ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣሓዝ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-6)

      • ኣሓዝ ንኣሶራውያን ጉቦ ሰደደሎም (7-9)

      • ኣሓዝ፡ መሰውኢ ኣረማውያን ቀድሐ (10-18)

      • ሞት ኣሓዝ (19, 20)

2 ነገስት 16:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1፣ 7:1፣ ሆሴ 1:1፣ ሚክ 1:1፣ ማቴ 1:9

2 ነገስት 16:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:1-4

2 ነገስት 16:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28-30፣ 16:33
  • +ዘዳ 12:29-31
  • +ዘሌ 20:2, 3፣ 2ዜና 33:1, 6፣ ኤር 7:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1997፡ ገጽ 14

2 ነገስት 16:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:52
  • +ዘዳ 12:2

2 ነገስት 16:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:37፣ 2ዜና 28:5, 6

2 ነገስት 16:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሰብ ይሁዳ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:21, 22

2 ነገስት 16:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29

2 ነገስት 16:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:18, 19

2 ነገስት 16:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 1:4, 5
  • +ኢሳ 9:11

2 ነገስት 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:30

2 ነገስት 16:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:2
  • +ኤር 23:11፣ ህዝ 22:26

2 ነገስት 16:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:22, 23, 25

2 ነገስት 16:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 4:1

2 ነገስት 16:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:2
  • +ዘጸ 29:39-41
  • +2ዜና 28:23

2 ነገስት 16:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:11

2 ነገስት 16:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:27, 28
  • +1ነገ 7:38፣ 2ዜና 4:6
  • +1ነገ 7:23, 25
  • +2ዜና 28:24፣ 29:19

2 ነገስት 16:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:26, 27

2 ነገስት 16:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “የሆዋ የበርትዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:1፣ 2ዜና 29:1፣ ኢሳ 1:1፣ ሆሴ 1:1፣ ማቴ 1:9

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 16:1ኢሳ 1:1፣ 7:1፣ ሆሴ 1:1፣ ሚክ 1:1፣ ማቴ 1:9
2 ነገ. 16:22ዜና 28:1-4
2 ነገ. 16:31ነገ 12:28-30፣ 16:33
2 ነገ. 16:3ዘዳ 12:29-31
2 ነገ. 16:3ዘሌ 20:2, 3፣ 2ዜና 33:1, 6፣ ኤር 7:31
2 ነገ. 16:4ዘሁ 33:52
2 ነገ. 16:4ዘዳ 12:2
2 ነገ. 16:52ነገ 15:37፣ 2ዜና 28:5, 6
2 ነገ. 16:62ነገ 14:21, 22
2 ነገ. 16:72ነገ 15:29
2 ነገ. 16:81ነገ 15:18, 19
2 ነገ. 16:9ኣሞ 1:4, 5
2 ነገ. 16:9ኢሳ 9:11
2 ነገ. 16:10ዘዳ 12:30
2 ነገ. 16:11ኢሳ 8:2
2 ነገ. 16:11ኤር 23:11፣ ህዝ 22:26
2 ነገ. 16:122ዜና 28:22, 23, 25
2 ነገ. 16:142ዜና 4:1
2 ነገ. 16:15ኢሳ 8:2
2 ነገ. 16:15ዘጸ 29:39-41
2 ነገ. 16:152ዜና 28:23
2 ነገ. 16:162ነገ 16:11
2 ነገ. 16:171ነገ 7:27, 28
2 ነገ. 16:171ነገ 7:38፣ 2ዜና 4:6
2 ነገ. 16:171ነገ 7:23, 25
2 ነገ. 16:172ዜና 28:24፣ 29:19
2 ነገ. 16:192ዜና 28:26, 27
2 ነገ. 16:202ነገ 18:1፣ 2ዜና 29:1፣ ኢሳ 1:1፣ ሆሴ 1:1፣ ማቴ 1:9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 16:1-20

2 ነገስት

16 ኣብ መበል 17 ዓመት ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ኣሓዝ+ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ኣሓዝ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣምላኹ፡ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ቅኑዕ ኣይገበረን።+ 3 ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ተመላለሰ፣+ ከምቲ ፍንፉን ተግባር እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ ድማ፡+ ወዱ እኳ ብሓዊ ኣሕለፈ።+ 4 ኣብ በረኽትን+ ኣብ ልዕሊ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።

5 ሽዑ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኪዋግእዋ ደየቡ።+ ንኣሓዝ ከኣ ከበብዎ፣ ነታ ኸተማ ግና ኪሕዝዋ ኣይከኣሉን። 6 በታ ግዜ እቲኣ፡ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት+ ናብ ኤዶም መሊሱ፡ ንኣይሁድ* ካብ ኤላት ሰጐጎም። ኤዶማውያን ድማ ናብ ኤላት ኣትዮም፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሒዞምዋ ኣለዉ። 7 ኣሓዝ ከኣ ናብ ቲግላት-ጲሌሰር+ ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ልኢኹ፡ “ኣነ ጊልያኻን ወድኻን እየ። ደዪብካ ኻብ ኢድ እቶም ዜጥቅዑኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ኣድሕነኒ” በሎ። 8 ኣሓዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፡ ንንጉስ ኣሶር ጉቦ ሰደደሉ።+ 9 ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ፡ ናብ ደማስቆ ደዪቡ ሓዛ፣ ንህዝባ ድማ ናብ ቂር ማረኾም፣+ ንረጺን ከኣ ቀተሎ።+

10 ንጉስ ኣሓዝ ድማ ንቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ኪቕበሎ ናብ ደማስቆ ኸደ። ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ምስ ረኣዮ፡ ንጉስ ኣሓዝ ንኻህን ኡርያ፡ ናይቲ መሰውኢ ምስልን ኣሰራርሓን ዜርኢ ንድፊ ሰደደሉ።+ 11 ካህን ኡርያ+ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሓዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዅሉ መምርሒታት ገይሩ መሰውኢ ሰርሐ።+ ንጉስ ኣሓዝ ካብ ደማስቆ ቕድሚ ምምላሱ ድማ፡ ካህን ኡርያ ሰሪሑ ወድኦ። 12 ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ ተመልሰን ነቲ መሰውኢ ምስ ረኣዮን፡ ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ኣቕረበ።+ 13 ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቱን መስዋእቲ እኽሉን ኣቕረበ፣ ኣብ ልዕሊኡ ድማ፡ መስዋእቲ መስተኡ ኣፍሰሰ፡ ደም መስዋእቲ ሕብረት እውን ነጸገ። 14 ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበረ መሰውኢ ነሓሲ+ ኻብቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ቦታኡ፡ ማለት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት የሆዋን ኣግዓዞ፣ ብሸነኽ ሰሜን መሰውኢኡ ኸኣ ኣንበሮ። 15 ንጉስ ኣሓዝ ከኣ ንኻህን ኡርያ፡+ “እቲ ናይ ንግሆ ዚሓርር መስዋእትን እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ እኽልን+ እቲ ናይ ንጉስ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን እቲ ናይ ኵሉ ህዝቢ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርር።+ ኵሉ ደም እቲ ዚሓርር መስዋእትን ኵሉ ደም ካልእ መስዋእትን ድማ ኣብ ልዕሊኡ ንጸግ። ነቲ መሰውኢ ነሓሲ ግና፡ እንታይ ከም ዝገብሮ ኽውስን እየ” በሎ። 16 ካህን ኡርያ ኸኣ ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ኣሓዝ ዝኣዘዞ ገበረ።+

17 ንጉስ ኣሓዝ ድማ ነቲ መጋረዲ ጐድኒ እቲ ዓረብያታት+ ቈራረጾ፡ ነቲ ገበራ እውን ካብኡ ኣልገሶ፣+ ነቲ ባሕሪ ኸኣ ካብቶም ዝጾርዎ ኣብዑር ነሓሲ+ ኣውሪዱ፡ ኣብ እተነጽፈ እምኒ ኣንበሮ።+ 18 ነቲ ንሰንበት ተባሂሉ ኣብታ ቤት እተሰርሐ ኽዱን ቦታን ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተዊ ንጉስን ካብ ቤት የሆዋ ኣወገዶ፣ ከምኡ ዝገበረ ድማ ብምኽንያት ንጉስ ኣሶር እዩ።

19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሓዝ፡ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 20 ኣሓዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ* ነገሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ