ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 31
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ክሕደት ኣጥፍአ (1)

      • ንኻህናትን ንሌዋውያንን ግቡእ ደገፍ ተገብረሎም (2-21)

2 ዜና መዋእል 31:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:24
  • +ዘዳ 7:5፣ 2ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 14:2, 3፣ 34:1, 3
  • +2ዜና 30:1, 18
  • +ዘዳ 12:2፣ 2ዜና 23:16, 17

2 ዜና መዋእል 31:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሰፈራት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:1
  • +1ዜና 23:6
  • +2ዜና 8:14
  • +1ዜና 23:13, 27-30

2 ዜና መዋእል 31:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:39
  • +2ዜና 30:24
  • +ዘሁ 28:9
  • +ዘሁ 10:10
  • +ዘዳ 16:16

2 ዜና መዋእል 31:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንሕጊ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪውፈዩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:21፣ ነህ 10:38, 39

2 ዜና መዋእል 31:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:12
  • +ዘጸ 22:29፣ 23:19፣ ነህ 10:37
  • +ምሳ 3:9

2 ዜና መዋእል 31:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:30፣ ዘዳ 14:28

2 ዜና መዋእል 31:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 23:16
  • +ዘሌ 23:24

2 ዜና መዋእል 31:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 18:8
  • +ሚል 3:10

2 ዜና መዋእል 31:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መመገቢ ኽፍልታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 10:38, 39፣ 12:44

2 ዜና መዋእል 31:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 27:30፣ ዘዳ 14:28

2 ዜና መዋእል 31:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 26:17, 19
  • +ዘዳ 12:5, 6፣ 16:10
  • +ዘሁ 18:8
  • +ዘሌ 2:10፣ 7:1

2 ዜና መዋእል 31:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:1
  • +እያ 21:19

2 ዜና መዋእል 31:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:4
  • +ዘሁ 4:2, 3፣ 8:24፣ 1ዜና 23:24
  • +1ዜና 23:6

2 ዜና መዋእል 31:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:33, 34፣ ዘሁ 35:2፣ እያ 21:13

2 ዜና መዋእል 31:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 29:35

ሓፈሻዊ

2 ዜና 31:1ዘጸ 23:24
2 ዜና 31:1ዘዳ 7:5፣ 2ነገ 18:1, 4፣ 2ዜና 14:2, 3፣ 34:1, 3
2 ዜና 31:12ዜና 30:1, 18
2 ዜና 31:1ዘዳ 12:2፣ 2ዜና 23:16, 17
2 ዜና 31:21ዜና 24:1
2 ዜና 31:21ዜና 23:6
2 ዜና 31:22ዜና 8:14
2 ዜና 31:21ዜና 23:13, 27-30
2 ዜና 31:3ዘጸ 29:39
2 ዜና 31:32ዜና 30:24
2 ዜና 31:3ዘሁ 28:9
2 ዜና 31:3ዘሁ 10:10
2 ዜና 31:3ዘዳ 16:16
2 ዜና 31:4ዘሁ 18:21፣ ነህ 10:38, 39
2 ዜና 31:5ዘሁ 18:12
2 ዜና 31:5ዘጸ 22:29፣ 23:19፣ ነህ 10:37
2 ዜና 31:5ምሳ 3:9
2 ዜና 31:6ዘሌ 27:30፣ ዘዳ 14:28
2 ዜና 31:7ዘሌ 23:16
2 ዜና 31:7ዘሌ 23:24
2 ዜና 31:10ዘሁ 18:8
2 ዜና 31:10ሚል 3:10
2 ዜና 31:11ነህ 10:38, 39፣ 12:44
2 ዜና 31:12ዘሌ 27:30፣ ዘዳ 14:28
2 ዜና 31:141ዜና 26:17, 19
2 ዜና 31:14ዘዳ 12:5, 6፣ 16:10
2 ዜና 31:14ዘሁ 18:8
2 ዜና 31:14ዘሌ 2:10፣ 7:1
2 ዜና 31:151ዜና 24:1
2 ዜና 31:15እያ 21:19
2 ዜና 31:171ዜና 24:4
2 ዜና 31:17ዘሁ 4:2, 3፣ 8:24፣ 1ዜና 23:24
2 ዜና 31:171ዜና 23:6
2 ዜና 31:19ዘሌ 25:33, 34፣ ዘሁ 35:2፣ እያ 21:13
2 ዜና 31:212ዜና 29:35
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 31:1-21

2 ዜና መዋእል

31 እዚ ዅሉ ምስ ተወድአ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤላውያን ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጺኦም፡ ሓወልትታት ኣምልኾ ሰባበሩ፡+ ኣዕኑድ ኣምልኾ* ቘረጹ፡+ ኣብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን+ ድማ ጠሪሶም ክሳዕ ዜጥፍእዎ በረኽትን መሰውኢታትን ኣፍረሱ።+ ድሕሪኡ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ናብ ከተማታቶም ተመልሱ፣ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ርስቱ ተመልሰ።

2 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ክፍልታቶም፡+ ነቶም ሌዋውያን እውን ኣብ ክፍልታቶም፡+ እቶም ካህናትን እቶም ሌዋውያንን ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣኣገልግሎቶም፡+ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኬቕርቡ፡ ኬገልግሉ፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ኣጸዳት* የሆዋ እውን ኬመስግኑን ኪውድሱን ሸሞም።+ 3 ካብ ጥሪት ንጉስ ድማ ሓደ ግደ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ እተጻሕፈ፡ ነቲ ናይ ንግሆን ናይ ምሸትን+ ዚሓርር መስዋእትን+ ነቲ ኣብ ሰናብትን+ ኣብ ሰርቅታት ወርሕን+ ኣብ በዓላትን+ ዚቐርብ ዚሓርር መስዋእትን ኪኸውን ተዋህበ።

4 ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ፡ ንኻህናትን ንሌዋውያንን፡ ኣብ ሕጊ የሆዋ ምእንቲ ኺጸንዑ፡* ግዲኦም ኪህብዎም ኣዘዞም።+ 5 እዚ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ እስራኤላውያን ካብ ፍረ እኽልን ካብ ጕዕሽ ወይንን ካብ ዘይትን+ ካብ መዓርን ካብ ኵሉ እቶት ግራትን በዅራት ኣብዚሖም ሃቡ፣+ ዕሽር ኵሉ ኸኣ ብብዝሒ ኣምጽኡ።+ 6 እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ድማ፡ ዕሽር ከብትን ኣባጊዕን ዕሽር እቲ ንየሆዋ ኣምላኾም ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገራትን ኣምጽኡ።+ ኣምጺኦም ከኣ ብዙሕ ኵምራታት ገበርዎ። 7 ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ+ መባኦም ኪዅምሩ ጀመሩ፣ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ+ ድማ ወድኡ። 8 ህዝቅያስን እቶም መሳፍንትን መጺኦም ነቲ ዅምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንየሆዋ ወደስዎ፡ ንህዝቡ እስራኤል እውን መረቕዎ።

9 ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ነቶም ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዅምራታት ሓተቶም። 10 እቲ ኻብ ቤት ጻዶቅ ዝዀነ ዓዛርያ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ “መባእ ናብ ቤት የሆዋ ኼምጽኡ ኻብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኣትሒዙ፡+ እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዚጸግቡ በሊዖም፡ ገና ብዙሕ ተረፍ እውን ኣሎ። የሆዋስ ንህዝቡ ባሪኽዎ ኣሎ፣ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ እውን ተረፍ እዩ” በሎ።+

11 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ኣብ ቤት የሆዋ መኽዘናት* ኬዳልዉ ኣዘዞም፣+ ንሳቶም ከኣ ኣዳለዉ። 12 መባእን ዕሽርን+ ቅዱስ ነገራትን ድማ ብተኣማንነት ኣምጽኡ፣ ኮናንያ እቲ ሌዋዊ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ተቘጻጻሪ ዀይኑ ነበረ፣ ሓዉ ሺምዒ ኸኣ ካልኣዩ ነበረ። 13 የሒኤልን ዓዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን በናያን ድማ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስ ንኮናንያን ንሓዉ ሺምዒን ዚሕግዙ ሰብ መዚ ነበሩ፣ ዓዛርያ ኸኣ ተቘጻጻሪ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ። 14 ቆሬ ወዲ ዪምና፡ እቲ ሓላው እታ ብምብራቕ ዘላ ኣፍ ደገ ዝዀነ ሌዋዊ፡+ ኣብ ልዕሊ እቲ መስዋእቲ ፍታው+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነበረ፣ ነቲ ንየሆዋ እተዋህበ መባእን+ ነቲ ቕዱስ ቅዱሳንን+ ድማ ይዕድል ነበረ። 15 ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ኸኣ፡ ኤደንን ሚንያሚንን እያሱን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን፡ ነቶም ኣብ ክፍልታቶም+ ዘለዉ ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣሕዋቶም ብማዕረ ምእንቲ ኺዕድሉ፡ ኣብ ከተማታት ካህናት፡+ ኣብቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነበሩ። 16 እዚ ድማ ኣብ ርእሲ እቲ ነቶም ኣብ ምዝገባ ወለዶ እተዘርዘሩ ኻብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤት የሆዋ ኼገልግሉ ዚመጹን ዕዮታት ክፍልታቶም ዚፍጽሙን ዚግበር ዕደላ እዩ።

17 እቲ ምዝገባ ወለዶ ኻህናት ከኣ በብማይ ቤቶም+ ነበረ፣ ናይቶም ካብ ወዲ 20 ዓመት ንላዕሊ ዝዀኑ ሌዋውያን እውን፡+ በብዕዮ ኽፍልታቶም ነበረ።+ 18 ብምኽንያት እቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ሓላፍነቶም ነቲ ቕዱስ ዘበለ ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡ እቲ ምዝገባ ወለዶ ንዅሎም ቈልዑኦምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ኰታስ ንብዘሎ ጉባኤኦም የጠቓልል ነበረ። 19 ነቶም ኣብ ከባቢ ኸተማታቶም ኣብ ዘሎ መጓሰዪ ዚኸውን ግራውቲ ዚነብሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን እውን የጠቓልል ነበረ።+ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ኣብ ምዝገባ ወለዶ ንዝኣተወ ዘበለን ገግዲኦም ኪህብዎም ድማ፡ ኣብ ኵለን ከተማታት በብስሞም እተሰምዩ ሰባት ነበሩ።

20 ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ እዚ ገበረ። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኹ ድማ ጽቡቕን ቅኑዕን እሙንን ዘበለ ገበረ። 21 ምስ ኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ዚተሓሓዝ ነገር+ ኰነ ኣብ ሕግን ትእዛዝን፡ ንዅሉ እቲ ንኣምላኹ ኺደልዮ ኢሉ ዝገበሮ ዕዮ ብምሉእ ልቡ ገበሮ፡ ቀንዖ እውን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ