ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 19
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ህዝቅያስ ብኢሳይያስ ኣቢሉ ረድኤት ኣምላኽ ደለየ (1-7)

      • ሰናክሪብ ንየሩሳሌም ኣስግኣ (8-13)

      • ጸሎት ህዝቅያስ (14-19)

      • ኢሳይያስ ምላሽ ኣምላኽ ኣመሓላለፈ (20-34)

      • መልኣኽ፡ 185,000 ኣሶራውያን ቀተለ (35-37)

2 ነገስት 19:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:1-4

2 ነገስት 19:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:1

2 ነገስት 19:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጸርፍን።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኣፍ ማሕጸን መጺኦምሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 26:17, 18

2 ነገስት 19:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 17:45፣ 2ነገ 18:35
  • +2ሳሙ 22:7፣ 2ዜና 20:9፣ 32:20፣ መዝ 50:15

2 ነገስት 19:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:5-7

2 ነገስት 19:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:17
  • +ዘዳ 20:3፣ ኢሳ 41:10፣ 51:7

2 ነገስት 19:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኣብኡ መንፈስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21፣ ኢሳ 37:37, 38

2 ነገስት 19:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:14
  • +ኢሳ 37:8-13

2 ነገስት 19:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:17

2 ነገስት 19:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:15

2 ነገስት 19:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:5፣ 2ዜና 32:10, 13፣ ኢሳ 10:8-11

2 ነገስት 19:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:31

2 ነገስት 19:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 17:24፣ 18:33, 34

2 ነገስት 19:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዘርግሓ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:30፣ ኢሳ 37:14-20

2 ነገስት 19:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:20
  • +ዘጸ 25:22
  • +1ዜና 29:10, 11

2 ነገስት 19:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 8:29፣ መዝ 65:2
  • +2ዜና 16:9፣ ዳን 9:18

2 ነገስት 19:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 16:8, 9፣ 17:6, 24

2 ነገስት 19:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 10:3
  • +ኢሳ 41:29

2 ነገስት 19:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 83:17, 18፣ ኢሳ 45:5, 6

2 ነገስት 19:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:21, 22
  • +2ነገ 19:15

2 ነገስት 19:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:10
  • +2ነገ 18:30፣ ኢሳ 10:12, 13
  • +ኢሳ 37:23-25

2 ነገስት 19:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነቲ ናቱ ሕሩይ ኣእዋም ተርሚን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:17
  • +2ዜና 32:17፣ ኢሳ 10:10, 11

2 ነገስት 19:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መትረባት ኒል።”

2 ነገስት 19:25

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ተገይሩ።”

  • *

    ወይ፡ “ሰሪሐዮ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 14:24
  • +መዝ 33:11
  • +ኢሳ 46:10
  • +ኢሳ 10:5፣ 37:26, 27

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2024፡ ገጽ 30

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/8/1999፡ ገጽ 14

2 ነገስት 19:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 40:7

2 ነገስት 19:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 5:21፣ እብ 4:13
  • +ኢሳ 37:28, 29

2 ነገስት 19:28

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 46:6፣ ኢሳ 10:5, 15
  • +2ነገ 18:35፣ ኢሳ 10:12, 13
  • +መዝ 32:9
  • +2ነገ 19:33

2 ነገስት 19:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ንህዝቅያስ።

  • *

    ወይ፡ “ዝባለገ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 25:4-6
  • +ኢሳ 37:30-32

2 ነገስት 19:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:20

2 ነገስት 19:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 59:17፣ ዘካ 1:14, 15

2 ነገስት 19:32

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:24
  • +2ዜና 32:22
  • +ኢሳ 37:33-35

2 ነገስት 19:34

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 12:22፣ ኢሳ 43:25፣ ህዝ 36:22
  • +2ነገ 20:6፣ ኤር 23:5
  • +ኢሳ 31:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 12

2 ነገስት 19:35

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21፣ ኢሳ 31:8
  • +ዘጸ 12:30፣ ኢሳ 37:36-38

2 ነገስት 19:36

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮና 1:2
  • +2ነገ 19:7, 28

2 ነገስት 19:37

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 32:21
  • +ዘፍ 8:4
  • +እዝ 4:2

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 19:1ኢሳ 37:1-4
2 ነገ. 19:2ኢሳ 1:1
2 ነገ. 19:3ኢሳ 26:17, 18
2 ነገ. 19:41ሳሙ 17:45፣ 2ነገ 18:35
2 ነገ. 19:42ሳሙ 22:7፣ 2ዜና 20:9፣ 32:20፣ መዝ 50:15
2 ነገ. 19:5ኢሳ 37:5-7
2 ነገ. 19:62ነገ 18:17
2 ነገ. 19:6ዘዳ 20:3፣ ኢሳ 41:10፣ 51:7
2 ነገ. 19:72ዜና 32:21፣ ኢሳ 37:37, 38
2 ነገ. 19:82ነገ 18:14
2 ነገ. 19:8ኢሳ 37:8-13
2 ነገ. 19:92ነገ 18:17
2 ነገ. 19:102ዜና 32:15
2 ነገ. 19:112ነገ 17:5፣ 2ዜና 32:10, 13፣ ኢሳ 10:8-11
2 ነገ. 19:12ዘፍ 11:31
2 ነገ. 19:132ነገ 17:24፣ 18:33, 34
2 ነገ. 19:141ነገ 8:30፣ ኢሳ 37:14-20
2 ነገ. 19:152ዜና 32:20
2 ነገ. 19:15ዘጸ 25:22
2 ነገ. 19:151ዜና 29:10, 11
2 ነገ. 19:161ነገ 8:29፣ መዝ 65:2
2 ነገ. 19:162ዜና 16:9፣ ዳን 9:18
2 ነገ. 19:172ነገ 16:8, 9፣ 17:6, 24
2 ነገ. 19:18ኤር 10:3
2 ነገ. 19:18ኢሳ 41:29
2 ነገ. 19:19መዝ 83:17, 18፣ ኢሳ 45:5, 6
2 ነገ. 19:20ኢሳ 37:21, 22
2 ነገ. 19:202ነገ 19:15
2 ነገ. 19:222ነገ 19:10
2 ነገ. 19:222ነገ 18:30፣ ኢሳ 10:12, 13
2 ነገ. 19:22ኢሳ 37:23-25
2 ነገ. 19:232ነገ 18:17
2 ነገ. 19:232ዜና 32:17፣ ኢሳ 10:10, 11
2 ነገ. 19:25ኢሳ 14:24
2 ነገ. 19:25መዝ 33:11
2 ነገ. 19:25ኢሳ 46:10
2 ነገ. 19:25ኢሳ 10:5፣ 37:26, 27
2 ነገ. 19:26ኢሳ 40:7
2 ነገ. 19:27ምሳ 5:21፣ እብ 4:13
2 ነገ. 19:27ኢሳ 37:28, 29
2 ነገ. 19:28መዝ 46:6፣ ኢሳ 10:5, 15
2 ነገ. 19:282ነገ 18:35፣ ኢሳ 10:12, 13
2 ነገ. 19:28መዝ 32:9
2 ነገ. 19:282ነገ 19:33
2 ነገ. 19:29ዘሌ 25:4-6
2 ነገ. 19:29ኢሳ 37:30-32
2 ነገ. 19:302ዜና 32:22፣ ኢሳ 10:20
2 ነገ. 19:31ኢሳ 59:17፣ ዘካ 1:14, 15
2 ነገ. 19:32ኢሳ 10:24
2 ነገ. 19:322ዜና 32:22
2 ነገ. 19:32ኢሳ 37:33-35
2 ነገ. 19:341ሳሙ 12:22፣ ኢሳ 43:25፣ ህዝ 36:22
2 ነገ. 19:342ነገ 20:6፣ ኤር 23:5
2 ነገ. 19:34ኢሳ 31:5
2 ነገ. 19:352ዜና 32:21፣ ኢሳ 31:8
2 ነገ. 19:35ዘጸ 12:30፣ ኢሳ 37:36-38
2 ነገ. 19:36ዮና 1:2
2 ነገ. 19:362ነገ 19:7, 28
2 ነገ. 19:372ዜና 32:21
2 ነገ. 19:37ዘፍ 8:4
2 ነገ. 19:37እዝ 4:2
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
  • 34
  • 35
  • 36
  • 37
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 19:1-37

2 ነገስት

19 ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ ማቕ ተኸድነ፡ ናብ ቤት የሆዋ ድማ ኣተወ።+ 2 ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቤተ ሰብ* ሓላፍነት እተዋህቦ ኤልያቂምን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ንዓበይቲ ኻህናትን ማቕ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ+ ወዲ ኣሞጽ ኪኸዱ ሰደዶም። 3 ንሳቶም ከኣ ከምዚ በልዎ፦ “ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፦ ‘እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጭንቅን መግናሕትን* ውርደትን እያ፣ ሕጻናት ኪውለዱ ኢሎም ነይሮምሲ፡* ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ።+ 4 ምናልባት የሆዋ ኣምላኽካ፡ ኵሉ ቓላት እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኬባጭወሉ ዝለኣኾ ራብሳቀ ሰሚዑ ይኸውን፣+ በቲ የሆዋ ኣምላኽካ ዝሰምዖ ቓላት ድማ ተሓታቲ ይገብሮ ይኸውን። እምበኣር፡ ምእንቲ እዚ ዝተረፈ ተረፍ ጸሎት ኣዕርግ።’”+

5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ ከዱ።+ 6 ኢሳይያስ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ+ ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ።+ 7 እንሆ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ሓሳብ* ከእቱ እየ፣ ንሱ ኸኣ ወረ ሰሚዑ ናብ ምድሩ ኺምለስ እዩ፣ ኣብ ምድሩ ድማ ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።”’”+

8 እቲ ራብሳቀ ኸኣ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ምስ ሰምዐ፡+ ናብኡ ተመልሰ፡ ምስ ሊብና ኺዋጋእ ድማ ረኸቦ።+ 9 ንጉስ ድማ ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ “እንሆ፡ ኪዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ” ኺብሃል ሰምዐ። መሊሱ ኸኣ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ለኣኸ፦+ 10 “ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፦ ‘እቲ እትእመኖ ኣምላኽካ፡ “የሩሳሌም ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ” ኢሉ ኣየታልልካ።+ 11 እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዅለን ሃገራት ብምጥፋእ ዝገበርወን ሰሚዕካዮ ኣለኻ።+ ንስኻ በይንኻዶ ኽትናገፍ ኢኻ፧ 12 ኣማልኽቲ እቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብዶ ኣናጊፎምዎም እዮም፧ ጎዛንን ካራንን+ ሬጸፍን እቶም ኣብ ቴል-ኣሳር ዝነበሩ ህዝቢ ኤደንን ኣበይ ኣለዉ፧ 13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማታት ሰፋርዋዪምን ሄናዕን ዒዋህንከ ኣበይ ኣለዉ፧’”+

14 ህዝቅያስ ድማ ነተን ደብዳበታት ካብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበበን። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት የሆዋ ደዪቡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘርግሐን።*+ 15 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ጸለየ፦+ “ኦ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን እትቕመጥ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡+ ንስኻ በይንኻ ናይ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢኻ።+ ንሰማያትን ንምድርን ንስኻ ኢኻ ጌርካዮ። 16 ኦ የሆዋ፡ እዝንኻ ኣድንን እሞ ስማዕ።+ ኦ የሆዋ፡ ኣዒንትኻ ኽፈት+ እሞ ርአ። ሰናክሪብ ነቲ ህያው ኣምላኽ ንምብጫው ዝለኣኾ ቓላት ስማዕ። 17 ኦ የሆዋ፡ ነገስታት ኣሶር ንኣህዛብን ንምድሮምን ከም ዘባደሙስ ሓቂ እዩ።+ 18 ንኣማልኽቶም እውን ናብ ሓዊ ደርብዮምዎም እዮም፣ ከመይሲ፡ ንሳቶም ብኢድ ሰብ እተሰርሑ ዕንጨይትን እምንን እዮም እምበር፡+ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን።+ ስለዚ እዮም ዘጥፍእዎም። 19 ሕጂ ግና፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ኵለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ኻብ ኢዱ ኣድሕነና።”+

20 ሽዑ፡ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር+ ዝጸለኻዮ ጸሎት ሰሚዐዮ ኣለኹ።+ 21 እቲ የሆዋ ኣንጻሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፦

“ድንግል ጓል ጽዮን ንዒቓትካን ኣላጊጻትልካን።

ጓል የሩሳሌም ርእሳ ነቕኒቓትልካ።

22 ንመን ኢኻ ዘባጨኻሉን ዝጸረፍካዮን፧+

ንመን ኢኻ ድምጽኻ ዓው ዘበልካሉ፧+

ንመንከ ኢኻ እተን ዕቡያት ኣዒንትኻ ዘልዓልካሉ፧

ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።+

23 ብልኡኻትካ+ ንየሆዋ ኸምዚ ኢልካ ኣባጪኻሉ፦+

‘ብብዙሓት ሰረገላታተይ

ናብ ልዑል ኣኽራን፡

ናብ ግሉል ክፋላት ሊባኖስ ክድይብ፡

ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሳቱ፡ ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱ* ክቘርጽ፡

ናብቲ ዝረሓቐ መዕቈቢኡ፡ ናብቲ ጽዑቕ ዱሩ ኸኣ ክኣቱ እየ።

24 ዒላታት ኵዒተ ጓና ማያት ክሰቲ፡

ንዅሉ ርባታት* ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ ከንቅጾ እየ።’

25 ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ ካብ ጥንቲ ተወሲኑ* እዩ።+

ካብ ቀደም ኣዳልየዮ* እየ።+

ሕጂ ኸምጽኦ እየ።+

ንእተዓርዳ ኸተማታት ኵምራታት ዑና ኽትገብረን ኢኻ።+

26 ነበርተን ድማ ረዳኢ ኣልቦ ኪዀኑ እዮም፣

ኪሽበሩን ኪሓፍሩን እዮም።

ከም ኣትክልቲ መሮር፡ ከም ለምለም ሳዕሪ፡+

ከምቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሓረረ ሳዕሪ ናሕሲ ኪዀኑ እዮም።

27 ኣነ ግና መዓስ ከም እትቕመጥን እትወጽእን እትኣቱን፡+

መዓስ ከኣ ከም እትንድረለይ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣+

28 ከመይሲ፡ እቲ ዝነደርካለይን+ ዝጨደርካለይን ናብ ኣእዛነይ በጺሑ እዩ።+

ስለዚ፡ ዓንቃሪቦይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይ+ ድማ ኣብ መንጎ ኸናፍርካ ኽገብር፡

በታ ዝመጻእካላ መገዲ ኸኣ ክመልሰካ እየ።”+

29 “‘እዚ ድማ ንዓኻ* ምልክት ይኹንካ፦ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡* ኣብታ ኻልአይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዕ ኢኻ፣+ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም።+ 30 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ዘምለጡ ተረፍ፡+ ናብ ታሕቲ ሱር ኪሰድዱ፡ ናብ ላዕሊ ኸኣ ፍረ ኺፈርዩ እዮም። 31 ከመይሲ፡ ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓኑ ኺወጹ እዮም። ቅንኣት የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብሮ እዩ።+

32 “‘ስለዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል፦+

“ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኪኣቱን፡+

ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይኪውርውርን፡

ብዋልታ መኪቱ ኸኣ ኣይኪገጥመላን፡

ዕርዲ ኸበባ እውን ኣይኪዅምረላን እዩ።+

33 በታ ዝመጸላ መገዲ ኺምለስ እዩ፣

ናብዛ ኸተማ እዚኣ እውን ኣይኪኣቱን እዩ” ይብል የሆዋ።

34 “ነዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ምእንታይን+

ምእንቲ ዳዊት ጊልያይን+ ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።”’”+

35 በታ ለይቲ እቲኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ወጺኡ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ሰባት ቀተለ።+ ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ንዅሉ እቲ ሬሳታት ረኣይዎ።+ 36 ሽዑ፡ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ነቒሉ ናብ ነነዌ+ ተመልሰ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጠ።+ 37 ኣብ ቤት* ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ ኸኣ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጽርን ብሰይፊ ቐተልዎ፣+ ናብ ምድሪ ኣራራት+ ድማ ኣምለጡ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን+ ነገሰ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ