ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኢሳይያስ 30
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

ኢሳይያስ—ትሕዝቶ

      • ረድኤት ግብጺ ኸቶ ዘይጠቅም (1-7)

      • ሰባት ነቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ይነጽግዎ (8-14)

      • ብርታዐ ኣብ ምውካል ኪኸውን እዩ (15-17)

      • የሆዋ ንህዝቡ ሞገስ ኬርእዮ እዩ (18-26)

        • የሆዋ፡ እቲ ዓብዪ መምህር (20)

        • “እታ መገዲ እዚኣ እያ” (21)

      • የሆዋ ኣብ ኣሶር ፍርዱ ኺፍጽም እዩ (27-33)

ኢሳይያስ 30:1

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “መስዋእቲ መስተ ይኽዕዉ፡” እዚ ንምግባር ውዕል ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 1:2፣ 63:10፣ 65:2
  • +ኢሳ 29:15

ኢሳይያስ 30:2

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ዕርዲ።”

  • *

    ወይ፡ “ኣፈይ ከይሓተቱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሁ 27:21፣ 1ነገ 22:7
  • +ኢሳ 31:1፣ ህዝ 29:6

ኢሳይያስ 30:3

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኤር 17:5

ኢሳይያስ 30:4

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 19:11፣ ህዝ 30:14

ኢሳይያስ 30:5

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 31:3፣ ኤር 2:36

ኢሳይያስ 30:6

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ተወርዋሪ መርዛም ተመንን።”

ኢሳይያስ 30:7

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 31:1፣ ኤር 37:7, 8
  • +መዝ 87:4፣ 89:10

ኢሳይያስ 30:8

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ሮሜ 15:4
  • +ኢሳ 8:1፣ ኤር 36:2

ኢሳይያስ 30:9

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ትምህርቲ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 31:27፣ ኢሳ 1:4፣ ኤር 44:3
  • +ኢሳ 59:3፣ ኤር 9:3
  • +2ዜና 33:10፣ 36:15, 16፣ ነህ 9:29፣ ኤር 7:13

ኢሳይያስ 30:10

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ልሙጽ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ዜና 16:10፣ 18:7፣ ኤር 11:21፣ 26:11
  • +ኤር 23:16, 17፣ ህዝ 13:7፣ ሚክ 2:11

ኢሳይያስ 30:11

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 7:13, 16

ኢሳይያስ 30:12

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኣሞ 2:4, 5
  • +ኤር 13:25፣ ሚክ 3:11

ኢሳይያስ 30:14

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “መዕቘር ማይ” ኪኸውን ይኽእል።

ኢሳይያስ 30:15

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +1ዜና 5:20፣ 2ዜና 16:8፣ ኢሳ 26:3
  • +ማቴ 23:37፣ ግብ 7:51

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    3/2024፡ ገጽ 28-29

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    1/2021፡ ገጽ 4

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/12/2006፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 30:16

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 31:1, 3
  • +ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19፣ ኣን 1:6, 8

ኢሳይያስ 30:17

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:36፣ ዘዳ 32:30
  • +ህዝ 12:16

ኢሳይያስ 30:18

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብሃንቀውታ ዚጽበይዎ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 34:6፣ ህዝ 36:9, 10
  • +መዝ 102:13፣ ሮሜ 9:15
  • +መዝ 99:4፣ ኤር 10:24
  • +ኤር 17:7

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    2/2024፡ ገጽ 26

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 9፡ 13

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    15/4/2015፡ ገጽ 26

    1/3/2002፡ ገጽ 30

ኢሳይያስ 30:19

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ነህ 11:1፣ ኢሳ 44:28፣ 62:1፣ ኤር 31:6፣ ዘካ 1:17
  • +ነህ 12:27፣ ኢሳ 61:3
  • +ኤር 29:11, 12

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 9

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2011፡ ገጽ 28

ኢሳይያስ 30:20

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘሌ 26:26፣ መዝ 80:5
  • +እዮ 36:22፣ መዝ 32:8፣ 71:17፣ 119:102

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓንቀጽ 125

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 10

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/8/2011፡ ገጽ 28

    1/11/2005፡ ገጽ 23

    15/2/2003፡ ገጽ 31

    15/6/2001፡ ገጽ 21

ኢሳይያስ 30:21

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 5:32፣ እያ 1:7, 8፣ ምሳ 4:27
  • +መዝ 25:8, 9

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 10-11

    ግምቢ ዘብዐኛ፡

    1/11/2005፡ ገጽ 23

    1/9/2004፡ ገጽ 17-18

    15/2/2003፡ ገጽ 31

    15/5/1999፡ ገጽ 17-18

    1/5/1996፡ ገጽ 23

ኢሳይያስ 30:22

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ጽያፍ” ኪኸውን ይኽእል።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘጸ 32:4፣ ዘዳ 7:5, 25፣ መሳ 17:3, 4
  • +ሆሴ 14:8፣ ዘካ 13:2

ኢሳይያስ 30:23

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ስቡሕን ብዘይቲ ዝረስረሰን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 65:9፣ ዘካ 10:1
  • +ሆሴ 2:21, 22
  • +ኢሳ 65:10

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 11

    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!፡ ገጽ 232

ኢሳይያስ 30:24

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ሳውሮ።”

ኢሳይያስ 30:25

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 41:18፣ 44:3

ኢሳይያስ 30:26

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ድጕ 2:13
  • +ኤር 33:6፣ ኣሞ 9:11
  • +ኢሳ 60:20፣ ራእ 21:23፣ 22:5

መሐበሪ

  • መሐበሪ ምርምር

    ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)፡

    11/2022፡ ገጽ 11

ኢሳይያስ 30:27

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:17፣ ናሆ 1:6፣ ጸፎ 3:8

ኢሳይያስ 30:28

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ቃ.ቃ.፡ “ብምሔ ኸንቱነት።”

  • *

    ወይ፡ “ትንፋሱ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 19:28፣ መዝ 32:9

ኢሳይያስ 30:29

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ክትቅደሱ።”

  • *

    ወይ፡ “ናብ ደሃይ ሻምብቆ።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ዘዳ 16:14፣ መዝ 42:4፣ ኤር 33:10, 11
  • +ዘዳ 32:4፣ ኢሳ 26:4

ኢሳይያስ 30:30

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +መዝ 29:3, 4
  • +ዘጸ 15:16፣ መዝ 98:1
  • +ናሆ 1:2
  • +መዝ 18:13
  • +መሳ 5:4
  • +እያ 10:11

ኢሳይያስ 30:31

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 37:36
  • +ኢሳ 10:12

ኢሳይያስ 30:32

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ወይ፡ “ብኽራርን።”

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +ኢሳ 10:24, 26
  • +ዘጸ 15:20፣ መሳ 11:34

ኢሳይያስ 30:33

እግረ ጽሑፋት

  • *

    ኣብዚ “ቶፌት” ከም ምሳልያዊ ቦታ ምንዳድ ጌርካ እዩ ተዓይዩሉ ዘሎ፣ ንጥፍኣት ድማ የመልክት።

ሕድጋታዊ መወከሲታት

  • +2ነገ 23:10፣ ኤር 7:32
  • +ኢሳ 37:37, 38፣ ህዝ 32:22

ሓፈሻዊ

ኢሳ. 30:1ኢሳ 1:2፣ 63:10፣ 65:2
ኢሳ. 30:1ኢሳ 29:15
ኢሳ. 30:2ዘሁ 27:21፣ 1ነገ 22:7
ኢሳ. 30:2ኢሳ 31:1፣ ህዝ 29:6
ኢሳ. 30:3ኤር 17:5
ኢሳ. 30:4ኢሳ 19:11፣ ህዝ 30:14
ኢሳ. 30:5ኢሳ 31:3፣ ኤር 2:36
ኢሳ. 30:7ኢሳ 31:1፣ ኤር 37:7, 8
ኢሳ. 30:7መዝ 87:4፣ 89:10
ኢሳ. 30:8ሮሜ 15:4
ኢሳ. 30:8ኢሳ 8:1፣ ኤር 36:2
ኢሳ. 30:9ዘዳ 31:27፣ ኢሳ 1:4፣ ኤር 44:3
ኢሳ. 30:9ኢሳ 59:3፣ ኤር 9:3
ኢሳ. 30:92ዜና 33:10፣ 36:15, 16፣ ነህ 9:29፣ ኤር 7:13
ኢሳ. 30:102ዜና 16:10፣ 18:7፣ ኤር 11:21፣ 26:11
ኢሳ. 30:10ኤር 23:16, 17፣ ህዝ 13:7፣ ሚክ 2:11
ኢሳ. 30:11ኣሞ 7:13, 16
ኢሳ. 30:12ኣሞ 2:4, 5
ኢሳ. 30:12ኤር 13:25፣ ሚክ 3:11
ኢሳ. 30:151ዜና 5:20፣ 2ዜና 16:8፣ ኢሳ 26:3
ኢሳ. 30:15ማቴ 23:37፣ ግብ 7:51
ኢሳ. 30:16ኢሳ 31:1, 3
ኢሳ. 30:16ዘዳ 28:49, 50፣ ኤር 4:13፣ ድጕ 4:19፣ ኣን 1:6, 8
ኢሳ. 30:17ዘሌ 26:36፣ ዘዳ 32:30
ኢሳ. 30:17ህዝ 12:16
ኢሳ. 30:18ዘጸ 34:6፣ ህዝ 36:9, 10
ኢሳ. 30:18መዝ 102:13፣ ሮሜ 9:15
ኢሳ. 30:18መዝ 99:4፣ ኤር 10:24
ኢሳ. 30:18ኤር 17:7
ኢሳ. 30:19ነህ 11:1፣ ኢሳ 44:28፣ 62:1፣ ኤር 31:6፣ ዘካ 1:17
ኢሳ. 30:19ነህ 12:27፣ ኢሳ 61:3
ኢሳ. 30:19ኤር 29:11, 12
ኢሳ. 30:20ዘሌ 26:26፣ መዝ 80:5
ኢሳ. 30:20እዮ 36:22፣ መዝ 32:8፣ 71:17፣ 119:102
ኢሳ. 30:21ዘዳ 5:32፣ እያ 1:7, 8፣ ምሳ 4:27
ኢሳ. 30:21መዝ 25:8, 9
ኢሳ. 30:22ዘጸ 32:4፣ ዘዳ 7:5, 25፣ መሳ 17:3, 4
ኢሳ. 30:22ሆሴ 14:8፣ ዘካ 13:2
ኢሳ. 30:23መዝ 65:9፣ ዘካ 10:1
ኢሳ. 30:23ሆሴ 2:21, 22
ኢሳ. 30:23ኢሳ 65:10
ኢሳ. 30:25ኢሳ 41:18፣ 44:3
ኢሳ. 30:26ድጕ 2:13
ኢሳ. 30:26ኤር 33:6፣ ኣሞ 9:11
ኢሳ. 30:26ኢሳ 60:20፣ ራእ 21:23፣ 22:5
ኢሳ. 30:27ኢሳ 10:17፣ ናሆ 1:6፣ ጸፎ 3:8
ኢሳ. 30:282ነገ 19:28፣ መዝ 32:9
ኢሳ. 30:29ዘዳ 16:14፣ መዝ 42:4፣ ኤር 33:10, 11
ኢሳ. 30:29ዘዳ 32:4፣ ኢሳ 26:4
ኢሳ. 30:30መዝ 29:3, 4
ኢሳ. 30:30ዘጸ 15:16፣ መዝ 98:1
ኢሳ. 30:30ናሆ 1:2
ኢሳ. 30:30መዝ 18:13
ኢሳ. 30:30መሳ 5:4
ኢሳ. 30:30እያ 10:11
ኢሳ. 30:31ኢሳ 37:36
ኢሳ. 30:31ኢሳ 10:12
ኢሳ. 30:32ኢሳ 10:24, 26
ኢሳ. 30:32ዘጸ 15:20፣ መሳ 11:34
ኢሳ. 30:332ነገ 23:10፣ ኤር 7:32
ኢሳ. 30:33ኢሳ 37:37, 38፣ ህዝ 32:22
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • 16
  • 17
  • 18
  • 19
  • 20
  • 21
  • 22
  • 23
  • 24
  • 25
  • 26
  • 27
  • 28
  • 29
  • 30
  • 31
  • 32
  • 33
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኢሳይያስ 30:1-33

ኢሳይያስ

30 “እቶም ነቓጻት ደቂ፡ ወይለኦም”+ ይብል የሆዋ፣

“ንሳቶም ዘይናተይ ውጥናት ይፍጽሙ፣+

ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ኪውስኹ ድማ፡

ብመንፈሰይ ዘይኰነ ኺዳን ይተኣታተዉ።*

 2 ኣብ ትሕቲ ዕቝባ* ፈርኦን ኬጽልሉ፡

ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ድማ ኪጽግዑ ኢሎም፡

ከየማኸሩኒ*+ ናብ ግብጺ ይወርዱ!+

 3 ዕቝባ ፈርኦን ግና መሕፈሪኹም፡

ጸግዒ ጽላል ግብጺ ኸኣ መዋረዲኹም ኪኸውን እዩ።+

 4 መሳፍንቱስ ኣብ ጾዓን+ ኣለዉ፣

ልኡኻቱ እውን ናብ ሓኔስ በጺሖም ኣለዉ።

 5 በቲ ሕፍረትን ውርደትን እምበር፡+

ረድኤትን ጥቕምን ዘይህብ

ገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ፡

ኵላቶም ኪሓፍሩ እዮም።”

 6 ኣንጻር እንስሳታት ደቡብ እተዘርበ ኸቢድ መልእኽቲ፦

በታ ምድሪ ጭንቅን ሽግርን፡

በታ ምድሪ ኣንበሳን ዚጓዝም ኣንበሳን፡

በታ ምድሪ ኣፍዑትን በራሪ ዜንድድ ተመንን* ኣቢሎም፡

ሃብቶም ኣብ ዝባን ኣእዱግ፡

ዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጕዳ ኣግማል ጽዒኖም ይኸዱ።

እዚ ግና ነቲ ህዝቢ ኣይጠቕሞን እዩ።

 7 ረድኤት ግብጽስ ከቶ ዘይጠቅም እዩ።+

ስለዚ፡ ነዚኣ፡ “ስቕ ኢላ እትቕመጥ ረሃብ”+ ኢለ ጸዊዐያ ኣለኹ።

 8 “ሕጂ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ጽሓፎ፣

ንዚመጽእ መዓልቲ

ነባሪ ምስክር ምእንቲ ኪኸውን፡+

ኣብ መጽሓፍ ወርቆ።+

 9 ንሳቶምሲ ዓለውቲ ህዝቢ፡+ መታለልቲ ደቂ፡+

ሕጊ* የሆዋ ምስማዕ ዚኣብዩ ደቂ እዮም።+

10 ንረኣይቲ፡ ‘ኣይትርኣዩ’ ይብሉ፣

ንሰብ ራእይ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ራእያት ኣይትንገሩና።+

ዚሽሕጥ* ነገር ንገሩና፣ መታለሊ ነገር ርኣዩልና።+

11 ካብታ ጐደና ኣልግሱ፣ ካብታ መገዲ ተኣለዩ።

ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ቅድሜና ኣይትግበሩልና’ ይብሉ።”+

12 ስለዚ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፦

“ነዚ ቓል እዚ ስለ ዝነዓቕኩምዎ፡+

ብዓመጻን ብምትላልን ስለ እተኣመንኩም፡

ኣብኡ እውን ስለ እተጸጋዕኩም፡+

13 ስለዚ፡ እዚ ስሕተት እዚ ኸም ዝነቕዐ መንደቕ፡

ከምቲ ኺወድቕ ዝቐረበ ዝዘጠጠ ነዊሕ መንደቕ ኪኸውን እዩ።

ብሃንደበትን ብቕጽበትን ኪፈርስ እዩ።

14 ከም ገንኢ ሰራሕ ካይላ ኺስበር እዩ፣

ሓዊ ኻብ መጋርያ ንምጽሓር፡

ወይ ማይ ካብ ዕቋር* ንምቕዳሕ ዚኸውን፡

ካብ ገልዑ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ጠሪሱ ኺሕምሸሽ እዩ።”

15 እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስሲ፡ ከምዚ ይብል፦

“ናባይ ብምምላስኩምን ብምዕራፍኩምን፡ ክትድሕኑ ኢኹም፣

ብርታዐኹም ኣብ ምህዳእኩምን ኣብ ምውካልኩምን ኪኸውን እዩ።”+

ግናኸ፡ ንስኻትኩም ኣቢኹም።+

16 ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣይፋልናን፡ ብኣፍራስ ክንሃድም ኢና!” ኢልኩም።

ስለዚ፡ ክትሃድሙ ኢኹም።

“ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ክንውጣሕ ኢና!”+

ስለዚ፡ እቶም ዚሰጕጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።+

17 ብምፍርራህ ሓደስ ሽሕ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፣+

እቲ ኻባኻትኩም ዝተረፈ ኸም ደቐል ኣብ ርእሲ ኸረን፡

ከም ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኵርባ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡+

ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሃድሙ ኢኹም።

18 የሆዋ ግና ሞገስ ኬርእየኩም ብትዕግስቲ ይጽበ ኣሎ፣+

ኪምሕረኩም ድማ ኪትንስእ እዩ።+

የሆዋስ ኣምላኽ ፍትሒ እዩ።+

ኵሎም እቶም ዚጽበይዎ* ሕጉሳት እዮም።+

19 እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን፡ ኣብ የሩሳሌም፡+ ምስ ተቐመጠ፡ ከቶ ኣይክትበክን ኢኻ።+ እንተ ኣእዊኻ፡ ብርግጽ ሞገስ ኬርእየካ እዩ፣ ስምዕ ምስ ኣበለ፡ ኪምልሰልካ እዩ።+ 20 የሆዋ፡ ጭንቂ ኸም እንጌራ፡ ጭቈና እውን ከም ማይ እኳ እንተ ሃበኩም፡+ እቲ ዓብዪ መምህርካ ኣይኪሕባእን እዩ፣ ኣዒንትኻ ድማ ነቲ ዓብዪ መምህርካ+ ኺርእያኦ እየን። 21 ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልኩም ከኣ፡+ ኣእዛንካ ብድሕሬኻ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ።+ ብእኣ ተመላለሱ” ዚብል ቃል ኪሰምዓ እየን።

22 ነቲ ብብሩር እተለበጠ ቕሩጽ ምስልታትን ብወርቂ እተለኽየ ፍሱስ ምስልታትን ከተርክስዎ ኢኹም።+ ከም ክዳን ጻግነ ኽትድርብይዎ፡ “ወጊድ!”* ድማ ክትብልዎ ኢኹም።+ 23 ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህቦ፡+ እቲ ኻብታ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍን መዓዛታት ዘለዎን* ኪኸውን እዩ።+ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ማልካ ኣብ ሰፊሕ መጓሰዪታት ኪበልዓ እየን።+ 24 እቶም ንምድሪ ዚሓርሱ ኸብትን ኣእዱግን ከኣ ብመዝረውን ብመስአን እተዘርወ ምስ ጥዑም ምግቢ* እተሓወሰ ድርቋ ኺበልዑ እዮም። 25 በታ ግምብታት ዚወድቀላ መዓልቲ ዓብዪ ቕትለት ድማ፡ ኣብ ኵሉ ነዊሕ ከረንን ኣብ ኵሉ ነዊሕ ኵርባን፡ ወሓይዝን መገድታት ማይን ኪኸውን እዩ።+ 26 ብርሃን ምልእቲ ወርሒ ኸኣ ከም ብርሃን ጸሓይ ኪኸውን እዩ፣ በታ የሆዋ ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዝንነላን+ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላን+ መዓልቲ ድማ፡ ብርሃን ጸሓይ፡ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ፡ ሸውዓተ ዕጽፊ ኪኸውን እዩ።+

27 እንሆ፡ ስም የሆዋ ብዚነድድ ኵራኡን ብኸቢድ ደበናታትን

ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ።

ከናፍሩ ቝጥዓ መሊኡ ኣሎ፣

ልሳኑ እውን ከም እትባላዕ ሓዊ እያ።+

28 ንኣህዛብ ብምሔ ጥፍኣት* ኪሓሕዮምሲ፡

መንፈሱ* ኽሳብ ክሳድ ዚበጽሕ ዜዕለቕልቕ ውሒዝ እዩ፣

ህዝብታት ከኣ ዜስሕት ልጓም ኣብ ምንጋጋኦም ኪህልዎም እዩ።+

29 መዝሙርኩም ግና ከምታ ንበዓል ክትዳለዉ* ኸለኹም፡+

ለይቲ እትዝምርዋ መዝሙር ክትከውን እያ፣

ሓጐስ ልብኹም ድማ፡

ከም ሓጐስ እቲ ሻምብቆ ሒዙ*

ናብ ከረን የሆዋ፡ ናብ ከውሒ እስራኤል ዚኸይድ ኪኸውን እዩ።+

30 የሆዋ ኸኣ ነቲ ግርማዊ ድምጹ+ ኼስምዕ እዩ፣

ቅልጽሙ+ ብረስኒ ቝጥዓ፡+

ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን+

ብብርቱዕ ዝናምን+ ብሃጽፍን ብበረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።+

31 ብድምጺ የሆዋስ ኣሶር ብሽበራ ኺውቃዕ እዩ፣+

ብበትሪ ኺወቕዖ እዩ።+

32 ኣብ ውግእ ቅልጽሙ ኼልዕለሎም ከሎ፡+

ኵሉ መዝበጥቲ እቲ የሆዋ ኣብ ኣሶር ዜውርዶ

በትሪ መቕጻዕቲ፡

ብኸበሮን ብመሰንቆን* ኪስነ እዩ።+

33 ቶፌቱስ*+ ድሮ ተዳልዩ ኣሎ፣

ንንጉስ እውን ተዳልዩ ኣሎ።+

ነቲ እተጸፍጸፈ ዕንጨይቲ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፣

ኣብኡ እውን ብዙሕ ሓውን ዕንጨይትን ኣሎ።

ትንፋስ የሆዋ፡ ከም ውሒዝ ዲን ኰይኑ፡

ንዕኡ ኼባርዖ እዩ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ