ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ዝሙት (1-13)

      • ዳዊት ንኡርያ ኣቕተሎ (14-25)

      • ዳዊት ንባትሴባ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ (26, 27)

2 ሳሙኤል 11:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:26
  • +1ዜና 20:1

2 ሳሙኤል 11:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣጋ ምሸት።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

2 ሳሙኤል 11:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:24፣ 1ነገ 1:11
  • +1ዜና 3:5, 9
  • +2ሳሙ 23:8, 39፣ 1ነገ 15:5
  • +ዘፍ 10:15፣ ዘዳ 20:17

2 ሳሙኤል 11:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንናይ ጻግኒኣ ርኽሰት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 20:14, 17
  • +ዘሌ 18:20፣ 20:10፣ ምሳ 6:32፣ እብ 13:4
  • +ዘሌ 12:2፣ 15:19፣ 18:19

2 ሳሙኤል 11:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋርካ ተሓጸብ።”

  • *

    ወይ፡ “ግደ ንጉስ፡” ማለት፡ እቲ ኣአንጋዲ ነቲ ዜኽብሮ ጋሻ ዚልእኾ ግደ።

2 ሳሙኤል 11:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍስኻ ህያው ከም ዝዀነትን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 6:17፣ 7:2
  • +ዘሌ 15:16፣ 1ሳሙ 21:5

2 ሳሙኤል 11:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 51:14፣ ምሳ 3:29

2 ሳሙኤል 11:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:9

2 ሳሙኤል 11:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:32፣ 7:1
  • +መሳ 9:50-53

2 ሳሙኤል 11:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 11:17

2 ሳሙኤል 11:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:26

2 ሳሙኤል 11:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:13፣ 12:9
  • +ዘፍ 39:7-9፣ 1ነገ 15:5፣ መዝ 5:6፣ 11:4፣ እብ 13:4

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 11:12ሳሙ 12:26
2 ሳሙ. 11:11ዜና 20:1
2 ሳሙ. 11:32ሳሙ 12:24፣ 1ነገ 1:11
2 ሳሙ. 11:31ዜና 3:5, 9
2 ሳሙ. 11:32ሳሙ 23:8, 39፣ 1ነገ 15:5
2 ሳሙ. 11:3ዘፍ 10:15፣ ዘዳ 20:17
2 ሳሙ. 11:4ዘጸ 20:14, 17
2 ሳሙ. 11:4ዘሌ 18:20፣ 20:10፣ ምሳ 6:32፣ እብ 13:4
2 ሳሙ. 11:4ዘሌ 12:2፣ 15:19፣ 18:19
2 ሳሙ. 11:112ሳሙ 6:17፣ 7:2
2 ሳሙ. 11:11ዘሌ 15:16፣ 1ሳሙ 21:5
2 ሳሙ. 11:15መዝ 51:14፣ ምሳ 3:29
2 ሳሙ. 11:172ሳሙ 12:9
2 ሳሙ. 11:21መሳ 6:32፣ 7:1
2 ሳሙ. 11:21መሳ 9:50-53
2 ሳሙ. 11:242ሳሙ 11:17
2 ሳሙ. 11:252ሳሙ 12:26
2 ሳሙ. 11:272ሳሙ 5:13፣ 12:9
2 ሳሙ. 11:27ዘፍ 39:7-9፣ 1ነገ 15:5፣ መዝ 5:6፣ 11:4፣ እብ 13:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 11:1-27

2 ሳሙኤል

11 ኣብ መጀመርታ ዓመት፡* በቲ ነገስታት ንወፈራታት ዚወጹሉ ግዜ፡ ዳዊት ንዮኣብን ንገላዉኡን ንብዘሎ ሰራዊት እስራኤልን፡ ንዓሞናውያን ኬጥፍእዎም ሰደዶም፣ ንሳቶም ከኣ ንራባ ኸበብዋ፣+ ዳዊት ድማ ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ።+

2 ሓደ ምሸት፡* ዳዊት ካብ ዓራቱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት* ንጉስ ይመላለስ ነበረ። ካብቲ ናሕሲ ኸኣ ሓንቲ ሰበይቲ ኽትሕጸብ ረኣየ፣ እታ ሰበይቲ ድማ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት። 3 ዳዊት ከኣ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓተተ፣ “እዚኣስ ባትሴባ+ ጓል ኤሊዓም፡+ ሰበይቲ ኡርያ+ እቲ ሔታዊ+ ደይኰነትን፧” ተባሂሉ ድማ ተነግሮ። 4 ዳዊት ከኣ ልኡኻት ልኢኹ ናብኡ ኣምጽኣ።+ ናብኡ ድማ ኣተወት፡ ንሱ እውን ምስኣ ደቀሰ።+ (እዚ ዝዀነ፡ ካብ ርኽሰታ* ትነጽህ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።)+ ድሕሪኡ፡ ናብ ቤታ ተመልሰት።

5 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት፣ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ “ኣነ ጠኒሰ እየ” ኢላ ነገረቶ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንዮኣብ፡ “ንኡርያ እቲ ሔታዊ ስደደለይ” ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። 7 ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ፡ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነት ዮኣብን ብዛዕባ ድሕንነት እቲ ሰራዊትን ብዛዕባ ዅነታት እቲ ውግእን ሓተቶ። 8 ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ “ናብ ቤትካ ወሪድካ ኣዕርፍ”* በሎ። ኡርያ ኻብ ቤት ንጉስ ምስ ወጸ፡ ህያብ ንጉስ* ደድሕሪኡ ተላእከ። 9 ኡርያ ግና ምስ ኵሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 10 ንዳዊት ድማ፡ “ኡርያ ናብ ቤቱ ኣይወረደን” ተባሂሉ ተነግሮ። ሽዑ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ “ካብ መገዲ ደይኰንካን መጺእካ፧ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ፧” በሎ። 11 ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ “ታቦትን+ እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ዳሳት ተቐሚጦም ኣለዉ፣ ጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ጐይታይን ድማ ኣብ ቃልዕ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ። ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክኣቱ እየ፧+ ከምቲ ህያው ዝዀንካን ብህይወት እትነብርን፡* እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ” በሎ።

12 ዳዊት ድማ ንኡርያ፡ “ሎሚ እውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ከኣ ክሰድደካ እየ” በሎ። ኡርያ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ጸንሐ። 13 ዳዊት ከኣ ናብኡ መጺኡ ምስኡ ኺበልዕን ኪሰትን ልኢኹ ጸውዖ፣ ኣስከሮ ድማ። ምሸት ግና፡ ምስ ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ዓራቱ ኺድቅስ ወጸ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 14 ንግሆ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። 15 ኣብታ ደብዳበ ድማ፡ “ንኡርያ ናብ ግምባር ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ። ተወቒዑ ምእንቲ ኺመውት ከኣ፡ ካብ ድሕሪኡ ኣንሳሕቡ” ኢሉ ጸሓፈ።+

16 ዮኣብ ከኣ ነታ ኸተማ ተጠንቂቑ ይሕልዋ ነበረ፣ ንኡርያ ድማ ኣብታ ሓያላት ጀጋኑ ኸም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ። 17 ሰብ እታ ኸተማ ወጺኦም ምስ ዮኣብ ምስ ተዋግኡ፡ ገለ ኻብ ገላዉ ዳዊት ወደቑ፡ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞተ።+ 18 ዮኣብ ድማ ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ፡ ንዳዊት ለኣኸሉ። 19 ነቲ ልኡኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ብዛዕባ ዅሉ ወረ እቲ ውግእ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ 20 ንጉስ ተቘጢዑ፡ ‘ስለምንታይ ክትዋግኡ ናብታ ኸተማ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዚውርውሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 21 ንኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት+ መን እዩ ዝቐተሎ፧+ ሰበይቲ ደይኰነትን ኣብ ቴቤጽ ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ደርብያ ዝቐተለቶ፧ ስለምንታይ ደኣ ናብ መንደቕ ኣዚኹም ቀሪብኩም፧’ ኪብለካ ይኽእል እዩ። ሽዑ፡ ንስኻ፡ ‘ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ’ በሎ።”

22 እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ ኵሉ እቲ ዮኣብ ዝለኣኾ ኸኣ ንዳዊት ነገሮ። 23 እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ “እቶም ሰባት በርቲዖምና፡ ናባና ናብ መሮር ከኣ ወጺኦም፣ ንሕና ግና ክሳዕ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ደፊእናዮም። 24 እቶም ቀስተኛታት ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርዊሮምሎም፣ ገለ ኻብ ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞይቶም፣ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ እውን ሞይቱ” በሎ።+ 25 ሽዑ፡ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ “ንዮኣብ፡ ‘ሰይፊ ነዝን ነትን እዩ ዚውሕጥ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኣይረብሽካ። ነታ ኸተማ ኣበርቲዕካ ተዋግኣያን ስዓራን’ በሎ።+ ንስኻ እውን ኣተባብዓዮ” በሎ።

26 ሰበይቲ ኡርያ ድማ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፡ ንሰብኣያ ሓዘነትሉ። 27 ሓዘና ምስ ተወድአ፡ ዳዊት ልኢኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ እሞ፡ ሰበይቱ ዀነት፣+ ወዲ ኸኣ ወለደትሉ። እቲ ዳዊት ዝገበሮ ግና ንየሆዋ ብዙሕ ኣጕሃዮ።*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ