ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ሳሙኤል 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንህይወት ሳኦል መሊሱ ነሓፋ (1-25)

        • ዳዊት ንቕቡእ የሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት (11)

1 ሳሙኤል 26:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:20, 55
  • +መሳ 19:14፣ 1ሳሙ 10:26
  • +1ሳሙ 23:14, 19, 24፣ መዝ 54:ልዕለ ጽሑፍ

1 ሳሙኤል 26:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:2

1 ሳሙኤል 26:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:27

1 ሳሙኤል 26:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:15
  • +2ሳሙ 16:9፣ 18:5፣ 23:18
  • +2ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16

1 ሳሙኤል 26:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:4፣ 26:23

1 ሳሙኤል 26:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:1
  • +1ሳሙ 24:6፣ 2ሳሙ 1:14፣ 1ዜና 16:22፣ መዝ 20:6

1 ሳሙኤል 26:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:35፣ 1ሳሙ 24:12፣ 25:38፣ መዝ 94:1, 23
  • +መዝ 37:12, 13
  • +1ሳሙ 31:3, 6

1 ሳሙኤል 26:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:18፣ 1ሳሙ 24:6፣ 1ዜና 16:22፣ መዝ 105:15

1 ሳሙኤል 26:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:4

1 ሳሙኤል 26:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:8

1 ሳሙኤል 26:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:8

1 ሳሙኤል 26:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:16, 17፣ 10:1
  • +1ሳሙ 26:11

1 ሳሙኤል 26:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:8, 16

1 ሳሙኤል 26:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 35:7
  • +1ሳሙ 24:9, 11

1 ሳሙኤል 26:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “የጫንዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:9
  • +ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 26:18

1 ሳሙኤል 26:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:14

1 ሳሙኤል 26:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:17
  • +1ሳሙ 24:10፣ 26:11

1 ሳሙኤል 26:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:6፣ 26:9
  • +መዝ 7:8፣ 18:20

1 ሳሙኤል 26:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ።”

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 34:19

1 ሳሙኤል 26:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:19
  • +1ሳሙ 24:22፣ 27:4

ሓፈሻዊ

1 ሳሙ. 26:1እያ 15:20, 55
1 ሳሙ. 26:1መሳ 19:14፣ 1ሳሙ 10:26
1 ሳሙ. 26:11ሳሙ 23:14, 19, 24፣ መዝ 54:ልዕለ ጽሑፍ
1 ሳሙ. 26:21ሳሙ 24:2
1 ሳሙ. 26:51ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:27
1 ሳሙ. 26:6ዘፍ 10:15
1 ሳሙ. 26:62ሳሙ 16:9፣ 18:5፣ 23:18
1 ሳሙ. 26:62ሳሙ 2:18፣ 1ዜና 2:15, 16
1 ሳሙ. 26:81ሳሙ 24:4፣ 26:23
1 ሳሙ. 26:91ሳሙ 10:1
1 ሳሙ. 26:91ሳሙ 24:6፣ 2ሳሙ 1:14፣ 1ዜና 16:22፣ መዝ 20:6
1 ሳሙ. 26:10ዘዳ 32:35፣ 1ሳሙ 24:12፣ 25:38፣ መዝ 94:1, 23
1 ሳሙ. 26:10መዝ 37:12, 13
1 ሳሙ. 26:101ሳሙ 31:3, 6
1 ሳሙ. 26:11ዘሌ 19:18፣ 1ሳሙ 24:6፣ 1ዜና 16:22፣ መዝ 105:15
1 ሳሙ. 26:121ሳሙ 24:4
1 ሳሙ. 26:141ሳሙ 14:50፣ 17:55፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:8
1 ሳሙ. 26:151ሳሙ 26:8
1 ሳሙ. 26:161ሳሙ 9:16, 17፣ 10:1
1 ሳሙ. 26:161ሳሙ 26:11
1 ሳሙ. 26:171ሳሙ 24:8, 16
1 ሳሙ. 26:18መዝ 35:7
1 ሳሙ. 26:181ሳሙ 24:9, 11
1 ሳሙ. 26:191ሳሙ 24:9
1 ሳሙ. 26:19ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 26:18
1 ሳሙ. 26:201ሳሙ 24:14
1 ሳሙ. 26:211ሳሙ 24:17
1 ሳሙ. 26:211ሳሙ 24:10፣ 26:11
1 ሳሙ. 26:231ሳሙ 24:6፣ 26:9
1 ሳሙ. 26:23መዝ 7:8፣ 18:20
1 ሳሙ. 26:24መዝ 34:19
1 ሳሙ. 26:251ሳሙ 24:19
1 ሳሙ. 26:251ሳሙ 24:22፣ 27:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ሳሙኤል 26:1-25

1 ሳሙኤል

26 ሰብ ዚፍ+ ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ+ መጺኦም፡ “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር የሺሞን* ዘሎ ዅርባ ሓኪላዶ ተሓቢኡ የሎን፧”+ በልዎ። 2 ሽዑ፡ ሳኦል ተንሲኡ፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ካብ እስራኤል ምስ እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።+ 3 ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር የሺሞን፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓኪላ ሰፈረ። ሽዑ፡ ዳዊት ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብቲ በረኻ ኸም ዝመጸ ድማ ፈለጠ። 4 ዳዊት ከኣ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጸ ንምርግጋጽ፡ ሰለይቲ ሰደደ። 5 ዳዊት ድማ ናብታ ሳኦል ዝሰፈራ ቦታ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ሳኦልን ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝደቀሱላ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር ደቀሰ፣ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣሒሜሌክ እቲ ሔታውን+ ንኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ+ ሓው ዮኣብን፡ “ናብቲ ሰፈር ናብ ሳኦል መን ምሳይ ይወርድ፧” በሎም። ኣቢሻይ ድማ፡ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” ኢሉ መለሰሉ። 7 ዳዊትን ኣቢሻይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ሰራዊት መጹ፣ ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኲናቱ እውን ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ሰራዊትን ከኣ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።

8 ሽዑ፡ ኣቢሻይ ንዳዊት፡ “ሎሚ፡ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦስ በጃኻ ሕደገኒ፣ ክደግሞ እውን ኣየድልየንን እዩ” በሎ። 9 ዳዊት ግና ንኣቢሻይ፡ “ኢዱ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ+ ኣልዒሉስ ንጹህ ኰይኑ ኪቕጽል ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ስለዚ፡ ኣይትጕድኣዮ” በሎ። 10 ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ የሆዋ ባዕሉ ኺወቕዖ እዩ፡+ ወይ መዓልቱ መጺኣ+ ኺመውት እዩ፡ ወይ ናብ ውግእ ወሪዱ ኺጠፍእ እዩ።+ 11 ኢደይ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኸልዕልሲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ!+ ሕጂ ድማ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ውሰዶ እሞ፡ ንኺድ” በለ። 12 ዳዊት ከኣ ነቲ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም እውን ከዱ። የሆዋ ኸቢድ ድቃስ ኣደቂስዎም ስለ ዝነበረ፡ ኵላቶም ደቂሶም ነበሩ እሞ፡ ሓደ እኳ ዝረኣዮም፡ ወይ ዝፈለጠ፡ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።+ 13 ዳዊት ድማ ናብ ስግር ተሳገረ፣ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ደው በለ፣ ኣብ መንጎኦም እውን ገፊሕ ቦታ ነበረ።

14 ዳዊት ድማ ነቶም ሰራዊትን ንኣብኔር+ ወዲ ኔርን፡ “ኣብኔር፡ ኣይትምልስን ዲኻ፧” ኢሉ ጸውዖም። ኣብኔር ከኣ፡ “ኣታ ንንጉስ እትጽውዕ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 15 ዳዊት ድማ ንኣብኔር ከምዚ በሎ፦ “ንስኻስ ሰብኣይ ደይኰንካን፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓሎኻዮ፧ ሓደ ኻብ ተዋጋእትስ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ።+ 16 እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም እቲ ቕቡእ የሆዋ ስለ ዘይሓሎኹምዎ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ሞት እዩ ዚግብኣኩም።+ ሕጂ ኸኣ ርአ! እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ኳዳ ማይን ኣበይ ኣሎ፧”+

17 ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ “እዝስ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ዳዊት ከኣ፡ “ድምጸይ እዩ፡ ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ መለሰ። 18 ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጕጎ ዘሎ፧+ እንታይ እየ ገይረ፧ እንታይከ እየ በዲለ፧+ 19 በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ፦ እቲ ኣንጻረይ ዝደፋፍኣካ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ መስዋእቲ እኽለይ ይቀበል።* ደቂ ሰብ እንተ ደፋፊኦምኻ ግና፡+ ምስ ርስቲ የሆዋ ሓድነት ከይህልወኒ፡+ ‘ኪድ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልግል’ ኢሎም ሎሚ ሰጒጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርጉማት ይኹኑ። 20 ሕጂ ኸኣ፡ ንጉስ እስራኤል ንቖቛሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚሃድን ኰይኑ፡ ንሓደ ቝንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡+ ደመይ ካብ ቅድሚ የሆዋ ተፈልዩ ናብ ምድሪ ኣይፍሰስ።”

21 ሽዑ፡ ሳኦል፡ “ኣነ እየ በዲለ።+ ዳዊት ወደይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንህይወተይ* ስለ ዘኽበርካያ፡+ ኣይክጐድኣካን እየ እሞ፡ ተመለስ። እወ፡ ዓሽየ፡ ብዙሕ እውን ተጋግየ እየ” በለ። 22 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ እንሆ። ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23 ሎሚ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኢደይ ምልዓል ኣብየ እየ እሞ፡+ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም ተኣማንነቱን ዚፈድዮ የሆዋ እዩ።+ 24 እንሆ፡ ከምቲ ህይወትካ* በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣባይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ህይወተይ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ትኽበር፡ ካብ ኵሉ ጭንቂ እውን የናግፈኒ።”+ 25 ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “ዳዊት ወደይ፡ ተባረኽ። ብርግጽሲ ዓብዪ ነገራት ክትገብር ኢኻ፣ ብርግጽ እውን ክትዕወት ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ ዳዊት ከኣ መገዱ ኸደ፣ ሳኦል ድማ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ