መዝሙር
74 ኦ ኣምላኽ፡ ስለምንታይ ንዘለኣለም ደርቢኻና፧+
ስለምንታይከ ቝጥዓኻ ኣብ ልዕሊ ኣባጊዕ መጓሰኻ ዚነድድ፧*+
ነታ እትሓድረላ ኸረን ጽዮን እውን ዘክራ።+
3 ስጕምትኻ ናብቲ ናይ ሓዋሩ ዑናታት ኣቕንዕ።+
ጸላኢ ነቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዅሉ ኣዕንይዎ።+
4 ጸላእትኻ ኣብ ውሽጢ መአከቢኻ ጨዲሮም።+
ኣብኡ ድማ ምልክት ኪኸውን ናይ ርእሶም ሰንደቕ ዕላማ ኣቚሞም።
5 ከምቶም ኣብ ልዕሊ ብርቱዕ ዱር ፋስ ዜልዕሉ ሰባት ይመስሉ።
6 ንዅሉ እቲ ቕርጽታቱ+ ብፋስን ብሓጺንን ሰይሮምዎ።
7 ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ።+
ነቲ ስምካ ዚጽውዓሉ ማሕደርካ ናብ ምድሪ ደርብዮም ኣርኪሶምዎ።
8 ንሳቶምን ዘርኦምን ብልቦም፡
“ንዅለን እተን ናይ ኣምላኽ ዘበላ መአከቢታት* ነንድደን” ኢሎም።
9 ንሕና እንርእዮ ምልክታት የብልናን፣
ነብዪ ኸኣ የሎን፣
እዚ ኽሳዕ መዓስ ምዃኑ ዚፈልጥ ድማ የብልናን።
10 ኦ ኣምላኽ፡ ተጻራርስ ክሳዕ መዓስ እዩ ኺጸርፍ፧+
ጸላእስ ንዘለኣለምዶ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፧+
11 ስለምንታይ ንኢድካ፡ ነታ የማነይትኻ፡ እትገትኣ፧+
ካብ ሕቝፍኻ* ኣውጽኣያ እሞ ኣጥፍኣዮም።
12 ኣምላኽ ግና ካብ ቀደም ንጉሰይ እዩ፣
ንሱ እቲ ኣብ ምድሪ ግብርታት ድሕነት ዚገብር እዩ።+
16 መዓልቲ ናትካ እያ፡ ለይቲ እውን ናትካ እያ።
ንስኻ ንብርሃንን ንጸሓይን ጌርካ።+
18 ኦ የሆዋ፡ ባጫ ጸላእን
ዓሻ ህዝቢ ንስምካ ዘለዎ ንዕቀትን ዘክር።+
19 ህይወት* ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ።
ህይወት ውጹዓትካ ንዘለኣለም ኣይትረስዕ።
20 እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ዓመጻ መሊኡ ኣሎ እሞ፡
ኪዳንካ ዘክር።
22 ኦ ኣምላኽ፡ ተንስእ እሞ ንጕዳይካ ተማጐተሉ።
ዓሻ ምሉእ መዓልቲ ኼባጭወልካ ኸም ዚውዕል ዘክር።+
23 ጸላእትኻ ዚብልዎ ዘለዉ ኣይትረስዕ።
ጭድርታ እቶም ዚዳፈሩኻ ወትሩ ይዓርግ ኣሎ።