ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ቈረንቶስ 7
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ቈረንቶስ—ትሕዝቶ

      • ንዘይተመርዓዉን ንእተመርዓዉን እተዋህበ ምዕዶ (1-16)

      • ከምቲ ኽትጽውዑ ኸለኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ንበሩ (17-24)

      • ዘይተመርዓዉን መበለታትን (25-40)

        • ሓለፋታት ዘይምምርዓው (32-35)

        • “ብጐይታ ጥራይ” ተመርዓዉ (39)

1 ቈረንቶስ 7:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ እንተ ዘይገበረ።

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 10-11

1 ቈረንቶስ 7:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ብግሪኽኛ ፖርኒያ (ብብዙሕ)። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 5:18, 19
  • +ዘፍ 2:24፣ እብ 13:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ሓጐስ ስድራ ቤት፡ ገጽ 156-157

1 ቈረንቶስ 7:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 21:10፣ 1ቈረ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2011፡ ገጽ 17

    15/10/1996፡ ገጽ 16

    ሓጐስ ስድራ ቤት፡ ገጽ 157

    ንዘለኣለም ምንባር፡ ገጽ 244

1 ቈረንቶስ 7:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 16

1 ቈረንቶስ 7:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 139

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 27

    15/10/2011፡ ገጽ 17

    15/10/1996፡ ገጽ 16

    ሓጐስ ስድራ ቤት፡ ገጽ 157-158

1 ቈረንቶስ 7:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 19:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 11

1 ቈረንቶስ 7:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:39, 40፣ 9:5

1 ቈረንቶስ 7:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ተሰ 4:4, 5፣ 1ጢሞ 5:11, 14

1 ቈረንቶስ 7:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 5:32፣ 19:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2018፡ ገጽ 13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/12/2000፡ ገጽ 28

1 ቈረንቶስ 7:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማር 10:11፣ ሉቃ 16:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2018፡ ገጽ 13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2012፡ ገጽ 11

    15/12/2000፡ ገጽ 28

1 ቈረንቶስ 7:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:25, 40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 21-22

1 ቈረንቶስ 7:13

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    12/2018፡ ገጽ 13-14

1 ቈረንቶስ 7:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    8/2016፡ ገጽ 16

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2006፡ ገጽ 26-28

1 ቈረንቶስ 7:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 12:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    8/2016፡ ገጽ 16-17

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2012፡ ገጽ 11-12

    15/12/2000፡ ገጽ 28

1 ቈረንቶስ 7:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጴጥ 3:1, 2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/10/1995፡ ገጽ 10-11

1 ቈረንቶስ 7:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:7

1 ቈረንቶስ 7:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ግብ 21:20
  • +ግብ 10:45፣ 15:1, 24፣ ገላ 5:2

1 ቈረንቶስ 7:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 12:13፣ ኤር 7:23፣ ሮሜ 2:25፣ ገላ 5:6፣ 1ዮሃ 5:3
  • +ገላ 6:15፣ ቈሎ 3:11

1 ቈረንቶስ 7:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:17

1 ቈረንቶስ 7:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ገላ 3:28

1 ቈረንቶስ 7:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 8:36፣ ፊሞ 15, 16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ገጽ 1524

1 ቈረንቶስ 7:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 6:19, 20፣ እብ 9:12፣ 1ጴጥ 1:18, 19

1 ቈረንቶስ 7:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተመርዕዮም ዘይፈልጡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:12, 40

1 ቈረንቶስ 7:26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 11

1 ቈረንቶስ 7:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚል 2:16፣ ማቴ 19:6፣ ኤፌ 5:33

1 ቈረንቶስ 7:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 184

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    7/2020፡ ገጽ 3-4

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    6/2017፡ ገጽ 4-6

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2015፡ ገጽ 18-19

    15/10/2011፡ ገጽ 15-16

    15/4/2008፡ ገጽ 20

    1/5/2007፡ ገጽ 19

    15/9/2006፡ ገጽ 28-29

    15/2/1999፡ ገጽ 4

    15/10/1996፡ ገጽ 19

1 ቈረንቶስ 7:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 13:11፣ 1ጴጥ 4:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    8/2016፡ ገጽ 17

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2008፡ ገጽ 27

    15/7/2000፡ ገጽ 30-31

    1/10/1999፡ ገጽ 9

    15/10/1996፡ ገጽ 19

1 ቈረንቶስ 7:31

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)፡

    8/2016፡ ገጽ 17

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2015፡ ገጽ 20

    15/11/2011፡ ገጽ 19

    15/11/2010፡ ገጽ 24

    15/1/2008፡ ገጽ 17-19

    1/10/2007፡ ገጽ 19

    1/2/2004፡ ገጽ 18-19

    1/2/2003፡ ገጽ 6

    15/10/1996፡ ገጽ 19

1 ቈረንቶስ 7:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 42

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 12-14

1 ቈረንቶስ 7:33

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 5:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 42

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2008፡ ገጽ 27

    15/10/1996፡ ገጽ 16

1 ቈረንቶስ 7:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ጢሞ 5:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2008፡ ገጽ 27

    15/10/1996፡ ገጽ 16

1 ቈረንቶስ 7:35

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መሸንቆቓ ኽገብረልኩም።”

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/1996፡ ገጽ 12-14

1 ቈረንቶስ 7:36

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓደ ንድንግልናኡ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 19:12፣ 1ቈረ 7:28

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 42

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/7/2000፡ ገጽ 31

    15/2/1999፡ ገጽ 5-6

    15/10/1996፡ ገጽ 14

    ሓጐስ ስድራ ቤት፡ ገጽ 15-16

1 ቈረንቶስ 7:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ድንግልናኡ ኺሕሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ማቴ 19:10, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/10/2011፡ ገጽ 17

1 ቈረንቶስ 7:38

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እቲ ድንግልናኡ ንመርዓ ዚህብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ቈረ 7:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 42

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/11/2012፡ ገጽ 20

    15/10/2011፡ ገጽ 17

1 ቈረንቶስ 7:39

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ደቂሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 7:2
  • +ዘፍ 24:2, 3፣ ዘዳ 7:3, 4፣ ነህ 13:25, 26፣ 2ቈረ 6:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡

    9/2022፡ ገጽ 4

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 42

    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽናዕ፡ ገጽ 134-135

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2015፡ ገጽ 30-32

    15/1/2015፡ ገጽ 31-32

    15/10/2011፡ ገጽ 15

    15/3/2008፡ ገጽ 8

    1/7/2004፡ ገጽ 30-31

    15/8/2001፡ ገጽ 30

    15/5/2001፡ ገጽ 20-21

1 ቈረንቶስ 7:40

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1997፡ ገጽ 6

ሓፈሻዊ

1 ቈረ. 7:2ምሳ 5:18, 19
1 ቈረ. 7:2ዘፍ 2:24፣ እብ 13:4
1 ቈረ. 7:3ዘጸ 21:10፣ 1ቈረ 7:5
1 ቈረ. 7:7ማቴ 19:10, 11
1 ቈረ. 7:81ቈረ 7:39, 40፣ 9:5
1 ቈረ. 7:91ተሰ 4:4, 5፣ 1ጢሞ 5:11, 14
1 ቈረ. 7:10ማቴ 5:32፣ 19:6
1 ቈረ. 7:11ማር 10:11፣ ሉቃ 16:18
1 ቈረ. 7:121ቈረ 7:25, 40
1 ቈረ. 7:15እብ 12:14
1 ቈረ. 7:161ጴጥ 3:1, 2
1 ቈረ. 7:171ቈረ 7:7
1 ቈረ. 7:18ግብ 21:20
1 ቈረ. 7:18ግብ 10:45፣ 15:1, 24፣ ገላ 5:2
1 ቈረ. 7:19መክ 12:13፣ ኤር 7:23፣ ሮሜ 2:25፣ ገላ 5:6፣ 1ዮሃ 5:3
1 ቈረ. 7:19ገላ 6:15፣ ቈሎ 3:11
1 ቈረ. 7:201ቈረ 7:17
1 ቈረ. 7:21ገላ 3:28
1 ቈረ. 7:22ዮሃ 8:36፣ ፊሞ 15, 16
1 ቈረ. 7:231ቈረ 6:19, 20፣ እብ 9:12፣ 1ጴጥ 1:18, 19
1 ቈረ. 7:251ቈረ 7:12, 40
1 ቈረ. 7:27ሚል 2:16፣ ማቴ 19:6፣ ኤፌ 5:33
1 ቈረ. 7:29ሮሜ 13:11፣ 1ጴጥ 4:7
1 ቈረ. 7:331ጢሞ 5:8
1 ቈረ. 7:341ጢሞ 5:5
1 ቈረ. 7:36ማቴ 19:12፣ 1ቈረ 7:28
1 ቈረ. 7:37ማቴ 19:10, 11
1 ቈረ. 7:381ቈረ 7:32
1 ቈረ. 7:39ሮሜ 7:2
1 ቈረ. 7:39ዘፍ 24:2, 3፣ ዘዳ 7:3, 4፣ ነህ 13:25, 26፣ 2ቈረ 6:14
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
  • 38
  • 39
  • 40
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ቈረንቶስ 7:1-40

1 ቈረንቶስ

7 ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፍኩምለይ ከኣ፡ ሰብኣይ ንሰበይቲ እንተ ዘይተንከየ* ይሓይሽ፣ 2 ምንዝርና* ስለ ዝበዝሐ ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰበይቲ ትሃልዎ፣+ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን ናይ ገዛእ ርእሳ ሰብኣይ ይሃልዋ።+ 3 ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግብኣ ይግበረላ፣ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ኸምኡ ትግበረሉ።+ 4 ሰበይቲ ኣብ ገዛእ ሰብነታ ስልጣን የብላን፣ ሰብኣያ ግና ኣለዎ። ከምኡ ኸኣ፡ ሰብኣይ ኣብ ገዛእ ሰብነቱ ስልጣን የብሉን፣ ሰበይቱ ግና ኣለዋ። 5 ንጸሎት ግዜ ምእንቲ ኽትውፍዩ፡ ንግዜኡ ብስምምዕ ክልቴኹም እምበር፡ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይከልክሎ፣ ርእስኹም ብዘይምግታእኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6 እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣለኹ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ኣይኰነን። 7 ኣነ ግና ኵሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ። ግናኸ፡ እቲ ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ እውን ከምቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ወውህበቱ ኣለዎ።+

8 ንዘይተመርዓዉን ንመበለታትን ከኣ፡ ከምዚ ኸማይ ኰይኖም እንተ ነበሩ ይሓይሽ፡ እብል ኣለኹ።+ 9 ርእሶም ኪገትኡ እንተ ዘይክኢሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሓይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ።+

10 ንምርዑዋት ድማ እእዝዝ ኣለኹ፣ ጐይታ እምበር ኣነ ኣይኰንኩን ዝእዝዝ ዘለኹ፦ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈለ።+ 11 ክትፍለ እንተ ኣልይዋ ግና፡ ከይተመርዓወት ትንበር፡ ወይ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፣ ሰብኣይ እውን ካብ ሰበይቱ ኣይፈለ።+

12 ንኻልኦት ግና ኣነ እብል ኣለኹ፣ እወ፡ ኣነ እምበር ጐይታ ኣይኰነን ዚብል ዘሎ፦+ ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ እውን ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈትያ፡ ኣይሕደጋ፣ 13 ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ፡ ንሱ እውን ምስኣ ኺነብር እንተ ፈትዩ፡ ንሰብኣያ ኣይትሕደጎ። 14 ከመይሲ፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ሳላ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፣ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲ እውን ሳላ እቲ ሓው ተቐዲሳ እያ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ውሉዳትኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፣ ሕጂ ግና ቅዱሳት እዮም። 15 እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልዩ ግና፡ ይፈለ፣ ሓው ወይስ ሓብቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ቅዩዳት ኣይኰኑን፣ ኣምላኽ ግና ናብ ሰላም ጸዊዑኩም ኣሎ።+ 16 ከመይሲ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧+ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧

17 ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ የሆዋ* ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍ እውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ።+ ንዅለን ጉባኤታት ከምኡ እየ መምርሒ ዝህብ ዘለኹ። 18 ግዙር ከሎ፡ እተጸውዐዶ ኣሎ፧+ ዘይግዙር ኣይኹን። ከይተገዝረ ኸሎ፡ እተጸውዐዶ ኣሎ፧ ኣይገዘር።+ 19 ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እምበር፡+ ግዝረት ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን፡ ዘይግዝረት እውን ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን።+ 20 ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኺጽዋዕ ከሎ ዝነበሮ፡ ከምኡ ኢሉ ይንበር።+ 21 ባርያ ኸለኻ ዲኻ ተጸዊዕካ፧ በዚ ኣይትጨነቕ፣+ ሓራ ኽትወጽእ ትኽእል እንተ ዄንካ ግና፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። 22 እቲ ባርያ ኸሎ ብጐይታ እተጸውዐ ዘበለ፡ ናይ ጐይታ ውጹእ ሓራ እዩ፣+ ከምኡ ድማ እቲ ጭዋ ኸሎ እተጸውዐ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23 ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፣+ ደጊም ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24 ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኺጽዋዕ ከሎ ዝነበሮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ይንበር።

25 ብዛዕባ ደናግል* ከኣ፡ እሙን ክኸውን ብጐይታ ኸም እተመሓርኩ ዀይነ ሓሳበይ እህብ ኣለኹ እምበር፡+ ካብ ጐይታ ትእዛዝ የብለይን። 26 እምበኣር፡ ሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጸገም፡ ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ይመስለኒ። 27 ምስ ሰበይቲ ተጸሚድካ ዲኻ፧ ደጊም ክትፍለ ኣይትድለ።+ ካብ ሰበይቲ እተፈለኻ ዲኻ፧ ደጊም ሰበይቲ ኣይትድለ። 28 ግናኸ፡ እንተ ተመርዓኻ እኳ፡ ኣይሓጣእካን። ድንግል እውን እንተ ተመርዓወ፡ ኣይሓጥአን። እዞም ከምዚ ዚገብሩ ግና ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ። ኣነ ግና ክሰትረኩም እየ ዝፍትን ዘለኹ።

29 ኣሕዋተየ፡ እዚ እውን እብል ኣለኹ፦ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺሩ እዩ።+ ድሕሪ ሕጂ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም፡ ከም ዘይብሎም ይኹኑ፣ 30 እቶም ዚበኽዩ ኸኣ ከምቶም ዘይበኽዩ ይኹኑ፣ እቶም ዚሕጐሱ ድማ፡ ከምቶም ዘይሕጐሱ ይኹኑ፣ እቶም ዚዕድጉ ኸኣ፡ ከምቶም ዘየጥርዩ ይኹኑ፣ 31 እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ እውን፡ ከምቶም ምሉእ ብምሉእ ዘይጥቀሙ ይኹኑ፣ ከመይሲ፡ ትርኢት እዛ ዓለም እዚኣ ይልወጥ እዩ ዘሎ። 32 ኣነስ ብዘይ ጭንቀት ክትኰኑ እየ ዝደሊ። እቲ ዘይተመርዓወ፡ ከመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጕሶ፡ ብዛዕባ ጐይታ እዩ ዚጭነቕ። 33 እቲ እተመርዓወ ግና፡ ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ፡ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚጭነቕ፣+ 34 ሓሳቡ ኸኣ ይከፋፈል እዩ። ዘይተመርዓወት ሰበይትን ድንግልን ድማ ሰብነታን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ፡ ብዛዕባ ጐይታ እያ እትጭነቕ።+ እተመርዓወት ግና ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፡ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትጭነቕ። 35 እዚ ዝብል ዘለኹ ግና ግቡእ ክትገብሩን ከየስገልኩም ንጐይታ ኸተገልግሉን ንጥቕምኹም ኢለ እየ እምበር፡ ክቕይደኩም* ኢለ ኣይኰንኩን።

36 ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ከይተመርዓወ ምንባር* ዘይክእሎ እንተ መሲልዎ፡ ብጽሕናኡ ኸኣ እንተ ኣሕሊፉ፡ ከምዚ ይግበር፦ ዝደለዮ ይግበር፣ ኣይሓጥአን። ይመርዓዉ።+ 37 ሓደ ግና ብልቡ ወዲኡ እንተ ጸኒዑ፡ ግዲ ኸኣ እንተ ዘይኰይንዎ፡ ንገዛእ ፍቓዱ ድማ ዚመልኽ እንተ ዀይኑ፡ ከይተመርዓወ ኺነብር* ድማ ብልቡ እንተ ቘሪጹ፡ ጽቡቕ ይገብር።+ 38 ስለዚ፡ እቲ ዚምርዖ፡* ጽቡቕ ይገብር፣ እቲ ዘይምርዖ ግና፡ ዝሓሸ ይገብር።+

39 ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ እስርቲ እያ።+ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ* ግና፡ ብጐይታ ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ንዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ።+ 40 ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ብዝያዳ ምተሓጐሰት፣ ኣነ እውን ብርግጽ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎኒ ይመስለኒ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ