ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 1 ዜና መዋእል 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

1 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ብዛዕባ ህንጸት ቤተ መቕደስ እተዛረቦ ዘረባ (1-8)

      • ንሰሎሞን እተዋህበ መምርሒ፣ ንድፊ ተዋህቦ (9-21)

1 ዜና መዋእል 28:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 27:1
  • +ዘጸ 18:25
  • +1ዜና 3:1-9
  • +1ዜና 27:25, 29
  • +1ዜና 11:10

1 ዜና መዋእል 28:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 132:3-5
  • +1ዜና 22:2-4

1 ዜና መዋእል 28:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 17:4፣ 22:7, 8

1 ዜና መዋእል 28:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ 1ዜና 5:2፣ መዝ 60:7
  • +ሩት 4:22
  • +1ሳሙ 13:14፣ 16:11, 12
  • +1ሳሙ 16:1, 13፣ 2ሳሙ 7:8፣ መዝ 89:20

1 ዜና መዋእል 28:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 3:1-9
  • +1ዜና 22:9
  • +1ዜና 17:14፣ 2ዜና 1:8

1 ዜና መዋእል 28:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 7:13, 14

1 ዜና መዋእል 28:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 12:1፣ 1ነገ 6:12
  • +1ዜና 17:13, 14፣ መዝ 72:8

1 ዜና መዋእል 28:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 6:3

1 ዜና መዋእል 28:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ብዝዀነ።”

  • *

    ወይ፡ “ብፍታው።”

  • *

    ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 10:12
  • +1ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 29:17፣ ምሳ 17:3፣ ራእ 2:23
  • +ዘዳ 31:21፣ መዝ 139:2
  • +ማቴ 7:7፣ እብ 11:6፣ ያእ 4:8
  • +ዘዳ 31:17፣ 2ዜና 15:2፣ እብ 10:38

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ንየሆዋ ቕረቦ፡ ገጽ 242

    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!፡ ትምህርቲ 58

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/2015፡ ገጽ 14

    1/11/2010፡ ገጽ 30

    15/10/2008፡ ገጽ 7

    15/2/2005፡ ገጽ 19

1 ዜና መዋእል 28:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤት ዕርቂ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 8:5
  • +2ዜና 3:4
  • +ዘሌ 16:2፣ 1ነገ 6:19

1 ዜና መዋእል 28:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “እተወፈየ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 6:36፣ 7:12
  • +1ዜና 9:26፣ 26:20

1 ዜና መዋእል 28:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:1

1 ዜና መዋእል 28:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 4:7

1 ዜና መዋእል 28:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እንጌራ ምርኣይ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 4:8, 19

1 ዜና መዋእል 28:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:48, 50

1 ዜና መዋእል 28:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:48
  • +መዝ 18:10
  • +ዘጸ 25:20፣ 1ሳሙ 4:4፣ 1ነገ 6:23

1 ዜና መዋእል 28:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 28:11
  • +ዘጸ 25:9, 40

1 ዜና መዋእል 28:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:6፣ እያ 1:6, 9፣ ሮሜ 8:31
  • +እያ 1:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    9/2017፡ ገጽ 28-29፡ 32

1 ዜና መዋእል 28:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 24:1
  • +1ዜና 24:20
  • +ዘጸ 36:1, 2
  • +1ዜና 22:17፣ 28:1

ሓፈሻዊ

1 ዜና 28:11ዜና 27:1
1 ዜና 28:1ዘጸ 18:25
1 ዜና 28:11ዜና 3:1-9
1 ዜና 28:11ዜና 27:25, 29
1 ዜና 28:11ዜና 11:10
1 ዜና 28:2መዝ 132:3-5
1 ዜና 28:21ዜና 22:2-4
1 ዜና 28:31ዜና 17:4፣ 22:7, 8
1 ዜና 28:4ዘፍ 49:10፣ 1ዜና 5:2፣ መዝ 60:7
1 ዜና 28:4ሩት 4:22
1 ዜና 28:41ሳሙ 13:14፣ 16:11, 12
1 ዜና 28:41ሳሙ 16:1, 13፣ 2ሳሙ 7:8፣ መዝ 89:20
1 ዜና 28:51ዜና 3:1-9
1 ዜና 28:51ዜና 22:9
1 ዜና 28:51ዜና 17:14፣ 2ዜና 1:8
1 ዜና 28:62ሳሙ 7:13, 14
1 ዜና 28:7ዘዳ 12:1፣ 1ነገ 6:12
1 ዜና 28:71ዜና 17:13, 14፣ መዝ 72:8
1 ዜና 28:8ዘዳ 6:3
1 ዜና 28:9ዘዳ 10:12
1 ዜና 28:91ሳሙ 16:7፣ 1ዜና 29:17፣ ምሳ 17:3፣ ራእ 2:23
1 ዜና 28:9ዘዳ 31:21፣ መዝ 139:2
1 ዜና 28:9ማቴ 7:7፣ እብ 11:6፣ ያእ 4:8
1 ዜና 28:9ዘዳ 31:17፣ 2ዜና 15:2፣ እብ 10:38
1 ዜና 28:11እብ 8:5
1 ዜና 28:112ዜና 3:4
1 ዜና 28:11ዘሌ 16:2፣ 1ነገ 6:19
1 ዜና 28:121ነገ 6:36፣ 7:12
1 ዜና 28:121ዜና 9:26፣ 26:20
1 ዜና 28:131ዜና 24:1
1 ዜና 28:152ዜና 4:7
1 ዜና 28:162ዜና 4:8, 19
1 ዜና 28:171ነገ 7:48, 50
1 ዜና 28:181ነገ 7:48
1 ዜና 28:18መዝ 18:10
1 ዜና 28:18ዘጸ 25:20፣ 1ሳሙ 4:4፣ 1ነገ 6:23
1 ዜና 28:191ዜና 28:11
1 ዜና 28:19ዘጸ 25:9, 40
1 ዜና 28:20ዘዳ 31:6፣ እያ 1:6, 9፣ ሮሜ 8:31
1 ዜና 28:20እያ 1:5
1 ዜና 28:211ዜና 24:1
1 ዜና 28:211ዜና 24:20
1 ዜና 28:21ዘጸ 36:1, 2
1 ዜና 28:211ዜና 22:17፣ 28:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
1 ዜና መዋእል 28:1-21

1 ዜና መዋእል

28 ዳዊት ድማ ንዅሎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ንመሳፍንቲ ነገዳትን ንኣሕሉቕ እቶም ንንጉስ ዜገልግሉ ኽፍልታትን+ ንኣሕሉቕ ሽሕን ንኣሕሉቕ ሚእትን+ ንኣሕሉቕ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን+ ኵሉ ጥሪትን ማልን፡+ ምስ ኣገልገልቲ ቤተ መንግስትን ኵሎም ክኢላታትን ጀጋኑን ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም።+ 2 ሽዑ፡ ንጉስ ዳዊት ብኣእጋሩ ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦

“ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፡ ስምዑኒ። ኣነ ድኳ እግሪ ኣምላኽና ኽትከውን፡ ንታቦት ኪዳን የሆዋ መዕረፊት ቤት ክሃንጽ ትምኒት ልበይ እዩ ነይሩ፣+ ክሃንጽ እውን ተዳልየ ነይረ።+ 3 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና፡ ‘ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ብዙሕ ደም እውን ኣፍሲስካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሃንጽን ኢኻ’ ኢሉኒ።+ 4 ግናኸ፡ ይሁዳ መራሒ ኪኸውን፡+ ካብ ቤት ይሁዳ ኸኣ ቤት ኣቦይ ሓርዩ እዩ፣+ ካብ ደቂ ኣቦይ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኬንግሰኒ፡ ንዓይ እዩ ሰሚሩኒ እሞ፡+ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንዓይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ክነግስ ካብ ኵሎም ቤት ኣቦይ ሓርዩኒ እዩ።+ 5 ካብ ኵሎም ደቀይ ከኣ፡—የሆዋስ ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡+—ንወደይ ሰሎሞን+ ኣብ ዝፋን ንግስና የሆዋ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪቕመጥ ሓርይዎ እዩ።+

6 “ከምዚ ድማ በለኒ፦ ‘ወድኻ ሰሎሞን ወደይ ኪኸውን ሓርየዮ እየ፡ ኣነ እውን ኣቦኡ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሱ እዩ ቤተይን ኣጸዳተይን ዚሃንጸለይ።+ 7 ንሱ ኸምቲ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ትእዛዛተይን ፍርድታተይን ብጽኑዕ እንተ ሓልዩ፡+ ንግስናኡ ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ።’+ 8 እምበኣር፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ እስራኤልን ጉባኤ የሆዋን ኣብ ኣእዛን ኣምላኽናን እብል ኣለኹ፦ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ+ ምእንቲ ኽትርስተይዋን ብድሕሬኹም ንደቅኹም ንሓዋሩ ምእንቲ ኸተረስትይዋን፡ ንዅሉ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ሓልውዎን ድለይዎን።

9 “ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ንኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብምሉእ* ልብን+ ብሕጉስ* ነፍስን* ኣገልግሎ፣ የሆዋስ ንዅሉ ልቢ ይምርምሮ፡+ ንዅሉ ዝንባለ ሓሳባት እውን የስተውዕሎ እዩ።+ እንተ ደሊኻዮ፡ ኪርከበልካ እዩ፣+ እንተ ሓዲግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ኪድርብየካ እዩ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ርአ፡ የሆዋስ መቕደሱ እትኸውን ቤት ክትሃንጽ ሓርዩካ ኣሎ። ትባዕን ስራሕን።”

11 ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን፡ ንድፊ+ እቲ ገበላን+ ኣባይቱን መኽዘናቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ቤት መኽደን መተዓረቕን* ሃቦ።+ 12 ንኣጸዳት+ ቤት የሆዋን ንዅለን እተን ኣብ ዙርያ ዚዀና መመገቢ ኽፍልታትን ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንመዛግብቲ እቲ እተቐደሰ* ነገራትን+ ኪኸውን ብመሪሕነት መንፈስ እተመሓላለፈሉ ዅሉ ንድፊ ሃቦ፣ 13 ንኽፍልታት ካህናትን+ ሌዋውያንን ንዕዮ ኣገልግሎት ቤት የሆዋን ንዅሉ ኣቕሑ ኣገልግሎት ቤት የሆዋን ዚምልከት እውን ሃቦ፣ 14 ሚዛን ወርቂ፡ ማለት ወርቂ እቲ ዅሉ ኣቕሑ እተፈላለየ ኣገልግሎትን ሚዛን እቲ ዅሉ ኣቕሑ ብሩርን ንእተፈላለየ ኣገልግሎት ዚኸውን ኵሉ ኣቕሑን እውን መደበሉ፣ 15 ሚዛን እቲ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን+ ናቱ ቐነዲል ወርቅን ሚዛን እተፈላለየ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን ሚዛን ቀወምቲ ቐነዲል ብሩርን፡ ናይቲ ቐወምቲ ቐነዲልን ቀነዲሉን ከከም ኣገልግሎቱ እውን መደበሉ፣ 16 ሚዛን እቲ ንሰደቓታት እተደራረበ እንጌራ* ዚኸውን ወርቂ፡+ ነንሰደቓ፡ ከምኡ ድማ ብሩር እቲ ሰደቓታት ብሩር እውን መደበሉ፣ 17 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ዚግበር ሻኳታትን ጭሔሎታትን ዓታሩን፡ ከምኡ ኸኣ ሚዛን እቲ ንኣሽቱ ጭሔሎታት ወርቂ፡+ ነንንእሽቶ ጭሔሎ፡ ሚዛን እቲ ንኣሽቱ ጭሔሎታት ብሩር፡ ነንንእሽቶ ጭሔሎ እውን መደበሉ። 18 ሚዛን እቲ ንመሰውኢ ዕጣን+ ዚኸውን ኰነ ንምስሊ እቲ ሰረገላ፡+ ማለት ነቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ንታቦት ኪዳን የሆዋ ዜጽልሉ ኪሩቤል+ ዚኸውን እተጻረየ ወርቂ እውን መደበሉ። 19 ዳዊት ከኣ፡ “ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ እያ ነይራ፣ ኵሉ ዝርዝር ንድፊ+ ብጽሑፍ ከስፍሮ ድማ ልቦና ሂቡኒ” በለ።+

20 ዳዊት ከኣ ንወዱ ሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “ትባዕን በርትዕን ስራሕን። የሆዋ ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር እውን።+ ኵሉ እቲ ንኣገልግሎት ቤት የሆዋ ዚኸውን ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ ምሳኻ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪጥንጥነካን፡ ኣይኪሓድገካን እውን እዩ።+ 21 እቶም ንዅሉ ኣገልግሎት ቤት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚዀኑ ኽፍልታት ካህናትን+ ሌዋውያንን+ ድማ እነዉ። ኵሉ ዓይነት ኣገልግሎት ኪፍጽሙ ዚኽእሉ ብፍታው ዚዓይዩ ኽኢላታት ዓየይትን+ ኵሉ ትእዛዛትካ ዚፍጽሙ መሳፍንትን+ ኵሎም ህዝብን ኣለዉኻ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ