እዮብ
22 ኤሊፋዝ+ እቲ ቴማናዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧
ልቦና ዘለዎዶኸ ኺረብሖ ይኽእል እዩ፧+
3 እቲ ዅሉ ዚኽእልሲ ጻድቕ ምዃንካዶ የገድሶ* እዩ፧
ወይስ ንመገዲ ንጽህና ስለ ዝሰዓብካስ ረብሓዶ ይረክብ እዩ፧+
4 ስለ ዝፈራህካዮዶ ይቐጽዓካ እዩ፧
ምሳኻኸ ናብ ፍርዲዶ ይኣቱ እዩ፧
5 ክፍኣትካ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፡
ስሕተትካ ኸኣ መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ደይኰነን፧+
7 ንድኹም ማይ ኣየስተኻዮን፣
ንጥሙይ እውን እንጌራ ኸሊእካዮ።+
8 እዛ ምድሪ ናይ ብርቱዕ ሰብ ኰይና፣+
እቲ ሓለፋ ዚግበረሉ ድማ ይቕመጣ።
9 ንመበለታት ግና ጥራይ ኢደን ኣሰናቢትካየን፣
ቀላጽም ዘኽታማት* ከኣ ጨፍሊቕካ።
ሃንደበታዊ ሽበራ ድማ የፍርሃካ ኣሎ፣
11 ስለዚ ኢኻ ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ክትርኢ ዘይከኣልካ፣
ወሓዚ ማይ እውን የጐልብበካ ኣሎ።
12 ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ደይኰነን፧
ኵሉ ኸዋኽብቲ ኽሳዕ ክንደይ ላዕሊ ምዃኑ ኸኣ ርአ።
13 ንስኻ ግና፡ ‘ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ፧
ብርቱዕ ድነ ሓሊፉዶ ኺፈርድ ይኽእል እዩ፧
14 ኣብ ጉባ* ሰማይ ኪመላለስ ከሎ፡
ከይርኢ ደበናታት ይጋርዶ’ ኢልካ።
15 እታ እኩያት ሰባት እተመላለሱላ
ጥንታዊት መገዲዶ ኽትስዕብ ኢኻ፧
17 ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ‘ሕደገና!
እቲ ዅሉ ዚኽእልከ እንታይ ኪገብረና ይኽእል፧’ ይብልዎ ነይሮም።
18 ግናኸ፡ ንኣባይቶም ብጽቡቕ ነገር ዝመልአ ንሱ እዩ።
(ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ካባይ ርሑቕ እዩ።)
19 ጻድቃን ነዚ ርእዮም ኪሕጐሱ፡
ንጹሃት ድማ ከምዚ ኢሎም ኬላግጹሎም እዮም፦
20 ‘ተጻረርትና ተደምሲሶም ኣለዉ፣
ካባታቶም ንዝተረፉ እውን ሓዊ ኺበልዖም እዩ።’
21 ፍለጦ እሞ፡ ሰላም ኪህልወካ እዩ፣
ጽቡቕ ነገር ከኣ ክትረክብ ኢኻ።
22 ካብ ኣፉ ሕጊ ተቐበል፣
ንቓሉ ድማ ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።+
23 ናብቲ ዅሉ ዚኽእል እንተ ተመሊስካ፡
ንዓመጻ እውን ካብ ድንኳንካ እንተ ኣርሒቕካ፡ ዳግም ክትህነጽ ኢኻ።+
26 ሽዑስ፡ በቲ ዅሉ ዚኽእል ደስ ኪብለካ፡
ገጽካ እውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ።
27 ክትልምኖ፡ ንሱ ኸኣ ኪሰምዓካ እዩ፣
መብጽዓታትካ ድማ ክትፍጽም ኢኻ።
28 ክትገብሮ ዝወሰንካዮ ዘበለ ኪቐንዓካ፡
ብርሃን እውን ኣብ መገድኻ ኼብርሃልካ እዩ።
29 ብትዕቢት ምስ ተዛረብካስ፡ ክትዋረድ ኢኻ፣
ግናኸ፡ ንሱ ንትሑት* ኬድሕኖ እዩ።
30 ንንጹሃት ኬናግፎም እዩ እሞ፡
ኣእዳውካ ንጹሃት እንተ ዀይነን፡ ብርግጽ ክትናገፍ ኢኻ።”