ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • 2 ሳሙኤል 9
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

2 ሳሙኤል—ትሕዝቶ

      • ዳዊት ንመፊቦሸት ብተኣማንነት ዘርኣዮ ፍቕሪ (1-13)

2 ሳሙኤል 9:1

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 18:1, 3፣ 20:15, 42

2 ሳሙኤል 9:2

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 16:1፣ 19:17

2 ሳሙኤል 9:3

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሓንኪሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 4:4፣ 9:13፣ 19:26

2 ሳሙኤል 9:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 17:27-29

2 ሳሙኤል 9:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ምሳ 11:17
  • +2ሳሙ 19:28፣ ምሳ 11:25

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/5/2002፡ ገጽ 19

2 ሳሙኤል 9:8

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ገጽካ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ሳሙ 24:14

2 ሳሙኤል 9:9

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:1፣ 16:4፣ 19:29

2 ሳሙኤል 9:10

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 19:28
  • +2ሳሙ 19:17

2 ሳሙኤል 9:11

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ኣብ መኣደይ” ኪኸውን ይኽእል።

2 ሳሙኤል 9:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 8:34፣ 9:40

2 ሳሙኤል 9:13

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ሳሙ 9:7፣ 19:28
  • +2ሳሙ 4:4

ሓፈሻዊ

2 ሳሙ. 9:11ሳሙ 18:1, 3፣ 20:15, 42
2 ሳሙ. 9:22ሳሙ 16:1፣ 19:17
2 ሳሙ. 9:32ሳሙ 4:4፣ 9:13፣ 19:26
2 ሳሙ. 9:42ሳሙ 17:27-29
2 ሳሙ. 9:7ምሳ 11:17
2 ሳሙ. 9:72ሳሙ 19:28፣ ምሳ 11:25
2 ሳሙ. 9:81ሳሙ 24:14
2 ሳሙ. 9:92ሳሙ 9:1፣ 16:4፣ 19:29
2 ሳሙ. 9:102ሳሙ 19:28
2 ሳሙ. 9:102ሳሙ 19:17
2 ሳሙ. 9:121ዜና 8:34፣ 9:40
2 ሳሙ. 9:132ሳሙ 9:7፣ 19:28
2 ሳሙ. 9:132ሳሙ 4:4
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
2 ሳሙኤል 9:1-13

2 ሳሙኤል

9 ዳዊት ድማ፡ “ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ብተኣማንነት ከፍቅሮ ዝኽእል ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፧” በለ።+ 2 ጺባ ዝስሙ ጊልያ ቤት ሳኦል ከኣ ነበረ።+ ንዕኡ ድማ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ፣ ንጉስ ከኣ፡ “ንስኻ ዲኻ ጺባ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ጊልያኻ እየ” ኢሉ መለሰ። 3 ንጉስ ከኣ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ዚገብሮ ብተኣማንነት ከፍቅሮስ፡ ካብ ቤት ሳኦል ገለ ሓድጊዶ የልቦን፧” በለ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፣ ንሱ ኣእጋሩ ሰንኪሉ* እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+ 4 ንጉስ ከኣ፡ “ንሱኸ ኣበይ ኣሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ንሱ ኣብ ቤት ማኪር+ ወዲ ዓሚኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።

5 ብኡብኡ፡ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ፡ ንዕኡ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ወሰዶ። 6 መፊቦሸት ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደ። ዳዊት ከኣ፡ “መፊቦሸት” በሎ። ንሱ ድማ፡ “እነኹ ጊልያኻ” ኢሉ መለሰ። 7 ዳዊት ከኣ፡ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ብርግጽ ብተኣማንነት ከፍቅረካ እየ እሞ፡+ ኣይትፍራህ፣ ኵሉ ግራውቲ ኣቦሓጎኻ ሳኦል ክመልሰልካ እየ፣ ንስኻ እውን ወትሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ” በሎ።+

8 ሽዑ፡ ንሱ ሰጊዱ፡ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ+ ቘላሕታኻ* እትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እዩ፧” በለ። 9 ንጉስ ከኣ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ልኢኹ ጸዊዑ፡ “ኵሉ እቲ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ፡ ንወዲ ወዱ ንጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።+ 10 ነቶም ናይ ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ዘበሉ ዚበልዕዎ ምግቢ ኪኸውንሲ፡ ንስኻን ደቅኻን ገላዉኻን ነቲ መሬት ሓሪስኩም፡ ፍሪኡ ኣክቡ። መፊቦሸት ወዲ ወዱ ንጐይታኻ ግና፡ ወትሩ ኣብ መኣደይ ኪበልዕ እዩ” በሎ።+

ጺባ ኸኣ 15 ኣወዳትን 20 ገላዉን ነበርዎ።+ 11 ጺባ ድማ ንንጉስ፡ “ከም ኵሉ እቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝኣዘዞ፡ ጊልያኡ ኸምኡ ኺገብር እዩ” በሎ። መፊቦሸት ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣዲ ዳዊት* በልዐ። 12 መፊቦሸት ድማ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ።+ ኵሎም እቶም ኣብ ቤት ጺባ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። 13 መፊቦሸት ድማ ወትሩ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፣+ ክልቲኡ እግሩ ኸኣ ስንኩል ነበረ።+

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ