ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ኣብርሃም ከም ብሓድሽ ተመርዓወ (1-6)

      • ሞት ኣብርሃም (7-11)

      • ደቂ እስማኤል (12-18)

      • ያእቆብን ኤሳውን ተወልዱ (19-26)

      • ኤሳው ብዅርናኡ ሸጠ (27-34)

ዘፍጥረት 25:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2023፡ ገጽ 3

ዘፍጥረት 25:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 37:28፣ ዘጸ 2:15፣ ዘሁ 31:2፣ መሳ 6:2
  • +1ዜና 1:32, 33

ዘፍጥረት 25:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:36

ዘፍጥረት 25:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:14

ዘፍጥረት 25:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2010፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 25:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    2/2016፡ ገጽ 12

ዘፍጥረት 25:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 23:8, 9፣ 49:29, 30

ዘፍጥረት 25:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 23:2, 19

ዘፍጥረት 25:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:19፣ 26:12-14
  • +ዘፍ 16:14

ዘፍጥረት 25:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:10, 11
  • +ገላ 4:24

ዘፍጥረት 25:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 36:2, 3፣ ኢሳ 60:7
  • +መዝ 120:5፣ ኤር 49:28፣ ህዝ 27:21
  • +1ዜና 1:29-31

ዘፍጥረት 25:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በብእተዃነየ ሰፈሮምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:20

ዘፍጥረት 25:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

ዘፍጥረት 25:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስ ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ተጻሊኡ ይነብር ነበረ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:7, 8
  • +1ሳሙ 15:7
  • +ዘፍ 16:11, 12

ዘፍጥረት 25:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:2፣ ማቴ 1:1, 2

ዘፍጥረት 25:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 22:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1516

ዘፍጥረት 25:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 9:10

ዘፍጥረት 25:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 139:15
  • +ዘፍ 36:31፣ ዘሁ 20:14
  • +ዘፍ 27:29, 30፣ ዘዳ 2:4
  • +2ሳሙ 8:14፣ ሚል 1:2, 3፣ ሮሜ 9:10-13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 28

    15/10/2003፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 25:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ጸጓር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:11
  • +ዘፍ 27:32፣ 36:9፣ ሚል 1:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2009፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 25:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ተሓዝ ሸዀና፣ ወሳድ ቦታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 12:3
  • +ዘፍ 27:36

ዘፍጥረት 25:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:3, 5
  • +እብ 11:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2013፡ ገጽ 27

    15/10/2003፡ ገጽ 28

ዘፍጥረት 25:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:6, 7, 46

ዘፍጥረት 25:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጥሜት ተወዲአ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብቲ ቐይሕ፡ ካብቲ ቐይሕ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣዀልሰኒ።”

  • *

    ትርጉሙ፡ “ቀይሕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 36:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2002፡ ገጽ 11

ዘፍጥረት 25:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 21:16, 17

ዘፍጥረት 25:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:16

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 25:2ዘፍ 37:28፣ ዘጸ 2:15፣ ዘሁ 31:2፣ መሳ 6:2
ዘፍ. 25:21ዜና 1:32, 33
ዘፍ. 25:5ዘፍ 24:36
ዘፍ. 25:6ዘፍ 21:14
ዘፍ. 25:9ዘፍ 23:8, 9፣ 49:29, 30
ዘፍ. 25:10ዘፍ 23:2, 19
ዘፍ. 25:11ዘፍ 17:19፣ 26:12-14
ዘፍ. 25:11ዘፍ 16:14
ዘፍ. 25:12ዘፍ 16:10, 11
ዘፍ. 25:12ገላ 4:24
ዘፍ. 25:13ዘፍ 36:2, 3፣ ኢሳ 60:7
ዘፍ. 25:13መዝ 120:5፣ ኤር 49:28፣ ህዝ 27:21
ዘፍ. 25:131ዜና 1:29-31
ዘፍ. 25:16ዘፍ 17:20
ዘፍ. 25:18ዘፍ 16:7, 8
ዘፍ. 25:181ሳሙ 15:7
ዘፍ. 25:18ዘፍ 16:11, 12
ዘፍ. 25:19ዘፍ 22:2፣ ማቴ 1:1, 2
ዘፍ. 25:20ዘፍ 22:23
ዘፍ. 25:22ሮሜ 9:10
ዘፍ. 25:23መዝ 139:15
ዘፍ. 25:23ዘፍ 36:31፣ ዘሁ 20:14
ዘፍ. 25:23ዘፍ 27:29, 30፣ ዘዳ 2:4
ዘፍ. 25:232ሳሙ 8:14፣ ሚል 1:2, 3፣ ሮሜ 9:10-13
ዘፍ. 25:25ዘፍ 27:11
ዘፍ. 25:25ዘፍ 27:32፣ 36:9፣ ሚል 1:3
ዘፍ. 25:26ሆሴ 12:3
ዘፍ. 25:26ዘፍ 27:36
ዘፍ. 25:27ዘፍ 27:3, 5
ዘፍ. 25:27እብ 11:9
ዘፍ. 25:28ዘፍ 27:6, 7, 46
ዘፍ. 25:30ዘፍ 36:1
ዘፍ. 25:31ዘዳ 21:16, 17
ዘፍ. 25:33እብ 12:16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 25:1-34

ዘፍጥረት

25 ኣብርሃም ድማ ከም ብሓድሽ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። 2 ንሳ ኸኣ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንሜዳንን ንሚድያንን+ ንይሽባቅን ንሹኣሕን+ ወለደትሉ።

3 ዮቅሻን ድማ ንሳባን ንዴዳንን ወለደ።

ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም።

4 ደቂ ሚድያን ድማ ዔፋን ዔፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም።

ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቄጡራ እዮም።

5 ኣብርሃም ከኣ ዘለዎ ዅሉ ንይስሃቅ ሃቦ፣+ 6 ኣብርሃም ግና ነቶም ካብ ኣንስቲ ወሰኑ እተወልዱ ደቁ ህያባት ሂቡ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ይስሃቅ ወዱ ኣርሒቑ+ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም። 7 ዓመታት ህይወት ኣብርሃም፡ 175 ዓመት እዩ። 8 ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርጋን ኣሪጉ፡ ዕድመ ጸጊቡ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።* 9 ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ወዲ ጾሓር እቲ ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ፣+ 10 ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት ዝዓደጋ ግራት ቀበርዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብርሃም ምስ ሰበይቱ ሳራ ተቐብረ።+ 11 ድሕሪ ሞት ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ንወዱ ይስሃቅ ባረኾ፣+ ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጥቓ ብኤር-ለሓይ-ሮይ+ ይቕመጥ ነበረ።

12 ታሪኽ እስማኤል+ ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ገረድ ሳራ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ እዚ እዩ።

13 ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም፡ ከከም ትውልዶም እዚ እዩ፦ በዅሪ እስማኤል ነባዮት፡+ ደሓር ቄዳርን+ ኣድብኤልን ሚብሳምን+ 14 ሚሽማዕን ዱማን ማሳን 15 ሃዳድን ቴማን የጡርን ናፊሽን ቄድማን። 16 እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፣ ስማቶም በብዓዶምን በብሰፈሮምን* እዚ እዩ፦ በብእንዳኦም 12 ሹም።+ 17 ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ 137 ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ኸኣ ሓለፈት እሞ ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ድማ ተኣከበ።* 18 ካብታ ጥቓ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር+ እትርከብ ሓዊላ+ ኽሳብ ኣሶር ይቕመጡ ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ድማ ሰፈረ።*+

19 ታሪኽ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ከኣ እዚ እዩ።+

ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ። 20 ይስሃቅ ድማ ንርብቃ ጓል ቤቱኤል+ እቲ ኣራማዊ ብዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ኣራማዊ ኺምርዓዋ ኸሎ፡ ወዲ 40 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 21 ንሳ መኻን ስለ ዝነበረት፡ ይስሃቅ ብዛዕባ ሰበይቱ ንየሆዋ ለመኖ፣ የሆዋ ኸኣ ንልማኖኡ መለሰሉ፡ ሰበይቱ ርብቃ እውን ጠነሰት። 22 እቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ደቃ ኸኣ ይቃለሱ ነበሩ እሞ፡+ “ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ እየ ዝነብር፧” በለት። ንየሆዋ ድማ ሓተተቶ። 23 የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፣+ ካብ ከርስኺ እውን ክልተ ህዝቢ ኺፈላለዩ እዮም።+ እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልእ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ፣+ እቲ ዓብዪ ድማ ነቲ ንእሽቶ ኺግዝኦ እዩ”+ በላ።

24 እትወልደሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 25 ሽዑ፡ እቲ ቐዳማይ ዝወጸ ዅለንትናኡ ጸጕሪ ባርኖስ ዚመስል ቀይሕ ነበረ፣+ ኤሳው* ኢሎም ድማ ሰመይዎ።+ 26 ድሕሪኡ፡ ሓዉ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ሸዀና ኤሳው ሒዛ ነበረት፣+ ያእቆብ* ኢሉ ድማ ሰመዮ።+ ንሳ ኽትወልዶም ከላ፡ ይስሃቅ ወዲ 60 ዓመት ኰይኑ ነበረ።

27 እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ፣ ኤሳው ከኣ ክኢላ ሃዳኒ፡+ ናይ መሮር ሰብ ኰነ። ያእቆብ ግና ኣብ ድንኳናት ዚቕመጥ መንቅብ ዘይብሉ ሰብኣይ ነበረ።+ 28 ይስሃቅ ከኣ ንኤሳው ይፈትዎ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ሃሃዲኑ የብልዖ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈትዎ ነበረት።+ 29 ሓደ ግዜ፡ ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ተመልሰ። 30 ሽዑ፡ ኤሳው ንያእቆብ፡ “ደኺመ* እየ እሞ፡ በጃኻ ቐልጥፍ፡ ካብቲ ቐይሕ ጸብሒ* ሒደት ሃበኒ”* በሎ። ስለዚ፡ ስሙ ኤዶም* ተባህለ።+ 31 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ብዅርናኻ ሽጠለይ” በሎ።+ 32 ኤሳው ድማ፡ “እንሆ፡ ክመውት ኢለ ኣለኹ። ብዅርናኸ እንታይ ኪዓብሰለይ እዩ፧” በለ። 33 ያእቆብ ከኣ፡ “ቅድም ምሓለለይ” በሎ። ንሱ ድማ መሓለሉ፡ ብዅርናኡ እውን ንያእቆብ ሸጠሉ።+ 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ሃቦ፣ ንሱ ድማ በልዐን ሰተየን። ተንሲኡ ኸኣ ከደ። በዚ ኸምዚ፡ ኤሳው ንብዅርናኡ ነዓቓ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ