ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 26
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ይስሃቅን ርብቃን ኣብ ጌራር (1-11)

        • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንይስሃቅ ጸንዓሉ (3-5)

      • ብዒላታት እተላዕለ ባእሲ (12-25)

      • ይስሃቅ ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (26-33)

      • ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ኤሳው (34, 35)

ዘፍጥረት 26:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:10

ዘፍጥረት 26:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ 15:18
  • +ዘፍ 20:1፣ እብ 11:8, 9
  • +ዘፍ 22:16-18፣ መዝ 105:9-11፣ እብ 6:13, 14

ዘፍጥረት 26:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:1, 5፣ እብ 11:12
  • +ዘዳ 34:4
  • +ዘፍ 12:1-3፣ ግብ 3:25፣ ገላ 3:8

ዘፍጥረት 26:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:10, 23፣ 22:3, 12፣ እብ 11:8፣ ያእ 2:21

ዘፍጥረት 26:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:17

ዘፍጥረት 26:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:11-13
  • +ዘፍ 24:16

ዘፍጥረት 26:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኪሓቝፋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:67

ዘፍጥረት 26:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 20:11

ዘፍጥረት 26:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:18
  • +ዘፍ 20:9

ዘፍጥረት 26:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:34, 35

ዘፍጥረት 26:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:16

ዘፍጥረት 26:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:27, 30

ዘፍጥረት 26:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:19፣ 20:1

ዘፍጥረት 26:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:25
  • +ዘፍ 21:31

ዘፍጥረት 26:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ርባ።”

ዘፍጥረት 26:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ባእሲ።”

ዘፍጥረት 26:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ክሲ።”

ዘፍጥረት 26:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ርሒብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:5, 6፣ 28:1, 3

ዘፍጥረት 26:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:31

ዘፍጥረት 26:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:1፣ 28:13
  • +ዘፍ 15:1
  • +ዘፍ 17:19፣ መዝ 105:9-11

ዘፍጥረት 26:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:8, 9
  • +እብ 11:9

ዘፍጥረት 26:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:32

ዘፍጥረት 26:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:22
  • +ዘፍ 21:27

ዘፍጥረት 26:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 21:22-24

ዘፍጥረት 26:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:18

ዘፍጥረት 26:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 20:1

ዘፍጥረት 26:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 36:2, 3

ዘፍጥረት 26:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ምረት መንፈስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:46፣ 28:8

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 26:1ዘፍ 12:10
ዘፍ. 26:3ዘፍ 12:7፣ 15:18
ዘፍ. 26:3ዘፍ 20:1፣ እብ 11:8, 9
ዘፍ. 26:3ዘፍ 22:16-18፣ መዝ 105:9-11፣ እብ 6:13, 14
ዘፍ. 26:4ዘፍ 15:1, 5፣ እብ 11:12
ዘፍ. 26:4ዘዳ 34:4
ዘፍ. 26:4ዘፍ 12:1-3፣ ግብ 3:25፣ ገላ 3:8
ዘፍ. 26:5ዘፍ 17:10, 23፣ 22:3, 12፣ እብ 11:8፣ ያእ 2:21
ዘፍ. 26:6ዘፍ 26:17
ዘፍ. 26:7ዘፍ 12:11-13
ዘፍ. 26:7ዘፍ 24:16
ዘፍ. 26:8ዘፍ 24:67
ዘፍ. 26:9ዘፍ 20:11
ዘፍ. 26:10ዘፍ 12:18
ዘፍ. 26:10ዘፍ 20:9
ዘፍ. 26:12ዘፍ 24:34, 35
ዘፍ. 26:14ዘፍ 12:16
ዘፍ. 26:15ዘፍ 21:27, 30
ዘፍ. 26:17ዘፍ 10:19፣ 20:1
ዘፍ. 26:18ዘፍ 21:25
ዘፍ. 26:18ዘፍ 21:31
ዘፍ. 26:22ዘፍ 17:5, 6፣ 28:1, 3
ዘፍ. 26:23ዘፍ 21:31
ዘፍ. 26:24ዘፍ 17:1፣ 28:13
ዘፍ. 26:24ዘፍ 15:1
ዘፍ. 26:24ዘፍ 17:19፣ መዝ 105:9-11
ዘፍ. 26:25ዘፍ 12:8, 9
ዘፍ. 26:25እብ 11:9
ዘፍ. 26:26ዘፍ 21:32
ዘፍ. 26:28ዘፍ 21:22
ዘፍ. 26:28ዘፍ 21:27
ዘፍ. 26:31ዘፍ 21:22-24
ዘፍ. 26:32ዘፍ 26:18
ዘፍ. 26:33መሳ 20:1
ዘፍ. 26:34ዘፍ 36:2, 3
ዘፍ. 26:35ዘፍ 27:46፣ 28:8
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 26:1-35

ዘፍጥረት

26 ብዘይካ እቲ ብዘመን ኣብርሃም ዝዀነ ቐዳማይ ጥሜት፡+ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኰነ፣ ይስሃቅ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ። 2 የሆዋ ኸኣ ተራእዮ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ “ናብ ግብጺ ኣይትውረድ። ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ። 3 ኵላ እዛ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓና ዄንካ ተቐመጥ፣+ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን ከኣ እየ። እቲ ንኣቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍጽሞ እየ።+ 4 ‘ንዘርእኻ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከብዝሖ፡+ ኵላ እዛ ምድሪ ድማ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ በረኸት ኪረኽቡ* እዮም።’+ 5 ከመይሲ፡ ኣብርሃም ቃለይ ሰሚዑ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ ዘለዎ ግዴታታትን ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግታተይን ድማ ሓልዩ እዩ።”+ 6 ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቐመጠ።+

7 ሰብ እታ ቦታ ብዛዕባ ሰበይቱ ኺሓትትዎ ኸለዉ ድማ፡ “ሓብተይ እያ” ይብል ነበረ።+ ትርኢታ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡+ “ሰብ እዛ ቦታ እዚኣ ብሰሪ ርብቃ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሀ። 8 እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ብመስኰት ኪጥምት ከሎ፡ ይስሃቅ ንሰበይቱ ርብቃ ፍቕሩ ኺገልጸላ* ኸሎ ረኣዮ።+ 9 ኣቢሜሌክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ “ብርግጽ ሰበይትኻ እያ! ስለምንታይ ደኣ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ዝበልካ፧” በሎ። ይስሃቅ ድማ፡ “ብሰራ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።+ 10 ኣቢሜሌክ ድማ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካና፧+ ሓደ ኻብዚ ህዝቢ ብቐሊሉ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፣ በደልቲ ኸኣ ምገበርካና ኔርካ” በለ።+ 11 ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንሰበይቱን ዝተንከየ፡ ብርግጽ ኪመውት እዩ” ኢሉ ኣዘዞ።

12 ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፣ በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝባረኾ፡ 100 ዕጽፊ እቲ ዝዘርኦ ሓፈሰ።+ 13 እቲ ሰብኣይ ድማ ሃብተመ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚህብትም ከኣ በልጸገ። 14 መጓሰ ኣባጊዕን መጓሰ ከብትን ብዙሓት ገላዉን ድማ ነበርዎ፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ቀንኡሉ።

15 ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ንዅሉ እቲ ገላዉ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዒላታት ብሓመድ ደበይዎ።+ 16 ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሃቅ፡ “ካባና ብዝያዳ ሓይልካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ ኸባቢና ኺድ” በሎ። 17 ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ግዒዙ፡ ኣብ ስንጭሮ* ጌራር ሰፈረ፡+ ኣብኡ ድማ ተቐመጠ። 18 ይስሃቅ ድማ ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ፡ ፍልስጥኤማውያን ግና ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ ዒላታት፡+ መሊሱ ዀዓቶ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስማት እውን ሰመዮ።+

19 ገላዉ ይስሃቅ ኣብቲ ስንጭሮ* ምስ ኰዓቱ፡ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ። 20 ጓሶት ጌራር ድማ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ “እዚ ማይና እዩ” ኢሎም ተባእሱ። ምስኡ ስለ እተባእሱ ኸኣ፡ ነታ ዒላ ዔሰቅ* ሰመያ። 21 ካልእ ዒላ ድማ ኰዓቱ፣ ብዛዕባኣ እውን ተባእሱ። ንዓኣ ኸኣ ሲጥና* ኢሉ ሰመያ። 22 ካብኡ ድማ ገዓዘ፡ ካልእ ዒላ እውን ኰዓተ፣ ብዛዕባኣ ግና ኣይተባእሱን። ስለዚ፡ “ሕጂ የሆዋ ስለ ዘርሓበልናን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስለ ዘፋረየናን እዩ” ኢሉ ረሖቦት* ኢሉ ሰመያ።+

23 ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር-ሸባዕ+ ደየበ። 24 በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፡ የሆዋ ተራእዮ እሞ፡ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ።+ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣+ ምእንቲ ጊልያይ ኣብርሃም ኢለ ድማ ክባርኸካን ንዘርእኻ ኸብዝሖን እየ” በሎ።+ 25 ንሱ ኸኣ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ፡ ስም የሆዋ ጸውዐ።+ ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፣+ ገላዉኡ ኸኣ ኣብኡ ዒላ ዀዓቱ።

26 ኣቢሜሌክ ድማ፡ ኣሑዛት ምስ ዚብሃል ኣማኻሪኡን ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፡ ካብ ጌራር ናብኡ መጸ።+ 27 ይስሃቅ ከኣ፡ “ጸሊእኩምኒ፡ ካብ ከባቢኹም ከኣ ሰጒጕኩምኒ ኽነስኹም፡ ስለምንታይ ደኣ ናባይ መጺእኩም፧” በሎም። 28 ንሳቶም ድማ፡ “የሆዋ ምሳኻ ኸም ዘሎ ብንጹር ርኢና ኢና።+ ስለዚ፡ ከምዚ ኢልና፦ ‘ንሕናን ንስኻን በጃኻ ንማሓሓል፡ ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፣+ 29 እዚ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንከናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከኣ ዝገበርናልካ፡ ብሰላም እውን ዘሰናበትናካ፡ ንስኻ ድማ ንዓና ኽፉእ ከይትገብረና እዩ። ሕጂ ንስኻ ናይ የሆዋ ብሩኽ ኢኻ’” በልዎ። 30 ሽዑ፡ ንሱ ድግስ ደገሰሎም እሞ፡ በልዑን ሰተዩን። 31 ንጽብሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ።+ ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ኣሰናበቶም፡ ካብኡ እውን ብሰላም ከዱ።

32 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገላዉ ይስሃቅ መጺኦም፡ ብዛዕባ እታ ዝዀዓትዋ ዒላ፡+ “ማይ ረኺብናላ!” ኢሎም ነገርዎ። 33 ንሱ ድማ ሺብዓ ኢሉ ሰመያ። ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብኤር-ሸባዕ+ እዩ።

34 ኤሳው ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ እቲ ሔታውን ንባስማት ጓል ኤሎን እቲ ሔታውን ኣንስቱ ኪዀናኦ ወሰደን።+ 35 ንሳተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ምንጪ ዓብዪ ጓሂ* ዀናኦም።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ