ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 18
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዮሳፋጥ ምስ ኣከኣብ እተኣታተዎ ኺዳን (1-11)

      • ስዕረት ከም ዜጋጥም ሚካያ እተነበዮ ትንቢት (12-27)

      • ኣከኣብ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ተቐትለ (28-34)

2 ዜና መዋእል 18:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 17:5
  • +1ነገ 16:28, 33፣ 21:25

2 ዜና መዋእል 18:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:2-4፣ 2ዜና 19:2
  • +ዘዳ 4:41-43፣ 1ዜና 6:77, 80

2 ዜና መዋእል 18:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 2:1፣ 1ነገ 22:5, 6

2 ዜና መዋእል 18:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 3:11
  • +1ነገ 22:7, 8

2 ዜና መዋእል 18:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 18:4፣ 19:9, 10
  • +ኤር 38:4

2 ዜና መዋእል 18:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:9-12

2 ዜና መዋእል 18:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክትደፍኦም።”

2 ዜና መዋእል 18:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 3:5

2 ዜና መዋእል 18:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 30:9, 10
  • +1ነገ 22:13-17

2 ዜና መዋእል 18:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 23:28፣ ግብ 20:27

2 ዜና መዋእል 18:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:14, 17፣ ዘሁ 27:16, 17

2 ዜና መዋእል 18:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:18

2 ዜና መዋእል 18:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 6:1፣ ህዝ 1:26፣ ራእ 20:11
  • +እዮ 1:6፣ ዳን 7:9, 10
  • +1ነገ 22:19-23

2 ዜና መዋእል 18:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መልኣኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 104:4

2 ዜና መዋእል 18:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 19:14፣ ህዝ 14:9

2 ዜና መዋእል 18:23

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 18:10
  • +2ዜና 18:7
  • +ኤር 20:2፣ ማር 14:65
  • +1ነገ 22:24-28

2 ዜና መዋእል 18:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:10፣ ግብ 5:18

2 ዜና መዋእል 18:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 16:29

2 ዜና መዋእል 18:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እያ 20:8፣ 1ነገ 22:29-33፣ 2ዜና 18:2

2 ዜና መዋእል 18:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 14:10፣ 2ዜና 13:14

2 ዜና መዋእል 18:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብገርሁ።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሰፈር።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 22:34, 35

2 ዜና መዋእል 18:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 18:22

ሓፈሻዊ

2 ዜና 18:12ዜና 17:5
2 ዜና 18:11ነገ 16:28, 33፣ 21:25
2 ዜና 18:21ነገ 22:2-4፣ 2ዜና 19:2
2 ዜና 18:2ዘዳ 4:41-43፣ 1ዜና 6:77, 80
2 ዜና 18:42ሳሙ 2:1፣ 1ነገ 22:5, 6
2 ዜና 18:62ነገ 3:11
2 ዜና 18:61ነገ 22:7, 8
2 ዜና 18:71ነገ 18:4፣ 19:9, 10
2 ዜና 18:7ኤር 38:4
2 ዜና 18:81ነገ 22:9-12
2 ዜና 18:11ሚክ 3:5
2 ዜና 18:12ኢሳ 30:9, 10
2 ዜና 18:121ነገ 22:13-17
2 ዜና 18:13ኤር 23:28፣ ግብ 20:27
2 ዜና 18:16ዘሌ 26:14, 17፣ ዘሁ 27:16, 17
2 ዜና 18:171ነገ 22:18
2 ዜና 18:18ኢሳ 6:1፣ ህዝ 1:26፣ ራእ 20:11
2 ዜና 18:18እዮ 1:6፣ ዳን 7:9, 10
2 ዜና 18:181ነገ 22:19-23
2 ዜና 18:20መዝ 104:4
2 ዜና 18:22ኢሳ 19:14፣ ህዝ 14:9
2 ዜና 18:232ዜና 18:10
2 ዜና 18:232ዜና 18:7
2 ዜና 18:23ኤር 20:2፣ ማር 14:65
2 ዜና 18:231ነገ 22:24-28
2 ዜና 18:262ዜና 16:10፣ ግብ 5:18
2 ዜና 18:27ዘሁ 16:29
2 ዜና 18:28እያ 20:8፣ 1ነገ 22:29-33፣ 2ዜና 18:2
2 ዜና 18:31ዘጸ 14:10፣ 2ዜና 13:14
2 ዜና 18:331ነገ 22:34, 35
2 ዜና 18:342ዜና 18:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 18:1-34

2 ዜና መዋእል

18 ዮሳፋጥ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ሃብትን ክብርን ነበሮ፣+ ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ።+ 2 ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ፣+ ኣከኣብ ከኣ ንዕኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ከብትን ሰውኣሎም። ምስኡ ኣንጻር ራሞት-ጊልዓድ+ ኪድይብ ድማ ሓባበሎ። 3 ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ምሳይዶ ትኸይድ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ኸማኻ እየ፣ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩ፣ ኣብ ውግእ እውን ክድግፈካ እየ” ኢሉ መለሰሉ።

4 ግናኸ፡ ዮሳፋጥ ንንጉስ እስራኤል፡ “በጃኻ፡ ቅድም ቃል የሆዋ ሕተት” በሎ።+ 5 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ዝዀኑ 400 ሰባት ኣኪቡ፡ “ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ደይብ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” በሉ።

6 ዮሳፋጥ ከኣ፡ “እንሓትቶ ነብዪ የሆዋዶ ኣብዚ የልቦን፧+ ብእኡ ኣቢልና እውን ንሕተት” በለ።+ 7 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “ገና ብእኡ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንሓትቶ እንኽእል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፣+ ግናኸ፡ ብዛዕባይ ወትሩ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ እሞ፡+ እጸልኦ እየ። ንሱ ሚካያ ወዲ ዪምላ እዩ” በሎ። ዮሳፋጥ ግና፡ “ንጉስ ከምኡ ኣይበል” በለ።

8 ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ኣገልጋሊ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ፡ “ንሚካያ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ” በሎ።+ 9 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኣብቲ ኣብ መእተዊ እቲ ኣፍ ደገ ሰማርያ ዘሎ ዓውዲ ድማ ተቐሚጦም ነበሩ፣ ኵሎም እቶም ነብያት እውን ኣብ ቅድሚኦም ይንበዩ ነበሩ። 10 ጼዴቅያስ ወዲ ከናዓና ድማ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዚጸንቱ በዚኣተን ክትወግኦም* ኢኻ’” በለ። 11 ኵሎም እቶም ነብያት እውን ከምኡ፡ “ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣+ የሆዋ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኺህባ እዩ” ኢሎም ይንበዩ ነበሩ።

12 እቲ ንሚካያ ኺጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነብያት ብሓደ ዀይኖም ንንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ። በጃኻ፡ ዘረባኻ ኸም ናታቶም ይኹን፡+ ጽቡቕ ድማ ተዛረብ” በሎ።+ 13 ሚካያ ግና፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ እቲ ኣምላኸይ ዚብሎ እየ ዝዛረብ” በለ።+ 14 ናብ ንጉስ ከኣ መጸ፣ ንጉስ ድማ፡ “ሚካያ፡ ንራሞት-ጊልዓድ ክንዋግኣዶ ኽንከይድ፡ ወይስ ክሓድጎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብቕጽበት፡ “ደይብ፡ ኪቐንዓካ ኸኣ እዩ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድኩም ኪውሃቡ እዮም” ኢሉ መለሰ። 15 ንጉስ ከኣ፡ “ብስም የሆዋ ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ ኽንደይ ሳዕ እየ ኸምሕለካ፧” በሎ። 16 ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኵሎም እስራኤላውያን ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ረኣኹ።+ የሆዋ ኸኣ፡ ‘እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን። ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ’ በለ።”

17 ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ “‘ብዛዕባይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበይን እዩ’ ኢለካ ደይነበርኩን፧” በሎ።+

18 ሚካያ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ፡ ቃል የሆዋ ስማዕ፦ የሆዋ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡+ ኵሉ ሰራዊት ሰማያት+ ድማ ኣብ የማነ ጸጋሙ ቘይሙ ረኣኹ።+ 19 የሆዋ ኸኣ፡ ‘ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደዪቡ ምእንቲ ኺወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ፧’ በለ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ድማ ከምቲ በለ። 20 ሽዑ፡ ሓደ መንፈስ*+ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸኣ ደው ኢሉ፡ ‘ኣነ ኽሓባብሎ እየ’ በለ። የሆዋ ድማ፡ ‘ከመይ ጌርካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። 21 ንሱ ኸኣ፡ ‘ወጺአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ዜታልል መንፈስ ክኸውን እየ’ ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻስ ክትሓባብሎ ኢኻ፡ ከተስልጥ እውን ኢኻ። ወጺእካ ኸምኡ ግበር’ በሎ። 22 ሕጂ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚኦም ዜታልል መንፈስ እዩ ኣንቢሩ ዘሎ፣+ የሆዋ ግና ንዓኻ መዓት ተዛሪቡልካ ኣሎ።”

23 ጼዴቅያስ+ ወዲ ከናዓና ድማ ቀሪቡ ንሚካያ+ ኣብ ምዕጕርቱ ወቕዖ+ እሞ፡ “እቲ መንፈስ የሆዋ ንዓኻ ኺዛረብሲ ኻባይ በየን እዩ ሓሊፉ፧” በለ።+ 24 ሚካያ ኸኣ፡ “እንሆ፡ በታ ኽትሕባእ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ በየን ምዃኑ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰ። 25 ንጉስ እስራኤል ድማ ከምዚ በለ፦ “ንሚካያ ናብ ኣሞን እቲ ሓለቓ እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ውሰድዎ። 26 ከምዚ ኸኣ በልዎም፦ ‘ንጉስ ከምዚ ይብል፦ “ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቲኹም፡+ እተነከየ መቝነን እንጌራን ማይን መግብዎ።”’” 27 ሚካያ ድማ፡ “ብሰላም እንተ ተመሊስካስ፡ የሆዋ ምሳይ ኣይተዛረበን” በለ።+ ብተወሳኺ ኸኣ፡ “ኣቱም ህዝቢ፡ ኵላትኩም ስምዑ” በለ።

28 ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ድማ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ደየቡ።+ 29 ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ “ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፣ ንስኻ ግና ልብሰ መንግስትኻ ተኸደን” በሎ። ንጉስ እስራኤል ድማ ትርኢቱ ለወጠ፡ ናብ ውግእ እውን ኣተዉ። 30 ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታቱ፡ “ምስ ንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዓብዪ ኣይትዋግኡ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። 31 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ “እዚ ንጉስ እስራኤል እዩ” በሉ። ኪዋግእዎ ድማ ናብኡ ኣልገሱ፣ ዮሳፋጥ ከኣ ኣእወየ፣+ የሆዋ ድማ ረድኦ፣ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣልገሶም። 32 እቶም ኣዘዝቲ ሰረገላታት፡ ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ብኡብኡ ኻብ ምስዓቡ ተመልሱ።

33 ግናኸ፡ ሓደ ሰብኣይ ብቐስቱ ገይሩ ብሃውሪ* ወርወረ እሞ፡ ንንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ መላግቦ ድርዑ ወግኦ። ንጉስ ድማ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ “ቈሲለ እየ እሞ፡ ተመሊስካ ኻብ ውግእ* ኣውጽኣኒ” በሎ።+ 34 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ውግእ በርትዐ፣ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን፡ ክሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ብኻልእ ተደጊፉ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ዕራርቦ ጸሓይ ድማ ሞተ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ