እዮብ
12 እዮብ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ብሓቂ ንስኻትኩም እትፈልጡ ሰባት ኢኹም፣*
ጥበብ ከኣ ብዘይ ብኣኻትኩም ክትመውት እያ!
3 ግናኸ፡ ኣነ እውን ኣእምሮ* ኣሎኒ።
ካባኻትኩም ኣይሓምቕን እየ።
ነዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧
ጻድቕን መንቅብ ዘይብሉን ሰብሲ መስሓቒ ዀይኑ ኣሎ።
5 ቅሱን ንመዓት ይንዕቆ፣
ነቶም ኣእጋሮም ሰንከልከል ዚብላ* ጥራይ ዚበጽሖም ይመስሎ።
7 ግናኸ፡ በጃኻ ንእንስሳታት ሕተት እሞ፡ ኪምህሩኻ እዮም፣
ንኣዕዋፍ ሰማያት እውን ጠይቕ እሞ፡ ኪነግራኻ እየን።
8 ወይስ ብዛዕባ ምድሪ ሕሰብ* እሞ፡ ክትምህረካ እያ፣
ዓሳታት ባሕሪ እውን ኪነግሩኻ እዮም።
9 ካብዚኣቶም ኵሎምሲ፡
ኢድ የሆዋ ነዚ ኸም ዝገበረቶ ዘይፈልጥ መን እዩ፧
12 ጥበብ ኣብ ሽማግለታት ዚርከብ፡+
ኣእምሮ እውን ምስ ነዊሕ ዕድመ ዚመጽእ ደይኰነን፧
14 ንሱ ምስ ዜፍርስ፡ ዳግም ኪህነጽ ኣይከኣልን፣+
ንሱ ዝዓጸዎ፡ ኪኸፍቶ ዚኽእል የልቦን።
16 ኣብኡ ብርታዐን ግብራዊ ጥበብን ኣሎ፣+
እቲ ዚስሕትን እቲ ዜስሕትን ናቱ እዮም፣
17 ንሱ ንኣማኸርቲ ጥራይ እግሮም የኺዶም፣*
ንፈራዶ እውን ዓያሹ ይገብሮም።+
18 ንማእሰር ነገስታት ይፈትሖ፣+
ኣብ ሕቘኦም ድማ ዕጣቕ የዕጥቖም።
19 ንኻህናት ጥራይ እግሮም የኺዶም፣+
ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንዑ ኸኣ ይግልብጦም፣+
20 ንእሙናት ኣማኸርቲ፡ ዘረባ የሕድጎም፣
ንኣረገውቲ* ልብምናኦም የግድፎም፣
21 ኣብ ልዕሊ ልዑላን ንዕቀት የፍስስ፣+
ንሓያላት እውን ድኹማት ይገብሮም፣*
22 ካብ ጸልማት፡ መዓሙቝ ይቐልዕ፣+
ንድቕድቕ ጸልማት ድማ ናብ ብርሃን የምጽኦ፣
23 ኬጥፍኦም ኢሉ፡ ንኣህዛብ የዕብዮም፣
ናብ ምርኮ ኺወስዶም ኢሉ ኸኣ፡ ንኣህዛብ የስፍሖም፣
24 ንመራሕቲ ህዝቢ፡ ኣእምሮኦም* የሕድጎም፣
መገዲ ኣብ ዘይብሉ በረኻ እውን ኰለል የብሎም።+