ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኤልያስ ብዛዕባ ሞት ኣሓዝያ ተነበየ (1-18)

2 ነገስት 1:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 37፣ 2ሳሙ 8:2፣ መዝ 60:8

2 ነገስት 1:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 5:10
  • +2ነገ 1:16

2 ነገስት 1:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣምላኸይ የሆዋ እዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:1፣ 18:36
  • +ኢሳ 8:19፣ ኤር 2:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1512

2 ነገስት 1:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 10:13, 14

2 ነገስት 1:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:19፣ ዘካ 13:4፣ እብ 11:32, 37
  • +ማቴ 3:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 1

2 ነገስት 1:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 33:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 1

2 ነገስት 1:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 11:1፣ 16:35፣ ሉቃ 9:54፣ ይሁ 7

2 ነገስት 1:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 1

2 ነገስት 1:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይን ነፍሲ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ዓንቀጽ 1

2 ነገስት 1:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ።”

2 ነገስት 1:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:2, 3
  • +2ነገ 1:3

2 ነገስት 1:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ሓው ኣሓዝያ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 8:16
  • +2ነገ 3:1፣ 9:22

2 ነገስት 1:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:51

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 1:1ዘፍ 19:36, 37፣ 2ሳሙ 8:2፣ መዝ 60:8
2 ነገ. 1:2እያ 13:2, 3፣ 1ሳሙ 5:10
2 ነገ. 1:22ነገ 1:16
2 ነገ. 1:31ነገ 17:1፣ 18:36
2 ነገ. 1:3ኢሳ 8:19፣ ኤር 2:11
2 ነገ. 1:61ዜና 10:13, 14
2 ነገ. 1:81ነገ 19:19፣ ዘካ 13:4፣ እብ 11:32, 37
2 ነገ. 1:8ማቴ 3:4
2 ነገ. 1:9ዘዳ 33:1
2 ነገ. 1:10ዘሁ 11:1፣ 16:35፣ ሉቃ 9:54፣ ይሁ 7
2 ነገ. 1:16እያ 13:2, 3
2 ነገ. 1:162ነገ 1:3
2 ነገ. 1:172ነገ 8:16
2 ነገ. 1:172ነገ 3:1፣ 9:22
2 ነገ. 1:181ነገ 22:51
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 1:1-18

2 ነገስት

1 ድሕሪ ሞት ኣከኣብ፡ ሞኣብ+ ካብ እስራኤል ዓለወ።

2 ሽዑ፡ ኣሓዝያ ኻብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ በቲ ርቡብ ወደቐ እሞ ቘሰለ። ልኡኻት ልኢኹ ኸኣ፡ “ኪዱ እሞ፡ ካብዚ ቝስለይ ዝሓዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን+ ሕተቱ” በሎም።+ 3 መልኣኽ የሆዋ ግና ንኤልያስ*+ እቲ ቲሽባዊ ኸምዚ በሎ፦ “ተንስእ እሞ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትረኽቦም ደይብ፡ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትቱ ትኸዱ ዘለኹምሲ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧+ 4 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ።”’” ኤልያስ ከኣ ከደ።

5 እቶም ልኡኻት ናብኡ ምስ ተመልሱ፡ ብኡብኡ፡ “ስለምንታይ ኢኹም እተመለስኩም፧” በሎም። 6 ንሳቶም ድማ፡ “ሓደ ሰብኣይ ኪረኽበና ደዪቡ፣ ‘ኪዱ፡ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትት እትልእኽ ዘለኻስ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧ ስለዚ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ’” ኢልኩም ንገርዎ’ ኢሉና” ኢሎም መለሱሉ።+ 7 ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኺረኽበኩም ደዪቡስ፡ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ይመስል፧” ኢሉ ሓተቶም። 8 ንሳቶም ድማ፡ “ጸጓር ክዳን እተኸድነ፡+ ኣብ ሕቘኡ ኸኣ ዕጣቕ ቈርበት እተዓጥቀ ሰብኣይ እዩ”+ በልዎ። ብኡብኡ ኸኣ፡ “ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ እዩ” በለ።

9 ንጉስ ድማ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደሉ። ንሱ ናብኡ ምስ ደየበ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡+ ንጉስ፡ ‘ውረድ’ ይብል ኣሎ” በሎ። 10 ኤልያስ ግና ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ “ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ይውረድ፡+ ንዓኻን ን50 ሰብካን ከኣ ይብላዕኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ፡ ንዕኡን ነቶም 50 ሰቡን በልዖም።

11 ንጉስ ድማ መሊሱ ኻልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ከይዱ፡ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ፡ ‘ቀልጢፍካ ውረድ’ ይብል ኣሎ” በሎ። 12 ኤልያስ ግና፡ “ኣነ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማያት ይውረድ፡ ንዓኻን ን50 ሰብካን ከኣ ይብላዕኩም” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ፡ ንዕኡን ነቶም 50 ሰቡን በልዖም።

13 ንጉስ ድማ መሊሱ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ 50 ሰቡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ግና ደዪቡ፡ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተምበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ሞገሱ ለመኖ፦ “ኣታ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ህይወተይን ህይወት* እዞም 50 ገላዉኻን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽቡራት ይኹና። 14 ነቶም ቀዳሞት ክልተ ኣሕሉቕ ሓምሳ መምስ 50 ሰቦም ሓዊ ኻብ ሰማያት ወሪዱ በሊዕዎም እዩ፣ ሕጂ ግና ህይወተይ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኽብርቲ ትኹን።”

15 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ንኤልያስ፡ “ምስኡ ውረድ። ኣይትፍርሃዮ” ኢሉ ተዛረቦ። ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብ ንጉስ ወረደ። 16 ኤልያስ ድማ ንንጉስ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን+ ክትሓትት ልኡኻት ዝለኣኽካስ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ስለ ዘየልቦ ድዩ፧ ስለምንታይ ቃሉ ዘይሓተትካ፧+ ስለዚ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብቲ ዝደቀስካሉ ዓራት ኣይክትትንስእን ኢኻ’” በሎ። 17 ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል የሆዋ ድማ ሞተ። ወዲ ስለ ዘይነበሮ ኸኣ፡ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ዮራም+ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም*+ ነገሰ።

18 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሓዝያ፡+ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ