ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ጺባ ንመፊቦሸት ሓመዮ (1-4)

      • ሺምዒ ንዳዊት ረገሞ (5-14)

      • ኣቤሴሎም ንሑሻይ ተቐበሎ (15-19)

      • ምኽሪ ኣሒቶፌል (20-23)

2 ሳሙኤል 16:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ብፍላይ በለስ፡ ምናልባት እውን ተምሪ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:30
  • +2ሳሙ 9:2, 9
  • +2ሳሙ 9:6
  • +1ሳሙ 25:18

2 ሳሙኤል 16:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:27-29

2 ሳሙኤል 16:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ወዲ ወዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:3
  • +2ሳሙ 19:25-27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/2/2002፡ ገጽ 14-15

2 ሳሙኤል 16:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:9, 10
  • +ምሳ 26:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    8/2018፡ ገጽ 6

2 ሳሙኤል 16:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:16፣ 1ነገ 2:8, 44
  • +ዘጸ 22:28፣ መክ 10:20

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2018፡ ገጽ 6-7

2 ሳሙኤል 16:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:6, 7፣ 26:9, 11፣ መዝ 3:1, 2፣ 7:1፣ 71:10, 11

2 ሳሙኤል 16:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 2:15, 16
  • +1ሳሙ 24:14
  • +ዘጸ 22:28
  • +1ሳሙ 26:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1999፡ ገጽ 32

2 ሳሙኤል 16:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:22፣ 1ነገ 2:5
  • +2ሳሙ 12:10
  • +መዝ 37:8፣ 1ጴጥ 2:23

2 ሳሙኤል 16:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ንነፍሰይ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 12:11፣ 15:14፣ 17:12
  • +2ሳሙ 19:16

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/5/1999፡ ገጽ 32

2 ሳሙኤል 16:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:32፣ ዘጸ 3:7፣ መዝ 25:18
  • +መዝ 109:28

2 ሳሙኤል 16:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:5

2 ሳሙኤል 16:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:12, 31

2 ሳሙኤል 16:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣማኒ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:32, 37፣ 1ዜና 27:33
  • +እያ 16:1, 2
  • +1ነገ 1:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2017፡ ገጽ 29

2 ሳሙኤል 16:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:34

2 ሳሙኤል 16:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 37:12

2 ሳሙኤል 16:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:16
  • +ዘሌ 18:8፣ 20:11፣ 1ነገ 2:22

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2005፡ ገጽ 13

2 ሳሙኤል 16:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 11:2
  • +2ሳሙ 12:11, 12
  • +ዘዳ 22:30፣ 2ሳሙ 20:3

2 ሳሙኤል 16:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ከምቲ ሰብ ንቓል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓትት ከሎ ነበረ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 15:12፣ 17:14, 23

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 16:12ሳሙ 15:30
2 ሳሙ. 16:12ሳሙ 9:2, 9
2 ሳሙ. 16:12ሳሙ 9:6
2 ሳሙ. 16:11ሳሙ 25:18
2 ሳሙ. 16:22ሳሙ 17:27-29
2 ሳሙ. 16:32ሳሙ 9:3
2 ሳሙ. 16:32ሳሙ 19:25-27
2 ሳሙ. 16:42ሳሙ 9:9, 10
2 ሳሙ. 16:4ምሳ 26:22
2 ሳሙ. 16:52ሳሙ 19:16፣ 1ነገ 2:8, 44
2 ሳሙ. 16:5ዘጸ 22:28፣ መክ 10:20
2 ሳሙ. 16:81ሳሙ 24:6, 7፣ 26:9, 11፣ መዝ 3:1, 2፣ 7:1፣ 71:10, 11
2 ሳሙ. 16:91ዜና 2:15, 16
2 ሳሙ. 16:91ሳሙ 24:14
2 ሳሙ. 16:9ዘጸ 22:28
2 ሳሙ. 16:91ሳሙ 26:8
2 ሳሙ. 16:102ሳሙ 19:22፣ 1ነገ 2:5
2 ሳሙ. 16:102ሳሙ 12:10
2 ሳሙ. 16:10መዝ 37:8፣ 1ጴጥ 2:23
2 ሳሙ. 16:112ሳሙ 12:11፣ 15:14፣ 17:12
2 ሳሙ. 16:112ሳሙ 19:16
2 ሳሙ. 16:12ዘፍ 29:32፣ ዘጸ 3:7፣ መዝ 25:18
2 ሳሙ. 16:12መዝ 109:28
2 ሳሙ. 16:132ሳሙ 16:5
2 ሳሙ. 16:152ሳሙ 15:12, 31
2 ሳሙ. 16:162ሳሙ 15:32, 37፣ 1ዜና 27:33
2 ሳሙ. 16:16እያ 16:1, 2
2 ሳሙ. 16:161ነገ 1:25
2 ሳሙ. 16:192ሳሙ 15:34
2 ሳሙ. 16:20መዝ 37:12
2 ሳሙ. 16:212ሳሙ 15:16
2 ሳሙ. 16:21ዘሌ 18:8፣ 20:11፣ 1ነገ 2:22
2 ሳሙ. 16:222ሳሙ 11:2
2 ሳሙ. 16:222ሳሙ 12:11, 12
2 ሳሙ. 16:22ዘዳ 22:30፣ 2ሳሙ 20:3
2 ሳሙ. 16:232ሳሙ 15:12፣ 17:14, 23
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 16:1-23

2 ሳሙኤል

16 ዳዊት ድማ ካብቲ ርእሲ እቲ ኸረን ቍሩብ ምስ ሓለፈ፡+ ጺባ+ ጊልያ መፊቦሸት+ 200 እንጌራን 100 ጎጎ ዘቢብን 100 ጎጎ ፍረ ሓጋይን* ሓደ ገንኢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ኪቕበሎ ኣብኡ ነበረ።+ 2 ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዚ ዘምጻእካዮ፧” በሎ። ጺባ ድማ፡ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ኪውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍረ ሓጋይን ከኣ እቶም ኣጕባዝ ኪበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ድማ እቶም ኣብ በረኻ ዚደኽሙ ኺሰትይዎ ኢለ እየ” ኢሉ መለሰ።+ 3 ንጉስ ከኣ፡ “ወዲ* ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧” በለ።+ ጺባ ድማ፡ “‘ሎሚ ቤት እስራኤል መንግስቲ ኣቦይ ኪመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።+ 4 ንጉስ ከኣ ንጺባ፡ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ንዓኻ እዩ” በሎ።+ ጺባ ድማ፡ “ኣብ ቅድሜኻ እሰግድ ኣለኹ። ጐይታይ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ደኣ ሞገስ እርከብ” ኢሉ መለሰ።+

5 ንጉስ ዳዊት ከኣ ናብ ባሑሪም ምስ በጽሐ፡ ካብ ዓሌት ቤት ሳኦል ዝዀነ ሺምዒ+ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ፡ መጸ እሞ፡ እናተራገመ ቐረበ።+ 6 ንዳዊትን ንዅሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ንዅሎም እቶም ብየማነ ጸጋሙ ዝነበሩ ህዝብን ጀጋኑን ድማ ኣእማን ይድርብየሎም ነበረ። 7 ሺምዒ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ረገመ፦ “ኣታ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ፡ ኣታ ዘይትጠቅም ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ! 8 የሆዋ ንዕዳ ደም ቤት እቲ ኣብ ክንዳኡ ዝነገስካ ሳኦል ኣብ ልዕሌኻ መሊሱልካ ኣሎ፣ የሆዋ ድማ ነቲ ንግስና ኣብ ኢድ ኣቤሴሎም ወድኻ ሂብዎ። ንስኻ ዕዳ ደም ዘሎካ ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ መዓት ኣርኪቡካ!”+

9 ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ+ ኸኣ ንንጉስ፡ “ስለምንታይ እዩ እዚ ምዉት ከልቢ+ እዚ ንጐይታይ ንጉስ ዚረግሞ፧+ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ” በሎ።+ 10 ንጉስ ግና፡ “ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም እንታይ ኣሎኒ፧+ የሆዋ፡ ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢልዎ እዩ እሞ፡+ ይርገመኒ።+ መንከ እዩ፡ ‘ስለምንታይ እዚ ትገብር ኣለኻ፧’ ዚብሎ፧” በለ። 11 ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዅሎም ገላዉኡን፡ “እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንህይወተይ* ይደልያ ኣሎ፣+ ሓደ ብንያማዊ+ ግዳ ሕጂ ኽንደይ ዝገደደ ዘይገብር! የሆዋ ኸምኡ ኺገብር ኢልዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ! 12 ምናልባት የሆዋ መከራይ ይርኢ ይኸውን፣+ የሆዋ ኸኣ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገሞ ዘለኹ ጽቡቕ ይመልሰለይ ይኸውን” በሎም።+ 13 ዳዊትን ሰቡን ከኣ በታ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፣ ሺምዒ ድማ ብጎቦ እቲ ኸረን ጐድኒ ጐድኑ እናኸደ፡ ይረግሞን+ ኣእማን ይድርብየሉን ብዙሕ ሓመድ ይብትነሉን ነበረ።

14 ንጉስን ኵሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ናብቲ ዝሓሰብዎ ቦታ ደኺሞም በጽሑ፣ ኣብኡ ኸኣ ዓረፉ።

15 ኣቤሴሎምን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ እስራኤልን ናብ የሩሳሌም ኣተዉ፣ ኣሒቶፌል+ ድማ ምስኡ ነበረ። 16 ሑሻይ+ እቲ ኣርካዊ፡+ ፈታው* ዳዊት፡ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ “ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!+ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር!” በሎ። 17 ኣቤሴሎም ድማ ንሑሻይ፡ “ንፈታዊኻ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርስ እዚ ድዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ፧” በሎ። 18 ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ “ኣይፋለይን፡ ኣነስ ኣብ ጐድኒ እቲ የሆዋን እዚ ህዝቢ እዝን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ። ምስኡ ኸኣ እነብር። 19 ድማኸ ንመን እየ ኸገልግል፧ ንወዱ ደይኰነን፧ ከምቲ ንኣቦኻ ዘገልገልክዎ፡ ንዓኻ እውን ከገልግለካ እየ” በሎ።+

20 ኣቤሴሎም ከኣ ንኣሒቶፌል፡ “ምኽሪ ሃቡና።+ እንታይ ንግበር፧” በሎ። 21 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም፡ “ናብተን ቤት* ኪሕልዋ ዝሓደገን+ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እቶ።+ ኵሉ እስራኤል ከኣ ኣብ ኣቦኻ ሕማቕ ጨና ኸም ዝዀንካ ኺሰምዕ እዩ፣ እቶም ዚድግፉኻ ድማ ኪበራትዑ እዮም” በሎ። 22 ንኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ናሕሲ ድንኳን ተኸሉሉ፣+ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤል፡+ ናብ ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ኣተወ።+

23 በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኣሒቶፌል ዚመኽሮ ዝነበረ ምኽሪ፡+ ከም ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይቝጸር ነበረ።* ዳዊት ኰነ ኣቤሴሎም ንዅሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል፡ ከምኡ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነበሩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ