ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ቤት ዳዊት እናበርትዐት ከደት (1)

      • ደቂ ዳዊት (2-5)

      • ኣብኔር ናብ ዳዊት ከደ (6-21)

      • ዮኣብ ንኣብኔር ቀተሎ (22-30)

      • ዳዊት ንኣብኔር ሓዘነሉ (31-39)

2 ሳሙኤል 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:27, 28፣ 24:17, 20፣ 26:25
  • +2ሳሙ 2:17

2 ሳሙኤል 3:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:1-4
  • +1ሳሙ 25:43
  • +2ሳሙ 13:1

2 ሳሙኤል 3:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:42
  • +2ሳሙ 15:12
  • +2ሳሙ 13:37

2 ሳሙኤል 3:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:5

2 ሳሙኤል 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:8

2 ሳሙኤል 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 21:8-11
  • +2ሳሙ 2:10
  • +2ሳሙ 16:21፣ 1ነገ 2:22

2 ሳሙኤል 3:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 15:27, 28፣ መዝ 78:70፣ 89:20

2 ሳሙኤል 3:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:1፣ 2ሳሙ 24:2

2 ሳሙኤል 3:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:39

2 ሳሙኤል 3:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እንሆ፡ ኢደይ ምሳኻ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:3

2 ሳሙኤል 3:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:20፣ 19:11፣ 1ዜና 15:29

2 ሳሙኤል 3:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:10
  • +1ሳሙ 18:25, 27

2 ሳሙኤል 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:44

2 ሳሙኤል 3:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5፣ 1ነገ 2:8

2 ሳሙኤል 3:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 13:14፣ 15:27, 28፣ 16:1, 13፣ መዝ 89:3, 20፣ 132:17፣ ግብ 13:22

2 ሳሙኤል 3:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 10:20, 21፣ 1ዜና 12:29

2 ሳሙኤል 3:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ እትብህጎ።”

2 ሳሙኤል 3:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16
  • +1ሳሙ 14:50፣ 2ሳሙ 2:8, 22
  • +1ሳሙ 14:51

2 ሳሙኤል 3:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:20
  • +2ሳሙ 2:22, 23
  • +1ነገ 2:5

2 ሳሙኤል 3:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:33፣ ዘዳ 21:9

2 ሳሙኤል 3:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምናልባት ዕዮ ሰበይቲ ኺዓዪ ንዚግደድ ቈራይ ሰብኣይ የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 7:16፣ 55:23፣ ምሳ 5:22
  • +ዘሌ 15:2
  • +ዘሌ 13:44፣ ዘሁ 5:2
  • +ዘዳ 27:24፣ መዝ 109:2, 10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 17

2 ሳሙኤል 3:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:23
  • +2ሳሙ 2:24
  • +2ሳሙ 2:8

2 ሳሙኤል 3:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብነሓሲ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ዓመጻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:31, 32

2 ሳሙኤል 3:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እንጌራ ሓዘን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:26

2 ሳሙኤል 3:37

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:28፣ 1ነገ 2:5

2 ሳሙኤል 3:38

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 14:50፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:12

2 ሳሙኤል 3:39

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:4
  • +1ዜና 2:15, 16
  • +2ሳሙ 19:13፣ 20:10
  • +2ሳሙ 3:29፣ 1ነገ 2:5, 34

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 3:11ሳሙ 15:27, 28፣ 24:17, 20፣ 26:25
2 ሳሙ. 3:12ሳሙ 2:17
2 ሳሙ. 3:21ዜና 3:1-4
2 ሳሙ. 3:21ሳሙ 25:43
2 ሳሙ. 3:22ሳሙ 13:1
2 ሳሙ. 3:31ሳሙ 25:42
2 ሳሙ. 3:32ሳሙ 15:12
2 ሳሙ. 3:32ሳሙ 13:37
2 ሳሙ. 3:41ነገ 1:5
2 ሳሙ. 3:62ሳሙ 2:8
2 ሳሙ. 3:72ሳሙ 21:8-11
2 ሳሙ. 3:72ሳሙ 2:10
2 ሳሙ. 3:72ሳሙ 16:21፣ 1ነገ 2:22
2 ሳሙ. 3:91ሳሙ 15:27, 28፣ መዝ 78:70፣ 89:20
2 ሳሙ. 3:10መሳ 20:1፣ 2ሳሙ 24:2
2 ሳሙ. 3:112ሳሙ 3:39
2 ሳሙ. 3:122ሳሙ 5:3
2 ሳሙ. 3:131ሳሙ 18:20፣ 19:11፣ 1ዜና 15:29
2 ሳሙ. 3:142ሳሙ 2:10
2 ሳሙ. 3:141ሳሙ 18:25, 27
2 ሳሙ. 3:151ሳሙ 25:44
2 ሳሙ. 3:162ሳሙ 16:5፣ 1ነገ 2:8
2 ሳሙ. 3:181ሳሙ 13:14፣ 15:27, 28፣ 16:1, 13፣ መዝ 89:3, 20፣ 132:17፣ ግብ 13:22
2 ሳሙ. 3:191ሳሙ 10:20, 21፣ 1ዜና 12:29
2 ሳሙ. 3:232ሳሙ 8:16
2 ሳሙ. 3:231ሳሙ 14:50፣ 2ሳሙ 2:8, 22
2 ሳሙ. 3:231ሳሙ 14:51
2 ሳሙ. 3:272ሳሙ 3:20
2 ሳሙ. 3:272ሳሙ 2:22, 23
2 ሳሙ. 3:271ነገ 2:5
2 ሳሙ. 3:28ዘፍ 9:6፣ ዘጸ 21:12፣ ዘሁ 35:33፣ ዘዳ 21:9
2 ሳሙ. 3:29መዝ 7:16፣ 55:23፣ ምሳ 5:22
2 ሳሙ. 3:29ዘሌ 15:2
2 ሳሙ. 3:29ዘሌ 13:44፣ ዘሁ 5:2
2 ሳሙ. 3:29ዘዳ 27:24፣ መዝ 109:2, 10
2 ሳሙ. 3:302ሳሙ 2:23
2 ሳሙ. 3:302ሳሙ 2:24
2 ሳሙ. 3:302ሳሙ 2:8
2 ሳሙ. 3:341ነገ 2:31, 32
2 ሳሙ. 3:35መሳ 20:26
2 ሳሙ. 3:372ሳሙ 3:28፣ 1ነገ 2:5
2 ሳሙ. 3:381ሳሙ 14:50፣ 2ሳሙ 2:8፣ 3:12
2 ሳሙ. 3:392ሳሙ 19:13፣ 20:10
2 ሳሙ. 3:392ሳሙ 3:29፣ 1ነገ 2:5, 34
2 ሳሙ. 3:392ሳሙ 2:4
2 ሳሙ. 3:391ዜና 2:15, 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 3:1-39

2 ሳሙኤል

3 እቲ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ዝነበረ ውግእ ነዊሕ ቀጸለ፣ ዳዊት ከኣ እናበርትዐ ኸደ፣+ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።+

2 ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ።+ እቲ በዅሩ ኸኣ፡ ካብ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን+ እዩ። 3 እቲ ኻልኣዩ ድማ፡ ካብ ኣቢጋይል+ ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳዊ እተወልደ ኪልኣብ እዩ፣ እቲ ሳልሳይ ከኣ፡ ኣቤሴሎም+ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ+ ንጉስ ጌሹር እዩ። 4 እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ+ ወዲ ሓጊት፡ እቲ ሓምሻይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ። 5 እቲ ሻድሻይ ድማ፡ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።

6 ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ውግእ እናተገብረ ኸሎ፡ ኣብኔር+ ኣብ ቤት ሳኦል እናበርትዐ ኸደ። 7 ሳኦል ድማ ሪጽጳ+ ዝስማ ጓል ኣያ ዝዀነት ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት+ ከኣ ንኣብኔር፡ “ስለምንታይ ኢኻ ናብ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣቶኻ፧” በሎ።+ 8 ኣብኔር ድማ በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣመና ተቘጢዑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነዶ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ እየ፧ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ንኣሕዋቱን ንፈተውቱን ብተኣማንነት ኣፍቂረ እየ፣ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን። ሎሚ ግና ንስኻ ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ ስሕተት ቈጺርካለይ። 9 ንዳዊት ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሉ እንተ ዘይገይረሉስ፡+ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ፣ 10 እታ መንግስትስ ካብ ቤት ሳኦል ክትሓልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ ክትጸንዕ እያ።”+ 11 ንሱ ኸኣ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኺምልሰሉ ኣይከኣለን።+

12 ብኡብኡ፡ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡኻት ልኢኹ፡ “እዛ ምድሪ ናይ መን ድያ፧” በሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ኪዳን እተወለይ እሞ፡ ኣነ እውን ኵሉ እስራኤል ናብ ጐድንኻ ንምምላስ፡ ዚከኣለኒ ዘበለ ኽገብር እየ”* በሎ።+ 13 ንሱ ድማ፡ “ጽቡቕ። ኣነ ምሳኻ ኺዳን ክኣቱ እየ። ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣለኹ፣ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ንሚካል+ ጓል ሳኦል ከየምጻእካያ፡ ገጸይ ክትርኢ ኸይትፍትን” ኢሉ መለሰ። 14 ዳዊት ከኣ ናብ ኢሽ-ቦሸት+ ወዲ ሳኦል ልኡኻት ልኢኹ፡ “እታ ብ100 ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን እተሓጸኽዋ ሰበይተይ ሚካል ሃበኒ” በሎ።+ 15 ኢሽ-ቦሸት ድማ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል+ ወዲ ላይሽ ወሰዳ። 16 እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ክሳብ ባሑሪም+ እውን እናበኸየ ሰዓባ። ኣብኔር ከኣ፡ “ኪድ፡ ተመለስ!” በሎ። ንሱ ድማ ተመልሰ።

17 ኣብኔር ከኣ ናብ ዓበይቲ እስራኤል ልኢኹ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ኪነግስ ካብ ቀደም ትደልዩ ኔርኩም ኢኹም። 18 የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ ‘ብኢድ ጊልያይ ዳዊት+ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ጸላእቶምን ከድሕኖም እየ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡ ሕጂ ስጕምቲ ውሰዱ።” 19 ኣብኔር ከኣ ንሰብ ብንያም ተዛረቦም።+ ኣብኔር ድማ ንዳዊት ብብሕቲ ኺዛረቦን እስራኤልን ብዘላ ቤት ብንያምን እተሰማምዑሉ ኺነግሮን ናብ ኬብሮን ከደ።

20 ኣብኔር ድማ ምስ 20 ሰባት ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጸ፣ ዳዊት ከኣ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ድግስ ደገሰሎም። 21 ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ “ምሳኻ ኺዳን ምእንቲ ኺኣትዉስ፡ ከይደ ንዅሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፣ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ እትብህጎ* ትነግስ” በሎ። ዳዊት ድማ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ንሱ እውን ብሰላም ከደ።

22 ሽዑሽዑ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ምሳታቶም ብዙሕ ምርኮ ሒዞም ካብ ወራር ተመልሱ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ብሰላም ሰዲድዎ ኸይዱ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን። 23 ዮኣብን+ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ሰራዊትን ምስ መጹ፡ ንዮኣብ፡ “ኣብኔር+ ወዲ ኔር+ ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፣ ንሱ ኸኣ ሰዲድዎስ፡ ብሰላም ከይዱ” ተባሂሉ ተነግሮ። 24 ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ “እንታይ ኢኻ ጌርካ፧ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ነይሩ። ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝሰደድካዮ፧ 25 ንኣብኔር ወዲ ኔር ትፈልጦ ኢኻ! ኬዐሽወካን ኵሉ ምንቅስቓሳትካ ኺፈልጥን እትገብሮ ዅሉ ኺፈልጥን እዩ ናብዚ መጺኡ” በሎ።

26 ዮኣብ ከኣ ካብ ዳዊት ወጺኡ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ካብ መዕቘር ማይ ሲራ መለስዎ፣ ዳዊት ግና ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን። 27 ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡+ ዮኣብ ንበይኑ ገይሩ ኺዛረቦ ኢሉ ናብ ውሽጢ ኣፍ ደገ ኣላገሶ። ኣብኡ ግና፡ ብምኽንያት ደም ሓዉ ዓሳሄል+ ከብዱ ወግኦ እሞ ሞተ።+ 28 ደሓር፡ ዳዊት ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ “ኣነን መንግስተይን ካብ ዕዳ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንዘለኣለም ንጹሃት ኢና።+ 29 እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን+ ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይመለስ። ኣብ ቤት ዮኣብ ፈሳሲ ዚክዓዎ፡+ ወይ ድዉይ፡+ ወይ መፍተል ዚፈትል፡* ወይ ብሰይፊ ዚወድቕ፡ ወይ እንጌራ ዚስእን ሰብ ኣይሰኣን!”+ በለ። 30 ንዓሳሄል ሓዎም ኣብቲ ኣብ ጊብዖን እተገብረ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡+ ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን+ ንኣብኔር+ ቀተልዎ።

31 ዳዊት ድማ ንዮኣብን ንዅሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ “ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ማቕ እውን ተዓጠቑ፡ ንኣብኔር ከኣ ዋይዋይ በሉሉ” በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ቐብሪ ይኸይድ ነበረ። 32 ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፣ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ዓው ኢሉ በኸየ፣ ኵሎም ህዝቢ እውን በኸዩ። 33 ንጉስ ከኣ ንኣብኔር ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፦

“ኣብኔርዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፧

34 ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡

ኣእጋርካ እውን ብመቝሕ* ኣይተቓቐራን።

ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ* ዚወድቕ ወደቕካ።”+

ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ በኸዩሉ።

35 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ገና መዓልቲ ኸሎ፡ ንዳዊት ኬጸናንዕዎ ኢሎም እንጌራ* ኺህብዎ መጹ፣ ዳዊት ግና፡ “ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ወይ ዝዀነ ነገር እንተ ጥዒመስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኸሉ!” ኢሉ መሓለ።+ 36 ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ነዚ ፈለጡ፡ ባህ እውን ኣበሎም። ከም ኵሉ እቲ ንጉስ ዝገበሮ ነገር፡ እዚ እውን ንዅሎም እቶም ህዝቢ ባህ ኣበሎም። 37 ኵሎም እቶም ህዝብን ኵሉ እስራኤልን ከኣ፡ ንጉስ ንኣብኔር ወዲ ኔር ከም ዘየቕተሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ።+ 38 ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ “በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 39 ሎሚ ኣነ እተቐባእኩ ንጉስ ክነሰይ፡+ ድኹም እየ፣ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ደቂ ጽሩያ+ ድማ ንዓይ ኣመና ሕሱማት እዮም።+ የሆዋ ደኣ ነቲ ገባር ክፉእ ከም ክፍኣቱ ይፍደዮ”+ በሎም።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ