ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 5
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • እቲ ታቦት ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን (1-12)

        • ዳጎን ተዋረደ (1-5)

        • ፍልስጥኤማውያን ብመዓት ተወቕዑ (6-12)

1 ሳሙኤል 5:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 4:11

1 ሳሙኤል 5:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 16:23፣ 1ዜና 10:8-10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2003፡ ገጽ 25

1 ሳሙኤል 5:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:12፣ 1ዜና 16:26፣ መዝ 97:7
  • +ኢሳ 46:6, 7

1 ሳሙኤል 5:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዳጎን ጥራይ።”

1 ሳሙኤል 5:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብነድሪ ቝልጠ፣ ብኦሞረድዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 6:5, 6

1 ሳሙኤል 5:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:4

1 ሳሙኤል 5:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 5:6

1 ሳሙኤል 5:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:20, 45፣ 2ነገ 1:2፣ ኣሞ 1:8
  • +1ሳሙ 5:7

1 ሳሙኤል 5:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 5:6, 9

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 5:11ሳሙ 4:11
1 ሳሙ. 5:2መሳ 16:23፣ 1ዜና 10:8-10
1 ሳሙ. 5:3ዘጸ 12:12፣ 1ዜና 16:26፣ መዝ 97:7
1 ሳሙ. 5:3ኢሳ 46:6, 7
1 ሳሙ. 5:61ሳሙ 6:5, 6
1 ሳሙ. 5:81ሳሙ 17:4
1 ሳሙ. 5:91ሳሙ 5:6
1 ሳሙ. 5:10እያ 15:20, 45፣ 2ነገ 1:2፣ ኣሞ 1:8
1 ሳሙ. 5:101ሳሙ 5:7
1 ሳሙ. 5:111ሳሙ 5:6, 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 5:1-12

1 ሳሙኤል

5 ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ማረኽዎ፡+ ካብ ኤብንዔዘር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ። 2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት* ዳጎን ኣምጽእዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ድማ ኣቐመጥዎ።+ 3 ኣሽዶዳውያን ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ኣብኡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ብገጹ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ።+ ንዳጎን ወሲዶም ከኣ፡ ናብ ቦታኡ መለስዎ።+ 4 ንጽብሒቱ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ ኣብኡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት የሆዋ ብገጹ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ርእሲ ዳጎንን ክልቲአን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን፡ ኣብ ድርኵዂት እውን ወዲቐን ነበራ። እቲ ዓሳ ኽፋሉ ጥራይ* ተሪፉ ነበረ። 5 ስለዚ ድማ እዮም ካህናት ዳጎንን ኵሎም እቶም ናብ ቤት ዳጎን ዚኣትዉን፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ድርኵዂት ዳጎን ዘይረግጽዋ።

6 ኢድ የሆዋ ኸኣ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፣ ንኣሽዶድን ንኸባቢኣን ብጀርባዶ* ወቒዑ ድማ ኣጥፍኦም።+ 7 ሰብ ኣሽዶድ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ “ኢዱ ንዓናን ንዳጎን ኣምላኽናን ሓሲማትና እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር” በሉ። 8 ስለዚ፡ ልኢኾም ንዅሎም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ኣከብዎም እሞ፡ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ፧” ኢሎም ሓተትዎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት ይግዓዝ” ኢሎም መለሱ።+ ስለዚ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግዓዝዎ።

9 ናብኣ ምስ ኣግዓዝዎ፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻር እታ ኸተማ ብምዃና፡ ብርቱዕ ራዕዲ ኣምጽአት። ንሰብ እታ ኸተማ ድማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ወቕዖም፣ ጀርባዶ ኸኣ ወጾም።+ 10 ሽዑ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ፣+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ ግና፡ ዔቅሮናውያን፡ “ንዓናን ንህዝብናን ኪቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና!” ኢሎም ጨርሑ።+ 11 ስለዚ፡ ልኢኾም ንዅሎም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ኣኪቦም፡ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ስደድዎ፣ ንዓናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ናብ ቦታኡ ይመለስ” በሉ። ከመይሲ፡ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ፍርሂ ሞት ሰፊኑ ነበረ፣ ኢድ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ኣብኣ ኣዝያ ኸቢዳ ነበረት፣+ 12 እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ብጀርባዶ ተወቒዖም ነበሩ። ኣውያት እታ ኸተማ ኸኣ፡ ናብ ሰማያት ደየበ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ