ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ (1-14)

      • ሸብና እቲ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ብኤልያቂም ተተክአ (15-25)

        • ምሳልያዊ ሽንካር (23-25)

ኢሳይያስ 22:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ንየሩሳሌም ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 6:6

ኢሳይያስ 22:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 3:1፣ ኤር 38:2፣ ድጕ 4:9

ኢሳይያስ 22:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:4, 5
  • +2ነገ 25:11

ኢሳይያስ 22:4

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ከም ሰብ ጌርካ ንምግላጽ ዜገልግል ብሂል ኰይኑ፡ ምናልባት ድንጋጸ ወይ ርሕራሐ ንምግላጽ ይዕየየሉ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 4:19፣ 8:18, 19፣ 9:1
  • +ሚክ 1:8, 9

ኢሳይያስ 22:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሚክ 7:4
  • +2ነገ 25:10፣ ነህ 1:3

ኢሳይያስ 22:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”

  • *

    ወይ፡ “ተዳሉ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 10:22
  • +2ነገ 16:9

ኢሳይያስ 22:7

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዓሚቝ ጐላጕልኪ።”

  • *

    ወይ፡ “ፈረሰኛታት።”

ኢሳይያስ 22:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ዕቝባ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 7:1, 2

ኢሳይያስ 22:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 25:9, 10፣ ኤር 52:7
  • +ነህ 3:15

ኢሳይያስ 22:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/6/1997፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 22:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዮኤ 2:17

ኢሳይያስ 22:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 5:12፣ 56:12፣ ኣሞ 6:1, 4፣ ሉቃ 17:27፣ ያእ 5:5
  • +1ቈረ 15:32

ኢሳይያስ 22:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:31፣ ኢሳ 1:11፣ ኤር 15:1፣ ህዝ 24:13

ኢሳይያስ 22:15

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:37፣ 19:2

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2018፡ ገጽ 24-25

ኢሳይያስ 22:16

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መንበሪ።”

ኢሳይያስ 22:19

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2007፡ ገጽ 9

ኢሳይያስ 22:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:26, 37

ኢሳይያስ 22:21

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ግዝኣትካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 41:41, 42፣ ኣስ 8:15

ኢሳይያስ 22:22

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ራእ 3:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/1/2009፡ ገጽ 31

    ራእይ፡ ገጽ 63

ኢሳይያስ 22:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ክብደት።”

  • *

    ወይ፡ “ጨናፍርን።”

ኢሳይያስ 22:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 22:15, 17

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 22:1ኤር 6:6
ኢሳ. 22:2ኢሳ 3:1፣ ኤር 38:2፣ ድጕ 4:9
ኢሳ. 22:32ነገ 25:4, 5
ኢሳ. 22:32ነገ 25:11
ኢሳ. 22:4ኤር 4:19፣ 8:18, 19፣ 9:1
ኢሳ. 22:4ሚክ 1:8, 9
ኢሳ. 22:5ሚክ 7:4
ኢሳ. 22:52ነገ 25:10፣ ነህ 1:3
ኢሳ. 22:6ዘፍ 10:22
ኢሳ. 22:62ነገ 16:9
ኢሳ. 22:81ነገ 7:1, 2
ኢሳ. 22:92ነገ 25:9, 10፣ ኤር 52:7
ኢሳ. 22:9ነህ 3:15
ኢሳ. 22:12ዮኤ 2:17
ኢሳ. 22:13ኢሳ 5:12፣ 56:12፣ ኣሞ 6:1, 4፣ ሉቃ 17:27፣ ያእ 5:5
ኢሳ. 22:131ቈረ 15:32
ኢሳ. 22:14ዘሌ 26:31፣ ኢሳ 1:11፣ ኤር 15:1፣ ህዝ 24:13
ኢሳ. 22:152ነገ 18:37፣ 19:2
ኢሳ. 22:202ነገ 18:26, 37
ኢሳ. 22:21ዘፍ 41:41, 42፣ ኣስ 8:15
ኢሳ. 22:22ራእ 3:7
ኢሳ. 22:25ኢሳ 22:15, 17
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 22:1-25

ኢሳይያስ

22 ብዛዕባ ስንጭሮ ራእይ* እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦+

ኵሉ ሰብኪ ናብ ናሕስታት ዚድይብሲ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧

 2 ኣቲ እትናወጺ ኸተማ፡ ኣቲ ፍስህቲ ኸተማ፡

ህውከት መሊኡኪ ነይሩ።

ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፣

ኣብ ውግእ እውን ኣይሞቱን።+

 3 ኵሎም መለኽትኺ ብሓባር ሃዲሞም።+

ብዘይ ቀስቲ ተኣሲሮም ተወሲዶም።

እተረኽቡ ዘበሉ ዅሎም፡+

ኣርሒቖም እኳ እንተ ሃደሙ፡ ተኣሲሮም ተወሲዶም።

 4 ስለዚ፡ ከምዚ ኢለ፦ “ኣዒንትኹም ካባይ ምለሱ፡

ኣምሪረ ድማ ክበኪ እየ።+

ብጥፍኣት ጓል* ህዝበይ+

ከተጸናንዑኒ ኢልኩም ግዲ ኣይትበሉኒ።

 5 ንሳስ ካብቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡

ኣብ ስንጭሮ ራእይ

መዓልቲ ዕግርግርን ስዕረትን ስምባድን እያ።+

መካበብያ ይፈርስ፡+

ናብ ከረን ከኣ ይእወ ኣሎ።

 6 ዔላም+ ጕልድባ ተልዕል፡

ምስኡ እውን ሰብ ዘለዎ ሰረገላታትን ኣፍራስን፣*

ቂር+ ድማ ዋልታ ትቐልዕ።*

 7 እቲ ብሉጽ ስንጭሮታትኪ፡*

ሰረገላታት ኪመልእ፡

ኣፍራስ* ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኪቘሙ እዮም፣

 8 መጋረዲ* ይሁዳ ድማ ኪቕላዕ እዩ።

“በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ናብቲ ኣብ ቤት ዱር ዘሎ ቤት ኣጽዋር ክትጥምቲ ኢኺ፣+ 9 ነቲ ሓያሎ ፍሩሳት ከተማ ዳዊት ከኣ ክትርእዩ ኢኹም።+ ማያት ታሕተዋይ ሓጽቢ ድማ ክትእክቡ ኢኹም።+ 10 ንኣባይቲ የሩሳሌም ክትቈጽርዎ፡ ነቲ መካበብያ ምእንቲ ኸተጽንዑ ኸኣ ኣባይቲ ኸተፍርሱ ኢኹም። 11 ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ መካበብያ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢ ዚኸውን ጋብላ ኽትገብሩ ኢኹም፣ ግናኸ፡ ናብቲ ዓብዪ ገባሪ ኣይክትጥምቱን፡ ነቲ ኻብ ቀደም ዝገበሮ እውን ኣይክትርእይዎን ኢኹም።

12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡

ንብኽያትን ንሓዘንን+

ንምልጻይ ርእስን ንምኽዳን ማቕን ኪጽውዕ እዩ።

13 ኣብ ክንዳኡ ግና፡ በዓልን ሓጐስን፡

ምቕታል ከብትን ምሕራድ ኣባጊዕን፡

ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኣሎ።+

‘ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን።’”+

14 ሽዑ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ኣእዛነይ ከምዚ ኢሉ ገለጸለይ፦ “‘ንስኻትኩም ክሳዕ እትሞቱስ እዚ ስሕተት እዚ ብዕርቂ ኣይኪኽደነልኩምን እዩ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።”

15 እቲ ልዑላዊ ጐይታ፡ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ “ናብቲ ኣብታ ቤት* ሓላፍነት ዘለዎ ኣመሓዳሪ ቤት፡ ናብ ሸብና+ ኺድ እሞ፡ 16 ‘ኣብዚ እንታይ ኣሎካ፧ ኣብዚ መቓብር ንርእስኻ እትወቅርሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ፧’ በሎ። ንሱ ኣብ በሪኽ መቓብር ይወቅር ኣሎ፣ ኣብ ከውሒ ድማ ንርእሱ መዕረፊ* ይዅዕት ኣሎ። 17 ‘ኣታ ሰብ፡ እንሆ፡ የሆዋ ብሓይሊ ኺድርብየካ፡ ብጽኑዕ ኪሕዘካ እዩ። 18 ብርግጽ ከረው ኣቢሉ ኺጥቕልለካ፡ ከም ኵዕሶ እውን ናብ ሰፋሕ ምድሪ ኺድርብየካ እዩ። ኣብኡ ኽትመውት፡ እቲ ኽቡር ሰረገላታትካ ኸኣ ኣብኡ ኪኸውን፡ ንቤት ጐይታኻ እውን ውርደት ክትከውን ኢኻ። 19 ኣነ ድማ ካብ ቦታኻ ኽግልብጠካ፡ ካብ ስልጣንካ ኸኣ ክድርብየካ እየ።

20 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጊልያይ ኤልያቂም+ ወዲ ሒልቅያ ኽጽውዖ እየ፣ 21 በቲ ወለል ዚብል ክዳንካ ድማ ክኸድኖ፡ ቅናትካ ኸኣ ከዕጥቖ፡+ ስልጣንካ* እውን ኣብ ኢዱ ኽህቦ እየ። ንሱ ድማ ንነበርቲ የሩሳሌምን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ኪዀኖም እዩ። 22 መፍትሕ ቤት ዳዊት+ ከኣ ኣብ መንኵቡ ኪኸውን እዩ። ንሱ ኪኸፍት፡ ሓደ እኳ ኣይኪዓጹን እዩ፣ ንሱ ኺዓጹ፡ ሓደ እኳ ኣይኪኸፍትን እዩ። 23 ከም ሽንካር ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ ኽተኽሎ እየ፣ ንቤት ኣቦኡ እውን ከም ዝፋን ክብሪ ኪኸውን እዩ። 24 ኵሉ ኽብሪ* ቤት ኣቦኡ፡ ዘርእን ውሉድን፡* ኵሉ ንኣሽቱ ኣቕሑ፡ ከም ጭሔሎ ዝበለ ኣቕሑ፡ ኵሉ ኣጋንእ ኣብኡ ኺስቀል እዩ።

25 “‘በታ መዓልቲ እቲኣ፡’ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ‘እቲ ኣብ ናይ ሓዋሩ ቦታ እተተኽለ ሽንካር ኪለግስ፡+ ኪቝረጽን ኪወድቕን እዩ፣ የሆዋ ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ እቲ ንሱ ጾይርዎ ዝነበረ ድማ ናብ ጥፍኣት ኪወድቕ እዩ።’”

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ