ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ነገስት 12
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ነገስት—ትሕዝቶ

      • ዮኣስ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-3)

      • ዮኣስ ነታ ቤተ መቕደስ ጸገና (4-16)

      • ወረራ ሶርያውያን (17, 18)

      • ዮኣስ ተቐትለ (19-21)

2 ነገስት 12:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:16፣ 2ነገ 10:30
  • +2ነገ 11:2፣ 1ዜና 3:10, 11
  • +2ዜና 24:1, 2

2 ነገስት 12:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 33:52

2 ነገስት 12:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ነፍሲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 31:12
  • +ዘጸ 30:13፣ 2ዜና 24:9
  • +ዘጸ 25:2፣ 35:21

2 ነገስት 12:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዚፈልጥዎ።”

  • *

    ወይ፡ “ነቓዓት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:7

2 ነገስት 12:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:5

2 ነገስት 12:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 11:4፣ 2ዜና 23:1፣ 24:15
  • +2ዜና 24:6

2 ነገስት 12:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:8፣ ማር 12:41፣ ሉቃ 21:1
  • +2ዜና 24:10

2 ነገስት 12:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ ከረጺት ይገብርዎን።” ቃ.ቃ.፡ “ይኣስርዎን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:11

2 ነገስት 12:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:4-6፣ 2ዜና 24:12

2 ነገስት 12:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:2፣ 2ዜና 5:12
  • +2ዜና 24:14

2 ነገስት 12:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 22:7

2 ነገስት 12:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 5:15
  • +ዘሌ 7:7፣ ዘሁ 18:8

2 ነገስት 12:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሓዛኤል ኣንጻር የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዐ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 19:15፣ 2ነገ 8:13፣ 10:32
  • +1ዜና 18:1
  • +2ዜና 24:23

2 ነገስት 12:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:18፣ 2ነገ 16:8፣ 18:15

2 ነገስት 12:20

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤት-ሚሎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 24:25, 26፣ 25:27
  • +2ሳሙ 5:9፣ 1ነገ 9:15, 24፣ 2ዜና 32:5

2 ነገስት 12:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 14:1, 5
  • +2ዜና 24:27

ሓፈሻዊ

2 ነገ. 12:11ነገ 19:16፣ 2ነገ 10:30
2 ነገ. 12:12ነገ 11:2፣ 1ዜና 3:10, 11
2 ነገ. 12:12ዜና 24:1, 2
2 ነገ. 12:3ዘሁ 33:52
2 ነገ. 12:42ዜና 31:12
2 ነገ. 12:4ዘጸ 30:13፣ 2ዜና 24:9
2 ነገ. 12:4ዘጸ 25:2፣ 35:21
2 ነገ. 12:52ዜና 24:7
2 ነገ. 12:62ዜና 24:5
2 ነገ. 12:72ነገ 11:4፣ 2ዜና 23:1፣ 24:15
2 ነገ. 12:72ዜና 24:6
2 ነገ. 12:92ዜና 24:8፣ ማር 12:41፣ ሉቃ 21:1
2 ነገ. 12:92ዜና 24:10
2 ነገ. 12:102ዜና 24:11
2 ነገ. 12:112ነገ 22:4-6፣ 2ዜና 24:12
2 ነገ. 12:13ዘሁ 10:2፣ 2ዜና 5:12
2 ነገ. 12:132ዜና 24:14
2 ነገ. 12:152ነገ 22:7
2 ነገ. 12:16ዘሌ 5:15
2 ነገ. 12:16ዘሌ 7:7፣ ዘሁ 18:8
2 ነገ. 12:171ነገ 19:15፣ 2ነገ 8:13፣ 10:32
2 ነገ. 12:171ዜና 18:1
2 ነገ. 12:172ዜና 24:23
2 ነገ. 12:181ነገ 15:18፣ 2ነገ 16:8፣ 18:15
2 ነገ. 12:202ዜና 24:25, 26፣ 25:27
2 ነገ. 12:202ሳሙ 5:9፣ 1ነገ 9:15, 24፣ 2ዜና 32:5
2 ነገ. 12:212ነገ 14:1, 5
2 ነገ. 12:212ዜና 24:27
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ነገስት 12:1-21

2 ነገስት

12 ኣብ ሻውዐይቲ ዓመት የሁ፡+ ዮኣስ+ ነገሰ፣ ኣብ የሩሳሌም ከኣ 40 ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ጺብያ እዩ፣ ንሳ ኻብ ብኤር-ሸባዕ እያ።+ 2 ዮኣስ ድማ ብዅሉ እቲ ኻህን የሆያዳ ዚምህሮ ዝነበረ እዋን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ። 3 ግናኸ፡ እቲ በረኽቲ+ ኣይተወገደን ነበረ፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ገና ኣብቲ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።

4 ዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት ከምዚ በሎም፦ “ኵሉ እቲ ቕዱስ መባእ ኪኸውን ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ፡+ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዚስልዓሉ ገንዘብን+ እቲ ንገምጋም ሰብ* ዚውሃብ ገንዘብን ኵሉ እቲ ነፍሲ ወከፍ ብልቡ ተደሪኹ ናብ ቤት የሆዋ ዜምጽኦ ገንዘብን ውሰዱ።+ 5 እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብ ለገስቲ* ወሲዶም፡ ንእተረኽበ ዘበለ ፍራሳት* እታ ቤት ይጸግኑሉ።”+

6 ክሳዕ መበል 23 ዓመት ንጉስ ዮኣስ፡ እቶም ካህናት ንፍራሳት እታ ቤት ኣይጸገንዎን ነበሩ።+ 7 ንጉስ ዮኣስ ከኣ ንኻህን የሆያዳን+ ንኻልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ “ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እታ ቤት ዘይትጽግኑ ዘለኹም፧ እምበኣር፡ ንመጸገኒ ፍራሳት እታ ቤት እንተ ዘይኰይኑ፡ ደጊም ካብቶም ለገስቲ ገንዘብ ኣይትውሰዱ” በሎም።+ 8 እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱን ንጽገና እታ ቤት ሓላፍነት ከይስከሙን ተሰማምዑ።

9 ካህን የሆያዳ ድማ ሓደ ሳጹን+ ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ፡ ናብ ቤት የሆዋ ንዚኣቱ ሰብ ብየማኑ ኣንበሮ። እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ዀይኖም ዜገልግሉ ኻህናት እውን ንዅሉ እቲ ናብ ቤት የሆዋ ዚመጽእ ገንዘብ ኣብኡ የንብርዎ ነበሩ።+ 10 ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ዚርእዩ፡ ጸሓፊ ንጉስን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደዪቦም ነቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ ይእክብዎን* ይቘጽርዎን ነበሩ።+ 11 ነቲ እተቘጽረ ገንዘብ ከኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዚግበር ዕዮ እተሸሙ ይህብዎም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነቶም ኣብ ቤት የሆዋ ዚዓይዩ ጸረብቲ ዕንጨይትን ሃነጽትን+ 12 ነደቕትን ወቐርቲ እምንን ይኸፍልዎም ነበሩ። ንጽገና እቲ ፍራሳት ቤት የሆዋ ኸኣ ኣዕጫውን ውቑር ኣእማንን ዓደጉ፣ እቲ ገንዘብ እውን ንዅላ እታ ቤት ንምጽጋን ዝወጸ ኻልእ ወጻኢታት ንምሽፋን ተጠቕሙሉ።

13 ግናኸ፡ ካብቲ ናብ ቤት የሆዋ ዝመጸ ገንዘብ፡ ገለ እኳ ንቤት የሆዋ ገበራታት ብሩር፡ መቐዛት መጥፍኢ፡ ጭሔሎታት፡ መለኸታት፡+ ወይ ካልእ ኣቕሑ ወርቂ ወይ ብሩር ንምግባር ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።+ 14 ነቶም ዚዓይዩ ጥራይ ይህብዎም ነበሩ፣ ብእኡ ድማ ንቤት የሆዋ ጸገንዋ። 15 እቶም ንዓየይቲ ኺህቡ እቲ ገንዘብ እተዋህቦም ሰባት እሙናት ስለ ዝነበሩ፡ ንዓታቶም ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ።+ 16 እቲ ገንዘብ መስዋእቲ በደልን+ ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ግና፡ ናብ ቤት የሆዋ ኣይመጸን፣ ንሱ ናይ ካህናት ኰነ።+

17 ሽዑ፡ ሓዛኤል+ ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት+ ተዋጊኡ ሓዛ። ድሕሪኡ፡ ንየሩሳሌም ኬጥቅዓ ወሰነ።*+ 18 ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ ኵሉ እቲ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝነበሩ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን ዝቐደስዎ ቕዱስ መባእን ንሱ ዝቐደሶ ቕዱስ መባእን ኵሉ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን እተረኽበ ወርቅን ወሲዱ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ።+ ንሱ ድማ ካብ የሩሳሌም ኣንሰሓበ።

19 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ዮኣስ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ 20 ንዮኣስ ግና ገላዉኡ ውዲት ኣለሙሉ፣+ ኣብታ ናብ ሲላ ኣብ እተውርድ መገዲ ዘላ ቤት ኵምራ*+ ኸኣ ቀተልዎ። 21 እቶም ወቒዖም ዝቐተልዎ ገላዉኡ ድማ፡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን የሆዛባድ ወዲ ሾሜርን እዮም።+ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ