ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ሑሻይ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኣፍሸሎ (1-14)

      • ንዳዊት መጠንቀቕታ ተዋህቦ፣ ካብ ኣቤሴሎም ኣምለጠ (15-29)

        • ባርዚላይን ካልኦትን እኽለ ማይ ኣምጽኡ (27-29)

2 ሳሙኤል 17:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣእዳዉ ደኺመንን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:14
  • +መዝ 37:12፣ 41:9፣ 55:12, 13

2 ሳሙኤል 17:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:32፣ 16:16

2 ሳሙኤል 17:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:34

2 ሳሙኤል 17:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም እተመረረት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 16:18፣ 2ሳሙ 15:18፣ 23:8, 18፣ 1ዜና 11:26
  • +ምሳ 17:12
  • +1ሳሙ 17:50፣ 18:7፣ 19:8፣ 2ሳሙ 10:18

2 ሳሙኤል 17:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጐዳጕዲ፣ ስንጭሮታት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 22:1፣ 23:19

2 ሳሙኤል 17:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:5
  • +ዘፍ 49:9፣ 2ሳሙ 1:23፣ ኢሳ 31:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/1996፡ ገጽ 32

2 ሳሙኤል 17:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:1
  • +1ነገ 4:20

2 ሳሙኤል 17:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣዚዙ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 21:1
  • +ዘዳ 2:30፣ 2ዜና 25:20
  • +2ሳሙ 15:31, 34፣ 16:23፣ ምሳ 19:21፣ 21:30

2 ሳሙኤል 17:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:17፣ 15:35

2 ሳሙኤል 17:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጐላጕል ምድረ በዳ” ኪኸውን ይኽእል።

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኪውሓጡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 35:24, 25

2 ሳሙኤል 17:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 1:42
  • +2ሳሙ 15:27, 36፣ 18:19
  • +እያ 15:7, 12፣ 18:16, 20፣ 1ነገ 1:9

2 ሳሙኤል 17:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5፣ 19:16

2 ሳሙኤል 17:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 1:19፣ እያ 2:3-5፣ 1ሳሙ 19:12, 14፣ 21:2

2 ሳሙኤል 17:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:1, 2

2 ሳሙኤል 17:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 15:20, 51፣ 2ሳሙ 15:12
  • +2ነገ 20:1
  • +1ሳሙ 31:4፣ 1ነገ 16:18፣ መዝ 5:10፣ 55:23፣ ማቴ 27:3, 5፣ ግብ 1:18

2 ሳሙኤል 17:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 32:1, 2፣ እያ 13:24, 26

2 ሳሙኤል 17:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16
  • +2ሳሙ 19:13፣ 20:4, 10
  • +1ዜና 2:16, 17

2 ሳሙኤል 17:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 32:1፣ ዘዳ 3:15

2 ሳሙኤል 17:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 3:11፣ እያ 13:24, 25፣ 2ሳሙ 12:26, 29
  • +2ሳሙ 9:3-5
  • +2ሳሙ 19:31, 32፣ 1ነገ 2:7

2 ሳሙኤል 17:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርግኦ ኸብትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:18፣ 2ሳሙ 16:2
  • +ምሳ 11:25

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 17:22ሳሙ 16:14
2 ሳሙ. 17:2መዝ 37:12፣ 41:9፣ 55:12, 13
2 ሳሙ. 17:52ሳሙ 15:32፣ 16:16
2 ሳሙ. 17:72ሳሙ 15:34
2 ሳሙ. 17:81ሳሙ 16:18፣ 2ሳሙ 15:18፣ 23:8, 18፣ 1ዜና 11:26
2 ሳሙ. 17:8ምሳ 17:12
2 ሳሙ. 17:81ሳሙ 17:50፣ 18:7፣ 19:8፣ 2ሳሙ 10:18
2 ሳሙ. 17:91ሳሙ 22:1፣ 23:19
2 ሳሙ. 17:101ሳሙ 18:5
2 ሳሙ. 17:10ዘፍ 49:9፣ 2ሳሙ 1:23፣ ኢሳ 31:4
2 ሳሙ. 17:11መሳ 20:1
2 ሳሙ. 17:111ነገ 4:20
2 ሳሙ. 17:14ምሳ 21:1
2 ሳሙ. 17:14ዘዳ 2:30፣ 2ዜና 25:20
2 ሳሙ. 17:142ሳሙ 15:31, 34፣ 16:23፣ ምሳ 19:21፣ 21:30
2 ሳሙ. 17:152ሳሙ 8:17፣ 15:35
2 ሳሙ. 17:16መዝ 35:24, 25
2 ሳሙ. 17:171ነገ 1:42
2 ሳሙ. 17:172ሳሙ 15:27, 36፣ 18:19
2 ሳሙ. 17:17እያ 15:7, 12፣ 18:16, 20፣ 1ነገ 1:9
2 ሳሙ. 17:182ሳሙ 16:5፣ 19:16
2 ሳሙ. 17:20ዘጸ 1:19፣ እያ 2:3-5፣ 1ሳሙ 19:12, 14፣ 21:2
2 ሳሙ. 17:212ሳሙ 17:1, 2
2 ሳሙ. 17:23እያ 15:20, 51፣ 2ሳሙ 15:12
2 ሳሙ. 17:232ነገ 20:1
2 ሳሙ. 17:231ሳሙ 31:4፣ 1ነገ 16:18፣ መዝ 5:10፣ 55:23፣ ማቴ 27:3, 5፣ ግብ 1:18
2 ሳሙ. 17:24ዘፍ 32:1, 2፣ እያ 13:24, 26
2 ሳሙ. 17:252ሳሙ 8:16
2 ሳሙ. 17:252ሳሙ 19:13፣ 20:4, 10
2 ሳሙ. 17:251ዜና 2:16, 17
2 ሳሙ. 17:26ዘሁ 32:1፣ ዘዳ 3:15
2 ሳሙ. 17:27ዘዳ 3:11፣ እያ 13:24, 25፣ 2ሳሙ 12:26, 29
2 ሳሙ. 17:272ሳሙ 9:3-5
2 ሳሙ. 17:272ሳሙ 19:31, 32፣ 1ነገ 2:7
2 ሳሙ. 17:291ሳሙ 25:18፣ 2ሳሙ 16:2
2 ሳሙ. 17:29ምሳ 11:25
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 17:1-29

2 ሳሙኤል

17 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ፡ 12,000 ሰብኡት ሓርየስ፡ ተንሲአ ደድሕሪ ዳዊት ክስዕብ። 2 ደኺሙን ረሸሽ ኢሉን* ከሎ+ ኸኣ ድንገት ክወድቆ እሞ ኸሰምብዶ፣ ኵሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ድማ ይሃድም፣ ኣነ እውን ንንጉስ ጥራይ እቐትሎ።+ 3 ንዅሉ ህዝቢ ኸኣ ናባኻ እመልሶ። ምምላስ ኵሉ እቲ ህዝብስ ኣብቲ ነቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ዜጋጥሞ እዩ ዚምርኰስ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሰላም ኪኸውን እዩ።” 4 እዚ እማመ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣቤሴሎምን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ቅኑዕ ነበረ።

5 ግናኸ፡ ኣቤሴሎም፡ “በጃኻ እስከ፡ ንሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ እውን ጸውዓዮ፣ ንሱ ዚብሎ ድማ ንስማዕ” በለ። 6 ሑሻይ ከኣ ናብ ኣቤሴሎም መጸ። ኣቤሴሎም ድማ፡ “ኣሒቶፌል ከምዚ ኢሉ መኺሩ። ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር፧ እንተ ዘይኰነስ፡ ንስኻ ንገረና” በሎ። 7 ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ “ኣሒቶፌል በዚ ግዜ እዚ ዝመኸሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን” በሎ።+

8 ሑሻይ ድማ ኣስዒቡ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦኻን ሰቡን ጀጋኑ፡+ ኰራዅራ ኸም ዝጠፍእዋ ድቢ እውን ቀባጻት* ምዃኖም ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ እዩ፣+ ምስ ህዝቢ እውን ኣይሓድርን እዩ። 9 ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ኻብ በዓትታት* ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ተሓቢኡ ኣሎ።+ መጀመርታ ንሱ እንተ ኣጥቂዑ ድማ፡ እቶም ብዛዕባ እዚ ዚሰምዑ፡ ‘እቲ ንኣቤሴሎም ዚስዕብ ህዝቢ ተሳዒሩ’ ኺብሉ እዮም። 10 ኣቦኻ ጅግና ምዃኑን ምስኡ ዘለዉ ሰባት ከኣ ተባዓት ምዃኖምን ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡+ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ተባዕ ሰብኣይ+ እኳ ብርግጽ ብፍርሂ ኺመክኽ እዩ። 11 እምበኣር፡ ምኽረይ እዚ እዩ፦ ኵሉ እስራኤል፡ ካብ ዳን ክሳብ ብኤር-ሸባዕ፡+ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሑ ናባኻ ይኽተት፡+ ንስኻ እውን ናብቲ ውግእ ምርሓዮም። 12 ከምቲ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚወድቕ፡ ኣብ ዚርከበሉ ዘበለ ቦታ ንውደቆ፣ ንሱን ዋላ ሓደ ኻብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ኣይተርፉን። 13 ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣንሳሒቡ ድማ፡ ኵሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ኣግማድ ሒዙ ኪኸይድ፡ ጸጸር ክሳዕ ዘይርከባ ኸኣ ናብ ስንጭሮ ኽንስሕባ ኢና።”

14 ሽዑ፡ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፡ “ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ይበልጽ” በሉ።+ የሆዋ ንኣቤሴሎም መዓት ምእንቲ ኼምጽኣሉ፡+ የሆዋ ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ኬፍሽል ወሲኑ* ነበረ።+

15 ሑሻይ ከኣ ንጻዶቅን ንኣብያታርን+ እቶም ካህናት ከምዚ በሎም፦ “ኣሒቶፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዚ ኢሉ መኺሩ፣ ኣነ ድማ ከምዚ ኢለ መኺረ። 16 ሕጂ ኸኣ፡ ቀልጢፍኩም ንዳዊት መልእኽቲ ልኢኽኩም፡ ‘ብርግጽ ተሳገር እምበር፡ ሎሚ ለይቲ ኣብ መሳገሪታት* በረኻ ኣይትሕደር፣ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ንጉስን ኵሎም እቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝብን ኪድምሰሱ* እዮም’ ኢልኩም ኣጠንቅቕዎ።”+

17 ዮናታንን+ ኣሒማዓጽን+ ድማ ኣብ ከተማ ኣትዮም ኪርኣዩ ኣይደፈሩን ነበሩ እሞ፡ ኣብ ዔን-ሮጌል+ ደው ኢሎም ነበሩ፣ ሓንቲ ገረድ ከኣ ከይዳ ነገረቶም፣ ንንጉስ ዳዊት ኪነግርዎ ድማ ከዱ። 18 ግናኸ፡ ሓደ ጐበዝ ረኣዮም እሞ፡ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ክልቲኦም ከኣ ቀልጢፎም ከዱ፣ ኣብ ባሑሪም+ ድማ ናብ ቤት ሓደ ሰብኣይ መጹ። ኣብ ኣጸዱ ኸኣ ዒላ ነበረቶ፣ ናብኣ ኸኣ ወረዱ፣ 19 ሰበይቱ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ዒላ መጋረዲ ዘርጊሓ፡ እተጐድአ እኽሊ ሰጥሐት፡ ዋላ ሓደ እውን ብዛዕባ እዚ ኣይፈለጠን። 20 ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ናብታ ሰበይቲ ናብታ ቤት መጺኦም፡ “ኣሒማዓጽን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ፧” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ “ናብቲ ማይ ኣቢሎም ሓሊፎም” በለቶም።+ ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ግናኸ ኣይረኸብዎምን፣ ሽዑ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

21 እቶም ሰባት ምስ ከዱ፡ ንሳቶም ካብታ ዒላ ወጺኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዕኡ ድማ፡ “ኣሒቶፌል ከምዚ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገርዎ” በልዎ።+ 22 ብኡብኡ፡ ዳዊትን ኵሎም እቶም ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ዚወግሕ፡ ዮርዳኖስ ከይተሳገረ ዝተረፈ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

23 ኣሒቶፌል ከኣ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረኣየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ናብታ ኣብ ከተማኡ ዘላ ቤቱ ኸደ።+ ንቤተ ሰቡ ድሕሪ ምልባዉ ድማ፡+ ተሓኒቑ ሞተ።+ ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ኸኣ ተቐብረ።

24 ዳዊት ድማ ናብ ማሓናዪም+ ከደ፣ ኣቤሴሎም ከኣ ምስ ኵሎም ሰብ እስራኤል ዮርዳኖስ ተሳገረ። 25 ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ክንዲ ዮኣብ+ ንዓማሳ+ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ገበሮ፣ ዓማሳ ኸኣ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ እዩ፣ ንሱ ድማ ናብ ኣቢጋይል+ ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጽሩያ ኣደ ዮኣብ፡ ኣትዩ ነበረ። 26 እስራኤልን ኣቤሴሎምን ከኣ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ+ ሰፈሩ።

27 ዳዊት ናብ ማሓናዪም ምስ መጸ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ+ ናይ ዓሞናውያን፡ ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል ካብ ሎ-ድባር፡ ባርዚላይ+ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም መጹ፣ 28 ዓራውትን ገበራታትን ስራሓት ካይላን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ቆሎን ባልደንጓን ብርስንን ጥቡስ እኽልን 29 መዓርን ጠስምን ኣባጊዕን ኣጅቦን* ከኣ ኣምጽኡ። “እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዩን ደኺሙን ጸሚኡን ኣሎ” ኢሎም ነበሩ እሞ፡+ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን፡ እዚ ዅሉ ኺበልዕዎ ኣምጽኡሎም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ