ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 39
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ካብ ባቢሎን ልኡኻት መጹ (1-8)

ኢሳይያስ 39:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:5, 12, 13
  • +2ዜና 32:23

ኢሳይያስ 39:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብኣታቶም ተሓጐሰ።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:27

ኢሳይያስ 39:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:14, 15

ኢሳይያስ 39:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻኸ።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስተይ።”

ኢሳይያስ 39:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:11, 13፣ 25:13፣ 2ዜና 36:18፣ ዳን 1:1, 2
  • +2ነገ 20:16-18

ኢሳይያስ 39:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12፣ ዳን 2:49፣ 5:29

ኢሳይያስ 39:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታተይሲ።”

  • *

    ወይ፡ “ሓቅን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 20:19

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 39:12ነገ 20:5, 12, 13
ኢሳ. 39:12ዜና 32:23
ኢሳ. 39:22ዜና 32:27
ኢሳ. 39:32ነገ 20:14, 15
ኢሳ. 39:62ነገ 24:11, 13፣ 25:13፣ 2ዜና 36:18፣ ዳን 1:1, 2
ኢሳ. 39:62ነገ 20:16-18
ኢሳ. 39:72ነገ 24:12፣ ዳን 2:49፣ 5:29
ኢሳ. 39:82ነገ 20:19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 39:1-8

ኢሳይያስ

39 በታ ግዜ እቲኣ፡ መሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ።+ 2 ህዝቅያስ ከኣ ተሓጒሱ ተቐበሎም* እሞ፡ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ኽቡር ዘይትን ብዘሎ ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።

3 ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 4 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ።

5 ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስማዕ፦ 6 ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’+ ይብል የሆዋ።+ 7 ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+

8 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ። ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይሲ* ሰላምን ርግኣትን* ኪኸውን እዩ” በለ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ