ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዕልወት ሸባ፣ ዮኣብ ንዓማሳ ቐተሎ (1-13)

      • ሸባ ተሰጕጐን ርእሱ ተቘርጸን (14-22)

      • ምምሕዳር ዳዊት (23-26)

2 ሳሙኤል 20:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድንኳኑ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 20:21
  • +2ሳሙ 19:43
  • +1ነገ 12:16
  • +መሳ 3:26, 27፣ 2ሳሙ 15:10

2 ሳሙኤል 20:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 24:21
  • +2ሳሙ 19:15, 41, 42

2 ሳሙኤል 20:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 5:11
  • +2ሳሙ 15:16
  • +2ሳሙ 16:21, 22

2 ሳሙኤል 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:25፣ 19:13፣ 1ዜና 2:17

2 ሳሙኤል 20:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 10:10፣ 23:18፣ 1ዜና 18:12
  • +2ሳሙ 20:1
  • +2ሳሙ 15:12

2 ሳሙኤል 20:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16
  • +2ሳሙ 8:18፣ 15:18፣ 1ነገ 1:38

2 ሳሙኤል 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 18:21, 25፣ 21:8, 17
  • +2ሳሙ 17:25፣ 19:13

2 ሳሙኤል 20:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 3:27፣ 1ነገ 2:5

2 ሳሙኤል 20:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 20:1

2 ሳሙኤል 20:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:20፣ 2ነገ 15:29

2 ሳሙኤል 20:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንሳቶም።”

2 ሳሙኤል 20:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እትውሕጥ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 32:9

2 ሳሙኤል 20:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ንጉስ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 20:1
  • +እያ 17:14, 15፣ መሳ 2:8, 9

2 ሳሙኤል 20:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 9:14, 15, 18

2 ሳሙኤል 20:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 8:16፣ 19:13
  • +2ሳሙ 23:20፣ 1ዜና 27:5
  • +1ዜና 12:27
  • +2ሳሙ 8:18፣ 15:18፣ 1ነገ 1:38, 44

2 ሳሙኤል 20:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 4:6፣ 12:18
  • +1ነገ 4:3

2 ሳሙኤል 20:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:27
  • +2ሳሙ 17:15፣ 19:11፣ 1ነገ 4:4

2 ሳሙኤል 20:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካህን።”

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 20:12ሳሙ 20:21
2 ሳሙ. 20:12ሳሙ 19:43
2 ሳሙ. 20:11ነገ 12:16
2 ሳሙ. 20:1መሳ 3:26, 27፣ 2ሳሙ 15:10
2 ሳሙ. 20:2ምሳ 24:21
2 ሳሙ. 20:22ሳሙ 19:15, 41, 42
2 ሳሙ. 20:32ሳሙ 5:11
2 ሳሙ. 20:32ሳሙ 15:16
2 ሳሙ. 20:32ሳሙ 16:21, 22
2 ሳሙ. 20:42ሳሙ 17:25፣ 19:13፣ 1ዜና 2:17
2 ሳሙ. 20:61ሳሙ 26:6፣ 2ሳሙ 10:10፣ 23:18፣ 1ዜና 18:12
2 ሳሙ. 20:62ሳሙ 20:1
2 ሳሙ. 20:62ሳሙ 15:12
2 ሳሙ. 20:72ሳሙ 8:16
2 ሳሙ. 20:72ሳሙ 8:18፣ 15:18፣ 1ነገ 1:38
2 ሳሙ. 20:8እያ 18:21, 25፣ 21:8, 17
2 ሳሙ. 20:82ሳሙ 17:25፣ 19:13
2 ሳሙ. 20:102ሳሙ 3:27፣ 1ነገ 2:5
2 ሳሙ. 20:132ሳሙ 20:1
2 ሳሙ. 20:141ነገ 15:20፣ 2ነገ 15:29
2 ሳሙ. 20:19ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 32:9
2 ሳሙ. 20:212ሳሙ 20:1
2 ሳሙ. 20:21እያ 17:14, 15፣ መሳ 2:8, 9
2 ሳሙ. 20:22መክ 9:14, 15, 18
2 ሳሙ. 20:232ሳሙ 8:16፣ 19:13
2 ሳሙ. 20:232ሳሙ 23:20፣ 1ዜና 27:5
2 ሳሙ. 20:231ዜና 12:27
2 ሳሙ. 20:232ሳሙ 8:18፣ 15:18፣ 1ነገ 1:38, 44
2 ሳሙ. 20:241ነገ 4:6፣ 12:18
2 ሳሙ. 20:241ነገ 4:3
2 ሳሙ. 20:252ሳሙ 15:27
2 ሳሙ. 20:252ሳሙ 17:15፣ 19:11፣ 1ነገ 4:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 20:1-26

2 ሳሙኤል

20 ኣብኡ ኸኣ ሓደ መሸገሪ፡ ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ፡ “ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፣ ኣብ ወዲ እሴይ ከኣ ርስቲ የብልናን።+ ኦ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ኣማልኽቱ* ይመለስ!”+ ኢሉ መለኸት ነፍሐ።+ 2 ሽዑ፡ ኵሎም ሰብ እስራኤል ንዳዊት ምስዓብ ሓዲጎም ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰዓብዎ፣+ እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ካብ ዮርዳኖስ ክሳብ የሩሳሌም ናብ ንጉሶም ለገቡ።+

3 ዳዊት ከኣ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ* ምስ መጸ፡+ ንጉስ ነተን ቤት ኪሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሲዱ፡+ ኪሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐመጠን። ይምግበን ድማ ነበረ፣ ናባታተን ግና ኣይኣተወን።+ ንሳተን ከኣ ህያው ሰብኣይ ከለወንሲ ኸም መበለታት ኰይነን፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዓጽየን ነበራ።

4 ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡+ “ንሰብ ይሁዳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፣ ንስኻ እውን ኣብዚ ተረኸብ” በሎ። 5 ዓማሳ ኸኣ ንይሁዳ ኬኽትት ከደ፣ ግናኸ፡ ካብቲ እተመደበሉ ግዜ ደንጐየ። 6 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢሻይ፡+ “ሸባ+ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ኺጐድኣና እዩ።+ እተዓርዳ ኸተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካባና ኸየምልጥሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ” በሎ። 7 ስለዚ፡ ሰብ ዮኣብን+ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን+ ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ኺሰጕጕዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ። 8 ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ጊብዖን+ ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ+ ኺረኽቦም መጸ። ዮኣብ ድማ ናይ ውግእ ክዳኑ ተኸዲኑ፡ ኣብ ሰገባኡ ዝኣተወ ሰይፊ ኸኣ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንቕድሚት ምስ ሰጐመ ኸኣ፡ እቲ ሰይፊ ወደቐ።

9 ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ “ደሓንዶ ኣለኻ፡ ሓወይ፧” በሎ። ዮኣብ ከኣ ከም ዚስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ንዓማሳ ጭሕሙ ሓዞ። 10 ዓማሳ ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሰይፊ ኣይተጠንቀቐሉን፣ ዮኣብ ድማ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ እሞ፡+ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሐ። መሊሱ ኺወግኦ እውን ኣየድለዮን፣ ንምቕታሉ ሓንሳእ ኣኸሎ። ዮኣብን ሓዉ ኣቢሻይን ከኣ ንሸባ ወዲ ቢክሪ ሰጐጕዎ።

11 ሓደ ኻብ ኣጕባዝ ዮኣብ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፡ “ኣብ ጐድኒ ዮኣብ ዝዀነን ናይ ዳዊት ዘበለን፡ ንዮኣብ ይስዓብ!” ይብል ነበረ። 12 ዓማሳ ኸኣ ኣብ ማእከል እቲ መገዲ ኣብ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ይብል ከም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ንዓማሳ ኻብቲ መገዲ ናብ ግራት ኣልገሶ። ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ይብል ከም ዘሎ ስለ ዝረኣየ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽዳን ዘርግሓሉ። 13 ካብ መገዲ ምስ ኣልገሶ፡ ኵሉ ሰብ ንሸባ+ ወዲ ቢክሪ ንምስጓጕ፡ ንዮኣብ ሰዓቦ።

14 ሸባ ድማ ብዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣቢሉ ናብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ+ ሓለፈ። ቢክራውያን ከኣ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ ኸዱ።

15 ዮኣብን ሰቡን* ድማ መጺኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፣ ነታ ኸተማ ኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ቘይማ ኸላ፡ ዕርዲ ኸበባ ዀመሩላ። ኵሎም እቶም ምስ ዮኣብ ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ነቲ መንደቕ ኬውድቕዎ ኢሎም የፍርስዎ ነበሩ። 16 ሓንቲ ጥበበኛ ሰበይቲ ኸኣ ካብታ ኸተማ፡ “ስምዑ፡ ስምዑ! በጃኹም ንዮኣብ፡ ‘ክዛረበካስ ናብዚ ቕረብ’ በሉለይ” ኢላ ጨደረት። 17 ንሱ ድማ ናብኣ ቐረበ፣ እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰ። ንሳ ኸኣ፡ “ዘረባ ገረድካ ስማዕ” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ። 18 ንሳ ኸኣ፡ “ቀደም፡ ‘ኣብ ኣቤል ይሕተቱ’ ይብሃል ነበረ፡ መወዳእታ ነገር እውን ይኸውን ነበረ። 19 ኣነስ ነቶም ሰላማውያንን እሙናትን እስራኤል እየ ዝውክል። ንስኻ ድማ ነዛ ኣብ እስራኤል ከም ኣደ ዝዀነት ከተማ ኸተጥፍኣ ትደሊ ኣለኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ የሆዋ እተዕኑ* ዘለኻ፧” በለቶ።+ 20 ዮኣብ ከኣ፡ “ከዕንዋን ከጥፍኣንሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ! 21 እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። ሸባ+ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣኽራን ኤፍሬም+ ዝዀነ ሰብኣይ፡ ካብ ንጉስ ዳዊት ዓልዩ* ኣሎ። ነዚ ሓደ ሰብኣይ እዚ ኣሕሊፍኩም እንተ ሂብኩምኒ፡ ካብዛ ኸተማ ኸንሳሕብ እየ” ኢሉ መለሰ። ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ንዮኣብ፡ “እንሆ፡ ርእሱ ብልዕሊ መካበብያ ኺድርበየልካ እዩ” በለቶ።

22 ሽዑ፡ እታ ጥበበኛ ሰበይቲ ናብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸደት፣ ንሳቶም ድማ ርእሲ ሸባ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ቤቱ ፋሕ በለ፣+ ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።

23 ዮኣብ ከኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፣+ በናያ+ ወዲ የሆያዳ+ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን እቶም ጵለታውያንን ነበረ።+ 24 ኣዶራም+ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ነበረ፣ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ድማ መዝጋቢ ነበረ። 25 ሸዋእ ከኣ ጸሓፊ ነበረ፣ ጻዶቅን+ ኣብያታርን+ ድማ ካህናት ነበሩ። 26 ዒራ እቲ ያኢራዊ እውን ኣውራ ብዓል ስልጣን* ዳዊት ነበረ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ