ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ነገስት 21
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ተተምነዮ (1-4)

      • ኢዛቤል ንናቦት ኣቕተለቶ (5-16)

      • ኤልያስ ንኣከኣብ ዝነገሮ መልእኽቲ ፍርዲ (17-26)

      • ኣከኣብ ርእሱ ኣትሓተ (27-29)

1 ነገስት 21:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 19:17, 18

1 ነገስት 21:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:23፣ ዘሁ 36:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    4/2017፡ ገጽ 24

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 13

    1/8/1997፡ ገጽ 13

1 ነገስት 21:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መንፈስካ ዝጐሃየስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:31፣ 18:4፣ 19:2፣ 21:25

1 ነገስት 21:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 2:1፣ 7:3

1 ነገስት 21:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 9:38፣ ኣስ 8:8
  • +ዘዳ 16:18

1 ነገስት 21:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 22:28
  • +ዘጸ 20:16፣ ዘዳ 17:6
  • +ዘሌ 24:16፣ ዮሃ 10:33

1 ነገስት 21:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 5:12፣ ኣን 1:4
  • +2ነገ 9:25, 26፣ መክ 4:1

1 ነገስት 21:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መክ 5:8፣ 8:14፣ ኣን 1:13

1 ነገስት 21:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 21:7

1 ነገስት 21:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 17:1

1 ነገስት 21:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:29

1 ነገስት 21:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 4:8, 10
  • +ዘዳ 5:21፣ ኣን 2:9
  • +1ነገ 22:37, 38፣ 2ነገ 9:25, 26

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 15

1 ነገስት 21:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርእስኻ ስለ ዝሸጥካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:17፣ ኣሞ 5:10
  • +1ነገ 16:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 14-15

1 ነገስት 21:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 10:7, 17
  • +2ነገ 9:7-9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 15

1 ነገስት 21:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:25-29
  • +1ነገ 16:3, 11

1 ነገስት 21:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 9:10, 35

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ኤርምያስ፡ ገጽ 120-121

1 ነገስት 21:24

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 14:11፣ 16:4

1 ነገስት 21:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ርእሱ ዝሸጠ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 16:31፣ 2ዜና 22:2, 3፣ ራእ 2:20
  • +1ነገ 16:30

1 ነገስት 21:26

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:28፣ ዘዳ 9:5

1 ነገስት 21:27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 15

1 ነገስት 21:29

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 78:34
  • +2ነገ 9:25, 26፣ 10:7, 11

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2021፡ ገጽ 3

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/2/2014፡ ገጽ 15

ሓፈሻዊ

1 ነገ. 21:1እያ 19:17, 18
1 ነገ. 21:3ዘሌ 25:23፣ ዘሁ 36:7
1 ነገ. 21:51ነገ 16:31፣ 18:4፣ 19:2፣ 21:25
1 ነገ. 21:7ሚክ 2:1፣ 7:3
1 ነገ. 21:8ነህ 9:38፣ ኣስ 8:8
1 ነገ. 21:8ዘዳ 16:18
1 ነገ. 21:10ዘጸ 22:28
1 ነገ. 21:10ዘጸ 20:16፣ ዘዳ 17:6
1 ነገ. 21:10ዘሌ 24:16፣ ዮሃ 10:33
1 ነገ. 21:13ኣሞ 5:12፣ ኣን 1:4
1 ነገ. 21:132ነገ 9:25, 26፣ መክ 4:1
1 ነገ. 21:14መክ 5:8፣ 8:14፣ ኣን 1:13
1 ነገ. 21:151ነገ 21:7
1 ነገ. 21:171ነገ 17:1
1 ነገ. 21:181ነገ 16:29
1 ነገ. 21:19ዘፍ 4:8, 10
1 ነገ. 21:19ዘዳ 5:21፣ ኣን 2:9
1 ነገ. 21:191ነገ 22:37, 38፣ 2ነገ 9:25, 26
1 ነገ. 21:201ነገ 18:17፣ ኣሞ 5:10
1 ነገ. 21:201ነገ 16:30
1 ነገ. 21:212ነገ 10:7, 17
1 ነገ. 21:212ነገ 9:7-9
1 ነገ. 21:221ነገ 15:25-29
1 ነገ. 21:221ነገ 16:3, 11
1 ነገ. 21:232ነገ 9:10, 35
1 ነገ. 21:241ነገ 14:11፣ 16:4
1 ነገ. 21:251ነገ 16:31፣ 2ዜና 22:2, 3፣ ራእ 2:20
1 ነገ. 21:251ነገ 16:30
1 ነገ. 21:26ዘጸ 23:28፣ ዘዳ 9:5
1 ነገ. 21:29መዝ 78:34
1 ነገ. 21:292ነገ 9:25, 26፣ 10:7, 11
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ነገስት 21:1-29

1 ነገስት

21 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣብ ይዝርኤል፡+ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። 2 ኣከኣብ ንናቦት፡ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝዀነ፡ ስፍራ ኣሕምልቲ ኪዀነኒ ሃበኒ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ እየ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ዋጋኡ ብገንዘብ ክህበካ እየ” በሎ። 3 ናቦት ግና ንኣከኣብ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎ።+ 4 ኣከኣብ ከኣ በቲ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን እየ” ኢሉ ዝመለሰሉ ቓል ኰርዩን ጕህዩን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ እሞ፡ እንጌራ ምብላዕ ኣበየ።

5 ሰበይቱ ኢዛቤል+ ድማ ናብኡ መጺኣ፡ “እንጌራ ምብላዕ ክሳዕ እትኣቢ ዝጐሃኻስ* ስለምንታይ ኢኻ፧” በለቶ። 6 ንሱ ኸኣ፡ “ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ‘ኣታኽልቲ ወይንኻ ብገንዘብ ሃበኒ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ’ ኢለዮ። ንሱ ግና፡ ‘ኣታኽልቲ ወይነይ ኣይህበካን እየ’ ኢሉኒ” በላ። 7 ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነጊስካ ዘለኻስ ንስኻ ደይኰንካን፧ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ። ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።+ 8 ብስም ኣከኣብ ደብዳበታት ጽሒፋ፡ ብማሕተሙ ኸኣ ሓቲማ፡+ ነተን ደብዳበታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ዚነብሩ ዓበይትን+ ልዑላንን ሰደደተን። 9 ኣብተን ደብዳበታት ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። 10 ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣቐምጡ እሞ፡ ንሳቶም፡ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ’+ ኢሎም ይመስክሩሉ።+ ኣውጺእኩም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎ።”+

11 እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብታ ኸተማኡ ዚነብሩ ዓበይትን ልዑላንን፡ ከምቲ ኣብተን ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም ደብዳበታት ተጻሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12 ጾም ኣወጁ፡ ንናቦት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። 13 ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት መጺኦም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ፡ “ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ” ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ።+ ናብ ወሰን እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 14 ሽዑ፡ “ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ” ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ።+

15 ኢዛቤል ድማ ናቦት ብዳርባ እምኒ ኸም እተቐትለ ምስ ሰምዐት፡ ንኣከኣብ፡ “ናቦት ብህይወት የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ተረስተዮ” በለቶ።+ 16 ኣከኣብ ከኣ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ኺርስተዮ ኢሉ፡ ተንሲኡ ናብኡ ወረደ።

17 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ናብ ኤልያስ+ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 18 “ተንስእ እሞ ነቲ ኣብ ሰማርያ+ ዘሎ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ክትረኽቦ ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺርስተዮ ኢሉ ዝኸዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። 19 ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰብ ቀቲልካስ+ ተረስቲኻዮዶ፧”’+ ከምዚ ኢልካ ድማ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቦት ዝለሓሱላ ቦታ፡ ኣኽላባት ደምካ ኺልሕሱ እዮም።”’”+

20 ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ፡ “ኣታ ጸላእየይ፡ ረኺብካኒዶ፧” በሎ።+ ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እወ ረኺበካ። ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ክትገብር ስለ ዝቘረጽካ፡*+ 21 እንሆ ኣነ መዓት አምጽኣልካ ኣለኹ፣ ስዒበ ክዅስትረካ እየ፡ ካብ ኣከኣብ ከኣ ተባዕታይ ዘበለ፡*+ እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 22 ኣቘጢዕካንን ንእስራኤል ኣሕጢእካዮን ኢኻ እሞ፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።’ 23 ብዛዕባ ኢዛቤል እውን፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ፦ ‘ንኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።+ 24 እቲ ኻብ ኣከኣብ ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።+ 25 ብሰበይቱ ኢዛቤል እናተደፋፍአ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ንምግባር ዝቘረጸ* ኸም ኣከኣብ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን።+ 26 ከምቲ ዅሎም እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት* ብምስዓብ፡ ኣመና ፍንፉን ነገር ገይሩ እዩ።’”+

27 ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ሰብነቱ ብማቕ ከደነ፡ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ደቀሰ፡ ጕህዩ ድማ ይኸይድ ነበረ። 28 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 29 “ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ፧+ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ነቲ መዓት ብዘመኑ ኣይከምጽኦን እየ። ነቲ መዓትሲ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ