25 ቢልዳድ+ እቲ ሹሓዊ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦
2 “ግዝኣትን ዜፍርህ ሓይልን ናቱ እዩ፣
ኣብ ሰማይ ሰላም ይገብር።
3 ሰራዊቱዶ ኪቝጸሩ ይኽእሉ፧
ብርሃኑ ዘይበርቆኸ መን ኣሎ፧
4 መዋቲ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ ይኽእል፧+
ወይስ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ገይሩ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧+
5 ወርሒ እኳ ብርህቲ ኣይኰነትን፣
ከዋኽብቲ እውን ኣብ ኣዒንቱ ንጹሃት ኣይኰኑን።
6 መዋቲ ሰብ እዚ እቡብ፡
ወዲ ሰብ እዚ ሓሰኻ ደኣ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!”