ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ህዝቅኤል 37
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ህዝቅኤል—ትሕዝቶ

      • ራእይ ስንጭሮ ንቑጽ ኣዕጽምቲ (1-14)

      • ዚላገባ ኽልተ ዕንጨይቲ (15-28)

        • ሓደ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ንጉስ (22)

        • ናይ ዘለኣለም ኪዳን ሰላም (26)

ህዝቅኤል 37:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 21:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 113፡ 118

ህዝቅኤል 37:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 37:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 113፡ 114-115

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 29-30

ህዝቅኤል 37:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 32:39፣ 1ሳሙ 2:6

ህዝቅኤል 37:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 2:7፣ ህዝ 37:14

ህዝቅኤል 37:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 115-116

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 29-31

ህዝቅኤል 37:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 115-116

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 29-31

ህዝቅኤል 37:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትንፋስ፣ መንፈስ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 114-115

ህዝቅኤል 37:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንፈስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 11:11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 116-119

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 29-31

ህዝቅኤል 37:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 36:10
  • +ኢሳ 49:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 113-114

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    3/2016፡ ገጽ 29-30

ህዝቅኤል 37:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 66:14
  • +ህዝ 11:17፣ ኣሞ 9:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 113

ህዝቅኤል 37:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 126:2

ህዝቅኤል 37:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 32:14, 15፣ ህዝ 36:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 117-119

ህዝቅኤል 37:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንብጾቱ።”

  • *

    ወይ፡ “ንብጾቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 15:9፣ 30:11
  • +1ነገ 11:31፣ 12:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2022፡ ገጽ 22

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 14

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 130-131፡ 240

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    7/2016፡ ገጽ 31-32

ህዝቅኤል 37:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:13፣ ኤር 3:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2022፡ ገጽ 22

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2018፡ ገጽ 14

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 130-131፡ 240

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    7/2016፡ ገጽ 31-32

ህዝቅኤል 37:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ህዝብኻ።”

ህዝቅኤል 37:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:4፣ ዘካ 10:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 133-134

ህዝቅኤል 37:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 11:12፣ ኤር 16:14, 15፣ ኣሞ 9:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 130-132

ህዝቅኤል 37:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 3:18፣ ሆሴ 1:11
  • +ዘፍ 49:10፣ መዝ 2:6፣ ኢሳ 9:6፣ ኤር 23:5፣ ሉቃ 1:32
  • +ህዝ 37:19፣ ዘካ 10:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 89፡ 130

ህዝቅኤል 37:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 2:18፣ ህዝ 11:18፣ ሆሴ 14:8፣ ዘካ 13:2
  • +ኤር 31:33፣ ህዝ 36:28

ህዝቅኤል 37:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:5፣ 30:9፣ ሆሴ 3:5፣ ሉቃ 1:32
  • +ዮሃ 10:16፣ 1ጴጥ 5:4
  • +ዘዳ 30:8-10፣ ኤር 32:39፣ ህዝ 36:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 89፡ 133፡ 214-215

ህዝቅኤል 37:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መስፍኖም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 30:3
  • +ኢሳ 60:21፣ ኣሞ 9:15
  • +ዮኤ 3:20
  • +ህዝ 34:24፣ ሉቃ 1:32

ህዝቅኤል 37:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 34:25
  • +ኤር 30:19፣ ዘካ 8:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 134

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2010፡ ገጽ 27-28

ህዝቅኤል 37:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ማሕደረይ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ልዕሊኦም።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:12፣ ህዝ 11:19, 20፣ 43:7፣ ሆሴ 2:23፣ ራእ 21:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 134

ህዝቅኤል 37:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 36:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 135-136

ሓፈሻዊ

ህዝ. 37:1ራእ 21:10
ህዝ. 37:2ህዝ 37:11
ህዝ. 37:3ዘዳ 32:39፣ 1ሳሙ 2:6
ህዝ. 37:5ዘፍ 2:7፣ ህዝ 37:14
ህዝ. 37:10ራእ 11:11
ህዝ. 37:11ህዝ 36:10
ህዝ. 37:11ኢሳ 49:14
ህዝ. 37:12ኢሳ 66:14
ህዝ. 37:12ህዝ 11:17፣ ኣሞ 9:14
ህዝ. 37:13መዝ 126:2
ህዝ. 37:14ኢሳ 32:14, 15፣ ህዝ 36:27
ህዝ. 37:162ዜና 15:9፣ 30:11
ህዝ. 37:161ነገ 11:31፣ 12:20
ህዝ. 37:17ኢሳ 11:13፣ ኤር 3:18
ህዝ. 37:19ኤር 50:4፣ ዘካ 10:6
ህዝ. 37:21ዘዳ 30:3፣ ኢሳ 11:12፣ ኤር 16:14, 15፣ ኣሞ 9:14
ህዝ. 37:22ኤር 3:18፣ ሆሴ 1:11
ህዝ. 37:22ዘፍ 49:10፣ መዝ 2:6፣ ኢሳ 9:6፣ ኤር 23:5፣ ሉቃ 1:32
ህዝ. 37:22ህዝ 37:19፣ ዘካ 10:6
ህዝ. 37:23ኢሳ 2:18፣ ህዝ 11:18፣ ሆሴ 14:8፣ ዘካ 13:2
ህዝ. 37:23ኤር 31:33፣ ህዝ 36:28
ህዝ. 37:24ኤር 23:5፣ 30:9፣ ሆሴ 3:5፣ ሉቃ 1:32
ህዝ. 37:24ዮሃ 10:16፣ 1ጴጥ 5:4
ህዝ. 37:24ዘዳ 30:8-10፣ ኤር 32:39፣ ህዝ 36:27
ህዝ. 37:25ኤር 30:3
ህዝ. 37:25ኢሳ 60:21፣ ኣሞ 9:15
ህዝ. 37:25ዮኤ 3:20
ህዝ. 37:25ህዝ 34:24፣ ሉቃ 1:32
ህዝ. 37:26ህዝ 34:25
ህዝ. 37:26ኤር 30:19፣ ዘካ 8:5
ህዝ. 37:27ዘሌ 26:12፣ ህዝ 11:19, 20፣ 43:7፣ ሆሴ 2:23፣ ራእ 21:3
ህዝ. 37:28ህዝ 36:23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ህዝቅኤል 37:1-28

ህዝቅኤል

37 ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ የሆዋ ኸኣ ብመንፈሱ ወሰደኒ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ስንጭሮ ድማ ኣንበረኒ፣+ ንሳ እውን ኣዕጽምቲ መሊእዋ ነበረ። 2 ብዙርያኦም ከኣ ኣሕለፈኒ፣ ኣብታ ጐልጐል ስንጭሮ ኣዝዩ ብዙሕ ኣዕጽምቲ ዛሕ ኢሉ ምንባሩን ኣዝዩ ንቑጽ ምንባሩን ድማ ረኣኹ።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልኩ።+ 4 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ ተነበ፣ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ኣቱም ንቑጻት ኣዕጽምቲ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦

5 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ነዚ ኣዕጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።+ 6 ጅማውትን ስጋን ክገብረልኩም፡ ብቘርበት ድማ ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከኣ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”

7 ከምቲ እተኣዘዝክዎ ድማ ተነበኹ። ምስ ተነበኹ ኸኣ፡ ብኡብኡ ደሃይ፡ ደሃይ ሓሸሽታ ዀነ፣ እቲ ኣዕጽምቲ ድማ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ ተቐራረበ። 8 ሽዑ፡ ጅማውትን ስጋን ኣብ ልዕሊኦም ኪኸውን፡ ቈርበት እውን ኪኸድኖም ከሎ ረኣኹ። ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።

9 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ንንፋስ ተነበየሉ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፣ ንንፋስ ከኣ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኦ ንፋስ፡* ካብቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ንዓ እሞ ህያዋን ምእንቲ ኪዀኑስ ኣብዞም ቅቱላት ንፈስ”’ በሎ” በለኒ።

10 ስለዚ፡ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፣ ትንፋስ* ድማ ኣተዎም፣ ህያዋን እውን ኰኑ፣ ብኣእጋሮም ከኣ ደው በሉ፣+ ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት እውን ኰኑ።

11 ሽዑ፡ ንሱ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ፡ ብዘሎ ቤት እስራኤል እዩ።+ እንሆ፡ ንሳቶም፡ ‘ኣዕጽምትና ነቒጹ፡ ተስፋና ኸኣ ጠፊኡ።+ ጠሪስና ተቘሪጽና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 12 ስለዚ፡ ተነበ፡ ከምዚ እውን በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ክኸፍት፡+ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከተንስኣኩም፡ ናብ ምድሪ እስራኤል እውን ከምጽኣኩም እየ።+ 13 ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ምስ ኣተንሳእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”’+ 14 ‘መንፈሰይ ኣባኻትኩም ከንብር እየ፣+ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣብ ምድርኹም ድማ ከስፍረኩም እየ። ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብክዎን ከም ዝገበርክዎን ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል የሆዋ።”

15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንይሁዳን ምስኡ ንዘለዉ* ህዝቢ እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ ድሕሪኡ፡ ካልእ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንዮሴፍ እቲ ዕንጨይቲ ኤፍሬምን ምስኡ ንዘለዉ* ዅሎም ቤት እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ 17 ክልቲኡ ኣብ ኢድካ ሓደ ዕንጨይቲ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሓድሕዱ ኣላግቦ።+ 18 እቶም ህዝብኻ፡* ‘እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነስ ኣይትነግረናን ዲኻ፧’ ምስ በሉኻ፡ 19 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ምስኡ ዘለዉ ነገዳት እስራኤልን ዘሎ ዕንጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ምስ ዕንጨይቲ ይሁዳ ድማ ከላግቦም እየ፣ ሓደ ዕንጨይቲ ኸኣ ክገብሮም እየ፣+ ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ኪዀኑ እዮም” በሎም።’ 20 እቲ ዝጸሓፍካሉ ኣዕጫው ከኣ ኪርእይዎስ ኣብ ኢድካ ይኹን።

21 “ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንእስራኤላውያን ካብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ክወስዶም፡ ካብ ኵሉ ኣንፈት ድማ ክእክቦም፡ ናብ ምድሮም እውን ከምጽኦም እየ።+ 22 ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ከኣ ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣+ ደጊም ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ደጊም እውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።+ 23 ደጊም ብጽዩፋት ጣኦታትን* ብፍንፉን ተግባራትን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝሓጥእዎ ጥልመት ከድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+

24 “‘“ጊልያይ ዳዊት ንጉሶም ኪኸውን፡+ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኺህልዎም እዩ።+ ብፍርድታተይ ኪመላለሱ፡ ሕግታተይ ከኣ ተጠንቂቖም ኪሕልዉ እዮም።+ 25 ኣብታ ንጊልያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፡ ኣቦታትኩም ድማ ዝነበርዋ ምድሪ ኪቕመጡ፡+ ኣብኣ ኸኣ ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን+ ንዘለኣለም ኪቕመጡ እዮም፣+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ሹሞም* ኪኸውን እዩ።+

26 “‘“ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፣+ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እውን ኪዀነሎም እዩ። ክስርቶም፡ ከብዝሖም፡+ መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ከቕውም እየ። 27 ድንኳነይ* ምሳታቶም* ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ 28 መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ፡ ኣነ የሆዋ ንእስራኤል እቕድሶ ኸም ዘለኹ ኣህዛብ ኪፈልጡ እዮም።”’”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ