ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8)

      • ክለሳ ውድቀት እስራኤል (9-12)

      • ሰናክሪብ ንይሁዳ ወረራ (13-18)

      • እቲ ራብሳቀ ንየሆዋ ኣባጨወሉ (19-37)

2 ነገስት 18:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 15:30፣ 17:1
  • +2ዜና 28:27፣ ማቴ 1:9
  • +2ነገ 16:2, 20

2 ነገስት 18:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ናይ ኣብያ ኣሕጽሮት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:1, 2

2 ነገስት 18:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:5
  • +2ነገ 20:3፣ 2ዜና 31:20, 21፣ መዝ 119:128

2 ነገስት 18:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

  • *

    ወይ፡ “ነሑሽታን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:52፣ 1ነገ 3:2፣ 2ነገ 14:1, 4
  • +ዘዳ 7:5፣ 12:3፣ 2ዜና 31:1
  • +ዘሁ 21:8, 9

2 ነገስት 18:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተወከለ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:15፣ 2ዜና 32:7, 8

2 ነገስት 18:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:20፣ እያ 23:8

2 ነገስት 18:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:7

2 ነገስት 18:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ኵሉ ቦታ፡ ኣብቲ ውሑዳት ኰነ ብዙሓት ዝሰፈሩሉ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 28:18, 19፣ ኢሳ 14:28, 29

2 ነገስት 18:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:1
  • +2ነገ 17:3-6

2 ነገስት 18:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 13:16፣ ኣሞ 3:11፣ ሚክ 1:6

2 ነገስት 18:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 8:4፣ ኣሞ 6:1, 7
  • +2ነገ 17:6፣ 1ዜና 5:26

2 ነገስት 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 8:20፣ 1ነገ 14:15

2 ነገስት 18:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:5
  • +2ዜና 32:1፣ ኢሳ 36:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 14-15

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 20

2 ነገስት 18:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዅሎም ዚኸውን መጽሓፍ፡ ገጽ 14-15

2 ነገስት 18:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 12:18፣ 16:8፣ 2ዜና 16:2, 3

2 ነገስት 18:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ብወርቂ ዝለበጦ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:1, 3
  • +1ነገ 6:33-35

2 ነገስት 18:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንኣዛዝን።”

  • *

    ወይ፡ “ንሓለቓ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን።”

  • *

    ወይ፡ “ንሓለቓ ኣሰለፍቲ መስተን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:20, 39፣ 2ዜና 11:5, 9
  • +2ዜና 32:9
  • +ኢሳ 36:2, 3

2 ነገስት 18:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:2፣ ኢሳ 22:20-24
  • +ኢሳ 22:15-19

2 ነገስት 18:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:10፣ ኢሳ 36:4-10

2 ነገስት 18:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:7

2 ነገስት 18:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 12-13

    1/8/2005፡ ገጽ 11

2 ነገስት 18:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:8
  • +ዘዳ 12:11, 13፣ 2ዜና 32:12
  • +2ዜና 31:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2010፡ ገጽ 13

2 ነገስት 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:12, 13

2 ነገስት 18:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብቛንቋ ሶርያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:18
  • +2ነገ 18:17
  • +እዝ 4:7፣ ዳን 2:4
  • +ኢሳ 36:11, 12

2 ነገስት 18:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 36:13-20

2 ነገስት 18:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:15

2 ነገስት 18:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:32-34

2 ነገስት 18:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምሳይ በረኸት ግበሩ፡ ናባይ ድማ ውጹ።”

2 ነገስት 18:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6

2 ነገስት 18:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 13:21
  • +2ነገ 17:24
  • +2ነገ 17:6

2 ነገስት 18:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:17-19፣ 2ዜና 32:15፣ ኢሳ 37:23

2 ነገስት 18:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 36:21, 22

2 ነገስት 18:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 18:12ነገ 15:30፣ 17:1
2 ነገ. 18:12ዜና 28:27፣ ማቴ 1:9
2 ነገ. 18:12ነገ 16:2, 20
2 ነገ. 18:22ዜና 29:1, 2
2 ነገ. 18:31ነገ 15:5
2 ነገ. 18:32ነገ 20:3፣ 2ዜና 31:20, 21፣ መዝ 119:128
2 ነገ. 18:4ዘሁ 33:52፣ 1ነገ 3:2፣ 2ነገ 14:1, 4
2 ነገ. 18:4ዘዳ 7:5፣ 12:3፣ 2ዜና 31:1
2 ነገ. 18:4ዘሁ 21:8, 9
2 ነገ. 18:52ነገ 19:15፣ 2ዜና 32:7, 8
2 ነገ. 18:6ዘዳ 10:20፣ እያ 23:8
2 ነገ. 18:72ነገ 16:7
2 ነገ. 18:82ዜና 28:18, 19፣ ኢሳ 14:28, 29
2 ነገ. 18:92ነገ 17:1
2 ነገ. 18:92ነገ 17:3-6
2 ነገ. 18:10ሆሴ 13:16፣ ኣሞ 3:11፣ ሚክ 1:6
2 ነገ. 18:11ኢሳ 8:4፣ ኣሞ 6:1, 7
2 ነገ. 18:112ነገ 17:6፣ 1ዜና 5:26
2 ነገ. 18:12ዘዳ 8:20፣ 1ነገ 14:15
2 ነገ. 18:13ኢሳ 10:5
2 ነገ. 18:132ዜና 32:1፣ ኢሳ 36:1
2 ነገ. 18:152ነገ 12:18፣ 16:8፣ 2ዜና 16:2, 3
2 ነገ. 18:162ዜና 29:1, 3
2 ነገ. 18:161ነገ 6:33-35
2 ነገ. 18:17እያ 15:20, 39፣ 2ዜና 11:5, 9
2 ነገ. 18:172ዜና 32:9
2 ነገ. 18:17ኢሳ 36:2, 3
2 ነገ. 18:182ነገ 19:2፣ ኢሳ 22:20-24
2 ነገ. 18:18ኢሳ 22:15-19
2 ነገ. 18:192ዜና 32:10፣ ኢሳ 36:4-10
2 ነገ. 18:202ነገ 18:7
2 ነገ. 18:21ኢሳ 30:1, 2
2 ነገ. 18:222ዜና 32:8
2 ነገ. 18:22ዘዳ 12:11, 13፣ 2ዜና 32:12
2 ነገ. 18:222ዜና 31:1
2 ነገ. 18:23ኢሳ 10:12, 13
2 ነገ. 18:262ነገ 18:18
2 ነገ. 18:262ነገ 18:17
2 ነገ. 18:26እዝ 4:7፣ ዳን 2:4
2 ነገ. 18:26ኢሳ 36:11, 12
2 ነገ. 18:28ኢሳ 36:13-20
2 ነገ. 18:292ዜና 32:15
2 ነገ. 18:302ነገ 19:32-34
2 ነገ. 18:322ነገ 17:6
2 ነገ. 18:34ዘሁ 13:21
2 ነገ. 18:342ነገ 17:24
2 ነገ. 18:342ነገ 17:6
2 ነገ. 18:352ነገ 19:17-19፣ 2ዜና 32:15፣ ኢሳ 37:23
2 ነገ. 18:36ኢሳ 36:21, 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 18:1-37

2 ነገስት

18 ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ህዝቅያስ+ ወዲ ኣሓዝ+ ንጉስ ይሁዳ ነገሰ። 2 ኪነግስ ከሎ ወዲ 25 ዓመት ነበረ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 29 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኣቢ* እዩ፣ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።+ 3 ንሱ ድማ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።+ 4 እቲ ንበረኽቲ ዘወገዶን+ ንሓወልትታት ኣምልኾ ዝሰባበሮን ንዓንዲ ኣምልኾ* ዝቘረጾን+ ንሱ እዩ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ነሓሲ ድማ ድርቅምቅም ኣበሎ።+ ከመይሲ፡ ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንዕኡ ይዓጥኑሉ ነበሩ፣ ናይ ነሓሲ ጣኦት ተመን* ኢሎም እውን ይጽውዕዎ ነበሩ። 5 ንሱ ብየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፣*+ ካብቶም ድሕሪኡ ዀኑ ቕድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን። 6 ናብ የሆዋ ኸኣ ጠበቐ፣+ ካብ ምስዓቡ እውን ኣየልገሰን። እቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛት ደኣ ሓለወ። 7 የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ ብጥበብ ይመላለስ ነበረ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዓለወ፡ ከይግዝኦ እውን ኣበየ።+ 8 ንፍልስጥኤማውያን+ ድማ ክሳብ ጋዛን ከባቢኣን፡ ካብ ግምቢ ዘብዐኛ ኽሳብ እተዓርደት ከተማ፡* ሰዓሮም።

9 ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት ሆሼዓ+ ወዲ ኤላህ ንጉስ እስራኤል፡ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ኣንጻር ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።+ 10 ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ዓመት ከኣ ሓዝዋ፣+ ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት ህዝቅያስ፡ ማለት ኣብ ታሽዐይቲ ዓመት ሆሼዓ ንጉስ እስራኤል፡ ሰማርያ ተታሕዘት። 11 ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፣+ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦር ኣብ ፈለግ ጎዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ከኣ ኣስፈሮም።+ 12 እዚ ድማ ድምጺ የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዑ፡ ኪዳኑ፡ ማለት ኵሉ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ዝኣዘዞ ስለ ዝጠሓሱ እዩ።+ ኣይሰምዑን፡ ኣይተኣዘዙን እውን።

13 ኣብ መበል 14 ዓመት ንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ኣንጻር ኵለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን።+ 14 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ “በዲለ እየ። ካባይ ኣንሳሕብ፣ እትስልዓለይ ዘበለ ኸኣ ክኸፍል እየ” በሎ። ንጉስ ኣሶር ድማ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም መቕጻዕቲ 300 ታለንት* ብሩርን 30 ታለንት ወርቅን ኪኸፍል ሰልዓሉ። 15 ህዝቅያስ ከኣ እቲ ኣብ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን እተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።+ 16 ህዝቅያስ ድማ በታ ግዜ እቲኣ፡ ነቲ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ባዕሉ ዝለበጦ*+ መዓጹ ቤተ መቕደስ+ የሆዋን ልዳውትን ነቒሉ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ።

17 ንጉስ ኣሶር ከኣ ንታርታንን* ንራብሳሪስን* ንራብሳቀን* ምስ ብዙሕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ+ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ንጉስ ህዝቅያስ ሰደዶም።+ ናብ የሩሳሌም ደዪቦም ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጐደና ግራት ሓጻባይ ዘሎ መትረብ ላዕለዋይ ሓጽቢ ቘሙ።+ 18 ንንጉስ ኪወጽእ ምስ ጸውዕዎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያን ሸብና+ እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ናባታቶም ወጹ።

19 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “በጃኹም፡ ንህዝቅያስ ከምዚ በልዎ፦ ‘እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧+ 20 ‘ንውግእ ስልትን ሓይልን ኣሎኒ’ ትብል ኣለኻ፣ እዚ ግና ባዶ ቓላት እዩ። ብመን ተኣሚንካ ኢኻ ኻባይ ክትዓሉ ዝደፈርካ፧+ 21 እንሆ፡ ብደገፍ እዚ ንዚምርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚኣቱ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ዝዀነ ግብጺ ተኣሚንካ ኣለኻ።+ ፈርኦን ንጉስ ግብጽስ ንዅሎም እቶም ዚእመንዎ ኸምኡ እዩ። 22 ‘ብየሆዋ ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና’+ እንተ ኢልኩምኒ ድማ፡ እቲ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ‘ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ’ ኢሉ+ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘወገደሉስ ንሱ ደይኰነን፧”’+ 23 ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ግዳ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ፦ ንስኻ ዚውጥሕዎም ክትረክብ እንተ ኽኢልካስ፡ 2,000 ፈረስ ክህበካ እየ።+ 24 ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ንምርካብ ኣብ ግብጺ ተኣሚንካ ኸለኻ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብቶም ንኣሽቱ ገላዉ ጐይታይ ንሓደ ሹም እኳ ኽትመልስ እትኽእል፧ 25 ሕጅስ ብዘይ ፍቓድ የሆዋዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ እየ፧ የሆዋ ደኣ እዩ፡ ‘ኣንጻር እዛ ምድሪ እዚኣ ደዪብካ፡ ኣጥፍኣያ’ ኢሉ ልኢኹኒ።”

26 ሽዑ፡ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብናን+ ዮኣሕን ነቲ ራብሳቀ፡+ “ክንሰምዖ ንኽእል ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ንገላዉኻ ብኣራማይስጢ*+ ተዛረበና፣ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቛንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።+ 27 እቲ ራብሳቀ ግና፡ “ጐይታይሲ እዚ ቓላት እዚ ንጐይታኻን ንዓኻን ጥራይ ክዛረብ ድዩ ልኢኹኒ፧ ነቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባት እውን ደይኰነን፧” በሎም።

28 ሽዑ፡ እቲ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ዓው ኢሉ ጨደረ፦ “ቃል እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።+ 29 ንጉስ ከምዚ ይብል፦ ‘ህዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬናግፈኩም ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ኣየታልልኩም።+ 30 ህዝቅያስ ድማ፡ “የሆዋ ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ብየሆዋ ኣየአምንኩም።+ 31 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፣ ከመይሲ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦ “ምሳይ ሰላም ግበሩ፡ ኢድኩም ድማ ሃቡ፣* ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ካብ ተኽሊ ወይኑን ካብ ኦም በለሱን ይብላዕ፡ ካብ መዕቘር ማዩ እውን ይስተ፣ 32 መጺአ ነዛ ምድርኹም ናብ እትመስል ምድሪ፡+ ናብ ምድሪ እኽልን ጕዕሽ ወይንን፡ ናብ ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ምድሪ ኣእዋም ኣውልዕን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ከምኡ ግበሩ። ሽዑ፡ ብህይወት ክትነብሩ እምበር፡ ኣይክትሞቱን ኢኹም። ህዝቅያስ፡ ‘የሆዋ ኼናግፈና እዩ’ ኢሉ ኼስሕተኩም ከሎስ፡ ኣይትስምዕዎ። 33 ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ንምድሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፈዶ ኣሎ፧ 34 ኣማልኽቲ ሓማትን+ ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን+ ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣናጊፎምዋ እዮም፧+ 35 የሆዋ ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ዜናግፋስ፡ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንምድሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ መን ኣሎ፧”’”+

36 ንጉስ፡ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ሓንቲ ቓል እውን ኣይመለሱሉን።+ 37 እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂም ወዲ ሒልቅያን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣሕ ወዲ ኣሳፍ እቲ መዝጋብን ከኣ፡ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ እቲ ራብሳቀ ነገርዎ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ