ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ቃየልን ኣቤልን (1-16)

      • ዘርኢ ቃየል (17-24)

      • ሴትን ወዱ ሄኖስን (25, 26)

ዘፍጥረት 4:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 1:28
  • +1ዮሃ 3:10-12፣ ይሁ 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 10-11

ዘፍጥረት 4:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 23:35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2002፡ ገጽ 23

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 11-12

ዘፍጥረት 4:3

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 16

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2002፡ ገጽ 21

    1/2/1999፡ ገጽ 21

    15/6/1996፡ ገጽ 4-5

ዘፍጥረት 4:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 13:12
  • +እብ 11:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 17-19

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2015፡ ገጽ 20

    15/1/2002፡ ገጽ 21

    15/8/2000፡ ገጽ 13-14

    1/2/1999፡ ገጽ 21

    15/6/1996፡ ገጽ 4

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 14

ዘፍጥረት 4:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጹ ወደቐን።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 16-17

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2002፡ ገጽ 22

    1/2/1999፡ ገጽ 21

    15/6/1996፡ ገጽ 4-5

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 14-16

ዘፍጥረት 4:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/1999፡ ገጽ 21፡ 23

    15/1/1999፡ ገጽ 21

    1/6/1994፡ ገጽ 22

ዘፍጥረት 4:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ልዕልዶ ኣይምበልካን፧”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2014፡ ገጽ 28

    15/1/2002፡ ገጽ 22

    1/2/1999፡ ገጽ 21-23

    15/1/1999፡ ገጽ 21

    15/6/1996፡ ገጽ 4-5

    1/6/1994፡ ገጽ 22

ዘፍጥረት 4:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 23:35፣ 1ዮሃ 3:10-12፣ ይሁ 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/9/2002፡ ገጽ 28

    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ፡ ገጽ 16

ዘፍጥረት 4:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2002፡ ገጽ 22

ዘፍጥረት 4:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:24

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ፡ ገጽ 90

    “ፍቕሪ ኣምላኽ፡” ገጽ 74-75

    ራእይ፡ ገጽ 101

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/2004፡ ገጽ 14

    15/11/1995፡ ገጽ 10

ዘፍጥረት 4:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 9:5

ዘፍጥረት 4:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓይላ።”

ዘፍጥረት 4:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ካብ ገጽ ምድሪ።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 127

ዘፍጥረት 4:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/1/2004፡ ገጽ 29

    15/1/2002፡ ገጽ 22-23

    1/2/1999፡ ገጽ 21-22

ዘፍጥረት 4:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምድሪ ኖድ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 2:8

ዘፍጥረት 4:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 5:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 127

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    8/2016፡ ገጽ 10

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2010፡ ገጽ 25

    1/1/2004፡ ገጽ 29

ዘፍጥረት 4:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክራርን።”

  • *

    ወይ፡ “ሻምብቆን።”

ዘፍጥረት 4:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/3/2002፡ ገጽ 6

ዘፍጥረት 4:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2020፡ ገጽ 4

ዘፍጥረት 4:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መወከሲታት ደብተር ኣኼባ፡ 1/2020፡ ገጽ 4

ዘፍጥረት 4:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “እተተክአ፣ እተገብረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:8፣ ማቴ 23:35፣ እብ 11:4
  • +ዘፍ 5:3፣ 1ዜና 1:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2009፡ ገጽ 13

ዘፍጥረት 4:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 5:6፣ ሉቃ 3:23, 38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 19

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)፡

    ቍ. 1 2017፡ ገጽ 10

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/9/2005፡ ገጽ 15-16

    15/9/2001፡ ገጽ 29

    15/1/1997፡ ገጽ 30

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 4:1ዘፍ 1:28
ዘፍ. 4:11ዮሃ 3:10-12፣ ይሁ 11
ዘፍ. 4:2ማቴ 23:35
ዘፍ. 4:4ዘጸ 13:12
ዘፍ. 4:4እብ 11:4
ዘፍ. 4:8ማቴ 23:35፣ 1ዮሃ 3:10-12፣ ይሁ 11
ዘፍ. 4:10እብ 12:24
ዘፍ. 4:11ዘፍ 9:5
ዘፍ. 4:16ዘፍ 2:8
ዘፍ. 4:17ዘፍ 5:4
ዘፍ. 4:24ዘፍ 4:15
ዘፍ. 4:25ዘፍ 4:8፣ ማቴ 23:35፣ እብ 11:4
ዘፍ. 4:25ዘፍ 5:3፣ 1ዜና 1:1
ዘፍ. 4:26ዘፍ 5:6፣ ሉቃ 3:23, 38
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 4:1-26

ዘፍጥረት

4 ኣዳም ድማ ምስ ሰበይቱ ሄዋን ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ጠነሰት።+ ንቃየል+ ምስ ወለደት ከኣ፡ “ብረድኤት የሆዋ ወዲ ወሊደ” በለት። 2 ጸኒሓ፡ ንሓዉ ኣቤል+ ወለደት።

ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ ኰነ፣ ቃየል ከኣ ሓረስታይ ምድሪ ዀነ። 3 ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ቃየል ካብ ፍረታት ምድሪ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣምጽአ። 4 ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት መጓሰኡን+ ካብ ስብሐንን ኣምጽአ። የሆዋ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ብሞገስ ረኣየ፣+ 5 ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ብሞገስ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐን ጐሃየን።* 6 የሆዋ ኸኣ ንቃየል፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኣመና እተቘጣዕካን ዝጐሃኻን፧ 7 ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ትምለስሲ፡ ሞገስዶ ኣይምረኸብካን፧* ጽቡቕ ናብ ምግባር እንተ ዘይተመሊስካ ግና፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ ኣላ፣ ሃረርታኣ ኸኣ ኪዕብልለካ ይብል ኣሎ። ግናኸ፡ ክትመልካ ዲኻ፧” በሎ።

8 ድሕሪኡ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል፡ “ናብ መሮር ንኺድ” በሎ። ኣብ መሮር ከለዉ ኸኣ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ኣጥቅዖ፡ ቀተሎ ድማ።+ 9 የሆዋ ኸኣ ንቃየል፡ “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣይፈልጥን። ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” በለ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧ ስማዕ፡ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።+ 11 ሕጂ ድማ ካብዛ ደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ እተሰጐጕካ ርጉም ኩን።+ 12 ንምድሪ ምስ እትሓርሳ፡ መሊሳ ፍሪኣ* ኣይክትህበካን እያ። ኣብ ምድሪ ዀብላልን ቀባሕባሓይን ኩን” በሎ። 13 ቃየል ከኣ ንየሆዋ፡ “መቕጻዕቲ በደለይ ክጾሮ ዘይክእል ዓብዪ እዩ። 14 ሎሚ ኻብዛ ምድሪ እዚኣ* ትሰጕጐኒ ኣለኻ፡ ኣነ እውን ካብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፣ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ እውን ብርግጽ ኪቐትለኒ እዩ” በሎ። 15 የሆዋ ድማ፡ “እምበኣር፡ ንቃየል ዝቐተለ ዘበለ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ሕነ ኺፍደዮ እዩ” በለ።

ዝረኸቦ ዘበለ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ የሆዋ ንቃየል ምልክት ገበረሉ። 16 ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ የሆዋ ኸደ፡ ኣብ ምድሪ ስደት* ከኣ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ኤደን ተቐመጠ።+

17 ድሕሪኡ፡ ቃየል ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡+ ንሳ እውን ጠኒሳ፡ ንሄኖክ ወለደት። ከተማ ኸኣ ኪሰርሕ ጀመረ እሞ፡ ነታ ኸተማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኢሉ ሰመያ። 18 ንሄኖክ ከኣ ዒራድ ተወልደሉ። ዒራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ፣ ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ፣ ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ።

19 ላሜክ ከኣ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ። ስም እታ ቐዳመይቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ጺላ ነበረ። 20 ዓዳ ኸኣ ንያባል ወለደት። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ኣብ ድንኳናት ዚቕመጡን ማል ዘለዋኦምን ኰነ። 21 ስም ሓዉ ኸኣ ዩባል እዩ። ንሱ ድማ መስራቲ እቶም ተጻወትቲ መሰንቆን* እምብልታን* ኰነ። 22 ጺላ ኸኣ ነቲ ኻብ ነሓስን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት ናውቲ ዚሓጕድ ቱባል-ቃይን ወለደት። ሓብቲ ቱባል-ቃይን ከኣ ናዓማ እያ። 23 ላሜክ ድማ ንኣንስቱ ዓዳን ጺላን ከምዚ በለን፦

“ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ቃለይ ስምዓ፣

ናብ ዘረባይ ጽን በላ፦

ስለ ዘቝሰለኒ፡ ሰብኣይ፡

ስለ ዝወቕዓኒ ድማ፡ ጐበዝ ቀተልኩ።

24 ንቃየል 7 ዕጽፊ ሕነ እንተ ተፈድዩሉስ፡+

ንላሜክ ከኣ 77 ዕጽፊ።”

25 ኣዳም ከኣ መሊሱ ምስ ሰበይቱ ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ ንሳ እውን ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ዘርኢ ተኪኡለይ”+ ኢላ ስሙ ሴት*+ ኣውጽኣትሉ። 26 ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ፡ ንሱ እውን ሄኖስ+ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ፡ ሰባት፡ ስም የሆዋ ኺጽውዑ ጀመሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ