ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ኣብ ልዕሊ ዓሞንን ሶርያን እተረኽበ ዓወታት (1-19)

2 ሳሙኤል 10:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 10:7፣ 11:12, 33፣ 1ሳሙ 11:1
  • +1ዜና 19:1-5

2 ሳሙኤል 10:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:27

2 ሳሙኤል 10:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21

2 ሳሙኤል 10:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰብ ጦብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 13:21
  • +2ሳሙ 8:5
  • +እያ 13:13
  • +1ዜና 19:6, 7

2 ሳሙኤል 10:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 23:8፣ 1ዜና 19:8, 9

2 ሳሙኤል 10:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 19:10-13

2 ሳሙኤል 10:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 21:24
  • +1ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 2:18፣ 23:18፣ 1ዜና 2:15, 16

2 ሳሙኤል 10:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:6
  • +መዝ 37:5፣ 44:5፣ ምሳ 29:25

2 ሳሙኤል 10:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 19:14, 15

2 ሳሙኤል 10:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 19:16

2 ሳሙኤል 10:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኤፍራጥስ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:3-5
  • +ዘፍ 15:18፣ ዘጸ 23:31

2 ሳሙኤል 10:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 19:17-19

2 ሳሙኤል 10:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 20:1፣ መዝ 18:37, 38

2 ሳሙኤል 10:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:18፣ ዘዳ 20:10, 11

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 10:1ዘፍ 19:36, 38፣ መሳ 10:7፣ 11:12, 33፣ 1ሳሙ 11:1
2 ሳሙ. 10:11ዜና 19:1-5
2 ሳሙ. 10:4ዘሌ 19:27
2 ሳሙ. 10:5እያ 18:21
2 ሳሙ. 10:6ዘሁ 13:21
2 ሳሙ. 10:62ሳሙ 8:5
2 ሳሙ. 10:6እያ 13:13
2 ሳሙ. 10:61ዜና 19:6, 7
2 ሳሙ. 10:72ሳሙ 23:8፣ 1ዜና 19:8, 9
2 ሳሙ. 10:91ዜና 19:10-13
2 ሳሙ. 10:10ዘሁ 21:24
2 ሳሙ. 10:101ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 2:18፣ 23:18፣ 1ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 10:12ዘዳ 31:6
2 ሳሙ. 10:12መዝ 37:5፣ 44:5፣ ምሳ 29:25
2 ሳሙ. 10:131ዜና 19:14, 15
2 ሳሙ. 10:151ዜና 19:16
2 ሳሙ. 10:162ሳሙ 8:3-5
2 ሳሙ. 10:16ዘፍ 15:18፣ ዘጸ 23:31
2 ሳሙ. 10:171ዜና 19:17-19
2 ሳሙ. 10:18ዘዳ 20:1፣ መዝ 18:37, 38
2 ሳሙ. 10:19ዘፍ 15:18፣ ዘዳ 20:10, 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 10:1-19

2 ሳሙኤል

10 ድሕርዚ፡ ንጉስ ዓሞናውያን+ ሞተ፣ ወዱ ሓኑን ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።+ 2 ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ ኣቦኡ ንዓይ ብተኣማንነት ዘፍቀረኒ፡ ኣነ ኸኣ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ብተኣማንነት ከፍቅሮ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኼጸናንዖ ኢሉ ገላዉኡ ለኣኸ። እቶም ገላዉ ዳዊት ናብ ምድሪ ዓሞናውያን ምስ መጹ ግና፡ 3 መሳፍንቲ ዓሞናውያን ንጐይታኦም ሓኑን፡ “ዳዊት ንኣቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ፧ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኺምርምራን ኪስልያን ኪግልብጣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፧” በልዎ። 4 ሓኑን ድማ ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፍርቂ ጭሕሞም ላጽዩ፡+ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከኣ ክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። 5 እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ተዋሪዶም ነበሩ እሞ፡ ኪቕበልዎም ሰባት ሰደደሎም፣ ንጉስ ድማ፡ “ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቍል ኣብ ያሪኮ+ ጸኒሕኩም ተመለሱ” በሎም።

6 ዓሞናውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀኑ ረኣዩ፣ ዓሞናውያን ድማ ልኢኾም ካብ ናይ ቤት-ሬሖብ ሶርያውያንን+ ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን+ 20,000 ኣጋር ተዋጋእቲ፡ ንንጉስ ማዓካ+ ኸኣ ምስ 1,000 ሰብኡት፡ ካብ ኢሽጦብ* ድማ 12,000 ሰብኡት ተኻረዩ።+ 7 ዳዊት ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊትን፡ እንተላይ ነቶም ጀጋኑኡ ሰደዶም።+ 8 ዓሞናውያን ድማ ወጺኦም ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ፣ እቶም ናይ ጾባን ሬሖብን ሶርያውያን ከኣ፡ ምስ ኢሽጦብን ማዓካን ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።

9 ዮኣብ ድማ ኣብቲ ውግእ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ኪጥቃዕ ከም ዚኽእል ምስ ረኣየ፡ ገለ ኻብቶም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።+ 10 ነቶም ዝተረፉ ሰባት ከኣ ንዓሞናውያን+ ኪቀባበሉ ምእንቲ ኺስለፉ፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ* ሓዉ ኣቢሻይ+ ገበሮም። 11 ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ሶርያውያን ካባይ እንተ በርቲዖም፡ ንስኻ ኣናግፈኒ፣ ዓሞናውያን ካባኻ እንተ በርቲዖም ግና፡ ኣነ መጺአ ኸናግፈካ እየ። 12 ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ንበርትዕን ንትባዕን፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ጽቡቕ ዝዀነ ኺገብር እዩ።”+

13 ዮኣብን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ቀረቡ፣ ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ።+ 14 ዓሞናውያን ከኣ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ድሕርዚ፡ ዮኣብ ካብ ዓሞናውያን ተመሊሱ ናብ የሩሳሌም መጸ።

15 ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ዳግም ተኣከቡ።+ 16 ሃዳድዔዘር+ ከኣ ናብቶም ኣብ ዞባ እቲ ፈለግ*+ ዘለዉ ሶርያውያን ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ብሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ሃዳድዔዘር እናተመርሑ ናብ ሔላም መጹ።

17 እዚ ንዳዊት ምስ ተነግሮ፡ ብኡብኡ ንዅሎም እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ሔላም መጸ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ኪቀባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ እውን ተዋግኡ።+ 18 ግናኸ፡ ሶርያውያን ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ፣ ዳዊት ድማ ካብ ሶርያውያን 700 ሰብ ሰረገላን 40,000 ፈረሰኛታትን ቀተለ፣ ንሾባኽ እቲ ሓለቓ ሰራዊቶም ከኣ ወቕዖ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ።+ 19 እቶም ገላዉ ሃዳድዔዘር ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ብቕልጡፍ ምስ እስራኤል ሰላም ገይሮም ተገዛእቶም ኰኑ።+ ሶርያውያን ድማ ድሕሪ ደጊም ንዓሞናውያን ምርዳእ ፈርሁ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ