ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣብርሃም ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ከም ዚኸውን (1-8)

        • ኣብራም፡ ኣብርሃም ተባህለ (5)

      • ኪዳን ግዝረት (9-14)

      • ሳራይ፡ ሳራ ተባህለት (15-17)

      • ይስሃቅ ከም ዚውለድ ተስፋ ተዋህበ (18-27)

ዘፍጥረት 17:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንቅብ ዘይብልካ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 125

ዘፍጥረት 17:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:18፣ መዝ 105:8-11
  • +ዘፍ 22:17፣ ዘዳ 1:10፣ እብ 11:11, 12

ዘፍጥረት 17:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 105:9-11
  • +ዘፍ 13:16፣ ሮሜ 4:17

ዘፍጥረት 17:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣቦ ህዝቢ፣ ኣቦ ብዙሓት።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ኣቦ ልዑል እዩ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2009፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 17:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:10, 11

ዘፍጥረት 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 1:72, 73

ዘፍጥረት 17:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 6:4፣ እብ 11:8, 9
  • +ዘዳ 14:2

ዘፍጥረት 17:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:4፣ ሮሜ 2:29

ዘፍጥረት 17:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:8፣ ሮሜ 4:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/6/2007፡ ገጽ 12-13

ዘፍጥረት 17:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሉቃ 2:21

ዘፍጥረት 17:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 12:44

ዘፍጥረት 17:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።”

ዘፍጥረት 17:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ነግራም” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ትርጉሙ፡ “ልዕልቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 14

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2009፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 17:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 17:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:12
  • +ሮሜ 4:19፣ እብ 11:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 17:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:11

ዘፍጥረት 17:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ሰሓቕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 1:2
  • +ዘፍ 26:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2009፡ ገጽ 13-14

ዘፍጥረት 17:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:10፣ 21:13, 18፣ 25:13-16፣ 1ዜና 1:29-31

ዘፍጥረት 17:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:10, 14፣ 21:1
  • +ዘፍ 26:3፣ እብ 11:8, 9

ዘፍጥረት 17:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:13

ዘፍጥረት 17:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 7:8፣ ሮሜ 4:11

ዘፍጥረት 17:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:16

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 17:2ዘፍ 15:18፣ መዝ 105:8-11
ዘፍ. 17:2ዘፍ 22:17፣ ዘዳ 1:10፣ እብ 11:11, 12
ዘፍ. 17:4መዝ 105:9-11
ዘፍ. 17:4ዘፍ 13:16፣ ሮሜ 4:17
ዘፍ. 17:6ዘፍ 35:10, 11
ዘፍ. 17:7ሉቃ 1:72, 73
ዘፍ. 17:8ዘጸ 6:4፣ እብ 11:8, 9
ዘፍ. 17:8ዘዳ 14:2
ዘፍ. 17:10ዘፍ 21:4፣ ሮሜ 2:29
ዘፍ. 17:11ግብ 7:8፣ ሮሜ 4:11
ዘፍ. 17:12ሉቃ 2:21
ዘፍ. 17:13ዘጸ 12:44
ዘፍ. 17:15ዘፍ 11:29
ዘፍ. 17:16ዘፍ 18:10
ዘፍ. 17:17ዘፍ 18:12
ዘፍ. 17:17ሮሜ 4:19፣ እብ 11:11
ዘፍ. 17:18ዘፍ 16:11
ዘፍ. 17:19ማቴ 1:2
ዘፍ. 17:19ዘፍ 26:24
ዘፍ. 17:20ዘፍ 16:10፣ 21:13, 18፣ 25:13-16፣ 1ዜና 1:29-31
ዘፍ. 17:21ዘፍ 18:10, 14፣ 21:1
ዘፍ. 17:21ዘፍ 26:3፣ እብ 11:8, 9
ዘፍ. 17:23ዘፍ 17:13
ዘፍ. 17:24ግብ 7:8፣ ሮሜ 4:11
ዘፍ. 17:25ዘፍ 16:16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 17:1-27

ዘፍጥረት

17 ኣብራም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ፡ የሆዋ ንኣብራም ተራእዮ፣ “ኣነ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፡ ኣበር ዘይብልካ* እውን ኩን። 2 ኣነ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኪዳነይ ከቕውም እየ፣+ ኣዝየ፡ ኣዝየ እውን ከብዝሓካ እየ” በሎ።+

3 ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍአ፣ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 4 “እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፣+ ንስኻ ኸኣ ብርግጽ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክትከውን ኢኻ።+ 5 ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ስለ ዝገብረካ፡ ኣብርሃም* ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም* ተባሂሉ ኣይኪጽዋዕን እዩ። 6 ኣዝየ፡ ኣዝየ ኸፍርየካ፡ ኣህዛብ ከም እትኸውን እውን ክገብረካ እየ፣ ነገስታት ከኣ ካባኻ ኺወጹ እዮም።+

7 “ኣነ ድማ ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ኸኣ ንዘርእኻ ኣምላኽ ክኸውን፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ መንጎ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ናይ ዘለኣለም ኪዳነይ ክሕሉ እየ።+ 8 እዛ ጓና ዄንካ ዝነበርካላ ምድሪ፡+—ኵላ ምድሪ ከነኣን፡—ንዓኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻ ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህብ እየ፣ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።”+

9 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፣ ንስኻ፡ ብድሕሬኻ ድማ ዘርእኻ ንውሉድ ወለዶ ኽትሕልዉ ኢኹም። 10 እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬኻ ድማ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፦ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር።+ 11 ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።+ 12 ኣብ ብዘሎ ወለዶኹም፡ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ዝዀነ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ፡ ኣብ ቤት እተወልደ ዘበለን ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ብገንዘብ እተዓደገ ዘበለ ጓናን ይገዘር።+ 13 ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለን ብገንዘብካ እተዓደገ ዘበለን ይገዘር፣+ ኣብ ስጋኹም ዚግበር ኪዳነይ ድማ፡ ናይ ሓዋሩ ኪዳን ኪኸውን እዩ። 14 ዘይግዙር ዘበለ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ እንተ ዘይተገዚሩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኺምንቈስ እዩ።* ኪዳነይ ኣፍሪሱ እዩ።”

15 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “ንሰበይትኻ ሳራይ፡*+ ስማ ሳራ* ስለ ዚኸውን፡ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። 16 ክባርኻ፡ ካብኣ እውን ወዲ ኽህበካ እየ፣+ ክባርኻ እየ፡ ኣህዛብ ከኣ ክትከውን እያ፣ ነገስታት ህዝብታት ካብኣ ኺወጹ እዮም” በሎ። 17 ሽዑ፡ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍአ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡+ “ንወዲ 100 ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ጓል 90 ዓመት ዝዀነት ሳራኸ ኽትወልድ ድያ፧” በለ።+

18 ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ “እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር” በሎ።+ 19 ኣምላኽ ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ሰበይትኻ ሳራ ብርግጽ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሃቅ* ኣውጽኣሉ።+ ኪዳነይ ከኣ ምስኡ፡ ብድሕሪኡ እውን ምስ ዘርኡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ከቕውም እየ።+ 20 ብዛዕባ እስማኤል ድማ ሰሚዐካ ኣለኹ። እንሆ፡ ክባርኾን ከፍርዮን ኣዝየ ኸብዝሖን እየ። 12 ሹም ኪወልድ እዩ፣ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ክገብሮ እየ።+ 21 ግናኸ፡ ኪዳነይ ምስቲ ሳራ ንዓመታ በዚ ምዱብ ግዜ እዚ+ እትወልዶ ይስሃቅ ከቕውም እየ።”+

22 ኣምላኽ ምስኡ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ኣብርሃም ደየበ። 23 ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ኣብ ቤቱ ንእተወልዱ ዅሎምን ብገንዘቡ ንእተዓደጉ ዅሎምን፡ ካብ ቤተ ሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ እተዛረቦ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ።+ 24 ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ 99 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 25 ወዱ እስማኤል ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ድማ፡ ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ ነበረ።+ 26 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣብርሃምን ወዱ እስማኤልን ተገዝሩ። 27 ኵሎም ሰብኡት ቤተ ሰቡ፡ ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዘበሉን ብገንዘቡ ኻብ ጓና እተዓደጉ ዘበሉን እውን ምስኡ ተገዝሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ