ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ህዝቅኤል ብራእይ ናብ የሩሳሌም ተወስደ (1-4)

      • ኣብ ቤተ መቕደስ ፍንፉን ነገራት ረኣየ (5-18)

        • ኣንስቲ ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ (14)

        • ሰብኡት ንጸሓይ ይሰግዱላ ነበሩ (16)

ህዝቅኤል 8:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2018፡ ገጽ 3

ህዝቅኤል 8:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዳን 7:9
  • +ህዝ 1:4, 27

ህዝቅኤል 8:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስሊ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 20:2፣ ህዝ 9:2
  • +ዘዳ 32:16

ህዝቅኤል 8:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 1:27, 28
  • +ዘጸ 40:34

ህዝቅኤል 8:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምስሊ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 53-54፡ 56

ህዝቅኤል 8:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:14
  • +ኤር 26:4, 6

ህዝቅኤል 8:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 11:10
  • +ዘጸ 20:4, 5

ህዝቅኤል 8:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:3, 4፣ 25:22፣ ኤር 26:24
  • +ህዝ 16:17, 18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 54-58

ህዝቅኤል 8:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:15፣ ህዝ 9:9

ህዝቅኤል 8:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 57-58

ህዝቅኤል 8:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:14

ህዝቅኤል 8:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 4:9
  • +ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 17:16፣ ኤር 8:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 57፡ 58-59

ህዝቅኤል 8:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንኣምልኾ ጣኦት ዜገልግል ጨንፈር ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 21:16፣ ኤር 19:4፣ ህዝ 9:9

ህዝቅኤል 8:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 5:11፣ 7:9
  • +ኢሳ 1:15፣ ሚክ 3:4

ሓፈሻዊ

ህዝ. 8:2ዳን 7:9
ህዝ. 8:2ህዝ 1:4, 27
ህዝ. 8:3ኤር 20:2፣ ህዝ 9:2
ህዝ. 8:3ዘዳ 32:16
ህዝ. 8:4ህዝ 1:27, 28
ህዝ. 8:4ዘጸ 40:34
ህዝ. 8:62ዜና 36:14
ህዝ. 8:6ኤር 26:4, 6
ህዝ. 8:10ዘሌ 11:10
ህዝ. 8:10ዘጸ 20:4, 5
ህዝ. 8:112ነገ 22:3, 4፣ 25:22፣ ኤር 26:24
ህዝ. 8:11ህዝ 16:17, 18
ህዝ. 8:12ኢሳ 29:15፣ ህዝ 9:9
ህዝ. 8:152ዜና 36:14
ህዝ. 8:162ዜና 4:9
ህዝ. 8:16ዘዳ 4:19፣ 2ነገ 17:16፣ ኤር 8:1, 2
ህዝ. 8:172ነገ 21:16፣ ኤር 19:4፣ ህዝ 9:9
ህዝ. 8:18ህዝ 5:11፣ 7:9
ህዝ. 8:18ኢሳ 1:15፣ ሚክ 3:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 8:1-18

ህዝቅኤል

8 ኣብ ሻድሸይቲ ዓመት፡ ኣብ ሻድሸይቲ ወርሒ፡ ኣብ ሓምሸይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸለኹ፡ ዓበይቲ ይሁዳ እውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኢድ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኣብኡ ሓዘትኒ። 2 ምስ ጠመትኩ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ ረኣኹ፣ ካብቲ ማዕጥቖኡ ዚመስል ንታሕቲ ሓዊ ነበረ፣+ ካብ ማዕጥቖኡ ንላዕሊ ኸኣ ትርኢቱ ብሩህ ከም ምንጽብራቕ ሕዋስ ወርቅን ብሩርን ነበረ።+ 3 ንሱ ድማ ኢድ እትመስል ዘርግሐ እሞ፡ ብዕታሮ ጸጕሪ ርእሰይ ሒዙ ወሰደኒ፣ መንፈስ ከኣ ናብ መንጎ ምድርን ሰማያትን ኣልዓለኒ፣ ብራእያት ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ናብ መእተዊ እቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፍ ደገ፡+ ናብቲ ቕንኢ ዜለዓዕል ምስ ኣምልኾ ጣኦት እተተሓሓዘ ምልክት* ቅንኢ ኣምጽኣኒ።+ 4 እንሆ ኸኣ፡ ከም ትርኢት እቲ ኣብ ጐልጐል ስንጭሮ ዝረኣኽዎ+ ዝበለ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ነበረ።+

5 ሽዑ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ በጃኻ ናብ ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል” በለኒ። ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ምስ ኣልዓልኩ፡ ኣብኡ ብሰሜን እቲ ኣፍ ደገ መሰውኢ፡ እዚ ምልክት* ቅንኢ ኣብቲ መእተዊ ነበረ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብዚ ኸመይ ዝበለ ኽፉእን ፍንፉንን+ ካብ መቕደሰይ ዜርሕቐንን+ ነገራት ይገብሩ ኸም ዘለዉዶ ርኢኻ፧ ገና ኻብዚ ዚኸፍእ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።

7 ናብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ከኣ ኣምጽኣኒ፣ ምስ ጠመትኩ ድማ፡ ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ረኣኹ። 8 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ” በለኒ። ስለዚ፡ ነቲ መንደቕ ኰዓትክዎ፣ መእተዊ ድማ ረኣኹ። 9 ንሱ ኸኣ፡ “እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ እከይን ፍንፉን ነገራትን ርአ” በለኒ። 10 ኣትየ ድማ ጠመትኩ፣ ኵሉ ዓይነት ምስልታት ለመምትን ፍንፉናት እንስሳታትን+ ኵሎም ጽዩፋት ጣኦታት* ቤት እስራኤልን ከኣ ረኣኹ፣+ ኣብ ዙርያ እቲ መንደቕ ድማ ተቐሪጾም ነበሩ። 11 ኣብ ቅድሚኦም ከኣ 70 ኻብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል ቈይሞም ነበሩ፣ ያዛንያ ወዲ ሻፋን+ ድማ ኣብ መንጎኦም ቈይሙ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ጽንሃህ ሒዙ ነበረ፣ እቲ ጥዑም ዝጨናኡ ደበና ዕጣን እውን ይዓርግ ነበረ።+ 12 ንሱ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል ኣብ ጸልማት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብተን ጣኦታቱ ዜንብረለን ውሽጣዊ ኽፍልታት፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ዘለዉ ትርኢዶ ኣለኻ፧ ንሳቶምሲ፡ ‘የሆዋ ኣይርእየናን እዩ። የሆዋ ነዛ ምድሪ ሓዲግዋ እዩ’ ይብሉ ኣለዉ።”+

13 ንሱ ኸኣ ኣስዒቡ፡ “ካብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ። 14 ናብ መእተዊ እቲ ሰሜናዊ ኣፍ ደገ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ፣ ኣብኡ ድማ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ኣምላኽ ኪበኽያሉ ረኣኹ።

15 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ካብዚ ዚገድድ ፍንፉን ነገራት እውን ክትርኢ ኢኻ” በለኒ።+ 16 ስለዚ፡ ናብ ናይ ውሽጢ ኣጸድ ቤት የሆዋ ኣምጽኣኒ።+ ኣብኡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን፡ ኣስታት 25 ሰብኡት ዝባኖም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ገይሮም ነበሩ፣ ናብታ ብምብራቕ ዘላ ጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።+

17 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዝስ ትርእዮዶ ኣለኻ፧ ቤት ይሁዳ እዚ ፍንፉን ነገራት እዚ ኺገብሩ፡ ነዛ ምድሪ ብዓመጻ ኺመልእዋን+ ንዓይ መመሊሶም ኬዀርዩንንሲ ቀሊል ነገር ድዩ፧ ኣብዚ ድማ ጨንፈር* ናብ ኣፍንጫይ ይዝርግሑ ኣለዉ። 18 ስለዚ፡ ብነድሪ ስጕምቲ ኽወስድ እየ። ዓይነይ ኣይክትድንግጽን እያ፣ ኣነ እውን ኣይክርሕርሕን እየ።+ ኣብ ኣእዛነይ ዓው ኢሎም እኳ እንተ ጨርሑ፡ ኣይክሰምዖምን እየ” በለኒ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ