ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ዘፍጥረት 28
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ዘፍጥረት—ትሕዝቶ

      • ይስሃቅ ንያእቆብ ናብ ጳዳን-ኣራም ሰደዶ (1-9)

      • ያእቆብ ኣብ ቤት-ኤል ዝሓለሞ ሕልሚ (10-22)

        • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንያእቆብ ጸንዓሉ (13-15)

ዘፍጥረት 28:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 24:34, 37፣ ዘጸ 34:15, 16፣ 1ነገ 11:1-3፣ 2ቈረ 6:14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/7/1995፡ ገጽ 23

ዘፍጥረት 28:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 29:16

ዘፍጥረት 28:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 17:5፣ 46:15, 19፣ 1ዜና 2:1, 2

ዘፍጥረት 28:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 12:7፣ 15:13፣ 17:1, 8፣ እብ 11:9
  • +ዘፍ 12:2, 3

ዘፍጥረት 28:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 25:20
  • +ዘፍ 24:29

ዘፍጥረት 28:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:1፣ 2ቈረ 6:14

ዘፍጥረት 28:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:43

ዘፍጥረት 28:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 27:46

ዘፍጥረት 28:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 36:2, 3

ዘፍጥረት 28:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 11:31፣ 27:43

ዘፍጥረት 28:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 28:18, 19

ዘፍጥረት 28:12

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መሳልል።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮሃ 1:51፣ እብ 1:7, 14

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2004፡ ገጽ 28

    15/10/2003፡ ገጽ 28-29

ዘፍጥረት 28:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 26:24, 25
  • +ዘፍ 12:7፣ 28:4፣ መዝ 105:9-11

ዘፍጥረት 28:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “በረኸት ኪረኽቡ፡” ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 13:14, 16፣ 1ነገ 4:20
  • +ዘፍ 18:18፣ 22:15, 18

ዘፍጥረት 28:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:6
  • +ዘፍ 31:3፣ ዘሁ 23:19፣ እያ 23:14፣ እብ 6:18

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/3/2013፡ ገጽ 21

ዘፍጥረት 28:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 47:2
  • +ዘፍ 35:1

ዘፍጥረት 28:18

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 31:13

ዘፍጥረት 28:19

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ትርጉሙ፡ “ቤት ኣምላኽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:6፣ እያ 16:1, 2

ዘፍጥረት 28:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 35:1

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 170

ሓፈሻዊ

ዘፍ. 28:1ዘፍ 24:34, 37፣ ዘጸ 34:15, 16፣ 1ነገ 11:1-3፣ 2ቈረ 6:14
ዘፍ. 28:2ዘፍ 29:16
ዘፍ. 28:3ዘፍ 17:5፣ 46:15, 19፣ 1ዜና 2:1, 2
ዘፍ. 28:4ዘፍ 12:7፣ 15:13፣ 17:1, 8፣ እብ 11:9
ዘፍ. 28:4ዘፍ 12:2, 3
ዘፍ. 28:5ዘፍ 25:20
ዘፍ. 28:5ዘፍ 24:29
ዘፍ. 28:6ዘፍ 28:1፣ 2ቈረ 6:14
ዘፍ. 28:7ዘፍ 27:43
ዘፍ. 28:8ዘፍ 27:46
ዘፍ. 28:9ዘፍ 36:2, 3
ዘፍ. 28:10ዘፍ 11:31፣ 27:43
ዘፍ. 28:11ዘፍ 28:18, 19
ዘፍ. 28:12ዮሃ 1:51፣ እብ 1:7, 14
ዘፍ. 28:13ዘፍ 26:24, 25
ዘፍ. 28:13ዘፍ 12:7፣ 28:4፣ መዝ 105:9-11
ዘፍ. 28:14ዘፍ 13:14, 16፣ 1ነገ 4:20
ዘፍ. 28:14ዘፍ 18:18፣ 22:15, 18
ዘፍ. 28:15ዘፍ 35:6
ዘፍ. 28:15ዘፍ 31:3፣ ዘሁ 23:19፣ እያ 23:14፣ እብ 6:18
ዘፍ. 28:17መዝ 47:2
ዘፍ. 28:17ዘፍ 35:1
ዘፍ. 28:18ዘፍ 31:13
ዘፍ. 28:19ዘፍ 35:6፣ እያ 16:1, 2
ዘፍ. 28:22ዘፍ 35:1
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዘፍጥረት 28:1-22

ዘፍጥረት

28 ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ።+ 2 ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን+ ሰበይቲ ኣእቱ። 3 እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ኪባርኸካን ኬፍርየካን እዩ፣ ብርግጽ እውን ጭፍራ ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።+ 4 ነዛ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ጓና ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያ፡+ ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም+ ኪህበካ እዩ።”

5 ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ፣ ንሱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ኣራማዊ፡+ ሓው ርብቃ+ ኣደ ያእቆብን ኤሳውን፡ ከደ።

6 ኤሳው ከኣ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፡ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸይተእቱ”+ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ ረኣየ። 7 ያእቆብ ድማ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ተኣዚዙ፡ ናብ ጳዳን-ኣራም ነቐለ።+ 8 ሽዑ፡ ኤሳው፡ ኣዋልድ ከነኣን ንኣቦኡ ይስሃቅ ከም ዘጕሃያኦ ረኣየ።+ 9 ስለዚ፡ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ዝነበራኦ ኣንስቲ፡ ንማሓላት ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፡ ሓብቲ ነባዮት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ።+

10 ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቒሉ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ።+ 11 ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ጸሓይ ስለ ዝዓረበት፡ ኣብኣ ኺሓድር መደበ። ካብቲ ኣብታ ቦታ እቲኣ ዝነበረ ኣእማን ሓንቲ ወሲዱ ድማ፡ ተተርኢስዋ፡ ኣብኣ ደቀሰ።+ 12 ሽዑ፡ ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ መደያይቦ* ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ ነበረ። መላእኽቲ ኣምላኽ ድማ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ።+ 13 እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦

“ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ።+ እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።+ 14 ዘርእኻ ድማ ብርግጽ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣+ ናብ ምዕራብን ናብ ምብራቕን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ከኣ ከተስፋሕፍሕ ኢኻ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻን ብዘርእኻን ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።+ 15 ኣነ ኸኣ ምሳኻ እየ፣ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።+ እቲ ቓል ዝኣቶኹልካ ኽሳዕ ዝገብሮ፡ ኣይክሓድገካን እየ።”+

16 ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡ “ኣነ ደኣ እየ ዘይፈለጥኩ ነይረ እምበር፡ ብሓቂ የሆዋ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። 17 ፈሪሁ ድማ፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ! እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡+ ካልእ ኣይኰነትን፣ እዚኣ ኸኣ ኣፍ ደገ ሰማያት እያ” በለ።+ 18 ያእቆብ ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነታ ተተርኢስዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ፡ ሓወልቲ ኽትከውን ኣቘማ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ዘይቲ ኣፍሰሰላ።+ 19 ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ፣ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ነበረ።+

20 ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ፦ “ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጕዕዞይ ከኣ እንተ ሓልዩኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፡ 21 ናብ ቤት ኣቦይ እውን ብደሓን እንተ ተመሊሰ፡ ሽዑ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኸይ ኪኸውን እዩ። 22 እዛ ሓወልቲ ገይረ ኣቚመያ ዘለኹ እምኒ ኸኣ፡ ቤት ኣምላኽ ክትከውን እያ፣+ ኣነ ድማ ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ዕሽር ክህበካ እየ።”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ