ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 3
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • ደረጃ ኽሕደት እስራኤል (1-5)

      • እስራኤልን ይሁዳን ብዝሙት በደልቲ ዀና (6-11)

      • ጻውዒት ንስሓ (12-25)

ኤርምያስ 3:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 24:5፣ ኤር 2:7
  • +ኤር 2:20፣ ህዝ 16:28, 29

ኤርምያስ 3:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዓረብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:16፣ 20:28

ኤርምያስ 3:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ግንባር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:19፣ ኤር 14:4፣ ኣሞ 4:7
  • +ኤር 6:15

ኤርምያስ 3:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:2

ኤርምያስ 3:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 2:1፣ 7:3

ኤርምያስ 3:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:1
  • +ህዝ 20:28፣ ሆሴ 4:13

ኤርምያስ 3:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:13፣ 2ዜና 30:6፣ ሆሴ 14:1
  • +ህዝ 16:46፣ 23:2, 4

ኤርምያስ 3:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 23:4, 5, 9፣ ሆሴ 2:2፣ 9:15
  • +ዘዳ 24:1
  • +2ነገ 17:19፣ ህዝ 23:4, 11

ኤርምያስ 3:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 57:5, 6፣ ኤር 2:27

ኤርምያስ 3:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ እታ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 16:51፣ 23:4, 11

ኤርምያስ 3:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጸይ ኣይከውድቐልኩምን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:6፣ ኤር 23:8
  • +ኤር 4:1፣ ህዝ 33:11፣ ሆሴ 14:1
  • +ሆሴ 11:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 150

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2007፡ ገጽ 9

ኤርምያስ 3:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጓኖት ኣማልኽቲ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መገድታትኪ ፋሕ ኣበልኪ።”

ኤርምያስ 3:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣነስ ሰብኣይኩም” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:3

ኤርምያስ 3:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:4፣ ህዝ 34:23

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንጹህ ኣምልኾ፡ ገጽ 103-104

    ኤርምያስ፡ ገጽ 129-130

ኤርምያስ 3:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 1:10

ኤርምያስ 3:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 87:3፣ ህዝ 43:7
  • +ኢሳ 2:2, 3፣ 56:6, 7፣ 60:3፣ ሚክ 4:1, 2፣ ዘካ 2:11፣ 8:22, 23

ኤርምያስ 3:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 50:4፣ ህዝ 37:19፣ ሆሴ 1:11
  • +2ዜና 36:23፣ እዝ 1:3፣ ኣሞ 9:15

ኤርምያስ 3:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዝጸበቐ ርስቲ ሰራዊት ኣህዛብ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ህዝ 20:6

ኤርምያስ 3:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ንብጻያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 48:8፣ ሆሴ 3:1፣ 5:7

ኤርምያስ 3:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 17:10፣ ሆሴ 8:14፣ 13:6

ኤርምያስ 3:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 14:1, 4
  • +ኤር 31:18፣ ሆሴ 3:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 72

ኤርምያስ 3:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 65:7
  • +ኢሳ 12:2

ኤርምያስ 3:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜሕፍር ኣምላኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሆሴ 9:10

ኤርምያስ 3:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እዝ 9:7፣ መዝ 106:7
  • +ኤር 2:19

ሓፈሻዊ

ኤር. 3:1ኢሳ 24:5፣ ኤር 2:7
ኤር. 3:1ኤር 2:20፣ ህዝ 16:28, 29
ኤር. 3:2ህዝ 16:16፣ 20:28
ኤር. 3:3ዘሌ 26:19፣ ኤር 14:4፣ ኣሞ 4:7
ኤር. 3:3ኤር 6:15
ኤር. 3:4ኤር 2:2
ኤር. 3:5ሚክ 2:1፣ 7:3
ኤር. 3:62ነገ 22:1
ኤር. 3:6ህዝ 20:28፣ ሆሴ 4:13
ኤር. 3:72ነገ 17:13፣ 2ዜና 30:6፣ ሆሴ 14:1
ኤር. 3:7ህዝ 16:46፣ 23:2, 4
ኤር. 3:8ህዝ 23:4, 5, 9፣ ሆሴ 2:2፣ 9:15
ኤር. 3:8ዘዳ 24:1
ኤር. 3:82ነገ 17:19፣ ህዝ 23:4, 11
ኤር. 3:9ኢሳ 57:5, 6፣ ኤር 2:27
ኤር. 3:11ህዝ 16:51፣ 23:4, 11
ኤር. 3:12ኤር 4:1፣ ህዝ 33:11፣ ሆሴ 14:1
ኤር. 3:12ሆሴ 11:8, 9
ኤር. 3:122ነገ 17:6፣ ኤር 23:8
ኤር. 3:14ኤር 23:3
ኤር. 3:15ኤር 23:4፣ ህዝ 34:23
ኤር. 3:16ሆሴ 1:10
ኤር. 3:17መዝ 87:3፣ ህዝ 43:7
ኤር. 3:17ኢሳ 2:2, 3፣ 56:6, 7፣ 60:3፣ ሚክ 4:1, 2፣ ዘካ 2:11፣ 8:22, 23
ኤር. 3:18ኤር 50:4፣ ህዝ 37:19፣ ሆሴ 1:11
ኤር. 3:182ዜና 36:23፣ እዝ 1:3፣ ኣሞ 9:15
ኤር. 3:19ህዝ 20:6
ኤር. 3:20ኢሳ 48:8፣ ሆሴ 3:1፣ 5:7
ኤር. 3:21ኢሳ 17:10፣ ሆሴ 8:14፣ 13:6
ኤር. 3:22ሆሴ 14:1, 4
ኤር. 3:22ኤር 31:18፣ ሆሴ 3:5
ኤር. 3:23ኢሳ 65:7
ኤር. 3:23ኢሳ 12:2
ኤር. 3:24ሆሴ 9:10
ኤር. 3:25እዝ 9:7፣ መዝ 106:7
ኤር. 3:25ኤር 2:19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 3:1-25

ኤርምያስ

3 “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ሰዲድዋ፡ ንሳ እውን ንዕኡ ሓዲጋ ናይ ካልእ ሰብኣይ እንተ ዀይና፡ ከም ብሓድሽዶ ናብኣ ይምለስ እዩ፧” ይብሃል እዩ።

እታ ምድሪ እቲኣስ ጠሪሳዶ ኣይተበከለትን፧+

“ምስ ብዙሓት ብጾትኪ መንዚርኪ ኢኺ፣+

እሞኸ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ፧” ይብል የሆዋ።

 2 “ኣዒንትኺ ናብ መላጥ ኵርባታት ኣልዒልኪ ርኣዪ።

ኣበይ እሞ ኢኺ ዘይተዓመጽኪ፧

ከም ዘላን* ኣብ በረኻ፡

ኣብ ጥቓ መገድታት ኮፍ ኢልክሎም።

ብምንዝርናኽን ብእከይክን

ነታ ምድሪ በኪልክያ።+

 3 ስለዚ፡ ዝናም ተኸልኪሉ፣+

ዝናም ጽብሓት እውን የልቦን።

ሕንከት ዘይብሉ ገጽ* ናይ እትምንዝር ሰበይቲ ኣሎኪ፣

ምሕፋር ከኣ ኣቢኺ።+

 4 ሕጂ ግና ከምዚ ኢልኪ ትጽውዕኒ ኣለኺ፦

‘ኣቦየ፡ ንስኻ መሓዛ ንእስነተይ ኢኻ!+

 5 ንዘለኣለምዶ ተቐይምካ ይንበር እዩ፧

ወይስ ንሓዋሩዶ ቒም ይትሓዝ እዩ፧’

ንስኽስ ከምኡ ትብሊ፣

ኵሉ እቲ ኽትገብርዮ እትኽእሊ ኽፉእ ግና ትገብሪ ኣለኺ።”+

6 ብዘመን ንጉስ ዮስያስ፡+ የሆዋ ኸምዚ በለኒ፦ “‘እዛ ዘይእምንቲ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ፧ ክትምንዝርሲ ናብ ኵሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ናብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦምን ደዪባ።+ 7 እዚ ዅሉ ምስ ገበረት እኳ፡ ናባይ ክትምለስ መመሊሰ ነጊረያ፣+ ንሳ ግና ኣይተመልሰትን፣ ይሁዳ ኸኣ ነታ ጠላሚት ሓብታ ትርኢ ነይራ።+ 8 እዚ ምስ ረኣኹ፡ ነታ ዘይእምንቲ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ዝሙታ፡+ ምሉእ ጽሑፍ መፍትሒኣ+ ሂበ ሰዲደያ። እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ ግና ኣይፈርሀትን፣ ንሳ እውን ከይዳ መንዚራ።+ 9 ንምንዝርናኣ ኣቕሊላ ርእያቶ፣ ነታ ምድሪ ድማ በኪላታ፣ ምስ ኣእማንን ምስ ኣእዋምን ከኣ መንዚራ።+ 10 እዚ ዅሉ ዀይኑ ኽነሱ፡ እታ ጠላሚት ሓብታ ይሁዳ፡ ከተምስል እምበር፡ ብምሉእ ልባ ናባይ ኣይተመልሰትን’ ይብል የሆዋ።”

11 የሆዋ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ካብታ ጠላሚት ይሁዳስ እታ* ዘይእምንቲ እስራኤል ትጸድቕ።+ 12 ኪድ እሞ ነዚ ቓላት እዚ ናብ ሰሜን ኣውጆ፦+

“‘“ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ተመለሲ” ይብል የሆዋ።’+ ‘“ኣነ እሙን እየ እሞ፡ ብቝጥዓ ኣትሒተ ኣይክርእየኩምን* እየ”+ ይብል የሆዋ።’ ‘“ንዘለኣለም ኣይክቕየምን እየ። 13 ካብ የሆዋ ኣምላኽኪ ኢኺ ዓሊኺ እሞ፡ ጌጋኺ ጥራይ ተኣመኒ። ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኦም፡ ምስ ጓኖት* ብስጋ ተራኺብኪ፣* ድምጸይ ግና ኣይተኣዘዝክን” ይብል የሆዋ።’”

14 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ” ይብል የሆዋ። “ኣነስ ናይ ሓቂ ጐይታኹም* ኰይነ ኣለኹ፣ ሓደ ኻብ ከተማ፡ ክልተ ድማ ካብ ዓሌት ክወስደኩም፡ ናብ ጽዮን ከኣ ከምጽኣኩም እየ።+ 15 ከም ልበይ ዝዀኑ ጓሶት ክህበኩም እየ፣+ ንሳቶም ድማ ብፍልጠትን ብልቦናን ኪምግቡኹም እዮም። 16 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣብታ ምድሪ ኽትበዝሑን ክትፋረዩን ኢኹም፡” ይብል የሆዋ።+ “ደጊም ‘ታቦት ኪዳን የሆዋ!’ ኣይኪብሉን እዮም። ኣብ ልቦም ኣይኪመጽእን፡ ኣይኪዝክርዎን እዮም፣ ኣይኬድልዮምን፡ ከም ብሓድሽ እውን ኣይኪግበርን እዩ። 17 ሽዑ፡ ንየሩሳሌም ዝፋን የሆዋ ኺብልዋ እዮም፣+ ኵሎም ኣህዛብ ናብ ስም የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ኪእከቡ እዮም፣+ ደጊም ከኣ ነቲ እኩይ ልቦም ብንቕጽና ኣይኪስዕቡን እዮም።”

18 “በተን መዓልትታት እቲአን፡ ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ብሓባር ኪመላለሱ እዮም፣+ ብሓባር ድማ ካብ ምድሪ ሰሜን ናብታ ንኣቦታቶም ርስቲ ገይረ ዝሃብክዎም ምድሪ ኺመጹ እዮም።+ 19 ኣነ ኸኣ፡ ‘ኣብ መንጎ ደቂ ዚብሃግ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝጸበቐ ርስቲ* ሂበ ኸመይ ኰን እየ ዘንበርኩኺ!’ ኢለ ሓሲበ።+ ‘ኣቦይ!’ ኢልኪ ኸም እትጽውዕኒ፡ ንዓይ ካብ ምስዓብ ድማ ከም ዘይትምለሲ እውን ሓሲበ። 20 ‘ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ* እትጠልሞ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ጠሊምኩምኒ’+ ይብል የሆዋ።”

21 መገዶም ኣቕኒኖም እዮም፡

ንየሆዋ ኣምላኾም ድማ ረሲዖምዎ እዮም እሞ፡+

ኣብ መላጥ ኵርባታት ደሃይ ተሰሚዑ፣

ንሱ ብኽያትን ልማኖን ህዝቢ እስራኤል እዩ።

22 “ኣቱም ከዳዓት ደቂ፡ ተመለሱ።

ካብ ክድዓትኩም ከሕውየኩም እየ።”+

“ንስኻ ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽና ኢኻ እሞ፡

እነና፡ ናባኻ መጺእና ኣለና።+

23 ኵርባታትን ኣብ ኣኽራን ዘሎ ህውከትንሲ ብሓቂ ናይ ሓሶት እዩ።+

ብሓቂ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እዩ ድሕነት እስራኤል ዘሎ።+

24 እቲ ዜሕፍር ነገር* ግና ጻዕሪ ኣቦታትና፡

መጓሰኦምን ከብቶምን፡

ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካብ ንእስነትና ኣትሒዙ በሊዑ።+

25 ንሕናን ኣቦታትናን ካብ ንእስነትና ኣትሕዚና ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡+

ንየሆዋ ኣምላኽና በዲልናዮ ኢና፡+

ድምጺ የሆዋ ኣምላኽና ኸኣ ኣይተኣዘዝናን እሞ፡

ብሕፍረት በጥ ንበል፡

ውርደትና እውን የጐልብበና።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ