ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ኣሓዝ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-4)

      • ብሶርያን ብእስራኤልን ተሳዕረ (5-8)

      • ዖዴድ ንእስራኤላውያን ኣጠንቀቖም (9-15)

      • ይሁዳ ተዋረደ (16-19)

      • ኣምልኾ ጣኦትን ሞትን ኣሓዝ (20-27)

2 ዜና መዋእል 28:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 1:1፣ ሚክ 1:1፣ ማቴ 1:9
  • +2ነገ 16:2

2 ዜና መዋእል 28:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:26, 28፣ 16:33
  • +ዘጸ 34:17

2 ዜና መዋእል 28:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ገሃነም” ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:31
  • +2ዜና 33:1, 6፣ ኤር 7:31

2 ዜና መዋእል 28:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:30
  • +ኢሳ 57:4, 5

2 ዜና መዋእል 28:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:5, 6፣ 2ዜና 24:24
  • +2ሳሙ 8:6፣ 1ዜና 18:5

2 ዜና መዋእል 28:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:37፣ ኢሳ 7:1
  • +2ዜና 15:2፣ መዝ 73:27

2 ዜና መዋእል 28:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ቤት።”

2 ዜና መዋእል 28:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:23, 24፣ 22:51

2 ዜና መዋእል 28:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:14፣ 3:8

2 ዜና መዋእል 28:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:39, 46፣ 2ዜና 8:9

2 ዜና መዋእል 28:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:8

2 ዜና መዋእል 28:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:7, 8፣ ኢሳ 7:10-12

2 ዜና መዋእል 28:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 26:1, 6
  • +2ዜና 26:10
  • +እያ 15:10, 12
  • +2ዜና 11:10
  • +መሳ 14:1

2 ዜና መዋእል 28:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:29፣ 16:7, 8፣ 1ዜና 5:26
  • +2ነገ 17:5፣ ኢሳ 7:20

2 ዜና መዋእል 28:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:15, 16፣ 2ዜና 12:9

2 ዜና መዋእል 28:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:10-13፣ 2ዜና 25:14
  • +ኤር 44:18

2 ዜና መዋእል 28:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:17
  • +1ነገ 6:33, 34፣ 2ዜና 29:7

2 ዜና መዋእል 28:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:22, 23፣ 2ነገ 15:32, 35፣ 2ዜና 21:5, 11፣ 33:1, 3

2 ዜና መዋእል 28:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:19

2 ዜና መዋእል 28:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 21:16, 20፣ 33:20

ሓፈሻዊ

2 ዜና 28:1ሆሴ 1:1፣ ሚክ 1:1፣ ማቴ 1:9
2 ዜና 28:12ነገ 16:2
2 ዜና 28:21ነገ 12:26, 28፣ 16:33
2 ዜና 28:2ዘጸ 34:17
2 ዜና 28:3ዘዳ 12:31
2 ዜና 28:32ዜና 33:1, 6፣ ኤር 7:31
2 ዜና 28:4ዘሌ 26:30
2 ዜና 28:4ኢሳ 57:4, 5
2 ዜና 28:52ነገ 16:5, 6፣ 2ዜና 24:24
2 ዜና 28:52ሳሙ 8:6፣ 1ዜና 18:5
2 ዜና 28:62ነገ 15:37፣ ኢሳ 7:1
2 ዜና 28:62ዜና 15:2፣ መዝ 73:27
2 ዜና 28:81ነገ 16:23, 24፣ 22:51
2 ዜና 28:9መሳ 2:14፣ 3:8
2 ዜና 28:10ዘሌ 25:39, 46፣ 2ዜና 8:9
2 ዜና 28:142ዜና 28:8
2 ዜና 28:162ነገ 16:7, 8፣ ኢሳ 7:10-12
2 ዜና 28:182ዜና 26:1, 6
2 ዜና 28:182ዜና 26:10
2 ዜና 28:18እያ 15:10, 12
2 ዜና 28:182ዜና 11:10
2 ዜና 28:18መሳ 14:1
2 ዜና 28:202ነገ 15:29፣ 16:7, 8፣ 1ዜና 5:26
2 ዜና 28:202ነገ 17:5፣ ኢሳ 7:20
2 ዜና 28:212ነገ 18:15, 16፣ 2ዜና 12:9
2 ዜና 28:232ነገ 16:10-13፣ 2ዜና 25:14
2 ዜና 28:23ኤር 44:18
2 ዜና 28:242ነገ 16:17
2 ዜና 28:241ነገ 6:33, 34፣ 2ዜና 29:7
2 ዜና 28:251ነገ 14:22, 23፣ 2ነገ 15:32, 35፣ 2ዜና 21:5, 11፣ 33:1, 3
2 ዜና 28:262ነገ 16:19
2 ዜና 28:272ዜና 21:16, 20፣ 33:20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 28:1-27

2 ዜና መዋእል

28 ኣሓዝ+ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ 20 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 16 ዓመት ነገሰ። ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ፡ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ቅኑዕ ኣይገበረን።+ 2 ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ተመላለሰ፣+ አረ ፍሱስ ምስሊ+ በዓላት እውን ገበረ። 3 ኣብ ስንጭሮ ወዲ ሂኖም* ከኣ ዓጠነ፡ ከምቲ ፍንፉን ተግባር እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣህዛብ+ እውን ደቁ ብሓዊ ኣንደደ።+ 4 ኣብ በረኽትን+ ኣብ ልዕሊ ዅርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን+ ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።

5 ስለዚ፡ የሆዋ ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሃቦ፣+ ንሳቶም ከኣ ሰዓርዎ እሞ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምሩኻት ማሪኾም ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎም።+ ንሱ እውን ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤል ተዋህበ፣ ንሱ ድማ ንዕኡ ወቒዑ ብዙሓት ቀተለሉ። 6 ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ ኸኣ፡ ጴቃሕ+ ወዲ ረማልያ ኣብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ 120,000 ቀተለ፣ ኵላቶም ተባዓት ሰባት ነበሩ።+ 7 ዚክሪ ዚብሃል ኤፍሬማዊ ጅግና ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ* ሓላፍነት ዝነበሮን ንኤልቃና እቲ ኻልኣዩ ንንጉስን ቀተሎም። 8 እቶም እስራኤላውያን ከኣ ካብ ኣሕዋቶም 200,000 ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ዘሚቶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ+ ወሰድዎ።

9 ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ የሆዋ ግና ኣብኣ ነበረ። ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ እቲ ናብ ሰማርያ ዚመጽእ ዝነበረ ሰራዊት ወጺኡ፡ ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ንይሁዳ ስለ እተቘጥዖ፡ ንዓታቶም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም፣+ ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሰማያት ብዚበጽሕ ነድሪ ቐቲልኩምዎም። 10 ሕጂ ድማ ነቶም ህዝቢ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ክትገብርዎም ትሓስቡ ኣለኹም።+ ግናኸ፡ ንስኻትኩም እውንዶ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም በደልቲ ኣይኰንኩምን፧ 11 ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣባኻትኩም ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም።”

12 ሽዑ፡ ገለ ኻብቶም ኣሕሉቕ ኤፍሬማውያን፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናንን በረክያ ወዲ መሺለሞትን የሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን፡ ነቶም ካብ ወተሃደራዊ ወፈራ ዝመጹ ተቓወምዎም፡ 13 “ኣብ ቅድሚ የሆዋ በደልቲ ኺገብረና እዩ እሞ፡ ነዞም ምሩኻት ናብዚ ኣይተምጽእዎም። በደልናስ ድሮ ዓብዪ እዩ፡ ኣብ እስራኤል እውን ዚነድድ ቍጥዓ ኣሎ እሞ፡ እዚ ኽትገብርዎ ዝሓሰብኩም፡ ንሓጢኣትናን ንበደልናን ኪውስኸሉ እዩ” ድማ በልዎም። 14 እቶም ዕጡቓት ተዋጋእቲ ኸኣ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ዝማትን+ ኣብ ኢድ እቶም መሳፍንትን ብዘሎ እቲ ጉባኤን ሓደግዎ። 15 እቶም ብስሞም እተሰምዩ ሰባት ድማ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፣ ካብቲ ምርኮ ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ መንጎኦም ዝነበሩ ዕሩቓት፡ ክዳውንቲ ሃብዎም። ከዲኖም ድማ፡ ኣሳእንን ምግብን መስተን ዚልከይዎ ዘይትን ሃብዎም። ነቶም ድኹማት ኣብ ኣእዱግ ኣወጢሖም ከኣ ናብ ኣሕዋቶም ናብታ ኸተማ ኣእዋም ተምሪ ዝዀነት ያሪኮ ኣብጽሕዎም። ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማርያ ተመልሱ።

16 በታ ግዜ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓዝ ንነገስታት ኣሶር ኪረድእዎ ሓተቶም።+ 17 ኤዶማውያን ከኣ መሊሶም ንይሁዳ ወሪሮም ኣጥቅዕዋ፡ ምሩኻት እውን ማረኹ። 18 ፍልስጥኤማውያን+ እውን ኣብ ከተማታት ሼፈላን+ ነጌብን ይሁዳ ወሪሮም፡ ንቤት-ሸመሽን+ ንኣያሎንን+ ንገደሮትን ንሶኮን ዓድታታን ንቲምናን+ ዓድታታን ንጊምዞን ዓድታታን ሓዝወን፣ ኣባታተን ድማ ተቐመጡ። 19 ኣሓዝ ንጉስ እስራኤል ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ እተገብረ፡ የሆዋ ብሰንኩ ንይሁዳ ኣዋረዳ።

20 ቲልጋት-ጲልነሰር+ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣንጻሩ መጸ፣ ኣብ ክንዲ ዜበርትዖ ኸኣ፡ ኣጨነቖ።+ 21 ኣሓዝሲ ነታ ቤት የሆዋን ነታ ቤት* ንጉስን+ ንኣባይቲ መሳፍንትን ገፊፉ፡ ንንጉስ ኣሶር ህያብ ሃቦ፣ ግናኸ፡ እዚ ኣይሓገዞን። 22 ንጉስ ኣሓዝ ከኣ ብግዜ ጭንቁ እውን ከይተረፈ ንየሆዋ ብዝያዳ ጠለሞ። 23 ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ድማ ሰውኣሎም፣+ “ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንዓታቶም ስለ ዝሓገዝዎም፡ ምእንቲ ኺሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ” ኸኣ በለ።+ ግናኸ፡ ንዕኡን ንዅሎም እስራኤልን መዐንቀፊ ዀንዎም። 24 ኣሓዝ ድማ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣከቦ፣ ድሕሪኡ፡ ንኣቕሑ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ቈራረጾ፡+ መዓጹ ቤት የሆዋ ዓጸዎ፡+ ኣብ ኵሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ። 25 ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንምዕጣን በረኽቲ ገበረ፣+ ንየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቱ ኸኣ ኣዀረዮ።

26 እቲ ዝተረፈ ታሪኹ፡ ኵሉ ግብርታቱ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+ 27 ኣሓዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣ ናብ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን እሞ፡ ኣብታ ኸተማ ኣብ የሩሳሌም ቀበርዎ።+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ