ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ውዲትን ዕልወትን ኣቤሴሎም (1-12)

      • ዳዊት ካብ የሩሳሌም ሃደመ (13-30)

      • ኣሒቶፌል ምስ ኣቤሴሎም ሓበረ (31)

      • ሑሻይ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ኬፍሽል ተላእከ (32-37)

2 ሳሙኤል 15:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 8:11፣ 1ነገ 1:5፣ ምሳ 11:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2022፡ ገጽ 9-10

2 ሳሙኤል 15:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 25:7፣ ሩት 4:1
  • +1ሳሙ 8:20፣ 2ሳሙ 8:15

2 ሳሙኤል 15:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 10:9፣ 55:21፣ ምሳ 26:25

2 ሳሙኤል 15:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 11:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2012፡ ገጽ 13

2 ሳሙኤል 15:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “40 ዓመት” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:2

2 ሳሙኤል 15:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኸምልኾ።” ቃ.ቃ.፡ “ከገልግሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 13:38፣ 14:23
  • +ዘሌ 22:21

2 ሳሙኤል 15:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:1፣ 5:1, 5፣ 1ዜና 3:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 5/2022፡ ገጽ 10

2 ሳሙኤል 15:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:23፣ 17:14፣ 23:8, 34
  • +መዝ 41:9፣ 55:12, 13፣ ዮሃ 13:18
  • +እያ 15:20, 51
  • +መዝ 3:1፣ ምሳ 24:21

2 ሳሙኤል 15:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:9፣ መዝ 3:ልዕለ ጽሑፍ
  • +2ሳሙ 12:11

2 ሳሙኤል 15:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 18:24

2 ሳሙኤል 15:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:11፣ 16:21፣ 20:3

2 ሳሙኤል 15:17

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2009፡ ገጽ 27

2 ሳሙኤል 15:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ጐድኑ ዀይኖም ዚሳገሩ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ቅድሚ ገጽ ንጉስ ይሳገሩ ነበሩ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:18፣ 20:7፣ 1ነገ 1:38፣ 1ዜና 18:17
  • +1ሳሙ 27:4፣ 1ዜና 18:1
  • +እያ 13:2, 3

2 ሳሙኤል 15:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2009፡ ገጽ 27

2 ሳሙኤል 15:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:5, 6፣ መዝ 25:10፣ 57:3፣ 61:7፣ 89:14

2 ሳሙኤል 15:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 17:17፣ 18:24

2 ሳሙኤል 15:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:2

2 ሳሙኤል 15:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:36, 37፣ 2ዜና 30:14፣ ዮሃ 18:1

2 ሳሙኤል 15:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:17፣ 20:25፣ 1ነገ 1:8፣ 2:35፣ 1ዜና 6:8
  • +ዘሁ 8:19
  • +ዘጸ 37:1፣ ዘሌ 16:2
  • +ዘሁ 4:15፣ 7:9፣ 1ዜና 15:2
  • +1ሳሙ 22:20፣ 30:7

2 ሳሙኤል 15:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 6:17
  • +2ሳሙ 7:2፣ መዝ 26:8፣ 27:4

2 ሳሙኤል 15:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 9:9
  • +2ሳሙ 17:17

2 ሳሙኤል 15:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:36፣ 17:16, 21

2 ሳሙኤል 15:30

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓቐበት ኣውልዕ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 21:1፣ 24:3፣ ግብ 1:12

2 ሳሙኤል 15:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 3:ልዕለ ጽሑፍ፣ 41:9፣ 55:12, 13፣ ዮሃ 13:18
  • +2ሳሙ 16:23፣ 17:14፣ መዝ 3:7

2 ሳሙኤል 15:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:16
  • +እያ 16:1, 2

2 ሳሙኤል 15:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:18, 19
  • +2ሳሙ 17:7, 14

2 ሳሙኤል 15:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:15, 16

2 ሳሙኤል 15:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 18:19
  • +2ሳሙ 17:17፣ 1ነገ 1:42

2 ሳሙኤል 15:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣማኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:16፣ 1ዜና 27:33

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 15:11ሳሙ 8:11፣ 1ነገ 1:5፣ ምሳ 11:2
2 ሳሙ. 15:2ዘዳ 25:7፣ ሩት 4:1
2 ሳሙ. 15:21ሳሙ 8:20፣ 2ሳሙ 8:15
2 ሳሙ. 15:5መዝ 10:9፣ 55:21፣ ምሳ 26:25
2 ሳሙ. 15:6ምሳ 11:9
2 ሳሙ. 15:72ሳሙ 3:2
2 ሳሙ. 15:82ሳሙ 13:38፣ 14:23
2 ሳሙ. 15:8ዘሌ 22:21
2 ሳሙ. 15:102ሳሙ 2:1፣ 5:1, 5፣ 1ዜና 3:4
2 ሳሙ. 15:122ሳሙ 16:23፣ 17:14፣ 23:8, 34
2 ሳሙ. 15:12መዝ 41:9፣ 55:12, 13፣ ዮሃ 13:18
2 ሳሙ. 15:12እያ 15:20, 51
2 ሳሙ. 15:12መዝ 3:1፣ ምሳ 24:21
2 ሳሙ. 15:142ሳሙ 19:9፣ መዝ 3:ልዕለ ጽሑፍ
2 ሳሙ. 15:142ሳሙ 12:11
2 ሳሙ. 15:15ምሳ 18:24
2 ሳሙ. 15:162ሳሙ 12:11፣ 16:21፣ 20:3
2 ሳሙ. 15:182ሳሙ 8:18፣ 20:7፣ 1ነገ 1:38፣ 1ዜና 18:17
2 ሳሙ. 15:181ሳሙ 27:4፣ 1ዜና 18:1
2 ሳሙ. 15:18እያ 13:2, 3
2 ሳሙ. 15:192ሳሙ 18:2
2 ሳሙ. 15:202ሳሙ 2:5, 6፣ መዝ 25:10፣ 57:3፣ 61:7፣ 89:14
2 ሳሙ. 15:21ምሳ 17:17፣ 18:24
2 ሳሙ. 15:222ሳሙ 18:2
2 ሳሙ. 15:231ነገ 2:36, 37፣ 2ዜና 30:14፣ ዮሃ 18:1
2 ሳሙ. 15:242ሳሙ 8:17፣ 20:25፣ 1ነገ 1:8፣ 2:35፣ 1ዜና 6:8
2 ሳሙ. 15:24ዘሁ 8:19
2 ሳሙ. 15:24ዘጸ 37:1፣ ዘሌ 16:2
2 ሳሙ. 15:24ዘሁ 4:15፣ 7:9፣ 1ዜና 15:2
2 ሳሙ. 15:241ሳሙ 22:20፣ 30:7
2 ሳሙ. 15:252ሳሙ 6:17
2 ሳሙ. 15:252ሳሙ 7:2፣ መዝ 26:8፣ 27:4
2 ሳሙ. 15:271ሳሙ 9:9
2 ሳሙ. 15:272ሳሙ 17:17
2 ሳሙ. 15:282ሳሙ 15:36፣ 17:16, 21
2 ሳሙ. 15:30ማቴ 21:1፣ 24:3፣ ግብ 1:12
2 ሳሙ. 15:31መዝ 3:ልዕለ ጽሑፍ፣ 41:9፣ 55:12, 13፣ ዮሃ 13:18
2 ሳሙ. 15:312ሳሙ 16:23፣ 17:14፣ መዝ 3:7
2 ሳሙ. 15:322ሳሙ 16:16
2 ሳሙ. 15:32እያ 16:1, 2
2 ሳሙ. 15:342ሳሙ 16:18, 19
2 ሳሙ. 15:342ሳሙ 17:7, 14
2 ሳሙ. 15:352ሳሙ 17:15, 16
2 ሳሙ. 15:362ሳሙ 18:19
2 ሳሙ. 15:362ሳሙ 17:17፣ 1ነገ 1:42
2 ሳሙ. 15:372ሳሙ 16:16፣ 1ዜና 27:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 15:1-37

2 ሳሙኤል

15 ድሕርዚ፡ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዚጐይዩ 50 ሰብኡትን ገበረ።+ 2 ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ደረት መገዲ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደው ይብል ነበረ።+ ዝዀነ ሰብ ናብ ንጉስ ንፍርዲ ዚቐርብ ጕዳይ ምስ ዚህልዎ፡+ ኣቤሴሎም ይጽውዖ እሞ፡ “ካብ ኣየነይቲ ኸተማ ኢኻ፧” ይብሎ ነበረ፣ ንሱ ድማ፡ “ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገዳት እስራኤል እዩ” ይብሎ ነበረ። 3 ኣቤሴሎም ከኣ፡ “ርኢኻ፡ ነገርካ ቕኑዕን ግቡእን እዩ፣ ካብ ንጉስ ግና ንነገርካ ዚሰምዓልካ ሓደ እኳ የልቦን” ይብሎ ነበረ። 4 ኣቤሴሎም ድማ፡ “ኣብዛ ምድሪ፡ ፈራዲ ዀይነ እንተ ዝሽየም መን ምሃበ! ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ጕዳይ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ምመጸ እሞ፡ ኣነ ኸኣ ፍትሒ መውጻእኩሉ ነይረ” ይብል ነበረ።

5 ሰብ ኪሰግደሉ ኢሉ ናብኡ ምስ ዚቐርብ ከኣ፡ ኣቤሴሎም ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።+ 6 ኣቤሴሎም ድማ ንዅሎም እቶም ንፍርዲ ናብ ንጉስ ዚመጹ እስራኤላውያን፡ ከምዚ ይገብረሎም ነበረ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣቤሴሎም ልቢ ሰብ እስራኤል ይሰርቕ ነበረ።+

7 ኣብ መወዳእታ ኣርባዕተ ዓመት፡* ኣቤሴሎም ንንጉስ፡ “በጃኻ፡ ናብ ኬብሮን+ ከይደ፡ ንየሆዋ እተመባጻዕኩሉ መብጽዓ ኽፍጽም። 8 ጊልያኻ ኣብ ጌሹር ኣብ ሶርያ ኪቕመጥ ከሎስ፡+ ‘የሆዋ ናብ የሩሳሌም እንተ መሊሱኒ፡ ንየሆዋ ኽስውኣሉ* እየ’ ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ”+ በሎ። 9 ንጉስ ከኣ፡ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኬብሮን ከደ።

10 ኣቤሴሎም ድማ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ለኣኸ እሞ፡ “ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ!’ ኢልኩም ኣውጁ” በሎም።+ 11 ምስ ኣቤሴሎም ከኣ 200 ሰባት ካብ የሩሳሌም ከይዶም ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ተዓዲሞም እንታይ ይኸውን ከም ዝነበረ ኸይፈለጡ ብገርሆም ከዱ። 12 ኣቤሴሎም መስዋእቲ ኺስውእ ከሎ ኸኣ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል+ እቲ ጊሎናዊ፡ ኣማኻሪ ዳዊት፡+ ካብ ከተማኡ ጊሎ+ ጸውዖ። እቲ ውዲት ድማ እናበርትዐ ኸደ፣ እቲ ንኣቤሴሎም ዚድግፍ ህዝቢ ኸኣ እናበዝሐ ኸደ።+

13 ሓደ መውረዪ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ “ልቢ ሰብ እስራኤል ናብ ኣቤሴሎም ዘምቢሉ” በለ። 14 ሽዑ፡ ዳዊት ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ገላዉኡ፡ “ዋላ ሓደ ኻባና ኻብ ኣቤሴሎም ኣይኬምልጥን እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንህደም!+ ቀልጢፉ ኣርኪቡ ኸየጥፍኣናን ነዛ ኸተማ ብሰይፊ ኸይወቕዓንሲ፡ ንቐልጥፍ” በሎም።+ 15 እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ “ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ዚውስኖ ዘበለ ዅሉ፡ ገላዉኻ ኸምኡ ንምግባር ድሉዋት እዮም” ኢሎም መለሱሉ።+ 16 ንጉስ ድማ ኵሎም ቤተ ሰቡ እናሰዓብዎ ወጸ፣ ንጉስ ግና፡ ቤት* ኪሕልዋ ኢሉ ንዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ+ ሓደገን። 17 ንጉስ ከኣ ኵሉ እቲ ህዝቢ እናሰዓቦ ወጸ፣ ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ።

18 ኵሎም እቶም ምስኡ ዚኸዱ* ዝነበሩ ገላዉኡን ኵሎም እቶም ክረታውያንን ኵሎም እቶም ጵለታውያንን+ ኵሎም እቶም ካብ ጋት+ ስዒቦምዎ ዝነበሩ 600 ጊታውያንን፡+ ንጉስ እናረኣዮም ይሓልፉ ነበሩ።* 19 ሽዑ፡ ንጉስ ንኢታይ+ እቲ ጊታዊ፡ “ንስኻኸ ስለምንታይ ኢኻ ምሳና እትኸይድ፧ ተመለስ እሞ ምስቲ ሓድሽ ንጉስ ተቐመጥ፣ ንስኻስ ጓናን ካብ ቦታኻ እተሰደድካን ኢኻ። 20 ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ኣነ ብዝኸድኩ ዅሉን ናብ ዝኸዶ ዘበለን ክትከይድ ምሳና ዀለል ከብለካ እየ፧ ተመለስ፡ ንኣሕዋትካ እውን ምሳኻ ውሰዶም፣ የሆዋ ድማ ብተኣማንነት የፍቅርካን ተኣማንነት የርኢኻን” በሎ።+ 21 ኢታይ ግና ንንጉስ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ጐይታይ ንጉስ እውን ህያው ዝዀነ፡ ንሞት ኰነ ንህይወት፡ ኣብቲ ጐይታይ ንጉስ ዚዀኖ ቦታ፡ ጊልያኻ ኣብኡ ኪኸውን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 22 ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡+ “ኪድ ተሳገር” በሎ። ኢታይ እቲ ጊታዊ ድማ ምስ ኵሎም ሰቡን ቈልዑን ተሳገረ።

23 ኵሎም እቶም ህዝቢ ኺሳገሩ ኸለዉ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ ዓው ኢሉ ይበኪ ነበረ፣ ንጉስ ከኣ ኣብ ጥቓ ስንጭሮ ቄድሮን+ ደው ኢሉ ነበረ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ በታ ናብ በረኻ እተምርሕ መገዲ ይሳገሩ ነበሩ። 24 ጻዶቅ+ እውን ኣብኡ ነበረ፣ ምስኡ ኸኣ ኵሎም ሌዋውያን+ ታቦት+ ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጾይሮም ነበሩ፣+ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኣንበርዎ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኻብታ ኸተማ ተሳጊሩ ኽሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ኣብያታር+ ደየበ። 25 ንጉስ ግና ንጻዶቅ፡ “ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ንሱ ኺመልሰንን ንመንበሪኡ ኼርእየንን እዩ።+ 26 ‘ብኣኻ ባህ ኣይበለንን’ እንተ ኢሉኒ ግና፡ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝመሰሎ ይግበረኒ” በሎ። 27 ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅ፡ “ንስኻስ ረኣዪ ደይኰንካን፧+ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፣ ንኽልቲኦም ደቅኹም፡ ንወድኻ ኣሒማዓጽን ንዮናታን+ ወዲ ኣብያታርን፡ ምሳኻትኩም ውሰድዎም። 28 ርኣዩ፡ ካባኻትኩም ዚሕብረኒ መልእኽቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ኣብ መሳገሪታት በረኻ ኽጸንሕ እየ” በሎ።+ 29 ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ እውን ጸንሑ።

30 ዳዊት ድማ ናብ ደብረ ዘይቲ*+ ኺድይብ ከሎ፡ እናበኸየ ደየበ፣ ርእሱ ተጐልቢቡ ኸኣ፡ ጥራይ እግሩ ይኸይድ ነበረ። ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ረርእሶም ተጐልቢቦም እናበኸዩ ይድይቡ ነበሩ። 31 ንዳዊት ድማ፡ “ኣሒቶፌል ምስቶም ምስ ኣቤሴሎም ውዲት ዝኣለሙ እዩ”+ ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት፡ “ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ለውጦ” በለ።+

32 ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዚሰግዱላ ዝነበሩ ቦታ ምስ መጸ፡ ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ+ ኽዳኑ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ ኺረኽቦ ኣብኡ ነበረ። 33 ዳዊት ግና ከምዚ በሎ፦ “ምሳይ እንተ ኼድካ፡ ጾር ክትኰነኒ ኢኻ። 34 ግናኸ፡ ናብ ከተማ እንተ ተመሊስካ፡ ንኣቤሴሎም ድማ፡ ‘ኦ ንጉስ፡ ኣነ ጊልያኻ እየ። ኣቐዲመ፡ ጊልያ ኣቦኻ ነይረ፡ ሕጂ ግና ጊልያኻ እየ’ እንተ ኢልካዮ፡+ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከተፍሽለለይ ኢኻ።+ 35 ጻዶቅን ኣብያታርን እቶም ካህናት ምሳኻዶ የለዉን፧ ኵሉ እቲ ኻብ ቤት ንጉስ እትሰምዖ፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን እቶም ካህናት ንገሮም።+ 36 እንሆ፡ ምሳታቶም ከኣ ክልቲኦም ደቆም፡ ኣሒማዓጽ+ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን+ ወዲ ኣብያታርን ኣለዉ፣ እትሰምዕዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ብኣታቶም ልኣኹለይ።” 37 ሑሻይ ፈታው* ዳዊት ከኣ፡+ ኣቤሴሎም ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ናብ ከተማ ኸደ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ