ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ዜና መዋእል 13
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ

      • ኣብያ፡ ንጉስ ይሁዳ (1-22)

        • ኣብያ ንየሮብዓም ሰዓሮ (3-20)

2 ዜና መዋእል 13:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 15:1, 2

2 ዜና መዋእል 13:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:20, 21
  • +እያ 18:28፣ 1ሳሙ 10:26
  • +1ነገ 15:6

2 ዜና መዋእል 13:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:1

2 ዜና መዋእል 13:5

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ ነባርን ዘይልወጥን ኪዳን።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 7:8, 12, 13፣ 1ዜና 17:11, 14፣ መዝ 78:70, 71፣ 89:28, 29፣ ሉቃ 1:32

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2005፡ ገጽ 20

2 ዜና መዋእል 13:6

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 10:2
  • +1ነገ 11:26, 27፣ 12:20

2 ዜና መዋእል 13:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:26, 28፣ 2ዜና 11:15

2 ዜና መዋእል 13:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ኺመልእ ዝመጸ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:14
  • +1ነገ 12:31, 33፣ 13:33

2 ዜና መዋእል 13:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 11:16

2 ዜና መዋእል 13:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ማለት፡ እንጌራ ምርኣይ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 29:39
  • +ዘጸ 30:1
  • +ዘጸ 25:30
  • +ዘጸ 25:31
  • +ዘጸ 27:20

2 ዜና መዋእል 13:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 10:9

2 ዜና መዋእል 13:14

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 14:11፣ 18:31

2 ዜና መዋእል 13:17

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”

2 ዜና መዋእል 13:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “እተመርኰሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 18:1, 5፣ 1ዜና 5:20፣ 2ዜና 16:8፣ መዝ 22:5፣ 37:5፣ ናሆ 1:7

2 ዜና መዋእል 13:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ነገ 12:28, 29
  • +ዮሃ 11:54

2 ዜና መዋእል 13:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 25:38፣ 1ነገ 14:20፣ ግብ 12:21-23

2 ዜና መዋእል 13:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 17:17

2 ዜና መዋእል 13:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መግለጺ፣ ርእይቶ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 9:29፣ 12:15

ሓፈሻዊ

2 ዜና 13:11ነገ 15:1, 2
2 ዜና 13:22ዜና 11:20, 21
2 ዜና 13:2እያ 18:28፣ 1ሳሙ 10:26
2 ዜና 13:21ነገ 15:6
2 ዜና 13:32ዜና 11:1
2 ዜና 13:5ዘፍ 49:10፣ 2ሳሙ 7:8, 12, 13፣ 1ዜና 17:11, 14፣ መዝ 78:70, 71፣ 89:28, 29፣ ሉቃ 1:32
2 ዜና 13:62ዜና 10:2
2 ዜና 13:61ነገ 11:26, 27፣ 12:20
2 ዜና 13:81ነገ 12:26, 28፣ 2ዜና 11:15
2 ዜና 13:92ዜና 11:14
2 ዜና 13:91ነገ 12:31, 33፣ 13:33
2 ዜና 13:102ዜና 11:16
2 ዜና 13:11ዘጸ 29:39
2 ዜና 13:11ዘጸ 30:1
2 ዜና 13:11ዘጸ 25:30
2 ዜና 13:11ዘጸ 25:31
2 ዜና 13:11ዘጸ 27:20
2 ዜና 13:12ዘሁ 10:9
2 ዜና 13:142ዜና 14:11፣ 18:31
2 ዜና 13:182ነገ 18:1, 5፣ 1ዜና 5:20፣ 2ዜና 16:8፣ መዝ 22:5፣ 37:5፣ ናሆ 1:7
2 ዜና 13:191ነገ 12:28, 29
2 ዜና 13:19ዮሃ 11:54
2 ዜና 13:201ሳሙ 25:38፣ 1ነገ 14:20፣ ግብ 12:21-23
2 ዜና 13:21ዘዳ 17:17
2 ዜና 13:222ዜና 9:29፣ 12:15
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ዜና መዋእል 13:1-22

2 ዜና መዋእል

13 ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም፡ ኣብያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+ 2 ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሚካያ እዩ፣+ ንሳ ጓል ኡርኤል ብዓል ጊብዓ+ እያ። ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።+

3 ኣብያ ድማ 400,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ዝዀኑ ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ወፈረ።+ የሮብዓም ከኣ 800,000 ዕሉማት* ጀጋኑ ተዋጋእቲ ሒዙ ኣንጻሩ ንውግእ ተሰለፈ። 4 ኣብያ ድማ ኣብቲ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ዘሎ ኸረን ጸማራዪም ደው ኢሉ ኸምዚ በለ፦ “ኦ የሮብዓምን ኵላትኩም እስራኤልን፡ ስምዑኒ። 5 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንዕኡን ንደቁን፡ ብናይ ጨው ኪዳን* ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም መንግስቲ ኸም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧+ 6 የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ግና፡ ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ዓለወ።+ 7 ስራሕ ዘይብሎምን ዘይጠቕሙን ሰባት ከኣ ናብኡ ተኣከቡ። ሮብዓም ንእሽቶን ጃጃውን ከሎ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ፣ ንሱ እውን ኪቃወሞም ኣይከኣለን።

8 “ሕጂ ድማ፡ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝዀንኩምን እቶም የሮብዓም ንዓኻትኩም ኣማልኽቲ ኪዀኑ ዝገበሮም ምራኹት ወርቂ ስለ ዘለዉኹምን፡+ ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ የሆዋ ኽትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ። 9 ነቶም ካህናት የሆዋ ዝዀኑ ደቂ ኣሮንን ነቶም ሌዋውያንን ሰጒጕኩም፡+ ከምቶም ህዝብታት ካልኦት ሃገራት ናታትኩም ካህናትዶ ኣይሸምኩምን፧+ ሓደ ዝራብዕን ሸውዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ* ዘበለ፡ ካህን እቶም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። 10 ንዓና ግና ኣምላኽና የሆዋ እዩ፡+ ንሕና እውን ኣይሓደግናዮን፣ ካህናትና፡ ደቂ ኣሮን ከኣ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ፣ ሌዋውያን ድማ ኣብቲ ዕዮ ይሕግዙ ኣለዉ። 11 ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን+ ከኣ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን የሕርሩሉ ኣለዉ፣+ እቲ እተደራረበ እንጌራ*+ ድማ ኣብቲ ሰደቓ ጽሩይ ወርቂ ኣሎ፣ ምሸተ ምሸት ከኣ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን+ ቀነዲሉን የብርህዎ ኣለዉ።+ ንሕናስ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ዘሎና ሓላፍነት ንስከም ኣለና፡ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። 12 እንሆ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምሳና እዩ፣ ብኻህናቱን በቲ ምሳኻትኩም ንምውጋእ ምልክት ዚኸውን መለኸትን ኣቢሉ ኸኣ ይመርሓና ኣሎ። ኦ ሰብ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓኩምን እዩ እሞ፡ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።”+

13 የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዞይሮም ዚመጹ ደባይ ልኢኹሎም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ፡ እቶም ደባይ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበሩ። 14 ሰብ ይሁዳ ገጾም ምስ መለሱ ድማ፡ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ውግእ ከም ዝዀኖም ረኣዩ። ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ተማህለሉ፣+ እቶም ካህናት እውን ዓው ኣቢሎም መለኸት ነፍሑ። 15 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ጭድርታ ውግእ ጨደሩ፣ ሰብ ይሁዳ ጭድርታ ውግእ ምስ ጨደሩ ድማ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንዅሎም እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣብያን ይሁዳን ሰዓሮም። 16 እስራኤላውያን ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፣ ኣምላኽ እውን ኣብ ኢዶም ሃቦም። 17 ኣብያን ህዝቡን ድማ ንዓታቶም ወቒዖም ብዙሓት ቀተሉ፣ ካብ እስራኤል ከኣ 500,000 ዕሉማት* ሰብኡት ተቐቲሎም ወደቑ። 18 በዚ ኸምዚ፡ በታ ግዜ እቲኣ ሰብ እስራኤል ተዋረዱ፣ ሰብ ይሁዳ ግና ብየሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ እተኣመኑ፡* በርትዑ።+ 19 ኣብያ ኸኣ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ካብኡ እውን ከተማታት፡ ማለት ቤት-ኤልን+ ዓድታታን የሻናን ዓድታታን ዔፍራይንን+ ዓድታታን ሓዘ። 20 የሮብዓም ድማ ብግዜ ኣብያ፡ መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን፣ የሆዋ ኸኣ ወቕዖ እሞ ሞተ።+

21 ኣብያ ግና እናበርትዐ ኸደ፣ 14 ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡+ 22 ኣወዳትን 16 ኣዋልድን ወለደ። 22 እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያ፡ ግብርታቱን ዘረባኡን፡ ኣብ ጽሑፋት* ነብዪ ዒዶ ተመዝጊቡ ኣሎ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ