ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • መሳፍንቲ 2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

መሳፍንቲ—ትሕዝቶ

      • መልኣኽ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ (1-5)

      • ሞት እያሱ (6-10)

      • ንእስራኤል ንምድሓን፡ መሳፍንቲ ተንስኡ (11-23)

መሳፍንቲ 2:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:20, 23፣ እያ 5:13, 14
  • +እያ 5:8, 9
  • +ዘፍ 12:7፣ 26:3
  • +ዘፍ 17:1, 7፣ ዘሌ 26:42

መሳፍንቲ 2:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 23:32፣ ዘዳ 7:2፣ 2ቈረ 6:14
  • +ዘጸ 34:13፣ ዘሁ 33:52
  • +መሳ 1:28

መሳፍንቲ 2:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:20-23
  • +ዘሁ 33:55፣ እያ 23:12, 13
  • +ዘጸ 23:33፣ ዘዳ 7:16፣ 1ነገ 11:2

መሳፍንቲ 2:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “በኸይቲ።”

መሳፍንቲ 2:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:28

መሳፍንቲ 2:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 23:3፣ 24:31

መሳፍንቲ 2:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:29

መሳፍንቲ 2:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 24:30
  • +እያ 19:49, 50

መሳፍንቲ 2:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    እዚ ንሞት ዜመልክት ብሂል እዩ።

መሳፍንቲ 2:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣምለኹ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:7፣ 10:6፣ 1ነገ 18:17, 18

መሳፍንቲ 2:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:16
  • +ዘዳ 6:14
  • +ዘጸ 20:5

መሳፍንቲ 2:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:7፣ 10:6፣ 1ነገ 11:5

መሳፍንቲ 2:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:8፣ 2ነገ 17:20፣ መዝ 106:40, 41
  • +መሳ 4:2
  • +ዘሌ 26:17, 37፣ ዘዳ 28:15, 25

መሳፍንቲ 2:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:25, 26
  • +ዘዳ 28:15
  • +መሳ 10:9

መሳፍንቲ 2:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ፈራዶ።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 3:9፣ 1ሳሙ 12:11፣ ነህ 9:27፣ መዝ 106:43

መሳፍንቲ 2:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 2:7

መሳፍንቲ 2:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ይጠዓስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:3
  • +ዘዳ 32:36፣ መዝ 106:45
  • +መሳ 3:9

መሳፍንቲ 2:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መሳ 4:1፣ 8:33

መሳፍንቲ 2:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 7:4፣ መሳ 10:7፣ መዝ 106:40
  • +ዘጸ 24:3, 8፣ 34:27፣ ዘዳ 29:1፣ እያ 23:16
  • +ዘሌ 26:14, 17

መሳፍንቲ 2:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 13:1, 2

መሳፍንቲ 2:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:55፣ ዘዳ 8:2፣ እያ 23:12, 13፣ መሳ 3:4

ሓፈሻዊ

መሳ. 2:1ዘጸ 23:20, 23፣ እያ 5:13, 14
መሳ. 2:1እያ 5:8, 9
መሳ. 2:1ዘፍ 12:7፣ 26:3
መሳ. 2:1ዘፍ 17:1, 7፣ ዘሌ 26:42
መሳ. 2:2ዘጸ 23:32፣ ዘዳ 7:2፣ 2ቈረ 6:14
መሳ. 2:2ዘጸ 34:13፣ ዘሁ 33:52
መሳ. 2:2መሳ 1:28
መሳ. 2:3መሳ 2:20-23
መሳ. 2:3ዘሁ 33:55፣ እያ 23:12, 13
መሳ. 2:3ዘጸ 23:33፣ ዘዳ 7:16፣ 1ነገ 11:2
መሳ. 2:6እያ 24:28
መሳ. 2:7እያ 23:3፣ 24:31
መሳ. 2:8እያ 24:29
መሳ. 2:9እያ 24:30
መሳ. 2:9እያ 19:49, 50
መሳ. 2:11መሳ 3:7፣ 10:6፣ 1ነገ 18:17, 18
መሳ. 2:12ዘዳ 31:16
መሳ. 2:12ዘዳ 6:14
መሳ. 2:12ዘጸ 20:5
መሳ. 2:13መሳ 3:7፣ 10:6፣ 1ነገ 11:5
መሳ. 2:14መሳ 3:8፣ 2ነገ 17:20፣ መዝ 106:40, 41
መሳ. 2:14መሳ 4:2
መሳ. 2:14ዘሌ 26:17, 37፣ ዘዳ 28:15, 25
መሳ. 2:15ዘዳ 4:25, 26
መሳ. 2:15ዘዳ 28:15
መሳ. 2:15መሳ 10:9
መሳ. 2:16መሳ 3:9፣ 1ሳሙ 12:11፣ ነህ 9:27፣ መዝ 106:43
መሳ. 2:17መሳ 2:7
መሳ. 2:18መሳ 4:3
መሳ. 2:18ዘዳ 32:36፣ መዝ 106:45
መሳ. 2:18መሳ 3:9
መሳ. 2:19መሳ 4:1፣ 8:33
መሳ. 2:20ዘዳ 7:4፣ መሳ 10:7፣ መዝ 106:40
መሳ. 2:20ዘጸ 24:3, 8፣ 34:27፣ ዘዳ 29:1፣ እያ 23:16
መሳ. 2:20ዘሌ 26:14, 17
መሳ. 2:21እያ 13:1, 2
መሳ. 2:22ዘሁ 33:55፣ ዘዳ 8:2፣ እያ 23:12, 13፣ መሳ 3:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሳፍንቲ 2:1-23

መሳፍንቲ

2 መልኣኽ የሆዋ+ ድማ ካብ ጊልጋል+ ናብ ቦኪም ደዪቡ፡ ከምዚ በለ፦ “ካብ ግብጺ ኣውጺአ፡ ናብታ ንኣቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣደየብኩኹም።+ ከምዚ ድማ በልኩኹም፦ ‘ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ከቶ ኣይከፍርሶን እየ።+ 2 ንስኻትኩም እውን ምስ ነበርቲ እዛ ምድሪ እዚኣ ኺዳን ኣይትእተዉ፣+ መሰውኢታቶም ከኣ ኣፍርሱ።’+ ንስኻትኩም ግና፡ ድምጸይ ኣይሰማዕኩምን።+ ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧ 3 ስለዚ ድማ እየ፡ ‘ካብ ቅድሜኹም ኣይክሰጕጎምን እየ፣+ ንሳቶም ከኣ መፈንጠራ ኪዀኑኹም፡+ ኣማልኽቶም እውን ኬስድዑኹም እዮም’ ዝበልኩ።”+

4 እቲ መልኣኽ የሆዋ ንዅሎም እስራኤላውያን እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5 ስለዚ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ቦኪም* ኢሎም ሰመይዋ፣ ኣብኣ ኸኣ ንየሆዋ ሰውኡሉ።

6 እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ኺርስተዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ኸደ።+ 7 እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዅሉ ዘመን እያሱን ብዅሉ ዘመን እቶም ድሕሪ እያሱ ዝጸንሑ እሞ ዅሉ እቲ የሆዋ ምእንቲ እስራኤል ዝገበሮ ዓብዪ ግብርታት ዝረኣዩ ዓበይትን፡ ንየሆዋ የገልግሎ ነበረ።+ 8 እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ጊልያ የሆዋ፡ ወዲ 110 ዓመት ምስ ኰነ ሞተ።+ 9 ኣብታ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም፡ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ+ ዘላ ቲምናት-ሴራሕ እትብሃል ዓዲ ርስቱ ኸኣ ቀበርዎ።+ 10 ኵሉ እቲ ወለዶ እቲ ድማ ናብ ኣቦታቱ ተኣከበ፣* ድሕሪኦም ከኣ፡ ንየሆዋ ወይ ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስአ።

11 እስራኤላውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ፡ ንበዓላት እውን ኣገልገሉ።*+ 12 በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓደግዎ።+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ከኣ ሰዓቡ፣+ ንዓታቶም እውን ሰገዱሎም እሞ፡ ንየሆዋ ኣዀረይዎ።+ 13 ንየሆዋ ሓዲጎም ድማ፡ ንበዓልን ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልገሉ።+ 14 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ እስራኤል ነደደ፣ ኣብ ኢድ ዚዘምትዎም ዘመትቲ ኸኣ ኣሕሊፉ ሃቦም።+ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ጸላእቶም ድማ ሸጦም፣+ ናታቶም ዘበለ ኸኣ ካብ ጸላእቶም ኬናግፉ ኣይከኣሉን።+ 15 ከምቲ የሆዋ እተዛረቦምን ከምቲ የሆዋ ዝመሓለሎምን፡+ ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ፡ ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም መዓት ብምምጻእ ትጻረሮም ነበረት፣+ ኣመና ድማ ጨነቖም።+ 16 የሆዋ ኸኣ ካብ ኢድ ዘመትቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ* የተንስኣሎም ነበረ።+

17 ንሳቶም ግና ነቶም መሳፍንቲ እኳ ኣይሰምዕዎምን፣ ምስ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምንዝሩን ንዓታቶም ይሰግዱሎምን ነበሩ። ካብታ እቶም ትእዛዛት የሆዋ እተኣዘዙ ኣቦታቶም ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣልገሱ።+ ከማታቶም እውን ኣይገበሩን። 18 የሆዋ በቲ ብሰንኪ እቶም ዝጨቈንዎምን+ ዝገፍዕዎምን ዚቝዝምዎ ቝዝማ ይድንግጸሎም*+ ነበረ እሞ፡ የሆዋ፡ መሳፍንቲ ኼተንስኣሎም ከሎ፡+ የሆዋ ምስቲ መስፍን ኰይኑ፡ ብዅሉ ዘመን እቲ መስፍን ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።

19 እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ብምስዓብን ንዓታቶም ብምግልጋልን ብምስጋድን፡ ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ይበላሸዉ ነበሩ።+ ግብሮምን መገዲ ንቕጽናኦምን ኣይሓደጉን። 20 ቍጥዓ የሆዋ ኸኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡+ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ንኣቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዝጠሓሱን+ ንዓይ ስለ ዘይተኣዘዙንን፡+ 21 ኣነ ድማ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሓደጎም ኣህዛብ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቅድሚኦም ኣይክሰጕጕን እየ።+ 22 እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለዉ፡ ንሳቶም እውን ብእኡ ብምምልላስ መገዲ የሆዋ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም፡ ንእስራኤል ንምፍታን እዩ።”+ 23 ስለዚ፡ የሆዋ ነዞም ኣህዛብ እዚኦም ሓደጎም። ቀልጢፉ ኣይሰጐጎምን፡ ኣብ ኢድ እያሱ እውን ኣይሃቦምን።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ