኣቕልቡ።

ምድርን ንዓኣ መሊእዋ ዘሎን፡

ዓለምን ኵሉ ፍርያታን ይስማዕ።

 2 ቍጥዓ የሆዋስ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ እዩ፡+

ነድሩ ድማ ኣብ ኵሎም ሰራዊቶም እዩ።+

ኬጥፍኦም እዩ፣

ንማሕረዲ ኸኣ ኪህቦም እዩ።+

 3 ቅቱላቶም ኪድርበዩ፡

ጨና ሬሳታቶም ድማ ኪዓርግ እዩ፣+

ኣኽራን ብደሞም ኪመክኩ* እዮም።+

 4 ኵሎም ሰራዊት ሰማያት ኪምህምኑ፡

ሰማያት ከኣ ከም ዚጥቕለል መጽሓፍ ኪጥቕለሉ እዮም።

ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡

ዝቐምሰለ በለስ ድማ ካብ ኦም በለስ ዚረግፍ፡

ኵሎም ሰራዊቶም ኪጽምልዉ እዮም።

 5 “ሰይፈይሲ ኣብ ሰማያት ክትጥልቂ እያ።+

ኣብ ልዕሊ ኤዶም፡

ኣብ ልዕሊ እቲ ንጥፍኣት ዝመጦኽዎ ህዝቢ ኸኣ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።+

 6 የሆዋስ ሰይፊ ኣላቶ፣ ብደም ክትዕለስ እያ።

ብስብሒ ኽትሽፈን፡+

ብደም ገንሸላትን* ድቤላታትን

ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ክትሽፈን እያ።

የሆዋስ ኣብ ቦጽራ መስዋእቲ፡

ኣብ ምድሪ ኤዶም እውን ዓብዪ ማሕረዲ ኣለዎ።+

 7 ጐባያት ምሳታቶም፡

ዝራብዓት ምስቶም ሓያላት ኪወርዱ እዮም።

ምድሮም ብደም ክትጥልቂ እያ፣

ሓመዶም ከኣ ብስብሒ ኺትርክስ እዩ።”

 8 የሆዋስ መዓልቲ ሕነ፡+

ንጕዳይ ጽዮን ዓመት ፍዳ ኣላቶ።+

 9 ወሓይዛ* ናብ ዝፍቲ፡

ሓመዳ ድማ ናብ ዲን ኪልወጥ፡

ምድራ ኸኣ ከም ዚነድድ ዝፍቲ ኪኸውን እዩ።

10 ለይቲ ዀነ መዓልቲ ኣይኪጠፍእን እዩ፣

ትካ ድማ ንዘለኣለም ኪዓርግ እዩ።

ንውሉድ ወለዶ ኽትባድም እያ፣

ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ሓደ እኳ ብእኣ ኣይኪሓልፍን እዩ።+

11 ሓሓትን ቅንፍዝን ኪርስተይዋ፡

ነዊሕ ዝእዝኖም ጕንጓታትን ኳዃትን ኪነብርዋ እዮም።

ኣብ ልዕሊኣ ገመድ መለክዒ ባዶነትን

መለክዒ መንደቕ* ምብዳምን ኪዝርግሕ እዩ።

12 ካብቶም ልዑላታ ሓደ እኳ ንንግስና ኣይኪጽዋዕን እዩ፣

ኵሎም መሳፍንታ ድማ ከንቱ ኪዀኑ እዮም።

13 ኣብ እተዓርደ ግምብታታ እሾዅ፡

ኣብ ዕርድታታ ኸኣ ኣምዐን ኣሻዅ ተኽልን ኪበቍል እዩ።

ሰፈር ወኻሩን*+

ደምበ ሰገናትን ክትከውን እያ።

14 ኣራዊት ምድረ በዳ ምስ ዚንቅዉ እንስሳታት ኪራኸቡ እዮም፣

ጤል በረኻ* ኸኣ ንብጸይታ ኽትጽውዕ እያ።

እወ፡ ኣብኣ ጭሩ ለይቲ ኽትሰፍርን መዕረፊ ኽትረክብን እያ።

15 ኣብኣ ተመን ፍላጻ ሰፈራ ኽትገብር፡ እንቋቝሖኣ ድማ ከተውድቕ እያ፣

ከተንቍሖምን ኣብ ጽላላ ኽትእክቦምን እያ።

እወ፡ ኣብኣ ሽላታት መምስ መዋስብተን ኪእከባ እየን።

16 ኣብ መጽሓፍ የሆዋ ድለዩን ዓው ኢልኩም ኣንብቡን፦

ኣፍ የሆዋ እዩ ኣዚዙ፡

መንፈሱ ኸኣ እዩ ኣኪብዎም እሞ፡

ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይኪጐድልን፡

ዋላ ሓዲኦም እውን መዋስብቲ ኣይኪስእንን እዩ።

17 ዕጫ ዘውደቐሎም* ንሱ እዩ፣

ኢዱ ድማ ነታ እተመደበትሎም ቦታ ለኪዓታ እያ።

ንሓዋሩ ኺርስተይዋ፡

ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ