ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 20
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ሓመመን ሓወየን (1-11)

      • ካብ ባቢሎን ዝመጹ ልኡኻት (12-19)

      • ሞት ህዝቅያስ (20, 21)

2 ነገስት 20:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:24
  • +ኢሳ 38:1-3

2 ነገስት 20:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 31:20, 21፣ መዝ 25:7፣ 119:49

2 ነገስት 20:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 38:4-6

2 ነገስት 20:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 39:12
  • +ዘዳ 32:39፣ መዝ 41:3፣ 103:3፣ 147:3
  • +መዝ 66:13፣ 116:12-14

2 ነገስት 20:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:24
  • +2ነገ 19:34፣ ኢሳ 37:35

2 ነገስት 20:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 38:21, 22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2003፡ ገጽ 24-25

2 ነገስት 20:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 6:17፣ ኢሳ 7:11

2 ነገስት 20:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ምናልባት እቲ መደያይቦ ኸም ሰዓት ጸሓይ ግዜ ንምቝጻር ዜገልግል እዩ ነይሩ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 38:7, 8

2 ነገስት 20:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 10:12፣ 2ዜና 32:31

2 ነገስት 20:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 39:1, 2

2 ነገስት 20:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሰምዖም።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:27

2 ነገስት 20:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 39:3, 4

2 ነገስት 20:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻኸ።”

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስተይ።”

2 ነገስት 20:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 39:5-7

2 ነገስት 20:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስትኻ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12, 13፣ 25:13፣ 2ዜና 36:7, 18፣ ኤር 27:21, 22፣ ዳን 1:2

2 ነገስት 20:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 24:12
  • +ዳን 1:19፣ 2:49

2 ነገስት 20:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብመዓልትታተይ።”

  • *

    ወይ፡ “ሓቅን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 141:5
  • +ኢሳ 39:8

2 ነገስት 20:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 9:11
  • +2ዜና 32:30

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/2009፡ ገጽ 27

    15/6/1997፡ ገጽ 9-10

    15/8/1996፡ ገጽ 6

2 ነገስት 20:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 2:10
  • +2ነገ 21:16፣ 23:26፣ 2ዜና 33:11-13
  • +2ዜና 32:33

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 20:12ዜና 32:24
2 ነገ. 20:1ኢሳ 38:1-3
2 ነገ. 20:32ዜና 31:20, 21፣ መዝ 25:7፣ 119:49
2 ነገ. 20:4ኢሳ 38:4-6
2 ነገ. 20:5መዝ 39:12
2 ነገ. 20:5ዘዳ 32:39፣ መዝ 41:3፣ 103:3፣ 147:3
2 ነገ. 20:5መዝ 66:13፣ 116:12-14
2 ነገ. 20:62ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:24
2 ነገ. 20:62ነገ 19:34፣ ኢሳ 37:35
2 ነገ. 20:7ኢሳ 38:21, 22
2 ነገ. 20:8መሳ 6:17፣ ኢሳ 7:11
2 ነገ. 20:9ኢሳ 38:7, 8
2 ነገ. 20:11እያ 10:12፣ 2ዜና 32:31
2 ነገ. 20:12ኢሳ 39:1, 2
2 ነገ. 20:132ዜና 32:27
2 ነገ. 20:14ኢሳ 39:3, 4
2 ነገ. 20:16ኢሳ 39:5-7
2 ነገ. 20:172ነገ 24:12, 13፣ 25:13፣ 2ዜና 36:7, 18፣ ኤር 27:21, 22፣ ዳን 1:2
2 ነገ. 20:182ነገ 24:12
2 ነገ. 20:18ዳን 1:19፣ 2:49
2 ነገ. 20:19መዝ 141:5
2 ነገ. 20:19ኢሳ 39:8
2 ነገ. 20:20ዮሃ 9:11
2 ነገ. 20:202ዜና 32:30
2 ነገ. 20:211ነገ 2:10
2 ነገ. 20:212ነገ 21:16፣ 23:26፣ 2ዜና 33:11-13
2 ነገ. 20:212ዜና 32:33
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 20:1-21

2 ነገስት

20 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዚቐርብ ሓመመ።+ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ንቤተ ሰብካ ተላቦ’” በሎ።+ 2 ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ከምዚ ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ፦ 3 “ኦ የሆዋ፡ እልምነካ ኣለኹ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብምሉእ ልብን ከም እተመላለስኩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እውን ጽቡቕ ከም ዝገበርኩ በጃኻ ዘክር።”+ ህዝቅያስ ድማ ኣምሪሩ በኸየ።

4 ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እቲ ኣጸድ ከይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጾ፦+ 5 “ተመሊስካ ንህዝቅያስ እቲ መራሕ ህዝበይ ከምዚ በሎ፦ ‘የሆዋ ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ እውን ርእየ እየ።+ እንሆ ድማ፡ አሕውየካ ኣለኹ።+ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት የሆዋ ኽትድይብ ኢኻ።+ 6 ኣብ ዕድመኻ* 15 ዓመት ክውስኸልካ እየ፣ ንዓኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፣+ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።”’”+

7 ኢሳይያስ ድማ፡ “ጎጎ በለስ ኣምጽኡ” በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ምጕልንጭዋ ገበሩሉ፣ ድሕሪኡ፡ በብቝሩብ ሓወየ።+

8 ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ “የሆዋ ኸም ዜሕውየኒ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ናብ ቤት የሆዋ ኸም ዝድይብ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧”+ ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ። 9 ኢሳይያስ ከኣ፡ “የሆዋ ነቲ እተዛረቦ ቓል ከም ዚፍጽሞስ፡ እቲ ኻብ የሆዋ ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፦ እቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ* ዓሰርተ ደረጃ ንቕድሚት ይኺድዶ፡ ወይስ ዓሰርተ ደረጃ ንድሕሪት ይመለስ፧”+ ኢሉ መለሰ። 10 ህዝቅያስ ድማ፡ “እቲ ጽላሎት ዓሰርተ ደረጃ ኺዝርጋሕ እሞ ቐሊል እዩ፣ ዓሰርተ ደረጃ ኺምለስ ግና ቀሊል ኣይኰነን” በለ። 11 ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ ንሱ ድማ ነቲ ጽላሎት ኣብቲ መደያይቦ ኣሓዝ ካብቲ ወሪዱሉ ዝነበረ ደረጃታት ዓሰርተ ደረጃ ኸም ዚምለስ ገበሮ።+

12 በታ ግዜ እቲኣ፡ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝነበረ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡+ ንህዝቅያስ ደብዳበታትን ህያብን ሰደደሉ። 13 ህዝቅያስ ከኣ ተቐበሎም* እሞ፡ ብዘሎ ቤት መዝገቡ፡+—ብሩርን ወርቅን ዘይቲ በለሳንን ካልእ ክቡር ዘይትን ቤት ኣጽዋሩን ኵሉ እቲ ኣብ መዛግብቱ እተረኽበን፡—ኣርኣዮም። ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤቱን* ኣብ ኵሉ ግዝኣቱን ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።

14 ድሕርዚ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን እዮም መጺኦም” በሎ።+ 15 ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ቤትካኸ* እንታይ ርእዮም፧” ኢሉ ሓተቶ። ህዝቅያስ ድማ፡ “ኣብ ቤተይ* ዘሎ ዅሉ ርእዮም እዮም። ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን” ኢሉ መለሰ።

16 ኢሳይያስ ከኣ ንህዝቅያስ ከምዚ በሎ፦ “ቃል የሆዋ ስማዕ፦+ 17 ‘እንሆ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቤትካ* ዘሎን ኵሉ እቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ።+ ገለ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ’ ይብል የሆዋ። 18 ‘ገለ ኻብቶም እትወልዶም ደቅኻ እውን ኪውሰዱን+ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ባቢሎን ኣገልገልቲ ቤተ መንግስቲ ኪዀኑን እዮም።’”+

19 ሽዑ፡ ህዝቅያስ ንኢሳይያስ፡ “እቲ እተዛረብካዮ ቓል የሆዋ ጽቡቕ እዩ” በሎ።+ ወሲኹ ድማ፡ “ብዘመነይ* ሰላምን ርግኣትን* እንተ ኣልዩ፡ ጽቡቕ እዩ” በለ።+

20 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ህዝቅያስ፡ ኵሉ እቲ ሓይሉን ከመይ ሓጽብን+ መትረብን ከም ዝገበረን ናብ ከተማ ማይ ከም ዘእተወን፡+ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 21 ህዝቅያስ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ምናሴ+ ነገሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ