ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኤርምያስ 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኤርምያስ—ትሕዝቶ

      • እታ ቕናት በፍታ ተበላሸወት (1-11)

      • ኣጋንእ ወይኒ ኺስበር እዩ (12-14)

      • እታ ዘይትዕረ ይሁዳ ናብ ምርኮ ኽትውሰድ እያ (15-27)

        • ‘ኩሻዊዶ ቘርበቱ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧’ (23)

ኤርምያስ 13:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:19፣ ጸፎ 3:11

ኤርምያስ 13:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 36:15, 16
  • +ኤር 6:28

ኤርምያስ 13:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 26:18፣ መዝ 135:4
  • +ኤር 33:9
  • +ኤር 6:17

ኤርምያስ 13:12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንቕሑ!፡

    9/2015፡ ገጽ 7

ኤርምያስ 13:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 29:9፣ 51:17፣ ኤር 25:27

ኤርምያስ 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:21፣ ህዝ 5:10
  • +ህዝ 7:4፣ 24:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 257-258

ኤርምያስ 13:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 59:9

ኤርምያስ 13:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሰይ ብሕቡእ ክትበኪ እያ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 100:3
  • +ኤር 9:1

ኤርምያስ 13:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንእተጌን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12፣ ኤር 22:24, 26

ኤርምያስ 13:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተኸቢበን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 28:64

ኤርምያስ 13:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:22
  • +ህዝ 34:8

ኤርምያስ 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 39:1, 2
  • +ኤር 6:24፣ ሚክ 4:9

ኤርምያስ 13:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 5:19፣ 16:10, 11
  • +ህዝ 16:37

ኤርምያስ 13:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኢትዮጵያዊዶ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 27:22

ኤርምያስ 13:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:33፣ ዘዳ 28:64

ኤርምያስ 13:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:32
  • +ዘዳ 32:37, 38፣ ኢሳ 28:15፣ ኤር 10:14

ኤርምያስ 13:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 1:8፣ ህዝ 16:37፣ 23:29

ኤርምያስ 13:27

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዜሕፍር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 2:20፣ ህዝ 16:15
  • +ኢሳ 65:7፣ ህዝ 6:13
  • +ህዝ 24:13

ሓፈሻዊ

ኤር. 13:9ዘሌ 26:19፣ ጸፎ 3:11
ኤር. 13:102ዜና 36:15, 16
ኤር. 13:10ኤር 6:28
ኤር. 13:11ዘጸ 19:5፣ ዘዳ 26:18፣ መዝ 135:4
ኤር. 13:11ኤር 33:9
ኤር. 13:11ኤር 6:17
ኤር. 13:13ኢሳ 29:9፣ 51:17፣ ኤር 25:27
ኤር. 13:14ኤር 6:21፣ ህዝ 5:10
ኤር. 13:14ህዝ 7:4፣ 24:14
ኤር. 13:16ኢሳ 59:9
ኤር. 13:17መዝ 100:3
ኤር. 13:17ኤር 9:1
ኤር. 13:182ነገ 24:12፣ ኤር 22:24, 26
ኤር. 13:19ዘዳ 28:64
ኤር. 13:20ኤር 6:22
ኤር. 13:20ህዝ 34:8
ኤር. 13:21ኢሳ 39:1, 2
ኤር. 13:21ኤር 6:24፣ ሚክ 4:9
ኤር. 13:22ኤር 5:19፣ 16:10, 11
ኤር. 13:22ህዝ 16:37
ኤር. 13:23ምሳ 27:22
ኤር. 13:24ዘሌ 26:33፣ ዘዳ 28:64
ኤር. 13:25ኤር 2:32
ኤር. 13:25ዘዳ 32:37, 38፣ ኢሳ 28:15፣ ኤር 10:14
ኤር. 13:26ድጕ 1:8፣ ህዝ 16:37፣ 23:29
ኤር. 13:27ኤር 2:20፣ ህዝ 16:15
ኤር. 13:27ኢሳ 65:7፣ ህዝ 6:13
ኤር. 13:27ህዝ 24:13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኤርምያስ 13:1-27

ኤርምያስ

13 የሆዋ ኸኣ፡ “ኪድ እሞ ንዓኻ ዕጣቕ በፍታ ዓዲግካ፡ ኣብ ሕቘኻ ተዓጠቃ፣ ኣብ ማይ ግና ኣይትእለካ” በለኒ። 2 ኣነ ድማ ከም ቃል የሆዋ፡ ዕጣቕ ዓዲገ ኣብ ሕቘይ ተዓጠቕክዋ። 3 ቃል የሆዋ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ናባይ መጺኡ፡ 4 “ነታ ዓዲግካስ ተዓጢቕካያ ዘለኻ ዕጣቕ ሒዝካ ተንስእ፡ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ኣብኡ ድማ ኣብ ነቓዕ ከውሒ ሕብኣያ” በለኒ። 5 ኣነ ኸኣ ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ፡ ከይደ ኣብ ጥቓ ኤፍራጥስ ሓባእክዋ።

6 ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ግና፡ የሆዋ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ኤፍራጥስ ኪድ፣ ነታ ኣብኡ ኽትሓብኣ ዝኣዘዝኩኻ ዕጣቕ ድማ ካብኡ ውሰዳ” በለኒ። 7 ኣነ ኸኣ ናብ ኤፍራጥስ ከይደ፡ ነታ ዕጣቕ ኵዒተ ኻብቲ እተሓብኣትሉ ወሰድክዋ፣ እታ ዕጣቕ ከም እተበላሸወት ድማ ረኣኹ፣ ጠሪሳ ዘይትጠቅም እውን ኰይና ነበረት።

8 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጸኒ፦ 9 “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንትምክሕቲ ይሁዳን ንብዙሕ ትምክሕቲ የሩሳሌምን ከምኡ ገይረ ኸጥፍኦ እየ።+ 10 እዞም ቃላተይ ምእዛዝ ዚኣብዩን+ ብንቕጽና ንልቦም ዚስዕቡን+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስዕቡን ዜገልግልዎምን ዚሰግዱሎምን እኩያት ህዝቢ፡ ከምዛ ዕጣቕ እዚኣ ጠሪሶም ዘይጠቕሙ ኪዀኑ እዮም።’ 11 ‘ከምቲ ዕጣቕ ኣብ ሕቘ ሰብ ዚጠብቕ፡ ንብዘለዉ ቤት እስራኤልን ንብዘለዉ ቤት ይሁዳን፡ ህዝብን+ ስምን+ ውዳሰን ጽቡቕ ነገርን ኪዀኑኒ ኢለ፡ ኣባይ ኣጥበቕክዎም፣ ግናኸ ኣይሰምዑን’+ ይብል የሆዋ።

12 “‘የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ “ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኺምላእ ኣለዎ” ይብል ኣሎ’ ኢልካ እዚ መልእኽቲ እዚ እውን ንገሮም። ንሳቶም ከኣ፡ ‘ኵሉ ገንኢ ብወይኒ ኸም ዚምላእሲ ድሮዶ ኣይንፈልጥን ኢና፧’ ኢሎም ኪምልሱልካ እዮም። 13 ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንዅሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡ ነቶም ኣብ ዝፋን ዳዊት ተቐሚጦም ዘለዉ ነገስታትን ንኻህናትን ንነብያትን ንዅሎም ነበርቲ የሩሳሌምን፡ ብስኽራን እመልኦም ኣለኹ።+ 14 ንኣቦታትን ንደቅን ብሓደ ንሓድሕዶም ከራጽሞም እየ” ይብል የሆዋ።+ “ኣይክርሕርሕን፡ ኣይክሓዝንን፡ ኣይክምሕሮምን እየ፣ ካብ ምጥፋኦም ደው ዜብለኒ የልቦን።”’+

15 ስምዑን ጽን በሉን።

የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ዕቡያት ኣይትኹኑ።

16 ንሱ ጸልማት ከየምጽአ፡

ኣእጋርኩም ከኣ ብጽልግልግታ ኣኽራን ከይተዓንቀፈ፡

ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክብሪ ሃብዎ።

ንብርሃን ተስፋ ኽትገብሩ ኢኹም፣

ንሱ ግና ብርቱዕ ጽላሎት ኬምጽእ እዩ፣

ናብ ብርቱዕ ድነ ድማ ኪልውጦ እዩ።+

17 ምስማዕ እንተ ኣቢኹም ከኣ፡

ብሰሪ ትምክሕትኹም ብሕቡእ ክበኪ እየ።*

መጓሰ የሆዋ+ ተማሪኹ ተወሲዱ እዩ እሞ፡

ንብዓተይ ከፍስስ፡ ካብ ኣዒንተይ እውን ንብዓት ኪውሕዝ እዩ።+

18 ንንጉስን ንኣደ ንጉስን፡*+ ‘ኣብ ዝተሓተ ቦታ ተቐመጡ፣

እቲ ጽቡቕ ዘውድኹምሲ ኻብ ርእስኹም ኪወድቕ እዩ’ ኢልካ ንገሮም።

19 ከተማታት ደቡብ ተዓጽየን፣* ዚኸፍተን ድማ የልቦን።

ኵላ ይሁዳ ተማሪኻ ተወሲዳ፣ ጠሪሳ ተማሪኻ ተወሲዳ።+

20 ኣዒንትኺ ኣልዒልኪ ነቶም ካብ ሰሜን ዚመጹ ዘለዉ ርኣይዮም።+

እቲ እተዋህበኪ መጓሰ፡ እተን ጽቡቓት ኣባጊዕ፡ ኣበይ ኣለዋ፧+

21 ካብቶም ካብ መጀመርታ ዘቕረብክዮም ናይ ቀረባ ፈተውትኺ+

መቕጻዕትኺ ምስ መጸ፡ እንታይ ክትብሊ ኢኺ፧

ከምቲ ንእትወልድ ሰበይቲ ዚሕዛ፡ ቅልውላውዶ ኣይክሕዘክን እዩ፧+

22 ብልብኺ ድማ፡ ‘ስለምንታይ እዩ እዚ ወሪዱኒ፧’ እንተ ኢልኪ፡+

ብሰሪ ዓብዪ ስሕተትኪ እዩ ወሰን ክዳንኪ እተቐንጠጠ፡+

ሸዀናኺ እውን እተሃስየ።

23 ኩሻዊዶ* ቘርበቱ ወይስ ነብሪዶ ነጠብጣቡ ኺልውጥ ይኽእል እዩ፧+

ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም ድማ ጽቡቕ ምግባር ክትክእሉ ኢኹም፣

ንስኻትኩምሲ ሕማቕ ንምግባር ዝሰልጠንኩም ኢኹም።

24 ስለዚ፡ ብንፋስ ምድረ በዳ ኸም እተበቈጸ ሓሰር ፋሕ ከብሎም እየ።+

25 እዚ ዕጫኺ፡ ዝሰፈርኩልኪ ግደኺ እዩ” ይብል የሆዋ፡

“ከመይሲ፡ ንስኺ ረሲዕክኒ፡+ ብሓሶት ድማ ተኣሚንኪ ኢኺ።+

26 ስለዚ፡ ንወሰን ክዳንኪ ናብ ገጽኪ ኸልዕሎ፡

ሕፍረትኪ እውን ኪርአ እዩ፣+

27 እወ፡ ዝሙትክን+ ብፍትወተ ስጋ ምሕምሓምክን

ጽዩፍ* ምንዝርናኽን ኪርአ እዩ።

ኣብ ኵርባታትን ኣብ መሮርን፡

እቲ ጽዩፍ ተግባርኪ ርእየዮ እየ።+

ኣቲ የሩሳሌም፡ ወይለኺ!

ክሳዕ መዓስ ኢኺ ርኽስቲ ዄንኪ ኽትጸንሒ፧”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ