ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘካርያስ 6
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘካርያስ—ትሕዝቶ

      • ራእይ 8፦ ኣርባዕተ ሰረገላ (1-8)

      • እቲ ብቋል፡ ንጉስን ካህንን ኪኸውን እዩ (9-15)

ዘካርያስ 6:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 27-28

ዘካርያስ 6:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 6:6

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 27

ዘካርያስ 6:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 6:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 27

ዘካርያስ 6:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 18:18፣ እዮ 1:6፣ ዳን 7:10፣ ሉቃ 1:19፣ እብ 1:7, 14
  • +መዝ 104:4

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 28

ዘካርያስ 6:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እታ ሰረገላ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 2:6, 7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 28-29

ዘካርያስ 6:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 28-29

ዘካርያስ 6:8

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 28-29

ዘካርያስ 6:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓብዪ ዘውዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሃጌ 1:1፣ ዘካ 3:3, 5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 29

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2007፡ ገጽ 10

ዘካርያስ 6:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 11:1፣ ዘካ 3:8
  • +ዘካ 8:9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 29

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2007፡ ገጽ 10

    15/4/2006፡ ገጽ 26

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 30

ዘካርያስ 6:13

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ኣብ መንጎ እቲ ኸም ገዛእን ካህንን ዚህልዎ ግደ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +እብ 3:1፣ 4:14፣ 8:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 29

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2007፡ ገጽ 10

    15/4/2006፡ ገጽ 26

    “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ፣” ኤር-ሚል፡ ገጽ 30

ዘካርያስ 6:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓብዪ ዘውዲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘካ 6:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 30

ዘካርያስ 6:15

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    10/2017፡ ገጽ 29-30

ሓፈሻዊ

ዘካ. 6:2ዘካ 6:6
ዘካ. 6:3ዘካ 6:7
ዘካ. 6:52ዜና 18:18፣ እዮ 1:6፣ ዳን 7:10፣ ሉቃ 1:19፣ እብ 1:7, 14
ዘካ. 6:5መዝ 104:4
ዘካ. 6:6ዘካ 2:6, 7
ዘካ. 6:11ሃጌ 1:1፣ ዘካ 3:3, 5
ዘካ. 6:12ኢሳ 11:1፣ ዘካ 3:8
ዘካ. 6:12ዘካ 8:9
ዘካ. 6:13እብ 3:1፣ 4:14፣ 8:1
ዘካ. 6:14ዘካ 6:10
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘካርያስ 6:1-15

ዘካርያስ

6 ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኣዒንተይ ኣልዒለ ኣርባዕተ ሰረገላ ኻብ መንጎ ኽልተ ኸረን ኪመጻ ረኣኹ፣ እቲ ኣኽራን እውን ኣኽራን ነሓሲ ነበረ። 2 ኣብታ ቐዳመይቲ ሰረገላ ሓመራት ኣፍራስ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ሰረገላ ድማ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።+ 3 ኣብታ ሳልሰይቲ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፡ ኣብታ ራብዐይቲ ሰረገላ ድማ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣፍራስ ነበሩ።+

4 ነቲ ምሳይ ዚዛረብ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ጐይታይ፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፧” ኢለ ሓተትክዎ።

5 እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ፦ “እዚኣቶምሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ድሕሪ ምቛሞም ዚወጹ+ ኣርባዕተ መናፍስቲ+ ሰማያት እዮም። 6 እታ መጋላት ኣፍራስ ዘለውዋ፡* ናብ ምድሪ ሰሜን ትወጽእ ኣላ፣+ እታ ኣምበላያት ዘለውዋ ናብ ስግር ባሕሪ ትወጽእ ኣላ፣ እታ ትኳዕ ትኳዕ ዘለውዋ ናብ ምድሪ ደቡብ ትወጽእ ኣላ። 7 እቶም ጕራጕራ ኸኣ ንምድሪ ምእንቲ ኺመላለስዋ፡ ኪወጹ ተሃንጠዩ።” ሽዑ፡ ንሱ፡ “ኪዱ፡ ንምድሪ ተመላለስዋ” በለ። ንሳቶም ከኣ ንምድሪ ተመላለስዋ።

8 ሽዑ፡ ንሱ ጸውዓኒ እሞ፡ “ርአ፡ እቶም ናብ ምድሪ ሰሜን ዝወጹ፡ ኣብ ምድሪ ሰሜን መንፈስ የሆዋ ኸም ዚዓርፍ ገይሮም ኣለዉ” በለኒ።

9 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ከም ብሓድሽ መጸኒ፦ 10 “ካብ ሔልዳይን ጦብያን የዳዕያን፡ ነቲ ኻብቶም ኣብ ምርኮ ዘለዉ ህዝቢ ዘምጽእዎ ውሰዶ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስቶም ካብ ባቢሎን ዝመጹ፡ ናብ ቤት ዮስያስ ወዲ ጸፎንያስ ኪድ። 11 ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ዘውዲ* ጌርካ ንእያሱ ወዲ የሆጻዳቅ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ርእሱ ድፍኣሉ።+ 12 ከምዚ ድማ በሎ፦

“‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “እቲ ብቋል+ ዝስሙ ሰብኣይ እንሆ። ንሱ ኻብ ቦታኡ ኺበቍል፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ እውን ኪሃንጽ እዩ።+ 13 ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚሃንጽ ንሱ እዩ፣ ግርማ ዚረክብ እውን ንሱ እዩ። ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ድማ ኪገዝእ፡ ኣብ ዝፋኑ ኸኣ ካህን ኪኸውን፡+ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ* እውን ሰላማዊ ስምምዕ ኪኸውን እዩ። 14 እቲ ዘውዲ* ድማ ንሄላምን ንጦብያን ንየዳዕያን+ ንሄን ወዲ ጸፎንያስን ኣብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ንመዘከርታ ኪዀኖም እዩ። 15 እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኸኣ፡ መጺኦም ኣብ ህንጸት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሳተፉ እዮም።” የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ድምጺ የሆዋ ኣምላኽኩም ብርግጽ እንተ ሰሚዕኩም ከኣ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ