ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ይስሃቅ ተወልደ (1-7)

      • እስማኤል ንይስሃቅ ኣላገጸሉ (8, 9)

      • ኣጋርን እስማኤልን ተሰድዱ (10-21)

      • ኣብርሃም ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (22-34)

ዘፍጥረት 21:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 18:10

ዘፍጥረት 21:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:11
  • +ዘፍ 17:21፣ 18:10, 14፣ ሮሜ 9:9

ዘፍጥረት 21:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:19፣ እያ 24:3፣ ሮሜ 9:7

ዘፍጥረት 21:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:12፣ ዘሌ 12:3፣ ግብ 7:8

ዘፍጥረት 21:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኣይ ኪስሕቕ” ኪኸውን ይኽእል።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 14-15

ዘፍጥረት 21:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:4, 15
  • +ዘፍ 15:13፣ ገላ 4:22, 29

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/2001፡ ገጽ 26

ዘፍጥረት 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 15:2, 4፣ ገላ 4:30

ዘፍጥረት 21:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 5 2017፡ ገጽ 15

ዘፍጥረት 21:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:19፣ ሮሜ 9:7፣ እብ 11:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2006፡ ገጽ 6-7

ዘፍጥረት 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 4:22
  • +ዘፍ 16:9, 10፣ 17:20፣ 25:12, 16

ዘፍጥረት 21:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:5, 6
  • +ዘፍ 22:19

ዘፍጥረት 21:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:11
  • +ዘፍ 16:7, 8

ዘፍጥረት 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 1:29-31

ዘፍጥረት 21:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 16:16

ዘፍጥረት 21:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:12

ዘፍጥረት 21:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 20:17, 18፣ 26:26, 28

ዘፍጥረት 21:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 20:14, 15

ዘፍጥረት 21:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:15, 20

ዘፍጥረት 21:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሽበን ካብ ዕየት እትዓቢ፡ ንእሽቶ ኣንስተይቲ በጊዕ እያ።

ዘፍጥረት 21:31

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ዒላ ማሕላ” ወይ “ዒላ ሸውዓተ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:32, 33

ዘፍጥረት 21:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:26, 28
  • +ዘፍ 10:13, 14፣ 26:1

ዘፍጥረት 21:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 90:2፣ ኢሳ 40:28፣ 1ጢሞ 1:17
  • +ዘፍ 12:8, 9፣ 26:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡

    2/2020፡ ገጽ 8

ዘፍጥረት 21:34

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብዙሕ መዓልትታት።”

  • *

    ወይ፡ “ስደተኛ ዀይኑ ተቐመጠ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 11:8, 9

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 21:1ዘፍ 18:10
ዘፍ. 21:2እብ 11:11
ዘፍ. 21:2ዘፍ 17:21፣ 18:10, 14፣ ሮሜ 9:9
ዘፍ. 21:3ዘፍ 17:19፣ እያ 24:3፣ ሮሜ 9:7
ዘፍ. 21:4ዘፍ 17:12፣ ዘሌ 12:3፣ ግብ 7:8
ዘፍ. 21:9ዘፍ 16:4, 15
ዘፍ. 21:9ዘፍ 15:13፣ ገላ 4:22, 29
ዘፍ. 21:10ዘፍ 15:2, 4፣ ገላ 4:30
ዘፍ. 21:11ዘፍ 17:18
ዘፍ. 21:12ዘፍ 17:19፣ ሮሜ 9:7፣ እብ 11:18
ዘፍ. 21:13ገላ 4:22
ዘፍ. 21:13ዘፍ 16:9, 10፣ 17:20፣ 25:12, 16
ዘፍ. 21:14ዘፍ 25:5, 6
ዘፍ. 21:14ዘፍ 22:19
ዘፍ. 21:17ዘፍ 16:11
ዘፍ. 21:17ዘፍ 16:7, 8
ዘፍ. 21:181ዜና 1:29-31
ዘፍ. 21:20ዘፍ 16:16
ዘፍ. 21:21ዘሁ 10:12
ዘፍ. 21:22ዘፍ 20:17, 18፣ 26:26, 28
ዘፍ. 21:23ዘፍ 20:14, 15
ዘፍ. 21:25ዘፍ 26:15, 20
ዘፍ. 21:31ዘፍ 26:32, 33
ዘፍ. 21:32ዘፍ 26:26, 28
ዘፍ. 21:32ዘፍ 10:13, 14፣ 26:1
ዘፍ. 21:33መዝ 90:2፣ ኢሳ 40:28፣ 1ጢሞ 1:17
ዘፍ. 21:33ዘፍ 12:8, 9፣ 26:25
ዘፍ. 21:34እብ 11:8, 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 21:1-34

ዘፍጥረት

21 የሆዋ ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ ቘላሕታ ገበረላ፣ የሆዋ ኸኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።+ 2 ሳራ ድማ ጠነሰት፡+ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ግዜ ኸኣ፡ ንኣብርሃም ኣብ እርጋኑ ወዲ ወለደትሉ።+ 3 ኣብርሃም ድማ ነቲ ሳራ ዝወለደትሉ ወዱ፡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ።+ 4 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ።+ 5 ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6 ሳራ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ* እዩ” በለት። 7 ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “‘ሳራ ብርግጽ ቈልዓ ኸተጥቡ እያ’ ኢሉ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፧ እንሆ ግና፡ ኣብ እርጋኑ ወዲ ወሊደሉ ኣለኹ” በለት።

8 እቲ ውሉድ ከኣ ዓበየ፡ ጡብ እውን ሓደገ፣ በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ፡ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ። 9 ሳራ ኸኣ እቲ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ንይስሃቅ ኬላግጸሉ ረኣየት።+ 10 ስለዚ፡ ንኣብርሃም፡ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ይስሃቅ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ስጐጎም” በለቶ።+ 11 ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ።+ 12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡+ ቃላ ስማዕ። 13 ንወዲ እዛ ባርያ ኸኣ፡+ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።+

14 ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ ኸኣ ንኣጋር ሃባ። ኣብ መንኵባ ኣሰኪሙ ድማ፡ ምስቲ ወዲ ብሓባር ገይሩ ሰደዳ።+ ንሳ ኸኣ ከይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰለል ትብል ነበረት።+ 15 እቲ ኣብቲ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ድማ ተወድአ፣ ንሳ ኸኣ ነቲ ወዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብቲ ቘጥቋጣት ደርበየቶ። 16 “ሞት እዚ ወዲ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ከደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚኣክል ርሒቓ በይና ተቐመጠት። ርሕቕ ኢላ ተቐሚጣ ኸኣ፡ ዓው ኢላ ኽትበኪ ጀመረት።

17 ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ወዲ ሰምዐ፣+ መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡+ “ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ወዲ ኣብታ ዘለዋ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 18 ነቲ ወዲ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡+ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ሓዝዮ” በላ። 19 ሽዑ፡ ኣምላኽ ኣዒንታ ኸፈተላ እሞ ዒላ ማይ ረኣየት፣ ከይዳ ኸኣ ነቲ ሓርቢ ማይ መሊኣ ነቲ ወዲ ኣስተየቶ። 20 እቲ ወዲ ኺዓቢ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ ምስኡ ነበረ።+ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐመጠ፡ ቀስተኛ እውን ኰነ። 21 ኣብ በረኻ ጳራን+ ድማ ይቕመጥ ነበረ፣ ኣዲኡ ኸኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።

22 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም፡ “ኣብ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ።+ 23 ሕጂ ኸኣ ንዓይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም፡ ንዓይን ነዛ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፡ ከምቲ ኣነ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኻ፡ ከምኡ ኽትገብር ብኣምላኽ ምሓለለይ” በሎ።+ 24 ኣብርሃም ድማ፡ “ኣነ እምሕል” በለ።

25 ኣብርሃም ግና ብዛዕባ እታ ገላዉ ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።+ 26 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “ነዚ ነገር እዚ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፣ ንስኻ ድማ ብዛዕባኡ ኣይነገርካንን፣ ኣነ እውን ክሳዕ ሎሚ ብዛዕባኡ ገለ እኳ ኣይሰማዕኩን” ኢሉ መለሰ። 27 ኣብርሃም ድማ፡ ኣባጊዕን ከብትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ፣ ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ። 28 ኣብርሃም ካብተን መጓሰኡ ሸውዓተ ሽበን* ምስ ፈለየ፡ 29 ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዘን ሸውዓተ ሽበን ንበይነን ዝፈለኻየን፧” በሎ። 30 ንሱ ድማ፡ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምስክር ምእንቲ ኪዀና፡ እዘን ሸውዓተ ሽበን እዚአን ካብ ኢደይ ተቐበል” በለ። 31 ስለዚ፡ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ እታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ* ተባህለት።+ 32 ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ ተንስአ፣ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እውን ተመልሱ።+ 33 ድሕርዚ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኦም ዕቦል ተኸለ፣ ኣብኡ ኸኣ ስም የሆዋ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ+ ጸውዐ።+ 34 ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ነዊሕ ግዜ* ተቐመጠ።*+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ