ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ኣምለኽቲ ጣኦት ተዀነኑ (1-11)

      • ፍርዲ የሩሳሌም ዘይተርፍ እዩ (12-23)

        • እቶም ጻድቃን ዝዀኑ ኖህን ዳንኤልን እዮብን (14, 20)

ህዝቅኤል 14:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 33:30, 31

ህዝቅኤል 14:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 3:13፣ ኢሳ 1:15፣ ኤር 11:11

ህዝቅኤል 14:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንቤት እስራኤል ብልቦም ክሕዞም እየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:5

ህዝቅኤል 14:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 55:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 105-106

ህዝቅኤል 14:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 21:1, 2፣ ህዝ 33:31

ህዝቅኤል 14:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 20:2, 3

ህዝቅኤል 14:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:21, 22፣ ኤር 4:10፣ 2ተሰ 2:10, 11

ህዝቅኤል 14:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 24:7፣ ህዝ 11:19, 20

ህዝቅኤል 14:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “በትሪ እንጌራኣ እውን ክሰብር እየ።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26
  • +ኢሳ 3:1፣ ኤር 15:2
  • +ኤር 7:20

ህዝቅኤል 14:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 6:8, 9፣ እብ 11:7
  • +ዳን 10:11
  • +እዮ 1:8፣ 42:8
  • +ምሳ 11:4፣ ኤር 15:1፣ 2ጴጥ 2:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2023፡ ገጽ 2

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2018፡ ገጽ 3-7

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    5/2016፡ ገጽ 26

ህዝቅኤል 14:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ደቃ እንተ ዘስእንዋ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:22፣ ኤር 15:3

ህዝቅኤል 14:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:25፣ ኤር 25:9፣ ህዝ 21:3
  • +ጸፎ 1:3

ህዝቅኤል 14:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:21, 22

ህዝቅኤል 14:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሶም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 7:1
  • +ዳን 10:11
  • +እዮ 1:8፣ 42:8
  • +ህዝ 18:20፣ ጸፎ 2:3

ህዝቅኤል 14:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ኣርባዕተ ዚጐድእ ፍርደይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 32:43
  • +ኤር 15:2
  • +ህዝ 5:17፣ 33:27

ህዝቅኤል 14:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:31፣ 2ዜና 36:20፣ ህዝ 6:8፣ ሚክ 5:7

ህዝቅኤል 14:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 9:33፣ ኤር 22:8, 9፣ ህዝ 9:9፣ ዳን 9:7

ሓፈሻዊ

ህዝ. 14:1ህዝ 33:30, 31
ህዝ. 14:32ነገ 3:13፣ ኢሳ 1:15፣ ኤር 11:11
ህዝ. 14:5ኤር 2:5
ህዝ. 14:6ኢሳ 55:7
ህዝ. 14:7ኤር 21:1, 2፣ ህዝ 33:31
ህዝ. 14:8ዘሌ 20:2, 3
ህዝ. 14:91ነገ 22:21, 22፣ ኤር 4:10፣ 2ተሰ 2:10, 11
ህዝ. 14:11ኤር 24:7፣ ህዝ 11:19, 20
ህዝ. 14:13ዘሌ 26:26
ህዝ. 14:13ኢሳ 3:1፣ ኤር 15:2
ህዝ. 14:13ኤር 7:20
ህዝ. 14:14ዘፍ 6:8, 9፣ እብ 11:7
ህዝ. 14:14ዳን 10:11
ህዝ. 14:14እዮ 1:8፣ 42:8
ህዝ. 14:14ምሳ 11:4፣ ኤር 15:1፣ 2ጴጥ 2:9
ህዝ. 14:15ዘሌ 26:22፣ ኤር 15:3
ህዝ. 14:17ዘሌ 26:25፣ ኤር 25:9፣ ህዝ 21:3
ህዝ. 14:17ጸፎ 1:3
ህዝ. 14:19ዘዳ 28:21, 22
ህዝ. 14:20ዘፍ 7:1
ህዝ. 14:20ዳን 10:11
ህዝ. 14:20እዮ 1:8፣ 42:8
ህዝ. 14:20ህዝ 18:20፣ ጸፎ 2:3
ህዝ. 14:21ኤር 32:43
ህዝ. 14:21ኤር 15:2
ህዝ. 14:21ህዝ 5:17፣ 33:27
ህዝ. 14:22ዘዳ 4:31፣ 2ዜና 36:20፣ ህዝ 6:8፣ ሚክ 5:7
ህዝ. 14:23ነህ 9:33፣ ኤር 22:8, 9፣ ህዝ 9:9፣ ዳን 9:7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 14:1-23

ህዝቅኤል

14 ገለ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።+ 2 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 3 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰብኡት እዚኦም ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቶም* ኪስዕቡ ቘሪጾም፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ ኣንቢሮም እዮም። እሞኸ በዚኣቶምዶ ኽሕተት እየ፧+ 4 ሕጂ፡ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሓደ እስራኤላዊ ንጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ ድማ እንተ ኣንቢሩ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ነብዪ ኺሓትት እንተ መጺኡ፡ ከም ብዝሒ እቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ፡ ኣነ የሆዋ ብግቡእ ክምልሰሉ እየ። 5 ኵሎም ካባይ ርሒቖም ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታቶም ከይዶም እዮም እሞ፡ ልቢ ቤት እስራኤል ከሸብር እየ።”’*+

6 “ስለዚ፡ ንቤት እስራኤል ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ተመለሱ፡ ካብቶም ጽዩፋት ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ገጽኩም ካብ ኵሉ እቲ ፍንፉን ተግባራትኩም ምለሱ።+ 7 ዝዀነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዚነብር ጓና ርእሱ ኻባይ እንተ ፈልዩ፡ ነቶም ጽዩፋት ጣኦታቱ ኺስዕብ እንተ ቘሪጹ፡ ዜሕጥእ መዐንቀፊ እንተ ኣንቢሩ እሞ፡ ድሕሪኡ ንነብየይ ኪሓትት እንተ መጺኡ፡+ ኣነ የሆዋ ባዕለይ ክምልሰሉ እየ። 8 ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽገብር፡ ምልክት መጠንቀቕታን መመሰልን እውን ክገብሮ እየ፣ ካብ ህዝበይ ድማ ክምንቍሶ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’

9 “‘እቲ ነብዪ ተሓቢሉ ምላሽ እንተ ሂቡ ግና፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዝሓባበልክዎ ኣነ የሆዋ እየ።+ ኣንጻሩ ኢደይ ዘርጊሐ፡ ካብ መንጎ ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። 10 በደሎም ከኣ ኪጾሩ እዮም፣ በደል እቲ ሓታቲ፡ ከም በደል እቲ ነብዪ ኪኸውን እዩ፣ 11 ቤት እስራኤል ካባይ ምዅብላል ምእንቲ ኺሓድጉን ብዅሉ ኣበሳኦም ገዛእ ርእሶም ምርካስ ምእንቲ ኺሓድጉን፡ ከምኡ ኽገብር እየ። ንሳቶም ከኣ ህዝበይ ኪዀኑ፡ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

12 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 13 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ብጥልመት ኣብ ቅድመይ እንተ ሓጢኣ፡ ኢደይ ናብኣ ኽዝርግሕ፡ ቀረብ ምግባ እውን ከጥፍእ እየ፣*+ ኣብኣ ድማ ጥሜት ክሰድድ፡+ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ ኽምንቍስ እየ።”+ 14 “‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም፡—ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን፡+—ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

15 “‘ወይ ሕሱማት ኣራዊት በታ ሃገር እንተ ዘሕልፍ እሞ፡ ንሳቶም ንህዝባ እንተ ዘህልቑ፡* ብሰሪ እቶም ኣራዊት ከኣ ሓደ እኳ ዘይሓልፋ ባድም እንተ ዚገብርዋ፡+ 16 ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም ኣብኣ እኳ እንተ ዚነብሩ፡ ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ፣ እታ ሃገር እውን ምባደመት።’”

17 “‘ወይ ኣብታ ሃገር ሰይፊ እንተ ዘምጽእ እሞ፡+ “ሰይፊ በታ ሃገር ይሕለፍ” እንተ ዝብል፡ ሰብን እንስሳን ከኣ ካብኣ እንተ ዝምንቍስ፡+ 18 እዞም ሰለስተ ሰብኡት እዚኦም እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ርእሶም ጥራይ መድሓኑ።’”

19 “‘ወይ ለበዳ ናብታ ሃገር እንተ ዝሰድድ+ እሞ ብምፍሳስ ደም ሰብን እንስሳን ካብኣ ኽምንቍስ ኢለ ነድረይ ኣብኣ እንተ ዝኽዑ፡ 20 ኖህን+ ዳንኤልን+ እዮብን+ እኳ ኣብኣ እንተ ዚነብሩ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ ‘ኣወዳቶም ኰነ ኣዋልዶም ኣይመድሓኑን፣ ብጽድቆም ርእሶም* ጥራይ መድሓኑ።’”+

21 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ካብኣ ሰብን እንስሳን ንምምንቋስ፡+ ነቲ ኣርባዕተ መቕጻዕተይ፡*+—ሰይፍን ጥሜትን ሕሱም ኣራዊትን ለበዳን፡+—ናብ የሩሳሌም ምስ ሰደድኩ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 22 ግናኸ፡ ገለ ኣብኣ ዝተረፉ ኣወዳትን ኣዋልድን ኬምልጡ እዮም፣ ኬውጽእዎም ድማ እዮም።+ ናባኻትኩም ከኣ ኪመጹ እዮም፣ መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም ድማ፡ በቲ ኣብ የሩሳሌም ዘምጻእክዎ መዓት፡ ብዅሉ እቲ ኣብኣ ዝገበርክዎ ነገር፡ ብርግጽ ክትጸናንዑ ኢኹም።’”

23 “‘መገድታቶምን ተግባራቶምን ምስ ረኣኹም፡ ኬጸናንዑኹም እዮም፣ እቲ ንዓኣ ዝገበርክዎ፡ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ