ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ነታ ቤተ መቕደስ ዝገበሮ ምድላዋት (1-5)

      • ዳዊት ንሰሎሞን መምርሒ ሃቦ (6-16)

      • መሳፍንቲ ንሰሎሞን ኪሕግዝዎ ትእዛዝ ተዋህቦም (17-19)

1 ዜና መዋእል 22:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 6፣ 2ሳሙ 24:18፣ 2ዜና 3:1

1 ዜና መዋእል 22:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 9:20, 21፣ 2ዜና 2:17, 18
  • +1ነገ 5:15, 17፣ 6:7፣ 7:9

1 ዜና መዋእል 22:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:47

1 ዜና መዋእል 22:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:6, 8
  • +2ዜና 2:3
  • +2ሳሙ 5:11

1 ዜና መዋእል 22:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተነቃፍን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 3:7
  • +ሃጌ 2:3
  • +መዝ 68:29
  • +2ዜና 2:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2017፡ ገጽ 29

1 ዜና መዋእል 22:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:5, 6፣ 2ሳሙ 7:2፣ መዝ 132:3-5

1 ዜና መዋእል 22:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 17:4

1 ዜና መዋእል 22:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕረፍቲ።”

  • *

    “ሰላም” ካብ ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:5
  • +2ሳሙ 7:12, 13፣ 1ነገ 4:25፣ 5:4
  • +2ሳሙ 12:24
  • +መዝ 72:7

1 ዜና መዋእል 22:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:5
  • +2ሳሙ 7:14፣ እብ 1:5
  • +1ዜና 17:12-14፣ መዝ 89:35, 36

1 ዜና መዋእል 22:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:20

1 ዜና መዋእል 22:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:6፣ 2ዜና 1:10፣ መዝ 72:1

1 ዜና መዋእል 22:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 19:37፣ 1ዜና 28:7
  • +ዘዳ 12:1፣ 17:18, 19፣ እያ 1:8፣ 1ነገ 2:3፣ 1ዜና 28:7፣ መዝ 19:8, 11
  • +እያ 1:6, 9፣ 1ዜና 28:20

1 ዜና መዋእል 22:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 29:6, 7
  • +1ዜና 29:2-4

1 ዜና መዋእል 22:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 5:17፣ 6:7፣ 7:9
  • +1ነገ 7:13, 14

1 ዜና መዋእል 22:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 22:3
  • +2ዜና 1:1

1 ዜና መዋእል 22:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 4:29፣ 2ዜና 20:3፣ ዳን 9:3
  • +ዘዳ 12:21፣ 1ነገ 8:6, 21, 29፣ 9:3
  • +1ነገ 6:1

ሓፈሻዊ

1 ዜና 22:1ዘዳ 12:5, 6፣ 2ሳሙ 24:18፣ 2ዜና 3:1
1 ዜና 22:21ነገ 9:20, 21፣ 2ዜና 2:17, 18
1 ዜና 22:21ነገ 5:15, 17፣ 6:7፣ 7:9
1 ዜና 22:31ነገ 7:47
1 ዜና 22:41ነገ 5:6, 8
1 ዜና 22:42ዜና 2:3
1 ዜና 22:42ሳሙ 5:11
1 ዜና 22:51ነገ 3:7
1 ዜና 22:5ሃጌ 2:3
1 ዜና 22:5መዝ 68:29
1 ዜና 22:52ዜና 2:5
1 ዜና 22:7ዘዳ 12:5, 6፣ 2ሳሙ 7:2፣ መዝ 132:3-5
1 ዜና 22:81ዜና 17:4
1 ዜና 22:91ዜና 28:5
1 ዜና 22:92ሳሙ 7:12, 13፣ 1ነገ 4:25፣ 5:4
1 ዜና 22:92ሳሙ 12:24
1 ዜና 22:9መዝ 72:7
1 ዜና 22:101ነገ 5:5
1 ዜና 22:102ሳሙ 7:14፣ እብ 1:5
1 ዜና 22:101ዜና 17:12-14፣ መዝ 89:35, 36
1 ዜና 22:111ዜና 28:20
1 ዜና 22:12ዘዳ 4:6፣ 2ዜና 1:10፣ መዝ 72:1
1 ዜና 22:13ዘሌ 19:37፣ 1ዜና 28:7
1 ዜና 22:13ዘዳ 12:1፣ 17:18, 19፣ እያ 1:8፣ 1ነገ 2:3፣ 1ዜና 28:7፣ መዝ 19:8, 11
1 ዜና 22:13እያ 1:6, 9፣ 1ዜና 28:20
1 ዜና 22:141ዜና 29:6, 7
1 ዜና 22:141ዜና 29:2-4
1 ዜና 22:151ነገ 5:17፣ 6:7፣ 7:9
1 ዜና 22:151ነገ 7:13, 14
1 ዜና 22:161ዜና 22:3
1 ዜና 22:162ዜና 1:1
1 ዜና 22:19ዘዳ 4:29፣ 2ዜና 20:3፣ ዳን 9:3
1 ዜና 22:19ዘዳ 12:21፣ 1ነገ 8:6, 21, 29፣ 9:3
1 ዜና 22:191ነገ 6:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 22:1-19

1 ዜና መዋእል

22 ዳዊት ድማ፡ “እዚኣ ቤት የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እያ፣ እዚ ኸኣ ንእስራኤል ንዚሓርር መስዋእቲ መሰውኢ ይኹን” በለ።+

2 ዳዊት ድማ፡ እቶም ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ጓኖት ኪእከቡ ኣዘዘ፣+ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምህናጽ ዚኸውን ኣእማን ኪወቕሩን ኪቐርጹን መደቦም።+ 3 ዳዊት ከኣ ንመዓጹ ኣፍ ደገታት ንዚኸውን መሳምርን ንመቐርቀርን ብዙሕ ሓጺን፡ ከምኡ እውን ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይተኻእለ ነሓሲ ኣዳለወ፣+ 4 ሲዶናውያንን+ ጢሮሳውያንን+ ብዙሕ ኣዕጫው ቄድሮስ+ ኣምጺኦምሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዕጫው ቄድሮስ እውን ቍጽሪ ዘይብሉ ኣዳለወ። 5 ዳዊት ድማ፡ “ሰሎሞን ወደይ ንእሽቶን ዘይምኩርን* እዩ፣+ እታ ንየሆዋ እትህነጸሉ ቤት ግና ዝናኣን ጽባቐኣን+ ኣብ ኵለን ሃገራት ክትፍለጥሲ፡+ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን ኣለዋ።+ ስለዚ፡ ከዳልወሉ እየ” በለ። ዳዊት ከኣ ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ነገር ኣዳለወ።

6 ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሃንጸሉ ኣዘዞ። 7 ዳዊት ከኣ ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “ኣነስ ንስም የሆዋ ኣምላኸይ ቤት ክሃንጽ ብልበይ ተመንየ ነይረ።+ 8 ግናኸ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ መጺኡኒ፦ ‘ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ድማ ተዋጊእካ ኢኻ። ንስኻ ኣብ ቅድመይ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ።+ 9 እንሆ፡ ናይ ሰላም* ሰብ ዝዀነ ወዲ ኺውለደልካ እዩ፣+ ኣነ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ኵሎም ጸላእቱ ዕረፍቲ ኽህቦ እየ፣+ ስሙስ ሰሎሞን*+ ኪብሃል እዩ፣ ብዘመኑ ድማ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ።+ 10 ንሱ ንስመይ ቤት ኪሃንጽ እዩ።+ ንሱ ወደይ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ እውን ኣቦኡ ክኸውን እየ።+ ዝፋን ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።’+

11 “ሕጂ ድማ ወደየ፡ የሆዋ ምሳኻ ይኹን፡ ይቕናዕካ እውን፣ ከምቲ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ኸኣ፡ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ህነጽ።+ 12 ሓንትስ ሕጊ የሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትሕሉ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስልጣን ኪህበካ ኸሎ፡ ምስትውዓልን ኣእምሮን ይሃብካ።+ 13 ሽዑ፡ እቲ የሆዋ ንሙሴ፡ ንእስራኤል ኪህቦ ዝኣዘዞ ስርዓታትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻ፡+ ኪቐንዓካ እዩ።+ ትባዕን በርትዕን። ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን።+ 14 እንሆ፡ ኣነ ብኽንደይ መከራ ንቤት የሆዋ ዚኸውን 100,000 ታለንት* ወርቅን 1,000,000 ታለንት ብሩርን፡ ከምኡ ድማ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኺምዘን ዘይከኣል ነሓስን ሓጺንን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ኣዕጫውን ኣእማንን እውን ኣዳልየ ኣለኹ፣+ ንስኻ ኸኣ ክትውስኸሉ ኢኻ። 15 ብዙሓት ዓየይቲ፡ ማለት ወቐርቲ እምንን ነደቕትን+ ጸረብትን ኵሎም ዓይነት ክኢላታት ዓየይትን+ ምሳኻ ኣለዉ። 16 እቲ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ሓጺንን ከኣ ቍጽሪ የብሉን።+ ተንስእ እሞ ስራሕ፡ የሆዋ ድማ ምሳኻ ይኹን።”+

17 ዳዊት ከኣ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ንወዱ ሰሎሞን ኪሕግዝዎ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ 18 “የሆዋ ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም የሎን፧ ኣብ ዙርያኹምከ ዕረፍቲዶ ኣይሃበኩምን፧ ንነበርቲ እዛ ምድርስ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኣሎ፡ እዛ ምድሪ እውን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ህዝቡን ተገዚኣ እያ። 19 ሕጂ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም ክትደልይዎ ብዅሉ ልብኹምን ነፍስኹምን* ቍረጹ፣+ ታቦት ኪዳን የሆዋን ቅዱስ ኣቕሑ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናብታ ንስም የሆዋ እትህነጽ ቤት ምእንቲ ኺመጽእ ከኣ፡+ ምህናጽ መቕደስ የሆዋ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጀምሩ።”+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ